6 ጥቅምቲ 2021

ካብ ሞንጎ ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ
 

ካብ ሞንጎ ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣባላት ካቢኔ ንቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ክሽየሙ ገይሩ።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብዝሓ ድምጺ ዝረኸበ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ፈጸምቲ ሕጊ ይውድብን ይመርሕን ክብል ፖለቲካዊ ስልጣን ይህብ።

በዚ መሰረት፡ ሰልፊ ብልጽግና ንቀዳማይ ሚኒስትርነት ተሓጽዩ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተሾመ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣባላት ካቢኒኡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ክሽየሙ ገይሩ።

ሻድሻይ ቀዳማይ ዓመት ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ድማ ነቶም ዝቐረቡ ሹመታት ተቐቢሉ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዘጣየሶ ካቢነ፡ ሰለስተ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ሚኒሰተራት ኮይኖም ከገልግሉ ብምሕራይ ሽመቶም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣጽዲቑ፡፡

እቶም ዝተመረጹ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት፡ መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፣ ኣቦ መንበር ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣቶ በለጠ ሞላን ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣቶ ቀጀላ መርዳሳን እዮም፡፡

ኣባላት ሓድሽ ካቢነ ዝኾኑ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ (ጸጋም)L ኣቶ በለጠ ሞላ (ማእከል): ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ (የማን)

በዚ መሰረት ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሚኒስተር ትምህርቲ፣ ኣቶ በለጠ ሞላ ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ከምኡ ድማ ቀጀላ መርዳሳ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ኮይኖም ተሸይሞም ኣለዉ፡፡

ካብቶም በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝቀረቡ ኣባላት ካቢነን ሓላፍነቶምን እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተዋህቦም ሓላፍነትን

1. ደመቀ መኮንን - ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን

2. ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር

3. ኣሕመድ ሽዴ - ሚኒስትር ገንዘብ

4. ሙፈሪያት ካሚል - ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን

5. ዑመር ሁሴን ኦባ - ሚንስትር ሕርሻ

6. ኣይሻ መሓመድ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን

7. ሃብታሙ ኢተፋ ገለታ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን

8. ብርሃኑ ነጋ ቦንገር - ሚኒስቴር ትምህርቲ

9. ዳግማዊት ሞገስ በቀለ - ሚኒስትር መጓዓዝያን ሎጀስቲክስን

10. ገ/መስቀል ጫላ ሞጣሎ - ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን

11.መላኩ አለበል - ሚኒስትር ኢንዳስትሪ

12. ብናልፍ አንዱዓለም - ሚኒስትር ሰላም

13. ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ፍትሒ

14.ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገ/መድህን - ሚኒስትር ጥዕና

15. በለጠ ሞላ ጌታሁን - ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን

16. ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ - ሚኒስትር ቱሪዝም

17. ላቀ አያሌው አንተነህ - ሚኒስትር እቶት

18. ጫልቱ ሳኒ ኢብራሂም - ሚኒስትር ልምዓት ከተማ

19. ታከለ ኡማ በንቲ - ሚኒስትር መዓድን

20.ፍጹም ኣሰፋ ኣዴላ (ዶ/ር) - ሚኒስትር ልምዓት ፕላን

21. ኤርጎጌ ተስፋዬ - ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን

22. ቀጀላ መርዳሳ ቱሉ - ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘጽደቖ ሓድሽ ካቢኔ ሰለስተ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊታት ብሚኒስትርነት ከገልግሉ ነቲ ባይቶ ብምቕራብ ክሽየሙ ገይሩ'ዩ።

በዚ መሰረት ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፣ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ ኣቶ በለጠ ሞላን ምኽትል ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ቀጀላ መርዳሳን ተሸይሞም።

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ኣቶ በለጠ ሞላ ሚኒስቴር ኢኖቬሽን ቴክኖሎጂ፣ ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ ድማ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኮይኖም ኣብቲ ካቢኔ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣትዮም ኣለው።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ዘለውዋ 26 ኣባላት ካቢኔ ኣቕሪባ ክተሽይም እንከላ ክልተ ኣመራርሓ ሰልፊ ተቃውሞ ክካተቱ ገይራ እያ።

ኣባል ኢዜማ ዝኾነ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ሓላፊ ቢሮ ኢንቨስትመንት ኮይኑ ክሽየም እንከሎ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብን ዮሱፍ ኢብራሂም በዓል መዚ ምምሕዳር ንብረት መንግስቲ ኮይኑ ተሸይሙ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ'ውን ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላ ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕባራዊ ጉዳይን ኮይኑ ክልል ኣምሓራ'ውን ንኽልተ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብንን ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራን ሹመት ሂቡ'ዩ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብ3 ጥቅምቲ 2013 ሓሙስ ማዓልቲ፡ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጠን ዘሰንበደን ህልቂት መንእሰያትን ህጻናትን ኤርትራ ኣብ ገማግም ደሴት ላምባዱዛ ዝተፈጸመሉ ናይ ሓዘን ማዓልቲ እዩ። ነዚ ናይ ሓዘን ማዓልቲ ክንዝክር እንከለና ግን፡ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ሓዘን ኤርትራውያን እዩ ማለትና ኣይኰነን። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ምድረ በዳታት፡ ቀላያትን ባሕርታትን ዝሃለቑ መንእሰያትናን ህጻናትናን ማእለያ የብሎምን ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ገናውን ዝቕጽል ዘሎ መርኣያ ሕሰምና ኰይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንመንእሰያትና ዘጓንፎም ዘሎ  ዝተፈላለየ ኣሰቃቒ ተመኵሮታት ኣብ'ቶም ካብ'ዚ ህልቂትን ሞትን ዝተረፉ ደቕና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቤተሰቦም ዘሕድሮ ኣሉታዊ ስነ-ኣእሙራዊ ስንብራት ንምፍዋሱ ቀሊል ዘይኰነ ጻዕርን ክብ ዝበለ ብቕዓትን ዝሓትት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለ'ዚ ናይ ዝሞቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ'ቶም ብህይወት ዘለዉ እሞ ከቢድ ስነኣእሙራዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም ዘሎ ዜጋታትና ሃለዋት ውን ከገድሰና ኣለዎ። 

ህልቂት ላምባዱዛ እምባኣር፡ ሬሳታትና ካብ ባሕሪ ክዝቈቊ፣ ዋና ተሳኢንዎ፡ ኣብ መሬት ተደርብዩ ጸሓይን ንፋስን ክውቃዕ፣ ንቡር ቀብሪ ስኢኑ፡ ኣብ ሳናድቕ ተዓሺጉ ንምርኢት ዝቐረበ ክመስል ዝቐደመን ዝዳሓረን ሕስረትን ውርደትን ኤርትራውያን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘቃልዐን ዘሕዘነን ብምንባሩ፤ ንብዙሓት ደገፍቲ ስርዓት ዝነበሩ ከይተረፈ ካብ ድቓሶም ዘበራበረ ብምንባሩ፡ ከመይ ኢልካ እዩ እሞ ክርሳዕ?!!!! ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህልቂት ዝርስዕ እንተሎ፤ እቲ ካብ ተሕታትነት ክምልጥ ዝሓስብ ወይ ዝደሊ ጠንቂ ናይቲ ሕሰምን መከራን ዝኾነ፡ ሎሚ እውን ናብ ልቡ ዘይተመልሰ፡ መላኺ ስርዓትን መጋበርያታቱን ጥራሕ እዮም።

ስለ'ዚ ድማ'ዮም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍን “ኣጆኻ በሃልቱን”፡ መንነት ኤርትራዊ ግዳያት ግዳያት ላምፓዱዛ ክሒዶም፤ ክሳብ ሎሚ ጠንቂ ስደቶምን ጥፍኣቶምን ንኻልኦት የሰክሙ ኣለዉ። ወትሩ ምዝመዛ ገንዘብን ጉልበትን ኤርትራውያን ዘተሃራርፎ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት ኤርትራ ብህይወት እንከለዉ፡ ብስም ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ምስ ነጋዶ ደቂ ሰባት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብምትሕብባር ዝበልዖም ገንዘብ ከይኣኽሎ፡ ሕንኽ ከይበለ ካብቲ መንነቱ ዝኸሓዶ ሬሳታት ክነግድን ገንዘብ ክእምርርን ምፍታኑ ኣዝዩ ዘስደምም ኢዩ ነይሩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ስርዓት እንጽበዮ ኣውንታን እንፍደዮ ጽቡቕን ክህሉ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ወረ ሎሚስ ኣብ ዝገደደን ንህልውና ሃገር ናብ  ዘስግእ ተግባራት ዝመጣጠር ዘሎ እዩ።

እምበኣር፡ ኣብዚ ናይ 8ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ይኹን፡ ኣብ መጻኢ ናይ ዝኽሪ ዓመታት፡ “ብዝሓለፈ ህልቂት እንዳስቈርቈርና ዲና ክንነብር ወይ ነዚ ጠንቂ ናይ'ዚ ኵሉ ሽግራትና ዝዀነ ሓደገኛ ጉጅለ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣወጊድና፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሃኒጽና እፎይ እንብለላ ሃገር ክንውንን ኢና?” ዝብል ሕቶ ኣብ  እንምልሰሉ  ወሳኒ እዋን ከም ዘሎና ንዅላትና ብሩህ ኢዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ኣብ ናይ ብርሰት ሓደጋ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ከም'ቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ 4 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝበልዎ፡ “ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓብተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ክሓትትን “ኣነ'ኸ እንታይ እገብርን ኣበይን ኣለኹ?” ኢሉ ምስ ነብሱ ክመራመርን ኢዩ ዝግብኦ። ከምዚ ዘይገብር ኤርትራዊ እንተዀይኑ ግን፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንጭቆና እቲ ጉጅለ ዘተባብዕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኢልካ ካብ ምሕላፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኢጣልያዊ ገፋፍ ዓሳ ቪቶ ፍሎሪኖ (Vito Florino) እኳ፡ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን ምድሓን ግዳያት ላምፓዱዛን ዝነበሮም ግደ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ምቕራጽ ምስልታት ግዜ ወሲዶም ክብል ዝነቀፈስ፡ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ንጠላም ተግብራት ናይቲ ጉጅለ ከጸባብቕዎ እንከለዉ ክትሰምዕን ክትዕዘብን እንከለኻ ዘደንጹ ጥራሕ ዘይኰነ፡ “ኣምበር'ዶኸ ሕልና ኣለዎም እዩ” ዘብለካ’ ውን እዩ።

