ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንግዲ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ከምዘቕረቡ መርበብ ሓበሬታ “ኣልዓይን” ሓቢራ። እቶም ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ብስልኪ ምስ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሩሲያ ሰርገይ ላብሮቭ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክኽበር ከም ዝሓተቱ እቲ ዜና ገሊጹ።
ናይ ሩሲያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘካይድዎ ዝርርብ ብግሎም ኮነ ብደረጃ መንግስቲ ዝበልዎ ከምዘየለ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ። በኻልእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዩክረይ ክውግናኳ ክትጉስጉስ እንተጸንሐት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ዝተፈላለዩ መርገጻት እየን ሒዘን።
ንሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሽእዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊአን ንሩሲያ ክድግፋ እንከለዋ ገሊአን ከኣ ንዩክረይን ደጊፈን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውግእ ሩሲያ ንምስላፍ ብዝብል ብዙሐት ኢትዮጵያውያን ተሰሪዖም ምርኣዮም ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኤምባሲ ሩሲያ ነቲ መስርዕ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነይኹን ናይ ወተሃደራዊ ምምልማል መደብ ከም ዘየብላ ገሊጹ። ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ሩሲያ ኣይሰለጣን እምበር ኢትዮጵያውያን ክትምልምል ትፍትን ከም ዘላ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ነጽነዖ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፉ ዝበሎ የለን፣
በቲ ኮነ በዚ ሃገራት ኣብ ምድጋፍ ሩሲያን ዩክረይንን ተኸፋፊለን ቀጺለን ኣለዋ። ዩክረይ ኣባል ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲ ክትከውን ዝገበረቶ ፈተነ ተኸቲሉ ዝተባርዐ ውግእ ክልቲአን ሃገራት ብዝኸፈአ መልክዑ ቀጺሉ ኣሎ።
መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡
1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል
2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ
3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት
4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ
ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።
ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
04-18-2022
መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡
1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል
2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ
3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት
4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ
ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።
ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
04-18-2022
ኣብዚ እዋንዚ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ” ዝብል መደምደምታ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ከይተረፈ፡ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎን ዝጸንሐን ኣጀንዳ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ጣልቃ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃንዳሲ ናይቲ ውግእ’ውን እዩ። ካብቶም ቀዳሞት ሰለስተ ናይቲ ውግእ ተሰለፍቲ ህግደፍ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝስራዕ እዩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣፍ ኣውጺኡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/weyane game over” ክብል ዝተሰምዐ ንሱ እዩ። ናይዚ ኣበሃህላኡ ቃና ከኣ ነጋሪት ውግእ ምድሳቕ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ከምዚ ዓይነት ዓንዳሪ ድምጺ ብጋህዲ ካብ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣይተሰምዐን።
እቲ ኣበሃህላኡ ህግደፍ ናብ ወግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተዓዲሙ ዘይኮነ፡ ዋኒነይ ኢሉ ከም ዝኣተወ ዘመልክት እዩ። ህግደፍ ውግእ ኣንጻር ክልል ትግራይ ከምዘይተርፍ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ድምጾም ዘይስማዕ ዝነበረ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ ንኣተኣታትዋኡ ዝምልከት ክሳብ ክንደይ ምግላጹ ኣጸጊምዎም ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ገሊኦም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ወሲኽካ ዝሕባእ መሲልዎም “ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ኣይኣተወትን” ይብሉ ነይሮም። በዚ ኣበሃህላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ናይ ሓሶት ምስክርነት ስለ ዝሃብዎ፡ ደሓር ኣብ ዋጢጥ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ግና ህግደፍ ናብቲ ውግእ ከይተጸውዐ “ስግኣት ኣለኒ” ብዝብል ጉልባብ ብኢደ-ወነኑ ከም ዝኣተወን በቲ ተረኽቦ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ከም ዝሓፈሩን ኣብ ኣደባባያት ኣቃሊዖም እዮም። ደሓር ግና ኣብይ እውን “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ኮይንዎ፡ ህላወ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምርግጋጽ “ኤርትራ እንተዘይትረድኣናስ እንታይ መወሓጠና?” ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ኤርትራውያን ወገናት ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከጸባብቑ ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣትዮም ዝረግፉ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ካብኣቶም ስለ ዘይተወለዱ ጥራይ ዘይደቆም መሲልዎም ኣይሻቐልሎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም ደገፎም ንምርእይ ዘጣቕዑ ምህላዎም ዘሕዝንን ዘተዓዛዝብን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ሰልሚ ተሸኺሉ ክረግፍን ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ባህሊ ዘይኮኑ ግህሰታትን ዓመጻትን ክኽሰስን እንከሎ፡ “ስለምንታይ” እኳ ዘይምባሉ፡ ጽባሕ ይኹን ድሕሪ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክብጀው እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ንኤርትራዊ ልኡላውነት ክሕልው ዘይኮነ፡ ካብዚ ዘላቶ ዝኸፈአ ጸረ ልኡላውነት መዘዝ ከይዕድመላ ዘየስግእ ኣይኮነን።
ናይቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይሉ ዘሎ እሞ ጋና ዘይሰለጦ ውግእ ዕላማ፡ ከምቲ ንምምልኻዑ፡ ንልኡላውነት፡ ንሰላም፡ ንዕቤት፡ ኣቐዲሙ ሮኬት ስለ ዝተተኮሰናን ንኤርትራን ዝተፈረደ ዶብ ንምውሓስን ኣናተባህለ ዝድረፈሉ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ቀንድን ዕላማ ናይዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ስግኣት ኢሳያስ ዝወለዶ ዕድመ ስልጣኑን ጉጅለኡን ምንዋሕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካብቲ ሓቀኛ ምኽንያት ብምህዳም፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጹ ዝበሃሉ ዘለዉ ሸቶታት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከይኣተኻ ብተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክወሓሱ ዝነበሮም እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ጭካነ ህግደፍ ክረጋገጽ ኣይከለን። ህግደፍ ከኣ ነዚ ሓቂዚ ንምሕባእ እዩ ካብ ቅድም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሓዊ ዝኣጉድ ወይ ኣብ ዘዝተኣጉደ ዝጥበስ። ምናልባት ህግደፍ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ በዚ ውግእዚ ተጐልቢቡ ነገራዊ ረብሓ እንተ ኣዋሃለለ እውን ኣብ ህግደፋዊ ክሊ ዝተደረተ ጠቕሚ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢሳያስ እውን ዘተባብዖ ናይ ኣተሓሳስባ ምዝብራቕን ምክፍፋልን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ዲፕሎማስያዊ ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ “ደጊም ጉዳይና ብውግእ ዘይኮነ፡ ብሰላምን ዘተን’ዩ ዝውዳእ” ዝብል ድምጺ መመሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን ናይዚ ወገን ኣካል እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ፡ ህላ እንተዘይለመደ ጠራጥ ለመደ” ዝበሃል፡ ብኢሳያስ ዝተጸልዉን ኣብ ውግእ ምንባር ዝመረጹን ኢትዮጵያውያን ወገናት ይረኣዩ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብቲ ብናጽነት ኤርትራ ዘይሕጉስ ኣምሓራ ዘሎ ሃዋህው ናይዚ ኣብነት እዩ።
ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት “ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ወሲዱ የሰልጥን ኣሎ” ዝበሃልን ምጽራይ ዘድልዮን፡ ነቲ ስኽፍታ ዝያዳ ዘንህሮ እዩ። መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሃታሃታ ብዘይትካላዊ ኣገባብ ምስ ኢሳያስ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ዝኸፍሎ ዋጋ ከም ዝህልዎ ይግምቱ ናይ ዝነበሩ ወገናት ሓቅነት ድማ ሎሚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል። ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ኢሳያስ፡ ንኢትዮጵያ ከምዘይከውን ከኣ ተራእዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራት ፖለቲከኛታት ብወገኖም ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ጥዑይ ከምዘይኮነ የመልክቱ ኣለዉ። ንሕና እሞኸኣ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነስ ንካልእ ክኸውን ከምዘይክእልን እዚ ሕጂ ዘሎ ኰንታት ከም ዝመጽእን ኣቐዲምና ካብ ምትንባህ ዓዲ ኣይወዓልናን። እዚ ግምት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝመስሎም ኣካላት ስለ ዝነበሩ ግና ክሳብ ባዕሉ ዝገሃድ ክንድቲ ክብደቱ ቆላሕታ ከይረኸበ እዩ ጸኒሑ።
ኣወጻጽኣ ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣተኣታትዋኡ ቀሊል ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቲ ኣብ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዝተሰረተ ፖሊሲኡ፡ እንተሰሊጥዎ ክለኻኽም ክፍትን እዩ። ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከዕውቶ ዝሓሰቦ ከምዘይሰልጦ ርኡይ እዩ። እቲ ንጉጅላዊ ድሕነቱ ክብል ዘሳወሮ ውግእ ንኽሳራኡ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ይመስል። ስለዚ ዋላኳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንልዝብን ዘተን ዝዕድም እንተኾነ፡ ህግደፍ ክሳራኡ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንምልእቲ ኢትዮጵያ እውን ክበታትና ካብ ምሕላን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እቲ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ዘርእዮ ዘሎ ሕግብግብ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ስለዚ እቶም ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ክኣቱ እንከሎ፡ “ሕራይ ገበርካ” ዝበልዎ ወገናት፡ ሎሚኸ “ከይተጸወዐ ዝመጽእ፡ ከይጸገበ ይወጽእ” ድዮም ክብልዎ፡ ወይስ ቋንቆኦም “ወትሩ ኣገናዕዩ” እዩ ክኸውን።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት (UN experts)፡ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ብቐጻሊ ኣገዲዳ ናብ ኤርትራ ትመልስ ምህላዋ ኮኒኖም፡ ካብዚ ተግባራ ክትዕቀብ ብ13 ማዝያ 2022 ካብ ጀነቫ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጸዊዖም።
እቶም ክኢላታት በቲ ኣብ ግብጺ ከም ፖሊሲ ዝውሰድ ዘሎ እሞ ሓለፍቲ ዝወስድዎ ዘለዉ፡ ጃምላውን ቀጻልን ኤርትራውያን ኣገድዲድካ ምጥራዝ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጥሕሰታት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዘተሓሳስቦም ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ጃምላዊ ምስጓግ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም፡ ምስቓይን፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፡ ግዱድ ምስዋርን ዝኣመሰለን በደላት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።” ብዝብል ተገሊጸምዎ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሎሚ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ምስተመለሱ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ብዘይምጽናዕ ብውሕዱ 68 ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከም ዝተመልሱ እዞም ክኢላታት ኣፍሊጦም።
እቶም ክኢላታት “ሓለፍቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ተገዲዶም ካብ ግብጺ ዝተመልሱ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ጸዊዕና ኢና” ኢሎም፡ እንተኾነ ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይረኸቡን ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ተግራይ ተወሲዶም ከይኮኑ ስግኣት ከም ዘለዎምን ተቒሶም።
