ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ኣብ ርእሲት ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉ መሰረታዊ መደብ ዕዮኡን ራኢኡን፡ ዝምረሓሉ ቅዋም ወይ ህንጻ-ሕጊ ኣለዎ። እዚ ቅዋም ኣባላትን ኣካላትን ናይቲ ውዳበ እንታይ ከም ዝዓሙ ዘነጽር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝህሉ ዝምድና፡ ምትእስሳርን ምንባብን ዝቕይስ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ሓደ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማኡ ዝእምት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለዎ። ነዚ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮኡ ኣብ ዘተግብረሉ መስርሕ፡ ዝምረሓሉን ዝቕለሰሉን ቅዋም እውን ኣለዎ። እዚ ቅዋሙ፡ ኣብ ሕድሕድ ትካላቱ ዘሎ ዝምድናን ርክባትን ዘነጽር፡ ብጉባኤ ዝጸድቕ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ ኣካላት ሰልፊ ጨንፈር፡ ንኡስ ዞባ፡ ዞባ፡ ፈጻሚ ሽማግለን ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶን ኢሉ መምስ ተግባሮምን ሓላፍነቶምን ዝዝርዝር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ትካልን ኣባልን ሰልፊ ግቡእ፡ መሰልን ተሓታትነትን ዘብርህ ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ዝለዓለ ስልጣን ናይቲ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ዝጋባእ ጉባኤ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 5. 13.1፡ ናይቲ ቅዋም፡ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝጋባእ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ንኣተሃላልዋ ኣባላቱ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክካየድ እዩ። ነዚ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ንምዕዋት ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስረሓታ ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ። በዚ መሰረት፡ ቦታን ዕለትን ጉባኤ ተነጺሩን ኣድላይ ቀረብ ተሰናዲኡን፡ ናብቲ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ብዝተፈላለዩ መስርሓት ሓሊፎም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብተመሳስሊ ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዛ ስረሓታ ተካይድ ዘላ፡ ኣብ ጉባኤ ቀሪቦም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንመሪሕነት ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣጻርያ ናብ ጉባኤ እተቕርብ “ሓጻይት ሽማግለ” በቲ ዝተዋህባ ዕማም መሰረት ስረሓታ ብምጽፋፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በጺሓ ኣላ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝተዘለ ብቑዕ ባእታ ኣሎ ምስ ዝብሉ፡ ኣብ ጉባኤ ብናይ ዓስርተ ሰባት ደገፍ ሕጹይ ክውስኹ ይኽእሉ እዮም። ኣባላት ሰልፊ ኣብ ጉባኤ ዝውክልዎም ተሳተፍቲ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ መዚዞም ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ ተሳትፎ መሰረታት ኣብቲ ጉባኤ ንምስፋሕ፡ ብፍላይ ነቲ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ ዝጸድቕ መሰረታዊ ሰነዳት ንምህብታም ኣብ ርእሲቲ ኣቐዲሞም ብደረጃ ጨናፍር ዘካየድዎ ምይይጥን ዝሃብዎ ሃናጺ ርኢቶታትን፡ ቅድሚ ጉባኤ መላእ ኣባላት ብዝሳተፍሉ ኮንፈረንስ ተወሳኺ ርኢቶኦም ዘንጸባርቕሉ መደብ ተሰሪዑ ኣሎ።
ካብቲ ኣገደስቲ ዕማማት ናይቲ ጉባኤ፡ ናይ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ምንቅስቓስ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ጸብጻብ ማእከላይ ባይቶ ተመያይጡ ብምምዛን ከም ሰልፋዊ ሰነድ ምዕቃብ፡ ምጽዳቕ ንድፊ ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ኣብ ኣገደስቲ እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ኩነታት ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝወሃቦም ፍሩያት ዛዕባታት ተመያይጥካ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምሕላፍን መሪሕነት ምምራጽን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ህልዊ ኩነታት፡ ካብቶም ጉባኤ ኣዕሚቑ ክመዝኖም ትጽቢት ዝገብረሎም ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት፡ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱ እናቐያየረ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ጭቖናን መዋጸኦኡን፡ ኣብ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘዕውት ደረጃ ዘይሓዘ ዘሎ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ምድህሳስን መዋጸኦ ምእማትን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ሓዲሽ ኣሰላልፋ ፖለትካዊ ሓይልታትን ኣብ ከባቢና ዝሕዞ ዘሎ መልክዕ ምንጻርን ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ዝዕቀበሉ ኣቕጣጫ ምእማትን ካብቶም ኣገደስቲ ዛዕባታት ክኾኑ ትጽቢት ይግበረሎም።