        

በዚ ኣጋጣሚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ “ንመጻኸ እንታይ ይገበር?” ዝብል ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ኤርትራውያን ሳዕሪሩ  ዘሎ ናይ ስደት ዋሕዚ ንምግታእ ክግበሩ ኣለዎም ዝብሎም ስርሓት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  • ናይቲ መሰረታዊ ጸገማት ጠንቂ ዝዀነ መላኺ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና መሓውሩን ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ ዝግበር ቃልሲ ምሕያል።
  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ናይ ርሑቕን ቀረባን መዛምድታ ዝፍጠር ርክብ ኤርትራዊ ረብሓ ዝማእከሉ ንኢድ ኣእታውነት ዘይቅበል ክኸውን ምጽዓት።
  • ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዝቃለስሉ ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምቅልጣፍ።
  • ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣብ መደበራት ስደተኛ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝድሕንሉ ኩነታት ክፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድን ናብ ዝምልከተን ትካላት ዝቐርብ ምሕጽንታ ኣሕይልካ ምቕጻሉ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

መጽሔት ሓርነት ሕታም ቁ.81

Wednesday, 29 September 2021 18:39 Written by

ኤርትራን ህዝባን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል እዮም። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሃገር፡ ሃገር ከኣ ካብ ህዝቢ ፈላሊኻ ዝረኣዩ ስለዘይኮኑ። ኣብዚ ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ቃልሲ፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን “ ንህዝቢዶ ንሃገር ኣቐዲምና ነድሕን?”  ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስሕሓብ ነይሩ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕዉዕ ኣጀንዳ ኣብ ዝነበርሉ  ኣዝዩ ርሱን መካትዒ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘቤታዊ በደል ንምሕባእን ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝን፡ ነቲ ደሓር ባዕሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪድዎ ዘሎ “ልኡላውነት” ካብ ጉዳይ ህዝቢ ፈልዩን መጢጡን ከቕርቦ ፈቲኑ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ግና ብዘይካቲ ህዝቢ ናይ ምግልጋል ኣጀንዳ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ፈላሊኻ ብምሓዝ “ሓደ ምስ ወዳእኩ ናብቲ ካልእ ክሓልፍ እየ” ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ብሓንሳብ ዝዕመምን ተመጋጋብን ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ በጺሕና ኢና። እዚ ከኣ ምትላል እቲ ጉጅለ ካብ ዝተዓጽፈሉ  ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

ኣብ ንቡር ኩነታት ጉዳይ ሃገር ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዝምልከቶ ኣካል የለን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣብ ዝመንዘዓሉ መዋእል ኣመስኪርዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኤርትራ ብዘይንቡር ኩነታት ትሓልፈሉ ዘላ መስርሕ ግና፡ እቲ ኣሰራርዓ ግምጥልሽ ኮይኑ፡ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ሓደ ዕሉል ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዘኹድደሉ ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ከም ቁርዲድ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተላሒጉ ዘሎ ጉጅለ፡ ዝጭቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ ክምጥዋ ትንዕምንዕ ዝብል ዘሎ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ዝቃለስሉ ዘለዉ ከኣ ነዚ ዝንቡዕን ዘይንቡርን ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘድንን ውሑዳት ርእሶም ዘቕንዕሉን ኣሰላልፋ ኣወጊድካ ልዕልና ህዝቢ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ እዩ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ዓንዲ ናይ ቃልሱ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ሰነዱ “ሰዲህኤ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን  ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብ ሰነድ ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ኣካላት ለውጢ ብሓባር ንምዕዋቱ፡ ብመንገዲ መስርሕ እንካን ሃባን ዘሎ እዩ።

ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ክፈትሕ ዘብቅዕ ዓቕሚ ኮነ ባህሪ የብሉን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጽዒንዎ ዘሎ ብበብዓይነቱ ዝግለጽ ጭቆና ዘይፈተሐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገሊኡስ ነቲ ነባር ጸገም ከጋድድ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ሓደስቲ ጸገማት ክምህዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።  እዚ ጉጅለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ናይ ምምጻእን ልኡላውነት ሃገሩ ናይ ምሕላውን ግደታ እምብር፡ በቲ ብዋጋኡ ዝመጸ ጸጋታት ናጽነት ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዎ ኣይኣምንን እዩ። እዚ ከኣ “ኣነ እየ ዝሓስበልካ’ሞ ዝበኩኻ ግበር” ብዝብል ክቱር ትዕቢቱ እዩ ዝግለጽ። ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ናይ ምግባሩ ምስጢር ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ብደዐ ምጽማሙ ግና ሕቶታት ዘልዕል እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና እዩ ተረጋጊጹ። በዚ ከኣ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን  ናእዳ ሓፊስሉ እዩ። እንተኾነ ምእንቲ ናጻነት ብዝኽፈሎ ዋጋን ዘርእዮ ጀግንነትን ክንየት ጉጅለ ህግደፍ ኣገሪህዎ እዩ። እዚ ኩሉ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ከኣ ናይቲ ዝተዳህለሎ ዋጋ እዩ። ደጊም እቲ መፍትሒ በቲ ዝሓለፈ ክምለስ ዘይከኣል “ኣህህ” ምባል ዘይኮነ፡ “ይኣክል በቓ” ክትብል ምኽኣል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኢዱ ከምዘይረኸበ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት መስካሪ ስለ ዝኾነ ካልእ ኣካል፡ ኣብ ሃገሩ “መሊኡ ዘይረገጸ፡ ሓሳብ ልቡ ዘይገለጸ፡ ወሊዱ ዘየዕበየን ኣብ ቁምነር ዘየብጽሐን፡ ፍትሕን ስርዓትን ዝጸምኦ” እናተባህለ ክዝርዝረሉ ዝጽበ ኣይመስለንን። ብዓይኡ ከኣ  ናይ ሰላም፡ ልምዓት፡ ድሕነትን ዲሞክራስን መሰሉ ፈጺሙ ዝተነፈገ ህዝቢ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወዮ ክንዲ ናጽነት ንዝኣመሰለ መሰረታዊ ጉዳይ ብክቡር ዋጋ ኣውሒሱስ፡ ፍረ ናይቲ ኮስኲሱ ዘዕበዮ ተኽሊ ኣብ ምሕፋስ ግን ዘይበቐዐ  ተባሂሉ ይንቀፍል ከም ዘሎ  ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ መጀመርያ እምነት እንተነንብረሉ ጌጋ ኣይምተባህለን። ኣብቲ መስርሕ ኣሰጓጉማኡ ርእዩ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይትኣምን  ግን ተመለስ”  ዘይምባሉ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ በቲ ዝጀመሮ ክዕዘር እንተዘይኮይኑ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ጽላለ በጺሑ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ ገበናት ውሒድዎስ፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ዝያዳ ቀይዲ በቲኹ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባና ንክዘርግ ከዕገርግሮ ዝጸንሐ፡ ብንቡርኳ ከይተዓደመ ኣብ ሃገረ ኢትዮዮጵያ፡ ትግራይ፡ ጎንደርን ወሎን ከይዱ ብህይወት ኤርትራውያን ዕሸላት ይጻወት  ኣሎ። ናይዚ ኢድ ኣእታውነቱ ሳዕቤን ብዙሕ ኮይኑ ብቐረባ “ኣይማዮም ኣይሰማዮም” ኣብ ዝኾነ፡ ካብ ንቀጻልነት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ሓሊፉ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ዘየብሉ መንእሰያትና ይህልቕ  ኣሎ። ድሮኳ ኣብዚ ሓድሽ መገሸኦም እውን ብናይ ውግእ ገበናት ክኽሰሱ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡  ኣብ ኤርትራ ኮንካ ኣማዕዲኻ ኣብ እትርእዮ ተደሪቱ ዘይክተርፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ኤርትራዊ ምስትውዓል የድልዮ። እዚ ሻራዊ ጉዕዞ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ጓና ዝሃልቅሉ ዘለዉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ናብ እትፈርሰሉ ደረጃ እውን ክምዕብል ከም ዝኽእል ህዝብና ከስተብህለሉ አዘኻኽሮ። ስለዚ ሕጂ እ’ውን እቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣይተጸንቀቐሞን’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ሕሳብካ ክትገብር አዘኻኽር።

ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ዝመረጸ፡ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋን ዝወስዶ ግዜን ናይ ምኽፋል ህርፋን ስለ ዝነበሮን ዘለዎን ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ብዘይካ ተቓሊስካ ብምምንዛዕ ጸለእቲ ፈትዮም ዘይተኹብሉ መሰል ስለ ዝነበሮን ዘለዎን እዩ። ናይቲ ን30 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ዘካየዶን ሎሚ  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎንቃልሲ ከኣ፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉምን ምኽያትን የብሉን። ብፍላይ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣብ ሓደ እዋን ሎሚኸ ድሕሪ’ታ ዝበሃግናያ ነጻነት ምርካብና እንታይ ቃልሲ ኣድለየ ዝብሉ ወገናት ይስምዑ ነይሮም እዮም። ከምዚኦም  ዝኣመሰሉ ወገናት ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ኣበሩ ሓቢኦም ከጸባብቕሉ ዝደልዩ፡ ወይ ድማ ትርጉም ምሉእነት ናጽነት ዘይተረድኡ እዮም።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሕገመንግስቲ፡ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ መሰል ሕሳብካ ምግላጽ….. ወዘተ”  እናበልካ ዝበኾሩ መሰላት ምጽብጻብ፡ ዋላ ሓንቲ ዝተኸብረ መሰል የለን” ምባል ዝቐለለ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዓብይኡ ነቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ዓንዲ ማእከል ሕገ-መንግስቲ ኣጊዱ ከብቅዕ፡ ኣብ 1996  ኣዋጅ ፕረስ  ቁጽሪ 90 /1996፡ ብዝብል፡ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ዝህብ፡ ሕጊ ፕረስ ኣውጺኡ ምንባሩ ይፍለጥ።  

