ቅድድም ኢሳያስን ኣብይን ናብ ትራምፕ ኢድ ንምንሳእ
2024-11-06 19:50:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 190 timesዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።
ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።
ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።
ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።