ግደ ደረስቲ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ኤርትራን ቃልስታታ
Tuesday, 20 September 2022 11:24 Written by ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤቀጺሉ ዝቐርብ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሩ ዘሎ ስእልታት ናይ ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ሓጺር መብርሂ ንምሃብ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ንምፍላጥ፣ ገንጺልካ ብምንባብ ዝብጻሕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር ሓጺር መላለዪ ሓበሬታ፡ ማለት ብዛዕባ ደረስቱን ዕላማ መልእኽቲ መጻሕፍትን ዝእምት ሓበሬታ ኢና ከነስፍር።
ኣድላይነት ምስናድ ታሪኽ እንርድኦ ኣምር ስለዝዀነ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን፣ ታሪኽ ተሰኒዱ ንመወከስን ሓበሬታን ይዕቆር፤ ንውሉድ ወለዶ ድማ ይመሓላለፍ። ነዚ ዕማም’ዚ ዝትግብራ ድማ ትካላትን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያን ክህልዉ ይግባእ። ታሪኽ ሃገርና፣ ዘሕለፎ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፣ ንሓርነቱ ዘካየዶ ቃልስታትን ዝኸፈሎ መስዋእትን ብግቡእ ተሰኒዱ ንህሉዋትን ቀጻሊ ወለዶታትን ክመሓላለፍ ይግባእ። ኣብ ሃገርናን ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስናን ግን ዝተጠቕሱ ትካላትን ሰብ ሞያን ኣይነበሩን። ነቲ ሃጓፍ’ቲ ዝመልኡ ብተበግሶኦም፣ ወለንትኦም፣ ጻዕርታቶምን ወርቃዊ ጊዜኦምን ብነጻ ወፍዮም፤ ኣገዳሲ ሰነዳት ብመጻሕፍቲ ኣሕቲሞም ናብ ኣንበብቲ ዝዘርግሑ ብዙሓት’ዮም። ታሪኽና ብግዱሳትን ወለንተኛታትን እዩ ክስነድ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ድማ ብሓያለ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ብኣባላት ሰደህኤ ድማ ብፍላይ ሓያለ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ተዘርጊሖም እዮም።
ኣብዚ ፖስተር) ተጠርኒፉ ቀሪቡ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ ብግዱሳት ውልቀ ተቓለስትን ጉጅለታትን፡ ኣብ ተጋድሎና ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፣ ገለን ዓጢቖም ኣብ ሜዳ ገለን ድማ ኣብ ድያስፖራ ዝተኻየደ ህዝባውያን ማሕበራት ተወዲቦም፡ ፖሊቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ግዲኦም ዘበርከቱ፣ ከምኡ’ውን ስርዓት ምልኪ ብምውጋድ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘለዉ የጠቓልል። መብዝሕትኦም ደረስቲ ነቲ ብኣካል ዝተሳተፍዎ ተሞክሮ ፍጻሜታት ናይቲ ታሪኽ፣ ተዘክሮታቶምን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶታትን ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ብምዃን ሰኒዶም ዘቕረቡ እዮም። ምሉእ ታሪኽ ብዝውዓሉ ጥራይ ዝቐርብ ክኸውን ኣይክእልን፡ ምኽንያቱ ደረስቲ ኣብ ኵሉ’ቲ ፍጻሜታት ዝተኻየደሉ ቦታን ዕለትን ብኣካል ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ስለዚ ካብ መወከስታት በርቢሮም፣ ሓበሬታ ካብ ሓቀኛ ምንጭታቱ፡ በብዕለቱን ተዋሳእቱን ሰኒዶም ከቕርቡ፣ መጽናዕትን ፍተሻን ካብ ታሪኻዊ መወከስታት ኣካይዶም ዝሰነዱ’ውን ይርከብዎም።
ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሮም ዘለዉ መጻሕፍቲ፣ ብኣብ ሰዲህኤ ዘለዉን ዝነበሩን ኣባላት ዝተደርሱ እዮም። ብሕጂ ተደሪሶም ዝወጹ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፣ ንዐኦም ዝወሰኸ ሓድሽ ፖስተር ክዳሎ ምዃኑ’ውን ንሕብር። በዚ ኣጋጣሚ፣ ስነጽሑፍን ስነዳን ንምምዕባል፣ ናይ ደረስቲ ማሕበር ብዝተወደበ መልክዕ ክምስረት ነተባብዕን ንጽውዕን።
ብሓልዮት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ
ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ብዝኸፈአ፡ ብኩራት ሓይሊ ኤልክትሪክ ይገጥም ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፋ ንግዱድ ውትህድርና ይካየድ ምህላዉ ምግላጹ ተፈሊጡ።
በቲ ናይ ሬድዮ ኤረና ሓበሬታ መሰረት፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ ንሓያሎ መዓልታት ብቐጻሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይቋረጽ ስለ ዘሎ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝገደደ፡ ናይ ተለፎን ርክባትን ካልእ መሰረታዊ ጉዳያት ብኩራት የጋጥም ኣሎ። ጉዳይ ርክብ ተለፎን ኣይኮነንዶ ናብ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን የጸግም ከምዘሎ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ህግደፍ “ኤርትራ ብዕቤት ንቕድሚት ትሕንበብ ኣላ” ዝብለሉ ዘሎ ግዜ፡ ህዝቢ ነታ ዝርካባ መንግስታዊ ተለቪዥን ኤርትራ እውን ምክትታል ከምዘይክእል ተፈሊጡ። እዚ ድማ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ፡ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረቶ ደረጃኳ ንድሕሪት ትምለስ ከም ዘላ ዘመልክት ምዃኑ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሬድዮ ኤረና ኣብ ከተማታት ኤርትራ ቀጻሊ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ግፋ ከም ዘሎ ክሕብር እንከላ፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ብምጥቃስ እቲ ግፋ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፈአ መልክዕ ይካየድ ምህላዉ ገሊጻ። በቲ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ፡ እቲ ግፋ ካብ ኣሃዱታቶም ብፈቓድ ይኹን ብህድማ ምስ ስድራቤቶም ዝጸንሑን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ሳዋ ከይከዱ ዝጸንሑን ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሳ። ነቲ ግዱድ ግፋ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት እንተዘይተረኺቦም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤቶም ነዚ ተግባር ብዝተዋፈራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዝውሰድ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ስጉምታት ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና እቲ ዘይሰብኣዊ ግፋ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ብምሕባር፡ ከም ኣብነት ነቲ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ዝተፈጸመ ንኣብነት ብሰፊሑ ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ብሰንክዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ካብ መረበተን ሃዲመን ኣብ በረኻ ክሕበኣ ዝተገደዳ ስድራቤተት ከም ዘለዋ ድማ ተፈሊጡ።
ህዝቢ ትግራይ ዘይተሓገዘ፡ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ክኽውን ይኽእል ተባሂሉ
Friday, 19 August 2022 11:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራውያን ብስም ማሕበረ ሰብ ተጠርኒፎም ነቲ መሰል ምምስራት ማሕበራት ወጻእተኛታት ኣብ ሽወደን ተጠቒሞም ብስም ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ብደረጃ ሃገር ሽወደን ቆይሞም: ብዝኾነ ፖለቲካ ውድብ ወይ ሃይማኖታዊ ትካል ከይተኣዘዙ ነጻነቶም ሓልዮም ነቲ ኣብ ሚዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ውድብ ደገፎምን ኣብርክተኦምን ገይሮም። እቲ ማሕበር ኣብ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ዝነበረ፣ ድሕሪ ምሕራር ምጽዋዕ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ነቲ ብስም ሕፋሽ ውድባት ዝንቃሳቐስ ዝነበረ ክፋል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ: መሪሒነት ህዝባዊ ግንባር ኣደስኪልዎ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ድማ ንኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ሽወደን ብውዲትን ከቢድ ተጻብኦን በበቕሩብ ነቶም ንነጻነት ማሕበር ዝቃለሱ ዝነበሩ ባእታታት ኣብ ምዝራዎም ተዓዊቶም፣ ነቲ ማሕበር ብናታቶም ተኣዘዝቲ ወሪሶሞ፣ ክሳብ`ዚ ዓመት`ዚ ንሃገር ሽወደን መደበር ብምግባር ኲሉ ዘድልዮም ክሰርሑ ጸኒሖም። ሓደ ካብኡ እዚ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ከዛርብ ዝጸንሐን ኣብ መድያ ሽወደን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍቶንብላደት ዝብሃል ጋዜጣ ክሳብ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ፈስቲቫል ብደገፍቲ ጒጅለ ህግደፍ ዝዳሎ ኢዩ።
እዚ ናይ ምወዳእታ ትማሊ ዕለት 15 ነሓሴ 2022 ዝወጸ ጽሑፍ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ። ንኸምዚ ህዝባዊ መቕዘፍቲ ዘጎሃህር ሓንሳብ ንሓዋሩ ደው ከንብሎ ኣሎና ብዝብል ጅማሮ እቲ ዓንቀጽ፣ ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ብፖለቲከኛታት ኣባላት ባይቶ ሊበራላውያን ተኣዊጁ ኣሎ።
እዞም ብስም ገጠምትን ወይ ስነ-ጥበባውያን ዝባሃሉ ወታሃደራዊ ዩኒፎርማ ዝተኸድኑ ናይ ውልቂ መላኺ እምባ ገነን ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ኣብዚ እግሮም ከቐምጡ የብሎምን። ነዚ ሕቡእ ”ምትእኽኻብ ፕሮፓጋንዳ ምልካዊ ስርዓተ መንግስቲ” ኣብ ስትቶኮሆልም ሰበ-ስልጣናት ሆላንድ ንኸይግበር ደው ኣቢሎሞ´ዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንኦሳ ኒልሶን ሰደርስትሮም/Åsa Nilsson Söderström ብጾታ ኣባላት ሰልፍን ናእዳ ምሃብ ይግብኣና። ኦሳ መርገጻ ብምንጻር ነዚ መስርሕ ፕሮፖጋንዳ ውልቀ-መላኺ ደው ንምባል ሰርሓ ኢያ።
ኣወል ስዒድ ገጣሚ ተባሂሉዩ ዝጽዋዕ። እቲ ሓቂ ግን ንናይ ኤርትራ መንግስቲ እምባገነን መቓልሕ ፕሮፓጋንዳ ኢዩ። ንናይ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዝበልዕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት´ዩ ዝውድስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ዝንዝሕ ንዂናት ዘጎሃህር´ዩ።
እቲ ዕላማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ህዝባዊ መቕዘፍቲ ንምድጋፍ´ዩ። እምባ ገነን ስርዕተ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብዝልዓለ ደረጃ ገበን ዝተጸንበሮ`ዩ። ተስፋና እምበኣር ሰብ ስልጣናት ሽወደን ከምቲ ናይ ሰበ ስልጣናት ሆላንድ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዱ ኢዩ። ሰበ-ስልጣናት ነቶም ኣብዚ ዑቚባ ሓቲቶም ምስዚ ስርዓት ዝተሓባበሩ ብሓቂ ዕቚባ ዝግብኦም እንተኾይኖም ደጊሞም ክሓስብሉ ዘለዎም ጉዳይ ኢዩ።
ፖሊስ እውን ሓይሎም ጠሚሮም ስጒምቲ ንምውሳድ፣ ነቲ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዘመልክትዎ ጒድኣትን ምዝብዛብ በዚ ስርዓት ምልክውነት ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ። ሰበስልጣናት ግብሪ እውን ነቶም ዝተፋላለዩ ማሐበራት ምስዚ ስርዓት ምትእስሳር ዘለዎም ነቲ ካብ ኮሙናት ዝረኽብዎ ቁጠባዊ ደገፍ ምቁጽጻር ክገብሩሎም ኣለዎ።
ኣወል ስዒድ መንግስትኻ ኣብ ሽወደን ንኤርትራውያን 2% ግብሪ ከኽፍል ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ ከባሳብስን መሰል የብሉን። ብግብሪ ዝተኸፍለ ገንዘብ ሽወደን ንፕሮፓጋንዳ መንግስትኻ ፈጺሙ ኣይክውዕልን`ዩ። እዚ ተግባራት`´ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ክፍጸም ምጽንሑ ንመንግስቲ ሽወደን ትሑት ምስክር ዘውህብ´ዩ። ንሕና ሊበራላውያን ኣብ ዝመጽእ ግዜ መንግስቲ ነዚ ስራሕዚ ደው ከንብል ኲሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢን።
Åsa Nilson Söderström ዞባዊ ፖለቲከኛ ኣብ Spånga-Tensta ሊበራል
Joar Forssell ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ኣፈኛ ፖለቲካ ወጻኢ ሊበራል
Fredrik Malm, ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ሊበራል
ትርጉም ረዘነ ተስፋጽዮን
እቲ ተኣምር ሰሪሑ ንዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ ወለዶ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድሓን-ኩኑ ጉዕዞ ምህላዉ በብመዓልቱ ዝቃላሕ ዘሎ ከቢድ ዜና ኢዩ። ህዝቢ ብብዝሒ ናብ ቓልሲ ፍንሕንሕ ከይበለ እንከሎ ፍሉይ ታሪኽ ዘመዝገበት፣ ንኣዋልድን ኣዴታትን ኤርትራ ናይ ትብዓት ኣብነት ዝኾነት ሳዕዲያ ተስፉ እውን ብ27 ሓምለ 2022 ንዝሓለፉ ናይ ቃልሲ ብጾታ ኣርኪባ። ከም ሓያለይ ስዉኣትና ከኣ ኣብ ስደት (ኣብ ካይሮ) ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።
ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣውስትራልያ ብ31 ሓምለ ንዝኽሪ ስውእቲ ሳዕዲያ መደብ ኣዳልዩ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ንመተዓብይታን፡መቓልስታን፡ ቤተ ሰባን ዘሳትፍ ካልእ መደብ እውን በቲ ብኤሪሳት ኣቢሉ ንኤርትራ ከይተረፈ ዝመሓላለፍ ፈነወ ራድዮ ብሊና-ጃህራይ ይዳሎ ምህላዊ ተሰሚዑ ኣሎ። እንበኣር፡ ሳዕድያ ተስፉ መን ኔይራ? ኣብ ምንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍጻሜኸ ውዒላ? ንዝብል ሕቶታት ኣንበብቲ ንምብራህ ብዛዕባኣ ገለ ሓበረታ ምሃብ ጠቓሚ ይኸውን።
ኣብቲ ዘመን’ቲ፡ ብፍላይን ግን ብዓመተ 1968፡ እታ ሳዕዲያ እተወልደትላ ከተማ ከረን ኣብ ዓቢ ፍርሕን ሽበራን ኣትያ ኔይራ። ቤት ማእሰርቲን እንዳ ፖሊስን፡ ብስሩዓትን ብእተጠርጠሩ ተሓባበርቲ ሰውራን መሊኡ ኔይሩ። በብዝኸድካዮ ሬሳታት ተደርብዩ እትረኽበሉ መዓልታት’ውን ውሑድ ኣይነበረን። እቲ ናይ 1968 ምኽንያት፡ ሓደ ዓሊ-በኺት (ዓልበኪት) እተባህለ ተጋዳላይ-ነበር ንቃልሲ ከዲዑ ኢዱ ሂቡ ብምንባሩ ኢዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ራዕድን ሞትን ከኣ ኣብ ርእሲ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምውሳድ ጥራይ ምንባሩ ብናይ ከባቢ መሪሕነት ውድብን ብስሩዓት ከተማን ተኣሚንሉ። እታ ካብ 1964 ጀሚራ ካብ ስሩዓት መንእሰይ ኣዋልድ ከተማ ዝነበረት ሳዕድያ ተስፉ ኣብቲ መደብ ቅንጸላ ዓሊ-በኺት ክትሳተፍ ፍቓደኛ ኰይና። ሳዕዲያ ብ1968 ጓል 18 ዓመት ኢያ ኔይራ። ዓሊ-በኺት ከኣ ንዕምሩ ንዝረኣያ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ‘ክሻቕል’ ዘይእግሞ ሰብ ኔይሩ።
ብመደብ ተጋደልቲ/ፈዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ነቲ ከዳዕ ከም እትላለዮ ተገይሩ።ካብዚ ቀጺላ፡ ተጋደልቲ ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ መሪሓቶ ኣትያ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ክንደይ ሰብ ዘበሳበሰ ዓሊ-በኺት ስጒምቲ ምስ ተወስደ ከኣ፡ ምስ ተጋደልቲ ንሜዳ ኣምሪሓ። ምሕረት ዘይነበሮ ኢትዮጵያዊ ጸላኢ፡ ነ’ቦኣ ተስፉ ንሱር ረኺቦም፡ ንሜዳ ከይዱ ጓሉ ከምጽኣ ሓተቱዎ። ከይዱ ቊሩብ ምስ ደንጐየ ከኣ ንሰለስተ ደቁ ኣሰርዎም። ኣቦኣ ተስፉ ንሱር ማእሰርቲ ደቁ ምስ ሰምዐ፡ ንከረን ተመሊሱ ንደቁ ፈቲሖም ኣብ ክንድኦም ንዕኡ ክኣስርዎን ምስኡ ክዳነዩን ከም ዝኽእሉ ሓተቶም። ኣሰርዎ ኸኣ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ግን ሬሳ ኣቦ ሳዕድያ ምይ ሬሳታት ናይ ካልኦት ዘይተለለዩ እሱራትን በቲ ጸድፊ ጎቦታት ጥቓ መጋሪሕ ተደርብዩ ተረኽበ። ኣዝማድ ሳዕድያ ከኣ ነቲ ብዕድል ካብ ኣዛብእ ‘ዝደሓነ’ ሬሳ ተስፉ ንሱር ወሲዶም ክቐብርዎ ዕድል ረኸቡ። ካልእ ዝብሃልን ዝግበርን ኣይነበረን -- ዳርጋ ከምዚ ሃለዋት ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ!!
