ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ህግደፍ ስግኣት'ምበር እምነት የብሉን

2022-04-11 22:50:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 811 times

ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ በቲ ብዛዕባኡ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይኮነንዶ እቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝብን ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ህግደፍ ባዕሉ’ውን ዝስሕቶ ኣይኮነን። እቲ ብወጽዓ ህግደፍ ቀንዲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ ምስ ፈሰሰ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ህዝብታት ቀጺሉ ምእታዉ ዘይተርፍ ኢዩ። ህግደፍ ኣንጻር መሰላትን ናጽነታትን ህዝብታት ትግራይን ዩኩረይንን ምስላፍ መግለጺ ናይቲ ዶብ ዝሰገረ ጨቋኒ ባህሪያቱ ኢዩ።   

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክሳብ ክንድዚ ብመሪር እሞ ንነዊሕ ግዜ ዝበደሎ ኣካል ክኣምኖን ክድግፎን ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ብግብሪ እውን ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት ኣብ ቅሉዕ ብዘይምውጽኡ፡ ንናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ኣይርደኦምን ይኸውን እምበር፡ ኣንጻር ወጻዒኡ ህግደፍ ሓቀኛ ሚዛኑ ካብ ምንጽብራቕ ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝብታት ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ ሊቢያን ካለኦትን ኣብ ኣደባባያት ዝወጹ፡ ጉልባቡ ቀሊዑ ድምጺ ከስምዕ ዝጽበይዎ ብዙሓት እዮም። ከምኡ ስለ ዘይገበረ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ኣሚኑ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም እውን ትዕዘብ። እቲ ኩነታት ኣዕሚቕካ ክምዘን እንከሎ ግና ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዝተወጸዐ ህዝቢ ንወጻዒኡ ኣሚኑ ክድግፎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ምስዚ ግና እቲ “እንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ እናገደደ እንከሎ ስቕ ኢሉ?”  ዝብል ሕቶ ግን መልሲ ዘድልዮ እዩ። እዚ ሕቶዚ ብናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ኣርዑት  ህግደፍ ምህላዉ ዝፈልጡ ወገናት እውን ይለዓል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ወጽዓ ሓራ ንክወጽእ ምስ ኩነታቱ ዝመጣጠን ቃልሲ ካብ ምክያድ ዓዲ ውዒሉ ከም ዘይፈልጥ ቅድሚ ኩሉ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ብመሰረቱ እውን ወዮ መግዛእታዊ ወጽዓ ኣይጸውርን ኢሉ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ፡ ምስ ወጽዓ ተመሳሲሉን ተኣማሚኑን ይነብር ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ንታሪኹ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።  ብዛዕባ ኣንጻር ወጽዓ ዓው ኢልካ ድምጽኻ ምስማዕ እንተኮይኑ፡ ከከም ኣሰማምዓኻ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወርትግ   ናይ “ሓርነተይ ውሑስ ይኹን” ድምጹ ካብ ምድማጽ ኣይበኾረን። እቲ ናይ ኣብያ ድምጹ ክሳብ ክንደይ ይብርኽ ወይ ይትሕት፡ ውይክኣ ግሉጽዶ ይኸውን ስቱር፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንራዕድን ምፍርራሕን ከም ቀንዲ መቆጻጸሪ ስልጣኑ ዝመረጸ ኣገባብ ተቓንዩ ክምዘን’ዩ ዝግበኦ። በቲ ኮነ በዚ  እቲ ህዝባዊ ድምጺ ኣብ እዝኒ ህግደፍ’ውን ይበጽሕ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ግና ነቲ ድምጺ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምዕፋን እዩ። እቶም ብቐጻሊ ዝእሰሩ፡ ዝስወሩ፡ ዝቕተሉን ሃጽ ኢሎም ዝስደዱን ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ዓፋኒ ተግባራት ኣብነት እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ምስቶም ምእንቲ ለውጢ ኣብ ኣደባብያት ድምጾም ዘስምዑ ህዝብታት ኣነጻጺርካ  ክምዘን ከሎ፥ እቶም ካለኦት ህዝብታትን ህዝቢ ኤርትራን ዝነበርሉ ኩነታት ኣድቂቕካ ምውድዳሩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዝነበረ ወጽዓ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ኣብ ሱዳን ሓሳባት ናይ ምግላጽን ናይ ምውዳብን ድሩት ጩራ ነይሩ እዩ። በዚ ጩራዚ ብዝተፈጥረ ዕድል ከኣ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ተወጊዱ። ጉዳይ ህዝቢ ግብጺ ኣንጻር መንግስቲ ሑስኒ ሙባረክ እውን ብመንጽር’ዚ ዝረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስትን ምምሕዳሩን ክሳብ ክንደይ ካብዚ ዝረሓቐ፡ ዕጽዋ፡ ምፍርራሕ፡ ጥቡቕ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ሕድሕድ ምትሕልላውን ዝዓብለሎ ምዃኑ ከኣ ንዓና ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብኣካልን መንፈስን ዘሎና ብሩህ እዩ። ስለዚ እቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸግሞ ርዱእ እዩ። እቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ እሞ ምእንቲ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትካ ክትቃለስ ዘይክልክላ ጥራይ ዘይኮነ ዘተባብዓ ሃገራት ኮይኖም ነቲ ድምጹ ዝተዓጽወ ህዝብና ድምጺ ክኾንዎ ዘይከኣሉ ብዘይካ  ብነብሰ-ፍትወት ተሳዒርካ ግላዊ ጠቕምኻ ምቕዳም ካልእ ምኽንያት ዘይብሎም ዳግም ነብሶም ክምርምሩ ይግበኦም።    

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝጨከነ ጉጅለ “እንታይ ዝጽበዮ ኣለዎ?” ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ እታ ንህዝቢ ኣነ ኢየ ንናጽነት ኣምጺአያ ኣነ ኢየ ከኣ ዝሕልዋ  እናበለ ክሽቅጠላ ዝፍትን “ልኡላውነት ሃገር”  እትብል ሓረግ እያ። ብመሰረቱ ልኡላውነት ብህዝቢ እምበር፡ ብውልቀ ሰብ ወይ ብጉጅለ ኣይኮነን ዝመጽእ ወይ ዝሕሎ። ስለዚ ነቲ ናጽነቱ ዘምጸአን ልኡላውነቱ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እናደቖሰ፡ ህግደፍ ከቶ ናይ ልኡላውነት ተሓላቕን ሓላውን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ከኣ ከምቲ “ኣጸብቕ እንተበልዎ የኽፍእ፡ ሓሉ እንተበልዎ ከኣ የጥፍእ” ዝበሃል፡ ወዮ ብልኡላውነት ተሓቢኡ ሓላይ ክመስል ዝጸንሐ ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን መገሻ ምስ ጀመረ፡ ባዕሉ ኣንጻር ልኡላውነት ምዃኑ ኣርእዩናን ነጊሩናን። ሎሚ ከኣ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ከይተማህረ፡  ነቲ ወልቃይት ምስ ሓዘ “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ”  ክጭርሕ ዝጸንሐ “ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ሳዋ ወሲደ ከሰልጥኖ እየ”  ከም ዝበለ  ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይናፍስ ኣሎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሓካ ግንዛበን ተረድኦን ህግደፍ ዝኸፍአ  ዘምጽእ እምበር ናብ ዝሓሸ ዝመርሕ ከምዘይኮነ ተረዲእካ፡ ቃልስኻ ኣንጻርዚ ጉጅለ ክሳብ ዓወት ክትቅጽል ግድን እዩ። ምኽንያቶም ብዘየገድስ ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ወገናት ንገዛእ ርእሶም ካብ ተሓታትነት ንምድሓን፡ ጉዕዞኦም  ደድሕሪ ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ምዃኑ ተገንዚቦም ከቋርጹዎ ይግባእ።  ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ስለ ዝኣምኖ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም ወገናት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት እንተዘይጸጊምዎ፡ ኣሚኑ ከም ዘይድግፎ ተረዲኦም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ክስለፉ ከም ኩሉ ግዜ ጸዋዒትና እዩ።

Last modified on Tuesday, 12 April 2022 00:54