ናይቶም ክኢላታት መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ኣብ መደበራት ፖሊስን መዳጐኒ ማእከላትን ግብጺ ከም ዝእሰሩ ሓቢሩ። ምስቲ ማእሰርቶም እኹል መሰረታዊ ቀረብ መግቢ፡ ማይን መሳርሒ ጽሬትን ከም ዘይቀርበሎም ኣቃሊዖም።
ግብጺ ኣካል ናይቲ ብ1951 ዝጸደቐሰብኣዊ ሕጊኳ እንተኾነት፡ መሰል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኽብር ግቡእ መስመር ከምዘየብላ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። በዚ መሰረት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝከላኸል ኣሰራርሓ ከምዘየብላ እውን ተሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ እዞም ክኢላታት፡ ሓለፍቲ ግብጺ ኤርትራውያን ኣገዲዶም ከይጥርዙ ደጊሞም ኣዘካኺሮም። ኣብ ክንድኡ ብመንጽር ንግብጺ ዝምልከት ቅርቡነት ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ግቡእ ሓለዋ ክገብርሎም ጸዊዖም። እዞም መግለጺ ዘውጽኡ ክኢላታት፡ ሃገራት ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከመይ ከም ዝመስል ዝዕዘቡ ኮይኖም፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቦም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ገዘፍቲ ሰራዊትን ዕጥቅን ይስለፉ ከም ዘለዉ ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ ክፍሊ ዜና ገዳብ (Gedab News) ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት ሰፋሕቲ ስልጠናታት ከካይዱ ስለ ዝጸንሑ ውግእ ዘይተርፍ ከም ዝመስል እቲ ዜና ገሊጹ፡ ሳዕቤኑ ክትግምቶ ዘጸግም ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ። እቲ ወጥሪ ዝሕይለሉ ዘሎ ግንባራት፡ ዛላንበሳ፡ ራማ፡ ባድመን ሑመራን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ካብ 1998-2000 ጀሚሮም ኣብቲ ቦታ ዝዓረዱ ምዃኖም ዝጠቐሰ ዜና ገዳብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ብዝተፈልየ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቆጻጸሮም ሰራዊት ከም ዘለዉዋ ገሊጹ። ሓደ ካብኣቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምድላው ዝግበረሉ ዘሎ ከባቢ ብ198-2000 ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ወተሃደራት ዝሞትሉ ውግእ ከም ዝተኻየደሉ እቲ ዜና ገሊጹ። ብዘይካቲ ሞትን ዕንወትን ብሰንክቲ ናይ ቅድም ውግእ ኣማኢት ኣሸሓት ሲቪል ክመዛበሉን ክሳብ ናብ ምብራቓዊ ከባብታት ሱዳን ክስደዱን ከም ዝተገደዱ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ህዝቢ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ጸገምን ዕንወት ንብረትን ከየጋጥሞ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከብ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኣንጻር ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ሸኔ) ኣብ ሰፊሕ ወተሓደራዊ ወፍሪ ከም ዝርከብ እቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ዜና ኣዘኻኺሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህግደፍ ዝያዳ ካልእ እዋን ዝጽመደሉ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ የንጸላሉ ምህላዉ ምንጭታታ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብምጥቃስ ኤሪሳት (ERISAT) ሓቢራ።
ብመሰረት ዜና ኤሪሳት፡ ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈጥሮ ዘሎ ሽርክነት፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓቢሩ ወገናት፡ ነቲ ሻቕሎት ንምፍዃስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበርዎም መገሻታት ፍረ ከምዘይተረኽቦም ተፈሊጡ።
እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግበሩ ዝወርሑ መገሻታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ዘተን ሰላምን ናይ ምኽታል ኣንፈት ህዉኽ ስጉምቲ እዩ ብዝብል፡ ቀይዲ ክገብረሉን ኣብ መሪሕነትን ሓይልታትን ክልል ትግራይ ዘርእዮ ዘሎ እውንታዊ ቅሩብነት ደዉ ከብልን ካልእን ዝብሉ ቅድመኩነታዊ ጠለባት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንምብጻሕን እዋናዊ መርገጻት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምጽላዉን ዝዓለሙ ምንባሮም ኣብቲ ዜና ኢሪሳት ተጠቒሱ።
ኣብ ኣለምዋጭ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ስእነት ሕክምናን መጓዓዝያን ከም ዝሞተ ተገሊጹ
Wednesday, 13 April 2022 09:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት፡ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምጭዋ፡ ተዓቚቦም ካብ ዘለዉ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ሓደ መንእሰያት ሰኣን ሕክምና ብሕማም ከምዝሞተ ራድዮ ኤረና ሬድዮ ፋና ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቲ 35 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ ስደተኛ ሓሚሙ ብኣግኡ ሕክምና ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ሆስፒታል ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብ11 ሚዝያ 2022 ከም ዝዓረፈ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብሉ መደበር ኣለምዋጭ ብቑዕ ሕክምና ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣምቡላንስ ‘ውን ስለዘይብሉ፡ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ንሞትን ሓደገኛ ሳዕቤናትን ይቃልዑ ምህላዎም ናይዚ ስደተኛ መንእሰይ ሕልፈት ኣብነት ምዃኑ ካብቲ መደበር ንራድዮ ኤረና ዝሓበሩ ሰባት ገሊጾም።
ኩነታቶም ይከታተሎ ከምዘሎ ዝገለጸሎም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጂ’ውን ንድሕነቶም ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዛዕባ ምህላዉ ኣየነጸረሎምን።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ውሑስ ሓለዋ ስለ ዘየብሎም ሃለዋቶም ሓውሲ እሱራት እዩ። ምናልባት ዓቕሚ ዘለዎም ናብ ከተማ ዳባት እንተከይዶም እውን ሆቴልን ካልእ ኣገልግሎታትን ከይረኽቡ፡ ናይቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታን ሚሊሻታትን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዝገብርሎም እቲ ዜና ኣቃሊዑ። ካብን ናብን እቲ መደበር መጐዓዝያ ስለ ዘየለ እቶም ስደተኛታት ኣብ ተነጽሎ ከም ዘለዉ እውን እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ብዝተፈጥረ ሓደጋ 8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብናይቲ ከባቢ ዕጡቓት ቆሲሎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ዝሕዞ መርገጽ ጽልኢ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ሜላ ምዃኑ ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት (the Africa Report) ዝተባህለት መርበብ ሓቢራ፡ ።
መርበብ ዘኣፍሪካ ሪፖርት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ኣንጻር ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክውሰን እንከሎ ይኹን፡ ኣባልነታ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክንጥልጠል እንከሎ ንዝቐረበ ሓሳብ፣ ኢሳያስ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ምቅዋማ ንሩስያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎ ሕዱር ጽልኢ ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ዘኣፍሪካ ሪፖርተር ዘቕረበቶ ተንታን ኣቃሊዑ።።
ኣሜሪካ ትኹን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ናብ ኤርትራ ብምእታው ወይ መንግስቲ ብምቕያር ዝረኽብኦ ረብሓ ከምዘየለን ድሌት’ውን ከምዘይብለንን ዝፈልጥ ዲክታተር ኢሳያስ፡ ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጥሕሰታትን ንዝገብራሉ ተጽዕኖን እገዳን፡ “ንኤርትራ ከፍርሰኣ ስለ ዝደለያ’የን” ዝብል መታለሊ ሓሶት ብምዝርጋሕ ህዝቢ ናይ ምፍርራሕ ዕድል ረኺቡ፡ ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ከም ዝጥቀመሉ እውን ኣብቲ ተንታን ተጠቒሱ
እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኢሳያስ ንሩስያ ዘርኣዮ ደገፍን ምስቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ኣንጻር ምዕራብ ዝሕዞ መርገጻትን ዕላማኡ ሓደ እዩ። ካብተን ዝድግፈን ሃገራት ነገራዊ ረብሓ ንምርካብ ዘገድሶ ዘይኮነ፡ ኣካል ናይቲ ጽልኢ ምክፍፋል ብምኳን ህልውናኡ ምንዋሕ እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ፡ ናብ ናይ ግዳም ምዕባለታት ከም ዘማዕዱ ምግባር ልሙድ ሜላ ኢሳያስ እዩ።
እቲ ተንታን ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ዝስለፈሉ ምኽንያታት ርኢቶታት ይህቡ እዮም ኢሉ። ገሊኦም ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ስለ ዝኾነ እዩ ይብሉ። ብዘይካዚ ኢሳያስ ኣሜሪካ ብቐጥታ ባዕላ ኮነ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣንጻሩ እገዳ ስለ እትውስን እዩ ይብሉ።
እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምስ ምብራቕ ናይ ምስላፉ ምኽንያት፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ስልጣነይ ኣብ ምሕላው ይሕግዙኒ እዮም ምስ ዝብሎም ምስላፍ ስለ ዝመርጽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ናቱ ዕድመ ስልጣን ምንዋሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተረባሕነት ዘገድሶ ኣይኮነን። ኣብቲ ተንታን ኢሳያስ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኮነ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘገድሶ ኣብ ዝልጣን ንክቕጽል ክሕልዉዎ እዩ። ኢሳያስ ከም መራሕቲ ሰሜን ኮርያ፡ ሱርያን ኢራንን ካብ ቻይና ወይ ሩሲያ ናይ ስልጣኑ ሓለዋ ዝጽበ እዩ።
ኣብቲ ሰፊሕ ተንታን ዝሰፈረ ሓሳብ ከምዘረድኦ፡ ኢሳያስ ስልጣን ንምብሓት ብቐዳምነት ሚድያ እዩ ዝብሕት። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ብዝኾነ መንገዲ ጸላእቲ የብዝሕ፡ ነታ ሃገር ካብ ዓለም ይንጽላ፡ መንእሰያት ንክስደዱ ይደፋፍእ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኣትሪሩ ይቆጻጸር፡ ዝኣመሰሉ ሜላታት ከም ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ስልቲ ከም ዝጥቀም ተጠቒሱ።
እቲ ተንታን ከጠቓልል እንከሎ፡ ዝኾነ ናይ ኢሳያስ ተጻብኦ ኣንጻር ምዕራብ እንተላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፉ ድምጺ ዝሃበሉ ምኽንያት ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ንምንባር እዩ ኢሉ።
ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ በቲ ብዛዕባኡ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይኮነንዶ እቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝብን ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ህግደፍ ባዕሉ’ውን ዝስሕቶ ኣይኮነን። እቲ ብወጽዓ ህግደፍ ቀንዲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ ምስ ፈሰሰ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ህዝብታት ቀጺሉ ምእታዉ ዘይተርፍ ኢዩ። ህግደፍ ኣንጻር መሰላትን ናጽነታትን ህዝብታት ትግራይን ዩኩረይንን ምስላፍ መግለጺ ናይቲ ዶብ ዝሰገረ ጨቋኒ ባህሪያቱ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክሳብ ክንድዚ ብመሪር እሞ ንነዊሕ ግዜ ዝበደሎ ኣካል ክኣምኖን ክድግፎን ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ብግብሪ እውን ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት ኣብ ቅሉዕ ብዘይምውጽኡ፡ ንናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ኣይርደኦምን ይኸውን እምበር፡ ኣንጻር ወጻዒኡ ህግደፍ ሓቀኛ ሚዛኑ ካብ ምንጽብራቕ ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝብታት ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ ሊቢያን ካለኦትን ኣብ ኣደባባያት ዝወጹ፡ ጉልባቡ ቀሊዑ ድምጺ ከስምዕ ዝጽበይዎ ብዙሓት እዮም። ከምኡ ስለ ዘይገበረ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ኣሚኑ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም እውን ትዕዘብ። እቲ ኩነታት ኣዕሚቕካ ክምዘን እንከሎ ግና ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዝተወጸዐ ህዝቢ ንወጻዒኡ ኣሚኑ ክድግፎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ምስዚ ግና እቲ “እንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ እናገደደ እንከሎ ስቕ ኢሉ?” ዝብል ሕቶ ግን መልሲ ዘድልዮ እዩ። እዚ ሕቶዚ ብናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ኣርዑት ህግደፍ ምህላዉ ዝፈልጡ ወገናት እውን ይለዓል እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ወጽዓ ሓራ ንክወጽእ ምስ ኩነታቱ ዝመጣጠን ቃልሲ ካብ ምክያድ ዓዲ ውዒሉ ከም ዘይፈልጥ ቅድሚ ኩሉ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ብመሰረቱ እውን ወዮ መግዛእታዊ ወጽዓ ኣይጸውርን ኢሉ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ፡ ምስ ወጽዓ ተመሳሲሉን ተኣማሚኑን ይነብር ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ንታሪኹ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኣንጻር ወጽዓ ዓው ኢልካ ድምጽኻ ምስማዕ እንተኮይኑ፡ ከከም ኣሰማምዓኻ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወርትግ ናይ “ሓርነተይ ውሑስ ይኹን” ድምጹ ካብ ምድማጽ ኣይበኾረን። እቲ ናይ ኣብያ ድምጹ ክሳብ ክንደይ ይብርኽ ወይ ይትሕት፡ ውይክኣ ግሉጽዶ ይኸውን ስቱር፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንራዕድን ምፍርራሕን ከም ቀንዲ መቆጻጸሪ ስልጣኑ ዝመረጸ ኣገባብ ተቓንዩ ክምዘን’ዩ ዝግበኦ። በቲ ኮነ በዚ እቲ ህዝባዊ ድምጺ ኣብ እዝኒ ህግደፍ’ውን ይበጽሕ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ግና ነቲ ድምጺ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምዕፋን እዩ። እቶም ብቐጻሊ ዝእሰሩ፡ ዝስወሩ፡ ዝቕተሉን ሃጽ ኢሎም ዝስደዱን ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ዓፋኒ ተግባራት ኣብነት እዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ምስቶም ምእንቲ ለውጢ ኣብ ኣደባብያት ድምጾም ዘስምዑ ህዝብታት ኣነጻጺርካ ክምዘን ከሎ፥ እቶም ካለኦት ህዝብታትን ህዝቢ ኤርትራን ዝነበርሉ ኩነታት ኣድቂቕካ ምውድዳሩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዝነበረ ወጽዓ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ኣብ ሱዳን ሓሳባት ናይ ምግላጽን ናይ ምውዳብን ድሩት ጩራ ነይሩ እዩ። በዚ ጩራዚ ብዝተፈጥረ ዕድል ከኣ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ተወጊዱ። ጉዳይ ህዝቢ ግብጺ ኣንጻር መንግስቲ ሑስኒ ሙባረክ እውን ብመንጽር’ዚ ዝረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስትን ምምሕዳሩን ክሳብ ክንደይ ካብዚ ዝረሓቐ፡ ዕጽዋ፡ ምፍርራሕ፡ ጥቡቕ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ሕድሕድ ምትሕልላውን ዝዓብለሎ ምዃኑ ከኣ ንዓና ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብኣካልን መንፈስን ዘሎና ብሩህ እዩ። ስለዚ እቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸግሞ ርዱእ እዩ። እቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ እሞ ምእንቲ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትካ ክትቃለስ ዘይክልክላ ጥራይ ዘይኮነ ዘተባብዓ ሃገራት ኮይኖም ነቲ ድምጹ ዝተዓጽወ ህዝብና ድምጺ ክኾንዎ ዘይከኣሉ ብዘይካ ብነብሰ-ፍትወት ተሳዒርካ ግላዊ ጠቕምኻ ምቕዳም ካልእ ምኽንያት ዘይብሎም ዳግም ነብሶም ክምርምሩ ይግበኦም።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝጨከነ ጉጅለ “እንታይ ዝጽበዮ ኣለዎ?” ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ እታ ንህዝቢ ኣነ ኢየ ንናጽነት ኣምጺአያ ኣነ ኢየ ከኣ ዝሕልዋ እናበለ ክሽቅጠላ ዝፍትን “ልኡላውነት ሃገር” እትብል ሓረግ እያ። ብመሰረቱ ልኡላውነት ብህዝቢ እምበር፡ ብውልቀ ሰብ ወይ ብጉጅለ ኣይኮነን ዝመጽእ ወይ ዝሕሎ። ስለዚ ነቲ ናጽነቱ ዘምጸአን ልኡላውነቱ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እናደቖሰ፡ ህግደፍ ከቶ ናይ ልኡላውነት ተሓላቕን ሓላውን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ከኣ ከምቲ “ኣጸብቕ እንተበልዎ የኽፍእ፡ ሓሉ እንተበልዎ ከኣ የጥፍእ” ዝበሃል፡ ወዮ ብልኡላውነት ተሓቢኡ ሓላይ ክመስል ዝጸንሐ ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን መገሻ ምስ ጀመረ፡ ባዕሉ ኣንጻር ልኡላውነት ምዃኑ ኣርእዩናን ነጊሩናን። ሎሚ ከኣ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ከይተማህረ፡ ነቲ ወልቃይት ምስ ሓዘ “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ” ክጭርሕ ዝጸንሐ “ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ሳዋ ወሲደ ከሰልጥኖ እየ” ከም ዝበለ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይናፍስ ኣሎ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሓካ ግንዛበን ተረድኦን ህግደፍ ዝኸፍአ ዘምጽእ እምበር ናብ ዝሓሸ ዝመርሕ ከምዘይኮነ ተረዲእካ፡ ቃልስኻ ኣንጻርዚ ጉጅለ ክሳብ ዓወት ክትቅጽል ግድን እዩ። ምኽንያቶም ብዘየገድስ ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ወገናት ንገዛእ ርእሶም ካብ ተሓታትነት ንምድሓን፡ ጉዕዞኦም ደድሕሪ ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ምዃኑ ተገንዚቦም ከቋርጹዎ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ስለ ዝኣምኖ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም ወገናት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት እንተዘይጸጊምዎ፡ ኣሚኑ ከም ዘይድግፎ ተረዲኦም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ክስለፉ ከም ኩሉ ግዜ ጸዋዒትና እዩ።