ናይ 1968 መንእሰይ ሳዕዲያ ካብታ ዓሊ-በኺት እተቐንጸለላ መዓልቲ ኣትሒዛ ኣብ ናይ ተጋዳሊት ህይወት ኣትያ። ምስ ኣታሕዛ ብረት ድሕሪ ምልላይ፡ ዝበዝሐ ጊዜኣ ንደብር-ሳላን ከሰላን ብምምልላስ ከም ኣላይት ውጉኣትን ሕሙማትን ኰይና ኣሕሊፋቶ። ኣብ መፋርቕ 70ታት ምስ ካልኦት 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ (ፍርቂ ካብኦም ኣዋልድ) ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣብ ባቕዳድ/ዒራቕ ተማሂራ ንሜዳ ተመሊሳ ኣድማዒ ኣገልግሎታት ከም ዝቐጸለት ብመቓልስታ ይምስከር። ኣብ ዝደሓረ ዓመታት፡ ንስዑዲ ዓረብ እኳ እንተኸደት ሕሉፍ ህይወታ ብዘስዓቦ ሕማማት ዝኣክል፡ መነባብሮ ከምዘይጠዓማን ከቢድ ጸገማት ከም ዘሕለፈትን ይንገር። ብዝኾነ፡ ሓሊፋ።ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስዮ ኤርትራ ንእተመርጻ መሪጹ ዘርኢ ስእሊ። ካብኤን ድሮ ሓያለይ ንሳዕዲያ ተስፋ ቀዲመናኣ ኣለዋ። ኣብ ስእሊ ዝረኣያ፡ ካብ የማን/ ኮፍ ዝበላ፡ 1.ዘይነብ ኢማነቱ 2. ኣልማዝ ወልዱ 3. ኤልሳ ወ/ስላሴ 4. ፋጥማ ሳዕደዲን 5. ንስሪት ከራር 6. ፋጥማ ሳሊሕ 7. መድሓኒት ወ/ስላሴ 8. ኣብርሄት ኣብርሃ። ደው ዝበላ ካብ የማን፡ 9. ኣድሓነት ዓንዱ 10. በኪታ ኣደም 11. ኣለም 12. ነፊሳ መሓመድ ብርሃን 13. ኑራ ስዒድ 14. ፋጥማ ማሕሙድ 15. ኤልሳ መስፍን 16. ጸጋ ወልደማርያም 17.ኣምና መለኪን 18.ሓረጉ ገብረየሱስ 19.ዓረፋት ዑመር 20. ኣስገደት ምሕረተኣብ 21. ጁምዓ ዑመር።
ከም ዝፍለጥ፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ቀዳሞት ንሜዳ እተጸንበራ ደቂ ኣንስይቶ ኤርትራ ኔይራ። ካብ 1973 ንደሓር ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ከም እተሰለፋ ይፍለጥ። ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለስ ጠቕላላ መሕበር ደቂ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ብ1973 ብዕሊ ድሕሪ ምምስራቱ ታሪኻዊ ንጥፈታት የካይድ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ብ27 ሰነ 1974 እተጋብኤ ጉባኤ ማሕበር እውን፡ ሳዕዲያ ተስፉ ካብተን ጉባኤኛታት ነይራ።
ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዂለን/ኲሎም ስዉኣት ወዓሩን ጀጋኑን ኤርትራ።