ኤርትራዊ ጉዳይና በይኑ ተነጺሉ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ዓለማውን ከባብያውን ኩነታት ከም ዝካየድ ኣብ ግምት ከእቱን ክድህስስን ባህርያዊ እዩ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቶም ተጽዕኖኦም ብቐሊሉ ዝጸልወና ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት ቆላሕታ ዝወሃቦም ክኾኑ ግድን እዩ። ኣብቲ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ጌና ናብ ወግእ ዘይማዕበለሉ ዝነበረ እዋን 2019 ዝተኻየደ፡ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ውግእ ከይዓረገ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን ጉጅለ ህግደፍን ካለኦት ናይ ግዳም ሓይልታትን ኢዶም ኣእትዮም ህውከት ካብ ምብላሕ ክዕቀቡን ዘተሓሳስብ ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪኡ ኣብ ዝተራእዩ ምዕባለታት ከኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ነዚ ናይ ጉባኤ ውሳነ ተኸቲሉ እዩ መርገጻት ክወስድን ርትዓዊ መፍትሕታት ክእምትን ዝጸንሐ። ኣብ ቅድሜና ዘሎ 4ይ ጉባኤ ድማ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ምስርሕ ትግባረ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተባብዕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእ ጸገማቱ እውን ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሕ ዝጽውዕን ሚዛን ክህልዎ ተገማቲ እዩ። ኣብ ጉዳይቲ መቕዘፍቲ ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን፡ ዕንወት ትሕተ ቅርጻ፡ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ምምዝባላትን ዘኸትል ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ጀነራላት ሱዳን ዝሕዞ መርገጽ እውን ንፍሉይ ባህርያት ሱዳን ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ናይ ኢትዮጵያን ትግራይን ናይ ኣተሓሕዛ ተመኩሮ ዘይፍለ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቲ ድሕሪ ምብራዕ ውግእ ሱዳን ዝሓዞ ፍትሓዊ መርገጽ ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ጽባሕ እዚ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ግና ብሰንኪቲ ንዓለምና እውን ኣጨኒቕዋ ዝጸንሐ ኮቪድ-19 በዂሩ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ክጋባእ እዩ። ነዚ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ዝካየደ ፈስቲቫል ዝምልከት ምድላው ድማ ጐኒ ንጐኒ’ቲ ምድላው ጉባኤ ምቅርራብ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ፈስቲቫል ውጽኢት 4ይ ጉባኤ ዝብሰረሉን ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብኣካል ተራኺቦም እሂምሂን ዝበሃሃሉሉን ዝዘናግዕሉን ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ’ሞ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ይዕደሙ።
ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ጉባኤ ይኹን ፈስቲቫል ንክዕወት ዘርኣይዎ ኩለ-መዳያዊ ደገፍን ገንዘባዊ ወፈያን ከም ወትሩ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ኣበርክተኦም ኣብ ምድላው ዝድረት ዘይኮነ፡ ውጽኢት ጉባኤ ኣብ ምትግባር’ውን ከምዘይስልክዩ እሙን እዩ።
(ክቱር ፍቕሪሲ፡ ሕሱም ጽልኢ ይወልድ ደኣ ከይከው)
ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ብ2018 ዝተፈጥረ ዘይቅዱስ ዝምድና፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ከምኡ ክኸውን ዘገደደ እቲ ዝምድና ሃንደበታውን ዘይግሉጽን ስለ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዲፕሎማስያዊ ቅጥዒ ዘይተኸተለ ምብባሩ’ውን እዩ። ንሓያሎ ኤርትራውያን ግና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኩሮታት ህግደፍ ነቒልካ፡ ብውሕዱ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይነበረ ርዱእ ነይሩ። ኣይተሰምዑን እምበር፡ ናይ “ግጉይ ኣካይዳ እዩ” ስምዕታኦም ዘቕረኡ’ውን ነይሮም። እናወዓለ እናሐደረ ከኣ፡ ቀንዲ ዕላማ ዝምድናኦም ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዝነበረ፡ ብግብሪ ተራእዩ።
እዞም ብቐጥታ ብምሉእ ዓቕሞም ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ዝተሰለፉ፡ ህግደፍ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፡ ነናቶም ዝተፈላለየ ሕሳባት ሒዞም ስለ ዝኣተዉዎ፡ ካብቲ ውግእ ዝጽበይዎ ውጽኢት ተመሳሳሊ ኣይነበረን። ብሰንክ’ዚ ድማ ከምቲ ናብቲ ውግእ ብሓባር ዝኣተዉዎ ብሓባር ክወጹ ኣይተሰማምዑን። ትጽቢት ኢሳያስ ካብቲ ውግእ ንህወሓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ምጥፋእ ከም ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ብዝብል ህንዱድ ጭረሖኡ ኣግሂድዎ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንህወሓት፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ስልጣን ናብ ዘይወዳደሮ ደረጃ ንምድኻሙ ምንባሩ ምልክታት ይህብ ነይሩ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብወገኑ፡ ንህወሓት ኣዳኺምካ “ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊ ይምለስ” ብዝብል፡ ዘይሕገመንግስታዊ ቅኒት፡ ወልቃይትን ራያን ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምኽላል ከም ዝነበረ ሎሚ’ውን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረበሉን ክተት ዝእውጀሉን ዘሎ እዩ።
ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፍ ዘይብል፡ ሰብኣዊ፡ ንዋታዊ፡ ገንዘባውን ካልእ ተዛመድቲ ዕንወታትን ከም ዘኸተለ ዓለም ብዓለማ ተገንዚባቶ ዘላ እዩ። ድሕሪዚ ግና ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘሕደርዎ ተጽዕኖታትን ብምርብራብ ናይቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ተዋጋእቲ ወገናትን ናብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም። ከም ውጽኢቱ ድማ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ውዕል ሰላም ተኸቲሙ። እቶም ናብቲ ውግእ ብሓባር ዝኣተዉ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብማዕረ ኣይተቐበልዎን። ኢሳያስን ሓይሊ ኣምሓራን ቅድም ስምምዕ ከይብጻሕ ዝከኣሎም ጽዒቶም። ድሕሪ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ስምምዕ ሰላም ምኽታሙ ከኣ፡ ምስምሳት ክፈጥሩ ጸኒሖም። ሕጂ እውን ዓንቃፊ ጻዕሮም ኣየቋረጹን። ኢሳያስ ምርጫኡ ኣብ ውግእ ምቕጻል ከም ዝነበረ በቲ ከይሓፈረ፡ “ኣሜሪካ ካብቲ ውግእ ኮሊፋትና” ዝበሎ ክሳብ ክንደይ ህውከተኛ ድሌቱ ከምዘይረወየ ኣርእዩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ ትግራይ ክወጽእ እናተገበኦ፡ ዘርኣዮ ዕጥይጥይ፡ ብዙሓት ዝምልከቶም ዝተዓዘብዎን ክሳብ ሎሚ “ዓገብ” ዝብልዎ ዘለዉን እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከውጽእ ተጽዕኖ እናሓየሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንምምሕዳር ኢሳያስ ከየቐይምን ጉዳይ ኣምሓራ ናብ ግጭት ከእቱ ብዘይክእል ኣገባብ ክፈትሕን ተቐርቂሩ ከም ዝጸንሐ ብሩህ እዩ። ኢሳያስ በወገኑ ኣብ ርእሲቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከየውጽእ ዘርኣዮ ኣብያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ንከይወጽእ ከተባብዕ ከም ዝጸንሐ ኣይኮነንዶ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋት ሰላም ምዃኑ ዝኣምኑ ተዓዘብቲ ወገናት ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከም ዘዕቁብ፡ ዘሰልጥንን ዘዕጥቕን የዛርብ ከም ዘሎ’ውን ሸለል ዝባህል ኣይኮነን። ፕረሲደንት ኣመሪካ ብ4 ጉንበት 2023 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጸን ከምዘይወጸን ዝከታተል ተወሳኺ ተቖጻጻሪ ኣካል ምምዛዝ ከድሊ እዩ” ዝበልዎ ድማ ግምት ዝወሃቦ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእትውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም፡ ዝኸፍልዎ ዋጋ እናኸበዶም ከም ዝመጸ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም። ከም መቐጸልታ ናይዚ እዮም ከኣ ብ1 ጉንበት 2023 ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሃላላ ኬላ ዝበሃል መዘናግዒ ቦታ ክምርቑ እንከለዉ፡ “ኣባና ዝኾነት ነገር ቀርማሕ ክትብል እንከላ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና እናኣተዉ፡ ክፍትፍቱ ዝደልዩ ሓይልታት፡ ብፍላይ፡ ድማ ኢትዮጵያዊ ዘይኮኑ፡ ተግባሮም ከቋርጹ የተሓሳስብ። ኢትዮጵያ ብምሕማስ ዝርከብ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲኦም ናትና ጉዳይ ናባና ክገድፍዎ ፡ ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡ ናታቶም ክሰርሑ፡ ከተሓሳስቦም እፈቱ።” ዝበልዎ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኣበሃህላ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ መጠንቀቕታ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ በይኑ ወሲድካ ዝምዘን ዘይኮነ፡ ምስቲ ኢሳያስ ኣቐዲሙ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ ኢድና እነእትወሉ እምበር ስቕ ኢልና ኣይንሪኦን ኢና፡ ውግእ ትግራይ ከይወዳእናዮ ኣሚሪካ ኮሊፋትና” ዝበሎ፡ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ልዕሊ 6ተ ኣዋርሕ ምውሳዱ፡ ኣብ ቅትለት ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ግርማ የሺጥላ ኢድ ዝነበሮም፡ ሳሚን ልዑልን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ሰለይቲ “ኣብ ባህርዳር ተታሒዞም” ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ተደጋጊሙ ዝውረ ዘሎ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንትሮባንድ፥ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ገንዘብን ካልእ ገበናትን ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ይውጽኡልና” ይብልዎ ምስ ዘለዉ ኣዛሚድካ ክረአይ ዝግበኦ እዩ። እቲ ናይ ብዙሓት ጸለውቲ ኣካላት፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንክርሕቕ ተደጋጊሙ ከም ቅድመ-ኩነት ንገንዘባዊ ረዲአት ክንገሮም ዝጸንሐ መጠንቀቕታ’ውን፡ ን”ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማት ኢሳያስን ኣብይን” ዝህልዎ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ድሕሪ ውግእ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ “መንግስትኹም ከይተእትዉዎም ኢሉና እዩ” ብዝብል ይዓግትዎም ምህላዎም’ውን ካብ ቃል ናይቶም ግዳያት ይስማዕ ኣሎ።
ምስዚ ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብቲ ዶር ኣብይ፡ “……ኢትዮጵያዊ ዘይኮኑ ሓይልታት፡ ካብ ተግባሮም ከቋርጹ የተሓሳስብ። …...፡ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡ ናታቶም ክሰርሑ እሞ፡ ነቲ ናትና ናባና ክገድፍዎ፡ ከተሓሳስቦም እፈቱ።” ዝበልዎ፡ እታ “ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ” እትብል ሓረግ፡ ናይ ብዙሓት ቀልቢ እያ ስሒባ። “ብዙሕ ዘይሰርሕዎ ናቶም ጉዳይ ስለ ዘለዎም፡” ክውሰኻ እንከሎ ናብ መን የመልክቱ ከም ዘለዉ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። በዚ ዘይተጸብይዎ ዝሰንበዱ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ነዚ ኣበሃህላ ናብ ካልኦት ከላግብዎ ዘይምህዝዎ የብሎምን። እንተኾነ እዚኣ ካብ ንኢሳያስ ሓሊፋ ንኻልእ ትምልከት ኣይኮነትን። ኣብዚ ዕዉራት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ደድሕቲ ኢሳያስ ካብ ምህውታት፡ ነባሪ ረብሓን ጉርብትናን እምበር፡ ነባሪ ፖለቲካዊ ዕርክነት ከምዘየለ ኣቐዲሞም ክግንዘቡ ምተገብኦም።
ስለዚ እቲ ኣጀማምራኡ ቅንዕና ዘይነበሮ፡ ብዘይካ ኢሳያስ ንግዜኡ ካብ እገዳ ዝወጸሉን ንዶር ኣብይ ኣካታዒ ሽልማት ኖቤል ዝተመጠወሉን ስምምዕ፡ ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ሓደጋ ናይ ምውዳቑን መሃዝቱ ብጐቦ ዓይኒ ምርእኣዮምን እትጽበዮ እዩ። ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክወልድ እዩ? ድማ፡ ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኪሮስ ኣለማዮ፡ “ ምቕናይ ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ” ዝበሎ፡ እንከታተሎ ክኸውን እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ብኣግኡ ሕሳቦም ክገብሩ ከኣ ነዘኻኽሮም።
ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦለ ኣዲስ ኣበባ
እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ
ርእሰ-ምምሕዳራት 11 ክልላት ኢትዮጵያ፡ ከንቲባታት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ካለኦት ዘብ መዚ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ብ27 ማዝያ 2023 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣቶ ኣደም ፋራሕ ተመሪሑ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ኣትዩ። ነቲ ልኡኽ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካለኦት ናይቲ ክልል ሓለፍትንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ተቐቢለምዎም።
ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ እቶም ሓለፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን ስምምዕ ፕረቶርያ ብግሪ ይትርጐም ከም ዘሎ ንምርግጋጽን ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ በቲ ሓደ ወገን ክልላት ኣብ መጻኢ ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይ ዝተሓባበራሉ መንገዲ ንምድህሳስ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ክልላት ሓገዝ ንምሃብ ቃል ክኣትዋ ድማ ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ ምብጸሖም ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ ቦታታትን ካልእ በቲ ውግእ ዝተጐድአ ቦታታን ክበጽሑ እዮም።
ኣብዚ መገሻ ናይቶም ምስ ትግራይ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ዝጸንሑ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምህላዎም፡ ናይ ብዙሓት ስምዒት ዝሰሓበን ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ጐረባብታ ክልላት ሰላም ክትገብር ተስፋ ዝህብን ኮይኑ’ሎ።
ብ26 ማዝያ 2023 እውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝሓዘ ፍሉይ ልኡኽ ክልል ኦሮሞ ናብ መቐለ በጺሑ ምስ ዝተፈላለዩ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ናይታ ከተማ ተራኺቡ ከም ዝተመያየጠ ዝዝከር እዩ።
ካብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ብሰንክቲ ውግእ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ካብ ካርቱም ንወገን ምብራቕ ዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ።
ወተሃደራት ሱዳን እውን ነቶም ምስ ሱዳናውያን ተሓዊሶም ካብ ካርቱም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ በጽሑ፥ ፈልዮም ናብ ተላታ ዓሸር ገጾም ንክኸዱ እናገደዱ፡ ነቶም ብሓይሊ ዝወስዱዎም ናይ ኤርትራ ኣባላት ስለያ፡ ከም ዝተሓጋገዝዎም እቶም ምንጭታ ጠቒሶም። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ከም ዝሕብርዎ እተን ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝጸዓና መካይን ካብ ካርቱም ከተማ ከሰላ ቅድሚ ምእታወን ኣብ ዘሎ መቆጻጸሪ ነቑጣ ይፍተሻ’ሞ፡ እቶም ኤርትራውያን በተን ዝመጽወን መካይን ናብ ተላታ ዓሸር ክቕንዑ ከም ዝግደዱን ካብኡ ድማ ኣባላት ህግደፍ ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።
ካብቶም ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት፡ ካብ ካርቱም በበይኖም ወጺኦም፡ ኣብ ከሰላ ክራኸቡ እሞ ኣብኡ ኮይኖም እንታይ ከም ዝገብሩ ክውስኑ እንዳተጸባበዩ፡ ከይተራኸቡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ተገዲዶም ከም ዝተወሰዱ ዝሓበሩ ኣለዉ። ካብዚ ኩነታት ክሃድሙ ፈቲኖም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ይሕበር።
ምምሕዳር ህግደፍ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ካርቱም ከውጸኣ ክጽዕራን ክሻቐላን እንከለዋ፡ ንሳቶም ግና ነቶም ውሱናት ኣብ ስለላ ኣዋፊረምዎም ዝጸንሑ መሳርሒኦም ጥራይ፡ ብምስጢር ከበግስዎም ከም ዝተራእዩ ምንጭታት ሰዲህኤ ብወገኖም ካብ ካርቱም ኣረጋጊጾም።
እዞም ዝጋፍዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ስደተኛታት፡ ንሕክምና ናብ ሱዳን ዝኸዱ፡ ኣብ መርዓ ደቆም ናይ ምስታፍ መደብ ዝነበሮም ስድራ-ቤታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ካርቱም ዝገሹን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትርውያን ካብ ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ቻድን ገጾም ይኸዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ብቛንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽናዕትን ምርምርን ናይዚ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ መንግስታዊ ትካል`ዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ መንግስታት ሩስያ: ቺና: ኢራን: ሶርያን ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራ( ስደት) ንዝነብሩ ህዝብታትቶም ንምጽላውን መላእ ህይወቶም ብግቡእ ብስለያዊ መገዲ ኣጽኒዕካ ንምቊጽጻርን ዝዓለመ ስርሖም ዝተገብረ ምርምርን መጽናዕትን`ዩ። እቲ ኣብዚ ተተርጒሙ ሰፊሩ ዘሎ ግን ስራሕ ስለያን ብኡ ኣቢልካ ዝግበር ምቊጽጻርን ኤርትራውያን ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ። ከም ዝርአ ድማ ኤርትራ ኢሉ ይጅምር።
ኤርትራ:-
