ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ብዕለት 24 ለካቲት 2024 ኩሎም ኣባላታ ኣብዝተረኽብሉ ፈላሚ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፣ ሓንቲ ካብተን ብላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ኣካል ቆይመን ኣብ ስራሕ ዝርከባ ዘለዋ ኣካላት ኮይና፣ ተሓታትነታ ድማ ነቲ ዘቆማ ኣካል እያ። እቲ ኣኼባ ድሕርቲ ናይ ዕለት 11 ለካቲት 2024 ብመሪሕነት ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ኣካል ሰለስቲኡ ሓይልታት ዝተሰላሰለ ናይ ሌላ ርክብ ንመጀመርታ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ንምክትታልን መበገሲ ስራሕ ንኽከውንን ኣብቲ ብኣቦ መንበራት ዝተመርሔ ርክብ ንዘይነበሩ ኣሓት ዕማምን ከመይነት ኣመራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለን መብርሂ ብምቕራብ እዩ ጀሚሩ። ድሕር’ዚ፣ ናይቲ ኣኼባ ደቓይቕ ዝሕዝ ኣባል ቀሪቡ፣ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ነብሳ ኣብ ናይ ስራሕ ዕማማት ንምምቃል፣ ብቐዳምነት ሰለስተ ዝኣባላታ ነቲ ስራሕ እተማእክል ኣካያዲት ኣካል ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኣካያዲ ኣካል ሽማግለ ዋዕላ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ዋንነትን ሓላፍነትን መታን ክስምዖ ካብተን ንፖሓኤ ዘቆማ ሓይልታት ክሳተፍዎ ከምዝግባእ ድማ ርእዩ። በዚ መሰረት ኣድያም ተፈራ፣ ዑመር ዓሊ ዓብዱን ክብራኣብ ምስግናን ዘለዉዎ ኣካያዲ ኣካል ምምራጹ ተፈሊጡ።

ስዒቡ፣ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ነብሳ ናብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ማለት ናይ ሰነድ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዜናን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ሽማግለታት መቓቂላ ስራሓታ ከተካይድን ምስዘድሊ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ካልኦት ተወሰኽቲ ተሓባበርቲ ኣባላት ካብ ውዳቤታቱ ክሓትት ከምዝኽእልን ብምርድዳእ ዳግማይ ሽማግለ እትራከበሉ ናይ ቆጸራ ግዜ ብምውሳን ኣኼባ ተደምዲሙ። 

ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስሙ ካብቲ መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣኡ እዩ ወሲድዎ። ነዚ ቀርኒ ዘቑማ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ጅቡትን እየን። ናይዘን ሃገራት ድምር ስፍሓት መሬት 1,882,757 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ብዝሒ ህዝበን ድማ  140,683,144 ይግመት። ካብዘን ሃገራት ብስፍሓት ኮነ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ  ሶማሊያ ድማ ብኽልቲኡ መለክዒ ካለኣይቲ’ያ። ኤርትራ  ደሴታታ ወሲኽካ 2,234 ኪሎሜተር፡ ጅቡቲ 314 ኪሎሜተር፡ ሶማሊያ 3,330 ኪሎሜተር ገማግም ማሕሪ ኣለወን። ኢትዮጵያ ግና ኣፍደገ ባሕሪ የብላን።

ገለ ወገናት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስፊሖም ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን እውን ይውስኽወን።

