ክልል ትግራይ ብደረጃ ፌደራል ውክልና ክህልዋ ምሕታታ ተሓቢሩ

2024-07-15 07:25:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 221 times

ክልል ትግራይ ኣብቲ ብ9 ሓምለ 2024 ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብተሳትፎ ኣካላት ክልል ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዓዘብትን ዝተኻየደ 2ይ ዙር ምግምጋም ኣተገባብራ ውዑል ፕሪቶርያ ኣብ ትካላት ፌደራላዊ መንግስቲ ውክልና ክህልዋ ከም ዝሓተተት ብ14 ሓምለ 2024 ዝተሓትመት ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ሪፖርተር፡ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ሕቶ ኣብ ዝቕጽል ናይ ሓባር ዘተ  ክትግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ብ11 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንውክልና ኣብ ትካላት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሕቶ ከም ዘቕረበ ተኣሚኑ፡ ኣብ ርእሲኡ ናይ ቅድም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ እሞ  ውግእ ምስተጀመረ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብፈደራል ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ክፍትሑን ክሳብ ሕጂ  ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናብ ንቡር ቦተኣ ዘይምምላስን  ዝምልከት  ከም ዝሓተተ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደን ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2024 ክቕጽል ቆጸራ ተታሒዝሉ ዘሎ ገምጋሚ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ካለኦት ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ እውን ተፈሊጡ። ካብቶም ዝተመያየጠሎም ካለኦት ኣጀንዳታት ምምላስ ዝተመዛበሉ ተጋሩ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ክቕጽል፡ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ትግራይ ዘይወጹ  ዕጡቓት ክወጹ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ፈቲሑ ዝጣየሰሉ ኩነታት ክፍጠር ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዘለዉ እሞ ኣብታ ሃገር ይካየድ ብዘሎ ውግእ ዝተጸገሙ ተጋሩ ስደተኛታት ብዛዕባ ዝምለስሉ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኮነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ውክልና ሰለ ዘየብላ ጽባሕ በቲ ኣብ ዘይህልውነኣ ዝጸድቕ ዘሎ ዋጃት ክትቅየድ ክትግደድ እያ። በቲ ካልእ ወገን እቲ ህወሓት ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ደረጃ ተመሊሳዶ ዝተወርሰ ገንዘባ፡ ንብረታን ካልእ ጸጋታትን ይምለሰሉ ወይ ከም ሓድሽ “ሀ” ኢላ ትመዝገብ ኣይነጸረን ዘሎ። እዚ ዘይንጹርነት ምክያድ መበል 14 ጉባአኣ ከይተካይድ ዕንቅፋት ከይኮና ከኣ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

Last modified on Monday, 15 July 2024 09:42