ኤርትራ ምስ ህዝባ ኣዛሚድካ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቊጽሪ ዜጋታት ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ዘለውዋ ሃገር ኢያ። ናይታ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ተቓመጦኣ ኣዕሙቑ ዝተሰረተ ፖለቲካ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ምጽናዕ መንግስቲ ማእከላይ ተራ ኣለዎም። ብፍላይ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር። ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸቕጢ ሃሊይዎም ብፍላይ ጽልዋ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቊጠባ ኢዩ። ካልእ ኣብቲ ስለያዊ ስራሕ ዘርእዮ ጸቕጥታት ምፍርራህ: ዓመጽን በቲ መንግስቲ ዝግበር`ዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣገባብ ናይቲ መንግስቲ ምቊጽጻር ተጠቒምካ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእከብ ግብሪ ኢዩ። ቆንስላዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ከም ምሕዳስ ፓስፖርት ዝኣመሰለ ገንዘብ ኣኽፊልካ ዝግበር ኢዩ። ስድራኻ ካብ ኤርትራ ንምምጻእ እቲ ካልእ መማእረሪ ገንዘብ ኢዩ። ስለዝኾነ ግብሪ ዋላ ካብ ተቛወምቲ ገንዘብ ከም ዝእከብ ይግበር። ካልእ እቲ መንግስቲ ዝጉስጒሰሉ ንሃገራውያን ኣብ መንግስቶም እሙናት ክኾኑ ዝግበር ምስሉይ ምሕብሓብ ኢዩ። እዚ ብምድላው ፈስቲቫላት: ስሚናርን በዓላትን ካብ ዝጥቀሙሎም ኣገባባት ኢዮም።
ብመሰረት ፍሉይ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት 16% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ይቕመጡ። እዚ ብመሰረት መጽናዕቲ Hirt Mohammad ን 30% ካብቲ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ዓመት 5000 ዝግመቱ ሰባት ካብታ ሃገር ይግዕዙ። ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ እትመሓደር ብምልካውነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናቱ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ትግዛእ። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ብ 1991 ዓ.ም ነጻ ወጺኣ። እቲ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ነጻነት`ውን ቀጺሉ ኢዩ። እቲ ስርዓት ሓፈሻዊ መስርሕ ሃገራዊ ወታሃደራዊ ምዕስካር ዝመስል ኮይኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝሓወሰ ኢዩ። ንደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝምልከት ኮይኑ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። እዚ ገደብ ዘይብሉ ቆዋሚ ውተሃደራዊ ኣገልግሎት ብሕቡራት መንግስታት ክግለጽ ከሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ`ዩ ኢሉ ይድምድም።
ኤርትራውያን ኣብ ስደቶም እውን ተወሳኺ ዶብ ሃገር ዝጠሓሰ ተወሳኺ ጽልዋ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይግበረሎም። ነዚ መጽናዕቲ´ዚ ዘሰነየ ብዙሕ ምንጭታት ኣብዚ ጽሑፍ ሰፊሮም ኣለው። (ይኹን እምበር ብምሉኣቶም ኣብዚ ትርጉምዚ ኣይሰፈሩን) መጸውዒ ስሙ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ቁጽሪ ህዝቢ 3.6 ምልዮን ርእሲ ከተማኡ ኣስመራ ኢዩ።
ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ስደተኛታት ኢዮም። ኣብ ዓመት 2021 ኤርትራ ካብቶም ዝዓብዩ ዑቚባ ዝሓተቱ ኮይኖም 48000 ሺሕ ሰባት ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ኢዮም። ብመሰረት ጸብጻብ 31 ታሕሳስ 2021 ብውሑድ 20,000 ሺሕ ሰባት ሓደ ካብ ኤርትራዊት ወይ ኤርትራዊ ዝተወልዱ ኢዮም። ይኹን እምበር እቶም ስደተኛታት ካብዚ ቊጽር`ዚ ዝብዝሑ ኢዮም። ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ብኢትዮጵያውያን ዝተመዝገቡ ብዙሓት ኮይኖም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣለው። ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ የለውን። ይኹን እምበር ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዜጋታት ኢዮም ዝቚጸሩ። እዚ ዝተጠቕሰ መስርሕ ቅሉዕ ኮይኑ መጽናዕትን ውሳኔን ሕቡራት ሃገራት: ጸብጻባት ሰብ-ስልጣናት ንኣብነት ብዓል ስልጣን ሚግረሽንን ወጻኢ ጉዳይ ሽወደንን ሰነዳት ባይቶን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዝተፋላለየ ጸብጻባት ተዛማዲ ሓባር ስእሊ ዝህብ ኢዩ። ዋላኳ ኣብቲ ዝርዝራት ሰነዳት ፍልልይ እንተለዎ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ወግዓዊ ናይ ድያስፖራ ፖለቲካ ፍሉይ ዝህቦ ቀዳማይ ኢድ ሓበረታ ብዙሕ ሕጽረታት ዘለዎ ኢዩ።
ሺለ ዝብሃል ዲያስፖራ ዲፕሎማሲ ብጉዳይ ፊናንሳን ኣታዊኡን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣቱ Muller ን Beloni ን መጽናዕቶም ዘተኲረሉ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያንን ኣሎ። ውሑዳት ተመራመርቲ እውን ናንይ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝገበሮ ተወሳኺ ጽልዋ። Hirt ብውልቅን ምስ Mohammad ን ነቲ መንግስቲ ንምጽናዕ ዝጥቀሙሉ ሜላ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝገብሮ ጎስጓስ ንደገፉን ፊናንስን ዝምልከት ኢዩ። Tecle ን Golding ን ከም ዘጽንዕዎ ካብ ነጻን ፍቶትን ዝግበር ወፈያታት ሓሊፍካ ኣብ ዲስፖራ ብግብሪ ዝድፋእ ተግባር ኣሎ። Kibreab ተረኦም ኣብ ሃገራዊ ነጻነትን ምህናጽን ከምኡውን ኣብ ግዜ ግጭትን ዝገብሮ መጽናዕቲ። ማዕከን ሓበሬታ ኲነታቱ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ሃልዩ፣ ገለ ዝተዘርግሐ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ወጻኢ ጉዳይ ናንይ ነዘርላንድ መጽናዕቲ ዝጠለቦ ኣሎ። ግብሪ 2% ንኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ሓቅን ቊጽርን ተመክሮን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ። እቲ መጽናዕቲ ብነጻ ጉጅለ ትካል ኣብ 2017 DSP-groep ን Tillburg Univer-city እውን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኤርትራውያን ኣብ ነዘርላንድ ብኸመይ ከም ተወደቡ ዘርኢ ኣሎ። ካልኦት ብዙሓት ትካላትን ተመራመርቲ ሰባትን ዝገበርዎ እውን ኣብዚ መጽናዕቲ ሰፊርዎ ኣሎ።
ኣገባብ ጽልዋ መንግስታት::
መንግስቲ ኤርትራ ዝተፋላለየ ኣገባብ ብምጥቃም`ዩ ጽልውኡ ዘዘውትር። ጽልዋን ምቊጽጻርን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብምንጽጻልን ጸቕጥን ቅቡል ንምዃን ዝገብሮ ስራሕ ኣብ ስነ-ጽሑፍ Glasius ይጥቀስ።
- ኣዋጅ ፈስቲቫል ንምጒህሃር ሓርበኝነት ብመገዲ እተን ኣብኡ ዝኣምና ማሕበራትን ቤት-ክርስታያንን።
- ብስለላ ዝተጽንዐ ጎስጓስን ብምግዳድን ንሰባት ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ምጽሓፍን ምፍራምን።
- ቁጠባዊ ጎስጓስ ንምንግስቲ በቲ ግብሪ ዲያስፖራን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ሓገዝን ብሓወላ ናብ ሃገር ዝኣቱ ገንዘብን።
- ብምፍርራህን ኣብ ሃገር ብዝነብሩ ስድራን መቕርብን ተበሊጽካ ዝግበርን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ዜግነቶም ክፍቀደሎም ዝግባእ መሰላት ብምዕንቃፍን ምድሃልን።
- ምቁጽጻር ማሕበራትን ቤተ ክርስትያንን ስርዓት ኤርትራ ነተን ምስኡ ምትእስሳር ዘለወን ቤት-ክርስትያናትን ማሕበራትን ኣቢሉ፣ ዝገብሮ ጽልዋ። ኣገዳሲ ክፋል ናይዚ ንድያስፖራ ሓርበኝነት ሰቢኽካ ንስርዓት ህግደፍ እሙናት ምግባር። እቲ ኣብቲ ስነ-ጽሑፍ ንድያስፖራ ዝግለጽ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣእቲኻ ፈስቲቫላትን ሰሚናራትን መደባት ተለቭጅንን ተጠቒምካ ማሕበራዊ ጸቕጢ ምፍጣርን ምስላልን። (ኤሪትራዊ ህይወት ናይ ቅድም ኤርትራዊ ደም) ጨንፈር ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን እቶም ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ዝነጥፉ ኢዮም። መደበር ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ፍራንክፈርት ኮይኑ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ክፋል ኣካል ምላሻ ህግደፍ ኢዩ። ህይወት ኤርትራ ምስ ጸጥታዊ ኣካል ህግደፍን መንእስያቱን ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ከም ምክልኻል Body gurd ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ። ኣገልግሎቱ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለው ኣባልት ሰልፊ ኢዩ። ኣብ ሽወደን ክልቲኦም ነቐፍቲ መንግስትን ደገፍቲ መንግስትን ኣለው። እቲ መንግስታዊ ሰልፊ ህግደፍ: ማሕበር መንእሰይን ጒጅለ ሚሊሻ ኤሪ ህይወትን ኲሎም ኣብ ሽወደን ኣለው።
መሓዙት መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝረኣዩ ማሕበራት ኤርትራውያን እውን ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ቤተ- ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዋ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ ኢያ። ስራሕ እዛ ቤተ- ክርስትያን ምቊጽጻር ኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ኢዩ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ኣብ ልዕሊ ኣባላት ነቐፍቲ መንግስቲ ሓያሎ ፍጻሜታት ምፍርራህ: ምድሃልን ምንሻውን ምጽላምን ክሳብ መጥቃዕትን ኣብ ሽወደን ዝበጽሖም ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ንናይ ህግደፍ ምሊሻ ኤሪ ህይወት ኣብ 2014 ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሓዊ ተቐሚጡ፣ ንሓደ ሰብ ጎዲኡ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ተወሳኺ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም። ካብ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ንስርዓት ኤርትራ ገንዘብ ዝእክቡ ፈስቲቫላት ይግበር። ብመሰረት መድያ ብውሑድ 2 ሚልዮን ኩሩኖር ይእከብ። ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኣንጻርዚ ስርዓት ተቛውሞ ምግባሮም ይጥቀስዩ። ኣብ ዓመት 2022 እቲ ፈስቲቫል ተቛሪጹ ነይሩ። ንሱ ዝኾነሉ ድማ ገለ ካብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ተቛውሞ ስለ ዘርኣዩ ኢዩ። ኣብ 17 መስከረም 2022 ኣብ ስሜን ስቶኮሆልም ወገን ተቛወምቲ ዲስፖራ ብዘርኣይዎ ተቛውሞ ኣብ ልዕሊ ፈስታ ኣዕሩኽ መንግስቲ: ግጭት ኮይኑስ በቲ ዕግርግር 105 ሰባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቲ ብጽሞና ኣብ ድያስፖራ ዝግበር ስለያ ብብዙሕ መገዲ`ዩ ዝካየድ። ገለ ካብኡ ናይ ጣዕሳ መልእኽቲ ከምኡውን ብመገዲ ምኽፋል ግብሪ ድያስፖራ፣ ካልእ በቶም ኣዕሩኽ ስርዓት ዝግበር ናይ ስለያ ስራሕ ኢዩ። ብዘይ ግቡእ ካብ ኤርትራ ንዝወጹ ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ብምጽሓፍ ክፍርሙ ኣለዎም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤማባሲ ከኣ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ዘቕርብ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ካብ ኤርትራ ምውጹኡን ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዘይገበረን: ነቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉን ዘጠቓለለ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ይፍርም። ኣብ ግዜ ምፍራም ወረቐት ጣዕሳን ምኽፋል ዲያስፖራ ግብርን: እቲ ውልቀ ሰብ ዝርዝራዊ ሓበረታ ህይወቱ ክህብ ኣለዎ። ንኣብነት ርክቡ ምስ ሰባት: ትምህርቱ: ኣዝማዱ: ዘእትዎ ገንዘብን ቁጽሪ ሕሳብ ባንኩን ኮይኑ፣ እቲ ሓቤረታ ብወረቐት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ማእቶቱ ወረቐት ንበዓል ስልጣን ግብሪ ሓቲቱ ከቕርብ ኣለዎ።
ግብሪ ዲይስፖራን ኣተኣኻኽብኡን። ግብሪ ዲያስፖራ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ንምቊጽጻር ዝጥቀመሉ መሳርያ ኢዩ። ንምእካብ ሓበረታን ነቲ ስርዓትን ምእካብ ግብርን። ግብሪ ዲያስፖራ 2% ግብሪ ካብ እቶትካ ምኽፋል ማለት`ዩ። እዚ ግብር`ዚ ካብቲ ኤርትራ ዝገደፈሉ ግዜ ተጸብጺቡ ዝኽፈል ኢዩ። እዚ ድማ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ እቲ ስርዓት ዝግበር ኢዩ። ምኽፋል ግብሪ 2% ቅድመ ኲነት ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ንኣብነት ምሕዳስ ፓስፖርት። ወይ ድማ ቤት-ሰብካ ኣብ ኤርትራ ዝወሃቦም ኣገልግሎት ንዝምልከት። ንኣብነት ንኽትምርዖን ንመቕርብካ ንምቕባርን። ንዘካረዩኻ መሬት ወይ ድማ ገለ ዕዮ ኩባንያ ንምግባር ዝኣመሰለ። እዚ ንነቕፍቲ መንግስትን ንደገፈቲ ስርዓትን ዝሓወሰ ኢዩ።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጸጥታዊ ቤት ምኽሪ ንግብሪ ዲያስፖራ ኮኒንዎ ኢዩ። ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ውሳኔኡ: ኤርትራ ንግብሪ ዲያስፖራ ከተቋርጾን: ንምፍርራህ: ዓመጽን ምጥፍፋእን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን: ንምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ስርዓት ኤርትራ ደው ከብል ወሲኑ። እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል እውን መንግስታት ኣድላይ ስጒምቲ ክወስዳ ወሲኑ። ካብኡ ንድሕሪት ብዙሓት መንግስታት ኣብ ግብሪ ኣውዒለነኦን ዲፕሎማትስ ኤርትራ ስጒጎንን። እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ካልእ ምምእራር ገንዘብ እውን ኣሎ። ንኣብነት ምሻጥ ቦንድን መሬት ምክራይን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ወፈያን። ኣብ ግዜ ተላገብ ኮቪድ 19 ግደታዊ ዲፕሎማሲ ምእካብ ገንዘብ ንመደብ ምክልኻል ተላገብ ኮቪድ ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ነቲ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኤርትራ ንቤተ ሰቦም ዝስድዎ ገንዝብ ፊናንሳዊ ምቊጽጻር ይገብር። ካብቲ ዝስደድ ገንዘብ ገዚዑ ይወስድ። በዚ መደብ`ዚ እቲ ስርዓት ኣብ ዓመት 300-400 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ይረክብ። ሓደ ሲሶ ባጀት እቲ ስርዓት ብኸምዚ ኣገባብ ከም ዘእትዎ ይግምገም። እንተኾን እዚ ገንዘብ`´ዚ ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኤርትራ ባጀት ዝበሃል ገይራ ኣይትፈልጥንያ። ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብእማመ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እገዳ ገይሩ`ዩ። እቲ እገዳ ንኤርትራ ብገንዘብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኣልሸባብ ምድጋፉ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ዝኸልእዩ ብምባል ዝተገብረ እገዳ። እቲ እገዳ ግን መረጋገጺ የብሉን ብምባል ብ 2018 ከልግስ ተገይሩ።
ኣምባስደር ኤርትራ ኣብ ስቶኮሆልም ግብሪ ድያስፖራ ይውሓድ ይብዛሕ ብወለንታ ምእካብ ገንዘብ ኣብ ሽወደን የካይድ። እዚ ስራሕ`ዚ ደው ንምባል እማመ ንውሳኔ ኣብ ባይቶ ሽወደን ብዙሕ ግዜ ንኣብነት ኣብ 2012-2014 ብመሰረት ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታዊ ባይቶ ኣንጻር ምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ቀሪቡ ነይሩ። ሽማገለ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን እውን ንመንግስቲ ሽወደን ንምኽልካሉ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። መረጋገጺ ኣይተረኽበን ብምባል ግን ውሳኔ ምኽልካል ግብሪ 2% ኣይተገብረን። ነቐፍቲ ኣባላት ዲያስፖራ፣ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብዝገብሮ ግብሪ 2% ክኽልከል ኣብ ፖሊስ ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም። እንተኾነ ገበን ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ግን ሓደ ዲፕሎማት ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ ዝገበሮ ጎስጓስ ምኽፋል ግብሪ 2% ብ 2014 ካብ ሽወደን ተስጒጉ። ኣብ ዓመት 2020 እንደገና ጉዳይ ግብሪ 2% ኣብ ባይቶ ሽወደን ተላዒሉ ነይሩ። ኣብቲ ርእይቶ ሽማገለ ፍትሒ ነቲ እማመ ብምቕባል ምእካብ ግብሪ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ከቋርጽ ኣለዎ ብምባል ንመንግስቲ ሽወደን ርእይቶኡ ኣቕሪቡ። መንግስታዊ በዓል ስልጣን ሚግረሽን ሽወደን ካብ 2021 ፓስፖርት ዘይብሎም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቚባ ናብ ሰብ ስልጣናት ኤርትራ ከድኩም መንነትኩም ኣምጽኡ ምባል ኣቋሪጽዎ። እቲ ምኽንያት ሓታቲ ዑቚባ ግብሪ ንኸይከፍል ንምድሓኑ ኢዩ ነይሩ። እዚ ውሳኔ`ዚ ብ ቤት ፍርዲ ሚግረሽን ዝተወሰን ኮይኑ፣ ንጹር መርኣያ ጽልዋ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደናዊ ትካላዊ ስልጣናት ዘለዎ ቅጥታዊ ጽልዋ ዘመስክር ኢዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ንዘለው ኤርትራውያን ንምቊጽጻር ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤት ሰቦም ተጠቒሙ ብምቊጽጻር ምኽፋል ግብሪ ይጥቀመሎም ኢዩ። ን ቤተ ሰብ ኤርትራ ከም ምርኮኛታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ይኽልክል። ብተወሳኺ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብቲ ስርዓት ብዘርእዮ ነቔፈታዊ ተግባር ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤተ ሰቦም መጥቃዕትታትን ውርደትን የጋጥሞም ኢዩ።
መደምደማታ።
ዓብላሊ ስርዓት ኤርትራ ንዲያስፖራ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ከም ናይ መጨቆኒ መሳርያ ምጥቃም`ዩ ኢሉ ይርእዮ። Glasus እቲ ጭቆና ስርዓት ኤርትራ ብኣስገዳድነትን ምፍርራህን ቅድመ ኩነታዊ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ምእካብ ስለያዊ ሓበረታን ገንዘብ ንምምእራርን`ዩ። እዚ ዕላማዚ ቀንዲ መለልይኡ ከኣ ብምድላይ ሓርበኝነት ዲያስፖራ ኮይኑ፣ ብምቊጽጻር ህይወት ማሕበራትን ምድላው ፈስቲቫላትን ይስነ። በቶም ክልተ ዕላማታት ኣብ መእተዊ ምዕራፋት ዝተገልጹ ጽልዋታት ዲያስፖራ: እቲ ሰረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለዎ ደገፍ`ዩ ነቲ ናይ ድያስፖራ መገዲ ዕብለላ ዘካይዶ። እቲ ማእከላዊ እቲ ስርዓት ንምህላው ዝጥቀመሉ መስርሕ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቁጠባዊ ጎስጓስ ኢዩ። ኤርትራ ከም ፍሉይ ጉዳይ መጽናዕቲ ንጹር ዝኸውን ጽልውኡ ኣብ ዲያስፖራ: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘቕንዐ ስርዓት ኢዩ። እቲ ስርዓት ብዘይ`ዚ ናይ ዲያስፖራ ምትእስሳር ብታሪኹ ርኢኻ ክህሉ ኣይምኸኣለን። ሓደ ካብኡ ኣብ ግዜ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዲይስፖራ ዝረኽቦ ወፈያ ዋላውን ነቐፈታዊ ርእይቶ ብዝነበሮም ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ብዝገበርዎ ሓገዝ ምህናጽ ሃገር ኢዩ። ግብሪ ዲያስፖራ ሎሚ ካብቲ ስርዓት ዘይፋላለየሉን ካብቲ ዝገብሮን እዚ ዘሎ ምትእስሳር ሰብን ንግድን ኢዩ። እዚ ድማ ሽወደን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ከምዚ ጭቆና ብኸመይ ትካላኸለሎም ሕቶ ዘልዕል ኢዩ። እቲ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ: ንምፍርራህ ሽወደናውያን ኤርትራውያን ንኤርትራ እንተ ገሾም ዘሎ ስእሊ ፍርሂ ዘርኢ ኢዩ።
እማማ ንቕጻሊ ምርምር።
ዋላኳ ብተዛማዲ ውሱን መጽናዕቲ እንተሎ: ከምዚ ዝረአናዮ ኣገባብ ስርዓት ኤርትራ ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ህያው ኢዩ። ገለ ቀረባ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መድያን ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ምጽላውን ስርዓት ኤርትራ እንታይ ይግብር ዝብል ኢዩ። እዚ መጽናዕት`ዚ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ዝግበር ጽልዋን ምቊጽጻርን ዝምልከት፣ ስርዓት ኤርትራ ዱርትነት ከም ዘለዎ ኢዩ። ዲያስፖራ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዘለው እውን ዝያዳ ሓቤረታ የድሊ ኢዩ። ተወሳኺ መጽናዕትን ትንተናን ዘድልዮ ካልእ ዝስመ ድማ ስርዓት ኤርትራ ነተን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝነብርወን ሃገራት ጽልውኡ ከመይ ምዃኑ ኣብቲ ተገይሩ ዘሎ መጽናዕቲ ኣይተጋህደን ዘሎ። ክልተ ጽሑፋት ብ Hirt ን Mohammad ን ዘስፈርዎ ኣሎ። እንተኾነ ብዘይ ዓሙቚ መግለጺ ኢዩ። ብ Hirt ከም ዝግለጽ ኣብ 2011 ሕቡራት ሃገራት ንስርዓት ኤርትራ እገዳ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ እሙናት እቲ ስርዓት በቲ ስርዓት ተደፊኦም እንጻርቲ እገዳ ምንቅስቓሶም ኣርእዮም ነይሮም። Hirt ን Mohammad ን ከም ዘስፈርዎ ንኣብነት ንሕብረት ኤውሮጳ ንምጽላው ስርዓት ኤርትራ ጃምላዊ ስደተኛታት ብምፍናው ካብ ማዕከን ምዕባለ ኤውሮጳ ገንዘብ ከምተዋህበ ይጠቕሱ።
ትርጉም ካብ ቋንቋ ሽወደን
ረዘነ ተስፋጽዮን
ሚያዝያ 12-2023
ሓሳባትን ርእይቶን ሂወታዊ ባህርያዊ ነጻነት ናይ ወዲ-ሰብ ኮይኑ፡ ሰብ ከማኻ ን32 ዓመት ሕዋሳትካ ከምክኖም ክልተ ሞት’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰበይ ምስታ ዝፈትዋ ሃገረይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብርእሰተኣማንነት ሓበንን ክብርን ይስመዓኒ። እዚ ከኣ ነፍስ-ወከፍ ወዲ-ሰብ ንክብሪ ሰብኣውነቱን ንክብሪ መንነቱን “ ኣነ - ኣነ እየ “ ምስ በለ፡ እቲ ሓቀኛ መግለጺኡን እቲ ናይ መጀመርያን መወዳእታን እቲ ሓቀኛ ሓሳባቱን ርእይቶኡን’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብዚ ናይ ሓደ ወለዶ 32 ዓመታት፡ እቲ ስርዓት ባህርያዊ ነጻነትካን መሰልካን ደዊኑ ዝኸይድ ዘሎ ዘስደምም’ዩ እብል። ዝመጽእ ወለዶኸ እንታይ’ዩ ክብለካ? እወ ኣብዚ 32 ዓመታት፡ ዓመት መጽአ ከም ሰብ ነቲ ስርዓት እናተዓዘብኩዎ ብዝኸድኩ፡ መመሊሱዩ ዘስደምመኒ። ኣታ ህዝቢ ደቅኻ ስኢንካ መኣዲ ስድራ-ቤት በረውረው ኢሉ፡ ህድሞ መጽለሊትካ ካብ ተረገጠን ኣብ ግዳም ካብ ተደርበኻን፡ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ። እቲ ስርዓት ብድሕራይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ እናበለካ፡ ኣነ ስቕታኻ ደንጽዩኒ’ሎ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ደፊሩ ደኣ ኣይትበሉኒ’ምበር፡ ኣብዚ ሓደ ነገር ዝብሎ - ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ሰባት ብምዃንና ኣእምሮ ዝተዓደለና ካብ እንስሳታት ዝተፈለና ክንስና፡ ን32 ዓመታት ክብርናን መሰልናን ተረጊጹ መግለጺ ዘየብሉ ሂወት እናኣሕለፍና፡ ሕጅስ መግለጺ ስኢነሉ ስቕታና።
ስማዕ ሓወይ ኤርትራዊ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። እምበርከ ናይ ምንባር ሂወት ትፈልጦ ዲኻ? ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ወለዶ ክሓትተካ ምዃኑ ኣይጠራጠርን’የ። ንሕቶ መንእሰይ ወለዶ ኣቦ ኣደ ኣያታት መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሓደ ሕብረተሰብ - ህዝብን ሃገርን ክንስኻ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርኻ በቲ ስርዓት እናተደምሰሰ ብስቕታ ክትሓልፎ፡ እዚ ታሪኻዊ ዕሽነት ተባሂሉ ንወለዶታት ክስነድ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ ደኒንካ ከይትኸይድ እቲ እዋን ሕጂ’ዩ ብሓባር ነቲ ስርዓት ኣልግስ በሎ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ሃገርካ ኣድሕነኒ ትብለካ’ላ፡ ሃገር ናትካ’ያ።
ስማዕ ኤርትራዊ፡ ሃገር ብህዝቢ’ያ ትቐውም። ህዝቢ ሃገር’ዩ ሃገር ከኣ ህዝቢ’ዩ። ብዘይወዲ-ሰብ ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የሎን። ሕጂ’ውን ስማዕ ኤርትራዊ ይብለካ ኣለኹ - 32 ዓመት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ባርነት ድንቁርና ኣብ መዋእል እምኒ ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ። ኣብ መዋእል ዲጂታል ዓለም ተለዊጣትሉ ዘላ ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። ሕሰብ ኤርትራዊ ተመሊስካ ሕዋሳትካ ኣዛርቦም።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ - ቃለመሓትት ናይቲ ስርዓት ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ኣየገርሞን’ዩ። እንተ’ቲ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላሞ፡ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ሓፊረ’የ። ንሓተትቲ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ዋላኳ ሞያዊ ስርሖም ይኹን’ምበር፡ እቲ ኤርትራዊ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትቶ ዝግብኦ ብምሕታቶም፡ ክብሪ ወዲ ሰብ ብምሃቦም (ብምቕራቦም) ደጋጊመ የቕንየልና እብሎም። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ድማ፡ ጋዜጠኛታት ኤርትራውያን ካብዚ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተማሂርኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ሽግርኩም ይርድኣኒ’ዩ፡ ተመሊስኩም ንሕልናኹም ከም እትሓትቱን ኣበየናይ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ከም እትብሉን ኣይጠራጠርን እየ።
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን