ምሕዳስ ውክልና ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ

2025-07-09 06:59:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 231 times

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመክሊቱ፥ ንመሓመድ ዓብዱሰላም ባብክር፡ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማም ወይ ሓላፍነት ክቕጽሎ ምውሳኑ፡ ዓወት ንደለይትን ተጣበቕትን ንፍትሒ ብሓደ ሸነኽ፥ ዓቢ ጽፍዒት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ኩሎም ብራዕድን ጭቇንን ንህዝቦም ዝገዝኡ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዓለምን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ኢዩ ኰይኑ።

እዚ ከኣ፡ ንተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራስያውያን ሃገራትን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘተባብዕን ንኹሎም ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ዝጸንሑ ሸነኻት ብሓፈሻ  ዓቢ ዓወት ክኸውን እንከሎ፥ ብኻልእ ገጹ ከኣ፡ ኣብ ግዳም ንዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ከጋጥመን ንዝጸንሐ ብድሆታት ተጻዊረን ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ምብጽሐን ዓቢ ብስራት ኢዩ።  

እዚ ተበግሶ’ዚ ዓቢ ኣህጉራዊ ደገፍ ንኽረክብ፡ ናብ 26 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ሃገራት፡ ንተመዚዙ ዝጸንሐ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሓላፍነቱ ከሐድሳሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸቕጥታት ክገብራን ዝጽውዕ ወግዓዊ መልእኽትታትን መጸዋዕታን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ።

ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ፡ ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጸሙ ዓበይቲ ግህሰታት ንምክትታልን ንምምዝጋብን ክቕጽል ብሓደ ሸነኽ፥ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ድማ ዋሕስነቶም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ክኸውን ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

8 ሓምለ 2025

Last modified on Wednesday, 09 July 2025 09:04