ቀርኒፍ ኣፍሪቃ ብሰንክቲ ተሃዋሲ ስትራተጅካዊ ኣቀማምጣኡ፡ ብብዙሓት ዝበሃግ፡ ወጥሪ፡ ቅልውላውን ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ዘይፍለዮ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ ኣቕራኑ ዘብልሕ ዘሎ ከባቢ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ወጥርታት፡ ሓያላት ነቲ ከባቢ ዝብህግዎ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ እተን ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ዘየሳንያን ብውሽጣዊ ግርጭታት ዝሕመሳን ምዃነን ንዘይምርግገአን መሰረታዊ ምኽንያት እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ዲክታተር ወዲቓ ዘላ ሃገር እያ። ልዕሊ 350 ኣብያተ-ማእሰርታ ካብ ምቁጻር፡ “ናብ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ዘላ ሃገር’ያ” ምባላ ኣብ ዝቐለሉ ደረጃ’ያ እትርከብ። እቲ ዝገዝኣ ዘሎ ኣካል፡ ዝኾነ ይኹን ምስቲ ህዝቢ ዘዛምዶ ሕገ-መንግስቲ ኮነ ካልእ ዘራኽቦ ሕጋዊ ቀጥዒ ዘየብሉ ኢደ-ወነናዊ እዩ። ብሓጺሩ ኤርትራ ፓርላማ ዘየብላ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ግንባር ጥራይ ዝወደቐት እንኮ  ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ማእከላይ መንግስታ ምስ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዎ ዝምድና  ዝመንመነ እዩ። ዘይዝረበሉ ኮይኑ እምበር፡ ምስተን ዝተረፋ ክልላት ዘለዎ ዝምድና’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እተን ክልላት’ውን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘለወን ዝምድና ምልሕልሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕደን ኣብ ዝኸፈአ ምፍጣጥ ዘለዋ እየን። ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማልን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሶማልን ዓፋርን ዘሎ ዝምድና ብቐጻሊ ጐነጽን ናይ ዶባት ምስሕሓብን ዝተሰነየ እዩ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ክልል ከኣ ቅሱን ኣይኮነን።

ኣብ ትግራይ ድሕሪቲ ውግእ፡ “ሕጂኸ ከመይ ንቐጽል?” ኣብ ዝብል፡ ክቱር ምስሕሓብ ኣሎ። ውሽጣዊ ኩነታት ናይቲ በይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት ድሕሪ’ቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ጠጠው ምባሉ ብኸቢድ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። በቲ  ውግእን ደርቅን ዘስዓቦ ጥሜት ናይ ሰባት ሞት ተወሲኽዎ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ። ዳግማይ ኣብ ውግእ ከይኣትዉ ድማ ውሑስ ኣይኮነን። 

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ንብልጽግና ዝድግፉን ምስቲ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ዝተሰለፉን ከቢድ ምፍጣጥን ደም ምፍሳስን ኣሎ። ሓይሊ ፋኖ እውን በብዘለዎ ከባቢ ኣንጻር ብልጽግና ዝትኩስ፡ ካብ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ዘይረዳድኡ ወገናት ዝምወል እምበር፡ ዝተማእከለ ውዳበ የብሉን። ሕቶኡ ብንጹር እንታይ ምዃኑ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።  ኣብ ኦሮሞ፡ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ተቓወምቲ ብልጽግናን እቲ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብክቱር ጽልኢ ዝረኣኣዩ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ናይ ትግራይኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብሰንኪ ውግእ ዕለታዊ ብዙሓት ሲቪል ዜጋታት ብድሮናት ከይተረፈ ይረግፉ ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ስማዊ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ኣሎኳ እንተተባህለ፡ ብግሪ ግና ኣብ ፍጹም ዓብላልነት እንኮ ሰልፋዊ ብልጽግና ወዲቑ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ካብቶም በቲ ሕገመንግስቲ 547 ክኾኑ ዝግበኦም ተወከልቲ 419 ጥራይ እዮም ተመሪጾም። ካብዚኣቶም ብጽሒት ብልጽግና 410 መንበር ኮይኑ፡ ኣብንን ኢዜማን ድማ 5ን 4ን ወናብር ኣለዎም።

ሶማሊያ፡ ከም ሃገር  ካብ ምውዳቕ ብዘተኣማምን ኣይደሓነትን። ምንቅስቓስ ኣልሸባብ እናወሰኸ፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝተዋጸአ ሰራዊት ትሕለው ዘላ ሃገር እያ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን መረዳድኢ ሰነድ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታሙ፡ ኣብ ወጥሪ እያ ዘላ። ኣብ ሶማሊያ ዝተቐራረበ ዓቕምን ተቐባልነትን ዘለወን ሰልፍታት ይወዳደራ እየን። መንግስቲ ሶማሊያ 275 ኣባላት ፓርላማን 54 ሰኔተራትን ኣለዉዎ። ካብዚ እቲ ስዒሩ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሕብረት ንሰላምን ዕቤትን 165 ወናብር ኣለዎ።

ጅቡቲ፡ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ኣብ መንጎ ዒሳን ዓፋርን ምስሕሓብ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እኳ ኣብ ምዕራዊ ከባቢ ናይታ ሃገር ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ  ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝፈጸሙ ብማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ንስሙ ሰልፍታት ይንቀሳቐሳ እየን። ብግብሪ ግና ናይ ሓደ ሰልፊ ፍጹማዊ ዓብላልነት ዝረአየላ እያ። ኣብዚ እዋንዚ ፓርላማ ጅቡቲ 65 ወናብር ኣለዉዎ። ካብዚ ፕረሲደንታዊ ሕብረት 58 ወናብር ክህልዎ እንከሎ ንዲሞክራስያዊ ሕብረት ድማ 7 ጥራይ ኣለዎ።

እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ዝምድና ጥዑይ ኣይኮነን። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝምድናኣ ሕማቕ እዩ። ዝምድና ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ሶማሊያን ክሳብ ክንደይ ሓርፊፉ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ኢትዮጵያን ጅቡትን እውን ብፍላይ ድሕሪ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ሰንከልከል ዝብል ዘሎ እዩ። ሶማሊያ ምስ ኤርትራ ጥራይ እያ ደሓን ዝምድና ዘለዋ። ናይዘን 4ተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ብኸምዚ ደረጃ ናይ “ድሙን ኣንጭዋን” ኮይኑ ዘሎ፡ ከካብ ናታተን ረብሓ ብዝነቅል ዘይኮነ፡ ጠንቁ ናይተን ዝልእከአን ተፈኻኸርቲ ሃገራት ዘይምቅዳው ምዃኑ ይእመን።

ምስ ናይዚ ቀርኒ ኣካል ዘይኮና ሃገራት ዘለወን ዝምድና ክንርኢ እንከለና ድማ እቲ ምጽላእ ካበይ ከም ዝነቅል ምግንዛብ ይከኣል። ኤርትራ ምስ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ስዑድ ዓረቢያንን ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ክፋል ሱዳንን ደሓን ዝምድና ኣለዋ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ወገን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣይተሳንን። ምስ ወገን ጀነራል ሕመቲን ዓረብ ኢሜረትን ግና ደሓን ዝምድና ኣለዋ። ሶማሊያ ምስ ግብጺ ኤምረትን ብፍላይ ከኣ ምስ ቱርኪ ወተሃደራዊ ዝምድና ኣለዋ። ንዝምድናአን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሩሲያን ቻይናን ሰዓብተንን  ከኣ ኩለን “ምሳይ ምሳይ”  ክብለአን እየን ዝስመዓ። እተን ዓበይቲ ሃገራት ግና ንዋላ ሓደ ካብ ኣባላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸስራ ስለ ዘይደልያ ግሁድ መርገጸን ኣየርእየአንን።

እቲ እዘን 4ተ ብዛዕበአተን ንዛረበ ዘለና ሃገራት ኣባላቱ ዝኾናን ኣብ ዝምድናአን ኣውንታዊ ግደ ክህልዎ ዝነበሮን ኢጋድ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ህልውናኡ ከየኸትም ኣብ ዘስገኣሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ። 

ድሕርቲ ውግእ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ምጅማሩ፡ እቲ ካብ ናይ ዓለምና ንግዳዊ ምንቅስቓስ ልዕሊ 10% ይመሓላለፈሉ ዝበሃል ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ብምእታዉ ንቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝያዳ የጋድዶ ኣሎ።

እቲ ዝተሓሳስብ እምበኣር፡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ምፍጣሩ ዘይኮነ፡ ነዚ ክፈትሑ ዝኽእሉ ብቑዓትን ሓላፍነታውያንን መራሕቲ ዘይምህላዎም እዩ።

ማዕከን ዜና ኣሶሸይት ፕረስ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ መሊኣ ከምዘይወጸት ብምጥቃስ፡ ሰራዊታ፡ ኣበ ዶባት ዝነሩ ተጋሩን እንስሳ ዘቤቶምን  ጨውዮም ከም ዝወስዱ፡ ከምኡ እውን ንገለ ወገናት ኣገዲዱ ናይ ኤርትራ  ወረቐት መንነትን ንክሕዙ ከም ዘገድድዎም ሓቢሩ። ብሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ መሻርኽቱ ትካላትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ው ነዚ ፍጻመ ከም ዘረጋገጽዎ ተሓቢሩ

ካብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘይሰፈሮ ዝተጠቕሰ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተጨውዩ 14 ሓረስቶትን ኣስታት 150 እንስሳ ዘቤትን ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብዚ ጭውያ ዝፈጸመሉ ወረዳታት ንክወጽእ  ብዝተፈላለዩ ወገናት ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ክቐርበሉ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቀሪቡ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ኣብቲ መጠንቀቕታ ነቲ ፈጻሚ ጉዳይ ብሪጣንያ መሬት ኤርትራ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንክጸንሕ ከም ዝደገፈትን ሎሚ እውን ነቲ ተግባር ትደግሞ ኣላ ዝብል ክሲ ከም ዝተነግሮ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ክሲ ካልእ ዝርዝርኳ እንተዘይቀረበ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኩነታት ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ናብ ትግራይ ዝገሸ ሚንኒስተር ልምዓት ኣፍሪቃ ብሪታያ፡ ከምኡ እው ኣንበሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ”  ብዝብል ዘቕረዎ መጸዋዕታ ዝምልከት ምዃኑ ይግመት።

ኤርትራን ብሪጣንያን፡ ኣቐዲመን እውን ኣብ መንጎአን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ኣንበሳደር ናብ ደረጃ ፈጻሚ ጉዳይ ስለ ዘውረደኦ፡ ኣንበሳደር እስጢፋኖስ ሃብብተማርያም ናብ ኣስመራ ከምዝተመልሰ ዝዝከር እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ናብ ሕብረተሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ኣብ ሕልናይ ወትሩ ዕረፍቲ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ ከም ሰብ ክሓስብ ስለ ዝኸኣልኩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ወዲ ሰብ 5 ሕዋሳት ኣለዎ። እዚ ካኣ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ኮይኑ፡ ንዘሎ ኩነታትካ ሓታትን መላስን ኴንካ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ ሽግርካ ፈቲሕካ፡ ብሓፈሻ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ምስ ኣህዛብ ዓለም እንካን ሃባን ተበሃሂልካ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ቅዋማዊ ሕጊ ዓንዲ ሕቖን ጌርካ ምንባር ኮይኑ፡ ግን ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ሃገርን ህዝብን ሕብረተሰብን ስለ ዝኾንና፡ ብነጻ ኣእምሮ ንክብሪ መሰልና ንኩነታትና  ሓተትን መለስትን  ብዘይምዃንና፡ እሞ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፤ እንሆ ውጽኢት 32 ዓመት: ኣብ ከርፋሕ ናብራ ስደትን ጸገማትን ንነብር ኣሎና። ሕሰብ ኤርትራዊ ህዝብኻ ኣበይ ደረጃ ኣሎ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ካብ 91 ክሳብ ሕጂ በቲ ስርዓት መንበሪ ዝተኸላእካ ክንስኻ፡ ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጸልማት እናነበርካ ስቕታኻ ይገርመኒ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ ወዲ ሰብ መወዳእታ ኣለዎ። ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ ናብራን ሕስረትን ሞትን ስደትን መቕዘፍቲ ሰሃራን ባሕርን ብሰንኪ እቲ ስርዓት፡ ንሕና ኤርትራውያን እናሰማዕናን እናረኣናን ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወዲቑ ክንብል ዘይከኣልና? መንእሰይ ወለዶ ጽባሕ ንግሆ እንታ’ዩ ክብለኒ ወይ ክብለና ዘይምባልና፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ብዙሕ የተሓሳስበኒ።

ኣንታ ክቡር ህዝቢ አረ እንታይ ኢና ኴንና ዘሎና ንሕሰብ ኤርትራውያን። ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት እዚ ስርዓት ን32 ዓመት ዓድን ህዝብን ዘድመየን ጨካን ስርዓት እንድ’ዩ። ሕጂ ኩሉ ወጺኡ ካብ ስድራቤት ሓሊፉ ካብታ ጥንታዊ መንነቱ ዝሓዘለት ህድሞኡ ጸጊቡን ጠምዩን ዘጽልለላን ዘዕርፈላን ዝድቅሰላን ኣውጺኡ ኣብ ቍርን ኣሳሕይታን ንፋስን ማይን ኣሳጢሑዎም ይርከብ። እቲ ዘገርም ድማ ኣነ ከም ሰብ ዘተሓሳስበኒ ጥኑሳት ኣብ በረኻ ዝሓርሳሉ ክትርኢ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ። እዚ ንኩሉ ኤርትራዊ/ት ሞት እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት እዚ ስርዓት’ዚ ከይሓፈረ ነቶም ን30 ዓመት ደምዮምን መስዋእቲ ከፊሎምን ንስርዓት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ዘውጽኡዎም፡ ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ከይትበታተን ክንስዋኣላ ኢና ክብለና ከሎ፤ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ድቅና ኣይንህብን ኢልና ሓተትን መለስትን ስለ ዘይኮንና፡ ዕንባባ መንእሰያት ደቅና መንእሰይ ወሎዶ ኤርትራዊ/ት ኣብ ዘይምልከተና ኵናት ኣትዮም ብኣሽሓት ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ዘይወጽእ መሪር ሓዘን ንኩለን ስድራቤታት፡ ብሓፈሻ ድማ ንኩሉ ሕብረተሰብና ኣጽኒቱዎን ኣብ ዓሚቝ ሓዘን የንብሮን ኣሎ።

ዝኸበርካ/ኪ መንእሰይ ወሎዶ ሽግር ህዝብኻ ንስኻ ኢኻ ሓቢርካ ትፈትሖ። እዚ ድማ ሓታትን መላስን ምስ እትኸውን እዩ። ኮይኑ ግን ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ሓደ ነገር ኣሎ ዝገርመኒ፡ ንሱ ድማ ፖሊስ ሓልወኒ ኣነ ድማ ክስዕስዕ ምባል ግን ኣየጥዕመልካን እዩ። ሓውኻ ፍትሒ እናበለ ንስኻ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ተቐሚጥካ ጸረ ፍትሒ ምዃንካ ስርዓት ሓላፊ’ዩ፡ ሕብረተሰብ ግን ነባሪ’ዩ ክብለካ እደሊ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ሓሳበይ ክገልጸልካ ዝደሊ - ኣነ ነጊረ’የ ሕማቕ ታሪኽ ከይትገድፍ፡ ደቅኻ ተመሊሶም ክሓቱኻ’ዮም መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ወዲሰብ ኣብዛ ገዲፉዋ ዝኸይድ ዓለም ትዕበ ትንኣስ ጽቡቕ ታሪኽ ሓዲጉ ክኸይድ ከሎ ክብሪ ንእኡ ክብሪ ንቤተሰቡ ክብሪ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰቡን ሃገሩን ዓቢ ክብሪ ክህልዎ ከሎ ወትሩ ብጽቡቕ እናተዘከረ ይነብር። እዚ ድማ ሂወታዊ ዝኾነ ሞት እዩ ክብል እደፍር። ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ድማ እዚ ብሓቂ ሂወታዊ ዝኾነ ኣበሃህላ’ዩ።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንህዝቢ ዓለም

ቅዋማዊ ሕግና መሰረት ምዕባለና

ብክፍላይ ተኪአ  ጀርመን

ዝርጋሐ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ማለት  ብቐጥታ ምስ ማያዊ ከባቢ ዘይራኸባ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋዚ ኣብ ዓለምና 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ። ጠቕላላ ስፍሓት ናይዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 46.44 ሚልዮን ትርብዒት ኪ/ሜ እዩ። እዚ 12% ካብ ጠቕላላ ስፍሓት ዓለምና ዝሕዝ እዩ። ድምር ብዝሒ ህዝበን  510.94 ሚልዮን ኮይኑ 7% ካብ ህዝቢ ዓለም እዩ። ካብዘን ሃገራት ብስፍሓታ 1ይ ደረጃ እትሕዝ ኣብ ማእከላይ ኤስያ እትርከብ ካዛኪስታ እያ። ካብኣተን ብብዝሒ ህዝቢ 1ይ ደረጃ እትሕዝ  ኢትዮጵያ እያ። ቫቲካን ድማ ብስፍሓት ኮነ ብብዝሒ ህዝቢ እታ ዝተሓተት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ።

 ካብዘን 44 እተን 16 ኣብ ኣፍሪቃ፡ 14 ኣብ  ኤውሮጳ፡ 12 ኣብ ኤስያን 2 ድማ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ይርከባ። ክፍለ-ዓለማት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣወስትራሊያን ኣንታርክቲክን ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ዘይብለን እየን። 2 ካብዘን 44 ሃገራት ዕጽፊ ኣፍደገ ማሕሪ ዘየብለን እየን። እዘን ብዕጽፊ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ዝበሃላ  ብኸምኣተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ጥራይ ዝተኸበባ ማለት እየን። ንሳተን ብኣወስትሪያን ስዊዘርላንድን ዝተኸበት ሌችተንስቴንን፡ ብኣፍጋኒስታን፡ ካዛኪስታን፡ ኪርጋዝስታንን ታጃኪስታንን እትዳወብ ኡዝበኪስታንን እየን። ስዊዘርላድ፡ ኣወስትሪያ፡ ቸክ ሩፓብሊክ፡ ካዛኪስታንን ሁንጋርያን ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ክነሰን ኣብ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ይንገረለን።

ኤርትራ ዳርጋ 1720 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ። ካብዚ እቲ 1155 ካብ ራስ ዱሜራ ክሳብ ራስ ቄሳር ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ እቲ ኣስታት 565 ኪ/ሜ ድማ  ናይእተን ካብ ወደብ ምጽዋዕ ካብ 20 ክሳብ 160 ኪ/ሜ ዝርሕቃ ናብ 360 ዝጽገዓ ደሴታት ዘሎ ገማግም ምዃኑ መጽናዕትታ የርእዩ።

ሶማሊላንድ፡ ድሕር’ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ፡ ምክራይ መሬት ካብ ገማግም ባሕራ ንኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ምውሳድ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ምኽታማ ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ኣላ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ “መን እያ ሶማሊላንድ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ እንተሓገዘ ብዝብል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድያታን ኣብዚ ቅንያት ካብ ዝተዋህቡ ቃለ መጠይቓትን ዝነቕል ብውሱን ምስኣ ከነላልየኩም።

ሶማሊላንድ “ረፑብሊክ ሶማሊላንድ” እናተባህለት እትጽዋዕ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  እትርከብ ባዕላ ናጽነት ዝኣወጀት፡ እንተኾነ ብኻለኦት ኣፍልጦ ዘይረኸበት ነብሳ ክኢላ እተመሓድርን ዝምድናታት እትፈጥርን ዘላ እያ። ሶማሊላንድ ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ባሕሪ ዓደን እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ጅቡቲ፡ ብደቡብን ምዕራብን ምስ ኢትዮጵያን ብምብራቕ ድማ ምስ ሃገረ ሶማሊያ ባዕላ እትዳወብ እያ።

ስፍሓት መሬታ 177 ሺሕ ትርብዒት ኪ/ሜ ኮይኑ ብዝሒ ህዝባ ድማ 5 ሚልዮን ይግመት። ጻዕቂ ዝርጋሐ ህዝባ  28.27 ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪ/ሜት እዩ። ኣብ 6 ኣውራጃታትን 22 ወረዳዳትን ድማ ትኽፈል። ዋና ከተማኣ ሃርገሳ ክትከው እንከላ፡ በርበራ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ  እትርከብ ወደባዊትን ዋና ከተማ ኣብራጃ ሳሂልን እያ።  ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዓባይ ብሪታንታ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ዝነበረት እያ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ከተማታት ዘሎ ርሕቀት 160 ኪ/ሜት እዩ። ርሕቀት ወደብ በርበራ ካብ መቃድሾ 1408.72 ኪ/ሜት ክኸውን እንከሎ፡  ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 705 ኪ/ሜት እዩ።

ሶማሊላንድ ካብ 1800ታት ጀሚራ ውሱን ቅርጺ ሒዛ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ሶማልያ ዝነበረት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኤውሮጳ ከኣ እቲ ካልእ ልፍሊ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ክመሓደር እንከሎ  ክሳብ 1960 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪታንያ ዝነበረት እያ። ኣብ 1960 ድማ ን5 መዓልታት ጥራይ ዝጸንሐ ናጽነት ዝኣወጅትን ድሕሪኡ ግና ክሳብ 1991 ኣካል ሶማሊያ ኮይና ዝቐጸለት እያ።

እዛ ሰፊሕ ካብ መሬታ ሓውሲ-ምድረበደ ዝኾነ ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ነቲ ናይ ምፍልላይ ቃልሲ ዘስዓበ ውድቀት ሰርዓት ዘይድ ባረ ተኸቲላ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ኣውጃ። እንተኾነ “ርእሰ-ምምሕዳር” ተባሂላ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፋ ክሳብ ሎሚ ብዝኾነ ኣካል ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይረኸበት።

ሶማሊላንድ ብ2001 ብህዝባዊ ረፈረንዶም ብዘጽደቐቶ ሕገ-መንግስቲ እያ እትመሓደር። በዚ እናተመሓደረት ከኣ ካብ 2002 ጀሚራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት ምርጫ ተካይድ ኣላ። በዚ ምርጫታት ዝተመስረቱ  ቤት ምኽሪ  ተወከልቲ (ሓጋጊ ኣካል)፡ ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ከምኡ’ውን  ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ኣለዉዋ። እቲ ዘሎ ምምሕዳራ ኣሃዳዊ ኮይኑ ኣብዘሓ ሰልፍታት ዘሳትፍ ክኸውን ግን ክፉት እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልትን ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ነፍሲ ወከፎም 82 ወናብር ኣለዉዎም።

ቁጠባዊ ፖሊሲኣ ናጻ ወፍሪ እንተላይ ንወጻእተኛታት ስለ ዘፍቅድ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረጋግአ ቁጠባ ዘለዋ ምዃና ይንገረላ። እቲ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይምርካባ ገዲፍካ፡ ነታ ብ1991 ናጻ ዝወጸት፡ ብ1993 ድማ ልኡላዊት ዝኾነ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡  ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኣዝያ እትበልጻ ምዃና ብዙሓት ክኢላታት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። ኣብዛ ርእሰ-ምምሕዳር ቋንቋታት፡ ማልኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ይዝረብ።

 

 

መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።  

ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን  ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።

ነዚ ናይ ዓድታት ምቅጻልን ህዝቢ ምጽናትን ዝከታተላ ዝነበራ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ዝወስድ ጽርግያ ኣድብየን ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንህዝቢ ንምብስባስ ንጀነራል ተሾመ እርገቱ ኣሰንዩ ዝወፍር ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ባልዋ ዝተባህለ ቦታ፡ ዕዉት በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣደዳ ሞትን ቁሱላትን ገበርኦ። ጀነራል ተሾመ እርገቱ እውን ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ኢዩ ተቐቲሉ።

መግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ሕነ ናይ’ዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ  ታሕሳስ 1970 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከባ ብዙሓት ዓድታት ኣረሜናዊ ናይ ምቅጻልን ምቕታልን ተግባራት ኣካየደ። በዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝያዳ ዝተጐድኣ ድማ፡ እተን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣዝየን ዕሙራት ዝነበራ ዓድታት ብስክዲራን ዖናን ኢየን።

ብ1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም ሰራዊት ጸላኢ ነቶም ኣብ ዖና ተኣኪቦም ዝነበሩ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ እንተላይ ካብ ብስክዲራ ዝመጹ ተቐማጦ ዝርከብዎም ኣኪቡ ኣስላም ዲኹም ክርስትያን ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ብሃይማኖት ክፈላልዮም ፈቲኑ። ህዝቢ ግን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ኢና ዝብል መልሲ ብምሃብ ነቲ ሸርሒታቶም ነጸጎ። ብድሕር’ዚ፡ እሞ እቶም ኣስላም ኣብ መስጊድ እተዉ እቶም ክርስትያን ድማ ኣብ’ዚ ተኣከቡ ዝብል ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፍሎም፥ ህዝቢ ብሓደ ንመውት ወይ ድማ ብሓደ ንነብር ድኣ’ምበር ኣይንፈላለን ኢና ዝብል መልሲ ምስ ሃቦም፥ ንኹሎም ኣብ’ታ መስጊድ ኣእትዮም ብመሳዂትን ብማዕጾን ጠያይቲ ብምዝናብ ልዕሊ 900 ዝኸውን ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣወዳት ኣዋልድ፡ መንእሰይ ሽማግለ ከይበሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ኣህለቑዎም።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምቛም ናይ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናበሰረ፥ ነቲ ኣብ ዖናን ብስክዲራን ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን፥ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልዑላውነትን ቅዋማውን ሕጋውን ምሕደራን ንምጥጣዕ ክውዕል ብጽንዓት ክቃለስ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ከረጋግጸሎም ይፈቱ። 

ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት መበል 53 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ዖናን ብስክዲራን ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ መንግስተ-ሰማይ ክዋርሶም እናተመነና፥ እቶም ካብ ሃገሮም ርሒቖም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ነዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ደመና ንምዝራው ድማ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።

ሰላምን ፍትሕን ይንገስ!!

ዓመጽን ውግእን ምልክን የልግስ!!

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ /ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ/

8 ታሕሳስ 2023