ነዚ ተኸቲለን ከኣ ሸውዓተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክዕንብባ ጀሚረን ነይረን። ህዝቢ ኤርትራ በዘን ናይ ብሕቲ ሕትመታት ኣቢሉ ካብቲ መንግስቲ ዝዝርገሖ ዝንቡዕን ስሱዕን ዜናታት ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ብምርካቡ ኣብ ለውጢ ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ተስፋ ህዝቢ፣ ዘይተስፍኡ ዝኾነ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ክዕገስ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ፡  ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉጅለ-15 ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣጐዛጒዙ፡ በቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈጸምቲ ራዕዲ ዘሕደርዎ ሻቕሎት ተኸዊሉ፡ ነተን ጋዜጣታት ኣብ ወርሒ መስከረም ብ2001 ክዓጽወን እንከሎ፡ ካብቶም ኣብኣተን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝነጥፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት 16 ኣሲሩ። በዚ ከኣ ነቲ ጩራ ዘይመንግስታዊ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣጸልሚትዎ። እዚ ስጉምቲ ሽዑ “” ኢሉ ዝተጀመረ ጸረ ዲሞክራሲ ስጉምቲ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን ብዝብል ዝፈለመ ናይቲ ጉጅለ መንደልሓቒ ተግባር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርእዮ ዘሎ ቅልጡፍ ገስጋስ፡ ሚድያ  ከም ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ እንታይነት ሓደ መንግስቲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ናብ  ምዃን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ሓበሬታ ሓይሊ  ዝኾነሉ መዋእል፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ናጻ ሚድያ ምንፋጉ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጫፋ ጸረ ዲሞክራሲ ምህላዉ ካብ ዘርእዩ ምልክታት እዩ። በዚ መሰረት እያ  ከኣ፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እዚ ጉጅለ፡  ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፤ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ዜና ዘየብላ ሃገር ኣፍሪቃ ኮይና ተመዝጊባ ዘላ። በብግዜኡ ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ምእሳር ጋዜጠኛታት ዝርዝር ክዳለው እንከሎ ከኣ ደረጃ ኤርትራ ካብ መጠረስታ  ንላዕሊ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘይሓልፍ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ናይ ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣብ መጻኢት ኤርትራን ፍሉይ ግምት ካብ ዝህቦም ሓደ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ብደረጃ ጉባአ ዝጸደቐ ንመጻኢ’ውን ዘማዕዱ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (...) ሓበሬታ ዘይብሉ ህዝቢ ብዛዕባ መሰላቱን ነጻነቱን ብቑዕ ኣፍልጦ ከምዘይውንን ይኣምን። ኣብ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ምቍጽጻር መንግስትን ካብ ምግባት ዓበይቲ ኮርፖረሽናትን ነጻ ኰይነን ሰፊሕን ዓሚቝን ዝተኣሳሰረን  ዜናታት ንከቕርባ  ዘኽእለን ባይታታት ንምፍጣር ክጽዕት ኢዩ። ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ነጻ ሚድያ፡ ምስቲ መንግስቲ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ማዕረማዕረ ዝስጉም ንህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዘቕርብ እዩ።  መንግስቲ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ፡ ህዝቢ ዝጐድእን ምጥፍፋእ ዘሳዕርርን መንገዲ ከይሕዝ ዝቆጻጸርን እንተተፈጺሙ ዘቃልዕን እዩ። ህዝባዊ ሓልዮት ዘለዎም ዲሞክራስያውያን መንግስታት፡ እዚ ብሕታዊ ሚድያ ንሳቶም ዘይረኣይዎ ዘርእዮም፡ ዘይበጽሕዎ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ዘንጸባርቐሎምን ከዕርይዎ ዝገበኦም ጌጋታት ከእርሙ ዝሕግዞምን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሕጋዊ መልክዕ ብምትሓዝ የተባብዕዎን ይሕግዝዎን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየቡ፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክጐዓዙ ንዝደልዩን ወትሩ ካብ ህዝባዊ ማዕበል ዝሰግኡን ኣካላት ግና ንናጻ ፕረስ ከም ቁርን ኣስሓይታን ይፈርሕዎን ኣብኡ ንዝነጥፉ  ጋዜጠኛታት “ብማይ ቀጠነ” ይሃድንዎምን። ህግደፍ  ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝኣገደን ኣዳለውተን ኣሲሩ ዘሳቒ ዘሎን ከኣ ካብዚ ባህሪ ጨቆንቲዚ ነቒሉ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ነተን ናተይ ዝብለን “ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን” እውን፡ ብኣዝዩ ጸቢብ ምቁጽጻር እዩ ዝሕዘን። ኣብዘን ሚድያታት እዚኣተን ኮይኖም ዋላ ብውሱን ርሕቀት ካብ ድሌት እቲ ጉጅለ ወጻኢ ክስጉሙ ዝፍትኑ ናይ መንግስቲ ሚድያዊ ክኢላታት እውን ዕድሎም ማእሰርቲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ናይ ብሕቲ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ዝሰርሑ ዝነበሩ እውን ኣለዉ።

ነቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ እሞ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ምዝካሮም ኣገዳስን እዋናውን እዩ። እቲ ዝኽሪ ግና እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸሞ ግፍዒ ንምጽብጻብ ጥራይ ክኸውን ኣይግባኦን። ኣብ ርእሲኡ “እቲ ንሳቶም ዝጀመርዎ ንህዝቦም መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምስናቕ ዕላማ ብኸመይ ይቐጽል?” ዝብል ሕቶ ብዝምልስ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚዲያ ዘይምላዉ፡ ካብቲ ዝዓበየ ዲሞክራስያዊ ብኩራት ሓደ እዩ። ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ወጻኢ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝተባባዕን ዝነኣድን እዩ። እንተኾነ ኣብርክተኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕዱ ዝነጻጸግ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝመጋገብ ኮይኑ እንተዘይተወዲቡ፡ መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከምቲ ንብህጎ ልሳን ናይቲ  ልሳን እንከለዎ ዝተለጉመ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዓውዲዚ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታት ኣብዚ ኣጋጣሚ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግበኦም ንብል።

ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም

Monday, 06 September 2021 09:22 Written by

ኣቐዲመ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ንኹለ ህዝብና እንቋዕ ናብ ታሪኻዊት መዓልቲ - ባሕቲ መስከረም 2021 ኣብጻሓካ ክብል ዓቢ ፍናን ይስምዓኒ። ብምቕጻል ነዚ ናይ ዕለት መደብ ዘዳሎኹምን/ዘዳለኽንን፡ ኣባላት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ፖሓኤ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ከለኹ ደስ እንዳበለኒ እዩ። ኣስዒበ ንኣቦ-መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ነዚ ሃገራዊ ሓባራዊ ዕማም ንምዕዋት እትገብርዎ ዘሎኹም ዘይሕለል ጻዕሪ ክብርን ሞጎስን ይብጻሕኩም ክብል እፈቱ። ኩላትና ብሓባርን ብቕዕናን፡ ነዚ ሓያልን፡ኣድላይን ስራሕ ከነውቶ ሃገራዊ ግዴታ ኣሎና።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወጻን እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ!

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ጥልያን፣ ቀጺሉ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፣ ድሒሩ ነውሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ ኣብ ዘይተመጣጠነ ፈደራላዊ ውዑል ምስ ንጉሳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝቋረን ኰይኑ። ንሱ ከይኣክል ንጉሳዊ ስርዓት ነቲ ብውሕስነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ውዑል ጥሒሱ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳን ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ፍጹም መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከም ትኣቱ ገበረ። ህዝብና ነዚ ናይ መግበጥቲ መስርሕ ተዓዚቡ ናይ ሰላማዊ መስርሕ ቃልሲ ኣካየደ። ይኹን እምበር ንጉሳዊ ስርዓት ኣዝዩ ጨካን ዝዀነ ዓመጻት ስለ ዝቐጸለ ነዚ ንምግጣም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዘድሊ ንኹሉ ብሩህ ኰነ።

ሓደ መስከረም 1961 እምበኣር ጅግና መራሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኾነ፣ ክቡር ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ካልኦት ጀጋኑን ተቓለስታን፣ ቀዳመይቲ ጥይት ኣብ ጎቦ-ኣዳል ዝተኰሱላ ታሪኻዊት ዕለት ኰነት ቀጺሉ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእነት ዘሰነዮ ናይ 30 ዓመታት ዝተናውሓ ቃልሲ ሰውራ ኤርታራ፡ ኣርዑት ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሲዒሩ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ከም ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም መጠን ባንዴራኣ ከተንበልብል በቒዓ ኣላ። ይኹንምበር ቅዋም ተተኺሉ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቌጠባዊ፡ ማሕበራዊ ወዘተ ክኸይድ ትጽቢ ዝግበረሉ ዝነበረ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብሰንኪ ህግደፋዊ ፍጹም ምልኪ ተኾልፈን ሃገር ዳግም ኣብ ኣዝዩ ዝጸልመተ ደረጃ ክትበጽሕ ከላ፣ ብዓቢኡ ከኣ ህላዌ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዝርከበሉ ዘሎ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና።

ዝኸበርካ ህዝብና!

ዝተባህለ ናይ ሃገር ምሕራር ጕዕዞ ብሂወትን ጕልበትን  ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራን፣ መላእ ኤርትራዊ ሕበረተ-ሰብናን ከም ዝተረጋገጸ፣ ንስኻ ሓባሪ ዘይትደልየሉን ከም ኣጻብዕ ኢድካ እትፈልጦን ሓቂዩ። የግዳስ እቶም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ተጋደልቲ ደቅኻ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም - ኮታ ብመደብ - ብህግደፋዊ ምልኪ ሓደ ድሕሪ ካልእ ኣደዳ ሕሱም ማእሰርትን ስደትን ኮይኖም ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ሎሚ፣ ኢሰያስን ምልካዊ ስርዓቱን ሃገር ከም ውልቀ ንብረት ተቆጺራ፣ ናብ ውግእ ክሸማ ይኹን ንኽራይ ከውርዳ ዓለም ብዓለማ ትዕዘቦ ዘላ ጕዳይ ኮይኑ ኣሎ። 04 ነሓሰ 2020 ስርዓት ኢሳያይስ ኣብ ዘይምልከቶ ውእግ ንሃገር ኣትትዩ፡ ብዙሕ ግፍዒ ኣብ ንዕሊ ንጹሃት ህዝቢ ትግራይ ገበን ፈጺሙ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ኣሰካፊ ጽልኢ ምስ ጐረበትና ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ይርከብ። ህግደፍ እዚ ንድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘየርውን ዘይድልየቱን ወራርን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምውራዱ ብዝኸበደ ቃላት ንኹንኖ።

ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂውን ታሪኽ ጀጋኑ ደቁን ናይ ባዕሉ ታሪኽን ኣይክጠልምንዩ። ሃገሩ ካብ ሓደጋ ከድሕን፣ ሓንቲ ብሕግን ብቕዋምን እትመሓደር ዲሞክራያስያዊትን ፍትሓዊትን ዝኾነት ኤርትራ ክሃንጽዩ። ምእንት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ዘሎ ደላይ ፍትሒ ተቃላሳይ እጃሙ ከበርክት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሉ መድርኽ ይሓትት ኣሎ። ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ዕማም ንምዕዋት፡ ማለት ህዝብና ሃገርን ንምድሓን፥ ኩሉ ተቓላሳይ  ኤርትራዊ፣ ዝሃለወ ይሃልዎ ኣፈላላይ ወጊዱ፡ ብሓባር ክቓለስ መድረኻዊ ሕቶ ኰይኑሎ። ነዚ መድረኽ ዘሰከመና ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ንዕኡ ብዝምጥን ውጽኢት መታን ክንምህዝ ከኣ፣  ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ብሓደን ሓድነትን ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ የዘኻኽር። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ እኣር እወ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክፈታሕ ምኻኑ ዘየጣራጥር እንተኾነ፣ ንዘሎና ሃገራዊ ሽግር ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ብውሑድ ክሳራን ንምብዳህ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእትን እትርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፣ ዝያዳ ልዑል ተራ ብምውሳድ  ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትኮኑ ይግባእ፣

 ኣብ መወዳእታ፣ ከነማሕጽኖን ክንብሎን ዝደሊ ጕዳይ፡ ሽግር ህዝባናን ሃገርናን፣ ዋላውን ከም ኣድላይነቱ ካብ ፈተውትና ሓገዝ ምሕታት ናትና መሰል ምኻኑ እናኣመና፥ ግና ባዕልና ክንፈትሖ እኹል ዓቕምን ተመኩሮን ኣሎና።  እሞ፣ ሃየ ሓድነትና ጥራሕ ነደልድል!!

 ሓደ መስከረም ንዘላኣለም ትንበር!

  ክብርና ክምለስ፡ብሓባር ንቓልሰ!

 የቀንየለይ!

4 መስከረም 2021

ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢኣታትን፡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግደስ ትካል፡ ፖሊስን ምምርማርን መሰረት ንምንጻፍ ብ14 ነሃሰ 2021 ኣብ ከተማ  ዋሽንግተን ዲሲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዞም 150 ዝኾኑ ኣብ ዋሽንግተን መእከቢ ኣዳራሽ ካቶሊካዊት ዩኒቨርስቲ ዝተራኸቡ፡ ድሕሪቲ ዓውደ መጽናዕቶም ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣውጺኦም። ናይዚ ዓወድ መጽናዕቲ ዓላማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን  ጽልዋኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምምይያጥ ምንባሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝምልከት ኣቐዲምካ መደባት ምትላም ዝምልከት’ውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዘርበሉ ዛዕባታት ነይሩ። ኣብዚ ብኤርትራዊ ትካል ምምርማር ንፖሊስን እስትራተጀን ድሕሪ ውድቀት ግዝኣት ኢሳያስ  ዝተዳለወ ዓውደ-መጽናዕቲ እቶም 150 ምሁራትን ክኢላታትን ብኣካል ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ደርዘን ዝኾኑ ከኣ ብመንገዲ ዙም ተሳቲፎም። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካለኦት ድማ ብዝተፈላለዩ መሕበራዊ መራኸብታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወጻኢ ከይተረፈ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምቕራብ ኮነ ምይይጥ ብምክያድ ዝተሳተፉ፡ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ ካብ ዩኒቨስርሲቲ ሰሜን ካሎሮና፡ ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስተኣብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫኒያ፡ ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ 1970 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንጡፍ ተሳቲፊ፡ ዶ/ር ሳባ ኪዳነ ናይ ማሶን ዩኒቨርሲቲ ምርቕትን ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድር ካብ 1970ታት ጀሚሮም  ኣብ ማሕበረ ኮማዊ ንጥፈታት ህዝቦም ኣብ ምልዕዓል ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለዎምን ከም ዝርከብዎም ካብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርዳእ ይከኣል።

እቶም ኣቕረብቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ግርጭታትን ቁጠባዊ ውድቀትን፡ ገንዘባዊ ዘይህድኣት፡ ድሕንነት፡ ትሑት ትሕተ-ቅርጻ፡ ዝለዓለ ሸቕለተ-ኣልቦነት፡ ዋሕዚ ናብ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ጨካን ኣገባብ ማእሰርትን ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማትን ዝምልከቱ ዝርዝራት ንምይይጥ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታትን  ወተሃደራት ዝነበሩን ኣብ ስደት ዝጸንሑን ኤርትራዊ ዜጋታት ምስቲ ሕበረተሰብ ከም ዝውሃሃዱ ምኽኣልን ዝያዳ በዳህቲ ዛዕባታት ከም ዝኾኑ ጠቒሰምዎም።

