ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኢጋድ ኣባልነቱ ስሒቡ
2025-12-12 18:14:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 38 timesኤርትራ ብ12 ታሕሳስ 2025 ከም ልማዳ ካብ ናይ ኢጋድ (IGAD) ኣባልነታ ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ምስሓብ ኣባልነት ምኽንያት ዝተባህሉ ነጥብታት ተጠቒሶም ኣለዉ።
እቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚራ ምስ ኣባል ሃገራት ናይቲ ዞባዊ ትካል ብምትሕብባር፡ ከተበርክት ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ እንተኾነ እቲ ትካል ንከባቢያዊ ምርግጋእን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣባል ሃገራትን ክሰርሕ ከምዘይጸንሐ ገሊጹ።
ካብቲ ኣባልነት ዘስሓቦ ነጥብታት ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ ኢጋድ ብፍላይ ካብ 2005 ንደሓር ውድቀት ኣርእዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ዝተወሰና ኣባል ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኤርትራ ኣዝዩ ሃሳይ ኮይኑ ከም ዝነበረን ኤርትራ ድማ በዚ ምኽንያት ኣብ 2007 ኣባልነታ ኣቋሪጻ ከም ዝጸንሐት ኣስፊሩ።
ድሕሪዚ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 እቲ ትካል መጸዋዕታ ኤርትራ ብምስማዕ ዳገመ ስርርዕ ብምክያድ የመሓይሹ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባልነታ ከም ዘሕደሰት ጠቒሱ፡ እንተኾነ ከምቲ ናይ ቅድሙ ብዘይ ግሉጽ እስትራተጂ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ምኻዱ ስለ ዝቐጸለ፡ ካልእ ናይ ምስሓብ ኣባልነቱ ምኽንያት ገይሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊርዎ።
ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ሓደ፡ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ሓቢርካ ዘይምስራሕን በምትከላቶም ናይ ዘይምምእዛዝ ስግንጢርን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎ ስምን ተሳትፎን እውን ምስጉን ኣይኮነን። ኣብዚ ኤርትራ ፈተውቲ ጐረባብቲ ከተብዝሓሉ ዝግበኣ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ምውሳድ ከኣ ውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ።