ዶር ደብረጽዮን ``ንኢስያስን ኣብይን ብጽንተት ክሕተቱ ኣለዎም`` ኢሉ

2024-07-20 10:03:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 414 times

ኣቦመንበር ህወሓት ዶር ደብረጽዮን ገበረሚካኤል

ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል  ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሓቢሮም ንትግራይ ዝወግኡዋ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን በቲ  ከም ዝተፈጸመ ብዙሓት ዝእምንሉ ህልቂት ሰባት (Genocide) ክሕተቱ ዝግበኦም እዮም ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገኑ ዝተፈጸመ ህልቂት  ኢሎ ኢሉ ከምዘያምን ጠቒሱ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ክሕተት  ድልዎ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ብ16 ሓምለ 2024 ምስታ ሬድዮ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ኣስታት 600 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ድማ ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ፕረሲደንት ክልል  ትግራይ ዝነበረ ዶር ደብረጼን፡ እቲ ውግእ ብ2 ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሮተርያ ጠጠው ስለ ዝበለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝስማዕ ተኹሲ የለን ኢሉ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረብቶም ስለ ዘይተመለሱን ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ መሬት ብሉእ ብምሉእ ካብ ኢድ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ናጻ ብዘይምውጽኡ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን ከም ዝበለ እታ ሬድዮ ኣፍሊጣ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበሩ ዝግበኦም ዝነበሩ ምምላስ ተመዛበልትን ዕጥቂ ዝፈትሑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መሊስካ እግሪ ምትካልን፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድቲ ዝድለ እኹል ፋይናንሳዊ ሓገዝን ምትሕግጋዝ ስለ ዘይተረኽበ ኣይተተግበሩን ኢሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ኣብ ራያን ጸለምትን ምምላስ ጀሚሮም ከም ዘለዉን እቲ ስርሒት ኣብ ወልቃይት-ሑመራ ንክቕጽል መደብ ከም ዘሎን ይሕበር ኣሎ።

Last modified on Saturday, 20 July 2024 12:11