እቶም ተሳተፍቲ ምሁራት ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለጽዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከይትከል ዓንቂጹ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እቲ ዝምስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዳግማይ ከይጭወን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ንብልጽግና ኤርትራዊ ዜጋ ቀዳምነት ዝህቡ ኣካላት ብመንገዲ ምርጫ  ፈሊኻ ምፍላጥ ዘኽእል ኣገባብ ካብ ብሕጂ ክሕንጸጽ ከም ዝግባእ ኣስፊሮም።  ምስዚ ኣተሓሒዞም ንተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ኣጉሊሖም ጠቒሰምዎ።

ካልእ ተሳተፍቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተረዳድእሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ጠንቂ ዘይምርድዳእ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ  ህግደፍ ንምብዳህ፡ ሓድነትን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራቱን  ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣተግቢርካ  ናብ ሸቶ ንምብጻሕን ከኣ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ወይ ጉባአ ምክያድ ከም ዘድሊ ተሳተፍቲ ኣስፊሮም።

ናይ ኤርትራ ኣገዳሲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ወጻኢ ምህላዎምን ንመጻኢ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሓጋዚ ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ቁጠባዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣዘኽኺሮም። እቲ ጉጅለ ምስ ጐረባብቲ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ህውከት፡ ሓደ ብደሆ ኮይኑ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስሊ ኤርትራ ንምዕራይ፡ ቀጻሊ ህንጸትን ምትእምማን ናይ ምፍጣር ስረሓት ንምትግባር ኤርትራውያን ምሁራት  ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣስተዋጸኦ ከበርክቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ጠቒሶም።

ናጻ ኤርትራ ነይሩ ድሌትና ባህግና

ብውዱብ ምንቅስቓስ ስለዝተቓወምና

ክሃድኑና ብሓይሊ ክቕንጽሉና

ብውዲት ብዓመጽ ጸኒሖም ክገዝኡና

ብሓደ መስከረም ጠበንጃ ኣልዒልና

ናይ ዕጠቕ ነጋሪት ተዅሲ ከፊትና።

ተዘከር ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ጋንትኡ ወዲቡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝኸተተ

ብሓደ መስከረም ተዅሲ ዝኸፈተ

ንቕሎ ሰውራ ብኤርትራዊ መኸተ

 ናብ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ዝኣንፈተ።

ጓሶት ሃገርና ኣሕኦም ጠንጢኖም

ሓረስቶት ማሕረሶም ገዲፎም

ሰራሕተኛታት ናውቶም ደርብዮም

ተመሃሮ ማህደሮም ኣቐሚጦም

ወዶም ጓሎም ንናጽነት ሃገር ተሰሊፎም

ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሎም።

ብዝተናውሐ ውግእ ብተወፋይነት

ተጋዲልና ንሰላሳ ዓመታት

ተኸፊሉ መስዋእቲ ብኣሽሓት

ብህዝባዊ መኸተ መንዚዕና ናጽነት

ጨቢጥና’ወ ሃገራዊ ልዑላውነት።

ንጹር መደብ ዕዮ ሓንጺጽና

ከነረጋግጽ ኵሉ ዓይነት መሰላትና

ክንነብር ብሰላም ፍትሒ ብልጽግና

መግዛእቲ ተደምሲሱ ጨቢጥና ናጽነትና

ዓገብ’ዩ ብኢሳያስ ተጠሊምና

ስርዓት ምልኪ ሳዕሪሩ መሪሩ ጭቆና።

ሕቶና ኣይረኸበን ግቡእ መልሲ

ንሕሙም ስርዓት ኣለዎ ፈውሲ

ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ሱሩ በንቋሲ

ክትካእ’ዩ ብፍትሓዊ ደሞክራሲ

ክንበጽሖ ናይ ግድን ብቐጻሊ ቃልሲ።

ጻውዒት ሓደ መስከረም ዝተቐበሉ

ንናጽነት ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ

ተወጊኦም ኣካሎም ዝሰንከሉ

ንሓርነት ህዝቢ ዝቃለሱ ከይተሓለሉ

ሞያኦም ይዘከር ተሰኒዱ ተጸንቢሉ።

ባሕርና ብሂጎም ንዝምህዝዎ ናይ ፈጠራ ክትዓት

ኤርትራ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት

ንጹር ዶባታ ስኑድ ኣብ ኣህጉራዊ ትካላት

ናጽነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዘረጋገጸት

ህያው’ዩ ቲ’ቀያድን መወዳእታን ኣህጉራዊ ምስክርነት

ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱ ስጡም ልዑላውነት።

ሓድነትን ማዕርነትን ህዝብና ብብዙሕነት

ወከልቲ ህዝቢ ብደሞክራስዊ ምርጫታት

ይቑም ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ኩለን ዓድታት

ኣብ ኵሉ ከተማታት ወረዳታት ኣውራጃታት

ሃገራዊ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ብቕዋማዊ ስርዓት

ዝምረጽ ካቢነ ሚኒስትራት ብሞያዊ ብቕዓት

እዚ’ዩ ነይሩ ናይ ሓደ መስከረም ዕላማታት።

ምስጢር ዓወትና፣ ሓሳብና ይስመር

ሓድነትና ከም ሓጺን ይትረር

ብህጹጽ ብዘይ ውዓል ሕደር

ስርዓት ምልክን መሓውራቱን ንስበር

ብሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር !!

 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር።