ኣብ  ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ 5 ግዱሳት፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ ኤርትራዊ ማእከል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ዳቪድሺን፡ ቪክ ጀይ ሃድለስቶን፡ ፓትሪክ ኤም ሃስላች፡ ኣውረሊያ ኢ ብራዚልን ቲልቦር ፒ ናጂን፡ ዝተባህሉ እዮም። እዞም ኣንበሳድራት ካብተን ንሓለፋ 25 ዓመታት ኣብተን 13 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ኣንበሳድራት መግለጺ ከውጽኡ እንከለዉ ተበግሶኦምኳ ንኣፍሪቃ ብዝምልከት እንተነበረ፡  እንተኾነ ዝያዳ በቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ክግደሱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።

ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ “ንሕና እዞም ኣስማትና ዝተጠቕሰ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኤሜሪካዊ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ዝመራሕና፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክንከታተሎ ጸንሕና ኣለና” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ከም ዝጀመረ ብምጥቃስ፡ እቲ ጸገም በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጅዎ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው  ምባል  ክውዳእ ዘለዎም ተስፋ ኣስፊሮም። ኣከታቲሎም ከኣ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ዝበልዎም ንክትግበሩ ተማሕጺኖም።

  • • ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣካላት ነቲ ተኹሲ ተጠው ናይ ምባል ኣዋጅ ብዘይውልውል ክቕበልዎ።
  • • ኩሎም ሰብኣዊ ትካላት ንጽጉማት ህጹጽ ሓገዝ ከየቕርቡ ዝዓግትዎም ምስሕሓባት ቀልጢፎም ክፍትሑ።
  • • ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብቲ ናይ ጐንጺ ዞባ ቀልጢፎም ክወጹ።
  • • ኩሎም ኣብቲ ጐንጺ ተሳተፍቲ ኣካላት፡ ነቲ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ዕድል ተጠቒሞም ብዛዕባ ቀጻሊ ሰላም ምውሓስን መጻኢ ዕድል ትግራይን ክመያየጡ።
  • • ሰላምን ዕርቅንን ንክፍጠር ብዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን፡ ተደራራቢ ሓላፍነት ካብ ዘለዎም ሲቪላዊ ትካላት፡ እንተላይ ብኣዕሩኽን ጐረባብትን ኣድላይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ክግበር። ሰላምን ምርግጋእን ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ቀልጢፍካ ኮንፈረንስ ወዲብካ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ  ናይ ሓባር መሊስካ፡  እግሪ ምትካልን በቲ ጸገም ዝተሃስዩ መዳያት ናብ ንቡር ምምላሶምን።
  • • ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኮምሽንን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብ ትግራይ ብኹሎም ኣካላት ዝተፈጸመ ግህሰታትን ዓመጻት ብሓባር ናይ ምጽራይን ምምርማርን ዕማማት ንከካይዱ ምትብባዕ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣቦ ጽንዓትን፡ “ንመግዛእቲ ኣይጸዓድን” በሃላይን ከም ዝኾነ ኣይኮነንዶ ፈተውቱ ጸላእቱ’ው ዘይክሕድዎ እዩ። እዚ ናይ ጽንዓት መለለይኡ ብቃላት ጥራይ ዝዝንቶ ናይ ርሑቕ ግዜ ዘይኮነ፡ ናይዚ ቀረባ ግዜን ብተግባር ዝተራእየን፡ ካልኦት ምእንቲ መሰሎም ክሕርኑ ኣበራቢሩ ኣብቲ ዝደልይዎ ንክበጽሑን ዘተባበዐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ሕራነ ኣትዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከምቲ ገለ ስዑራት ዘዘንትዉዎ፡ ናይ ውግእን ጐነጽን ህርፋን ስለ ዝነበሮ ዘይኮነስ፡ ኩሉቲ ዝሓሸ ምርጭታት ምስተዓጽዎ ዝመረጾ ውሳነ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ህዝቢ ሓያልነት ትሕቲ ዕጥቅን ትዕቢትን ሰሪዖም ከንበርክኽዎ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን። “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየና’ዩ” ዝብል ፖሊሲ ክተግብሩ ፈቲኖም ኣይኮነሎምን። ኣሰር’ቲ ጭካነኦም ግና ክሳብ ሕጂ እውን መሊኡ ኣይሃሰሰን። እዚ ክሳብ ክንድዚ መኪቱ ኣብቲ ዝደለዮ ዝበጸሐ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ግና ኣብቲ ዝያዳ ክምክተሉ ዝግበኦ ግዜ ንድሕሪት ዝተመልሰ መሲሉ፡ ኣብነት ንወጽዓ ኣብ ክንዲ ዝቃለሶ ዝረዓሞ ህዝቢ፡ እንዳተባህለ ይጥቀስ ኣሎ። እዚ ኩነታት ነቶም ተወዲብና ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ሓይልታት’ውን  “ብጽሒትና ኣብዚ ኩነታትዚ እንታይ’ዩ?” ክንብል ዘገድደና እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብግፍዒ ገዛእቲ ዘይምንብርካኹ ብምጭባጥ ናጽነቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ካብዚ ነቒሉ ኣብ  ናይ ሓርነት ቃልሱ ናብ ከምዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ደረጃ ክወርድ’ዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ኣብ ከመይ ከምዘሎ ካልእ ዝነግበሮ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ዕረ እናጠዓሞ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወቱ መስካሪ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቀደም ንመግዛእቲ “ሓንጐፋይ” ኢሉ ዘይተቐበለ፡ ንወጽዓ ህግደፍ እውን ከምዘይቅበሎ ዝርዝር ምቕራብ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ሎሚ ዘዛርብ ዘሎ ግና ምስቲ ኩሉ ዝተደለበ ተመኩሮኡን ጽንዓቱን ነዚ ህልዊ ዘቤታዊ ወጽዓ ክስዕሮ ዘይምኽኣሉ እዩ። ህዝብና ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት  ዘይምብጽሑ ምኽንያት ሰፊሕ ዘርዝር ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ኣብቲ ዝርዝር ጐሊሑ ዝረአ ከኣ “ኣብ ግዜ ቃልሲ ሓብሒበ ኣብ ዓወት ዘብጻሕኩዎን ሕድሪ ዘሰከምኩዎምን ኣካል ኣይክጠልመንን እዩ”  ዝብል እምነቱ ክኸውን ከምዝኽእልን ብሩህ እዩ። ዝኣመንካዮ ክኽሕድ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ምስክርነቱ እዚ ንርእዮ ዘለና እዩ። “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ፡ ዘኾለስካዮ ኣይንከስካ” ዝበሃል ከኣ ከምዚ ምስኣጋጠመ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝብህግ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ክሳብ ክንደይ ምእንቲ ህልውና ሃገሩን ቀጻልነት ናጽነቱን ዝተሓቶ ዋጋ ከም ዝኸፍልን’ውን ኣጸቢቑ ይርዳእ እዩ። ካብዚ ኣፍልጦኡ ነቒሉ እዩ ከኣ ኣብ ስልጣን ንክነብር ንናይ ህዝብና ጹረትን ሓልዮትን ኮነ ኢሉ ዝምዝምዞ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ እምነት ዘንበረሉ ጉጅለ ይጠልሞ ከም ዝነበረ ተረዲኡ፡ “እዚ ኣካይዳኻ ምርጫይ ኣይኮነን” ንክብል ግዜ ከም ዝወስደሉ ርዱእ ነይሩ። እቲ ሎሚ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ግና ካብ ምጽማምን ምጽባይን ሓሊፉ “ምስ ወጽዓ ክነብር ከም ዝመረጸ” ናብ ዝመስል ደረጃ ዝደየበ እዩ። ከምኡ ኢሉ ንሓዋሩ ክነብር ግና ባህርያዊ ኣይኮነን። ህዝብና ኣንጻር ምምሕዳር ህግደፍ ድምጺ ኣልቦ ተቓውሞ ካብ ዘሕድር  ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ዩ። ናብ ግሁድ “እምቢ ብሃልነት” ክድይብ ግና ግዜ ወሲድሉ። እቲ ወጽዓ ከኣ እነሆ ማዕረቲ ስቕታ መመሊሱ ይመርር።

ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፍሉይ እዩ። ፍሉይ ዘብሎ ከኣ ኣብ  ኩሉመዳያት ህይወት ዝርአ ምዃኑ እዩ። ሃገሩ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ገፊፍዎ። ፍትሕን ስርዓትን ኣስኢንዎ። ክትገልጾ ብዘጸግም ኣድክይዎን ኣደንቊርዎን። ኣብ ሃገሩ ከይነብር ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናብ ስደት ደፊእዎ፡ ንመንእሰይ ዓለም “ዘመናዊ ባርነት” ምዃኑ ኣብ ዝተቀበለቶ ገደብ ግዜን ስሩዕ ክፍሊትን ኣብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና ቆሪንዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ብናይ ሓደ መስመሩ ስሒቱ ሰንከልከል ጀሚሩ ዘሎ ውጹእ ዲክታተር ውሳነ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘይኮነ ውግኣት ጠቢሱ የህልቖ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ካብ ሱዳን ጀሚርካ ክሳብ ጅቡቲ ካብ የመን ጀሚርካ ክሳብ ኢትዮጵያ ሎሚ ከኣ ኣብ ትግራይ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ውግኣት ኣእትዩ ኣህሊቕዎ። ኣብ’ዚ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘይነበሮን ገለ ብጉጅለ ህግደፍ ዝዓበዱ ኤርትራዊ ወገናት ኣመላኺዖም ምኽንያታዊ ከምስልዎ ዝፈተኑን ውግኣት እቲ ጉጅለ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወት ቀዚፉን ምስሊ ኤርትራ ኣበላሽዩን። ኤርትራዊ ኪኖቲ ብህግደፍ ዝንገሮ ናይ ሓሶት ምኽንያታት “ሰለምንታይ ደቀይ ኣብ ፈቐድኡ ይጠፍኡ?” ኢሉ ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይወዓለን። እንተኾነ ነቲ ጉጅለ ብዝውጥር ደረጃ፥ ናይ ሕቶኡ መልሲ ክረክብ ኣይደፈአን። ነቲ ጉጅለ ከኣ እዚ’ዩ ኣሻዲንዎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስለምንታይ ናብ ውግእ ትግራይ ከም ዝኣተወ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ መሚኻ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከም ዘየብሉ ብሩህ እዩ። ብመንጽር እቲ ጉጅለ ዝበሎ’ውን ካብ ህልኽ፡ ቅርሕንቲ፡ ቅንእን ኣብ ህውከት ናይ ምንባር ወልፍን ወጻኢ ኣይኮነን። እቲ ንኢድ ኣእታውነቱ ንምምልኻዕ ምስ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትሕሓዙ ዝግበር ሃቐነ’ውን መስመሩን ኣገባቡን ዝሰሓተ እዩ። ሰማይ ንሃገርኩምሲ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ” ዝጭረሖኡ መራሒ እየ በሃላይስ ተሓላቒ ዶብን ልኡላውንትን ክኸውን ዘይመስል እዩ። ብዓብይኡ ጸረ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑኸ ተዘንጊዑ ማለት ድዩ። ምናልባት እቲ ግብራዊ ምኽንያቱ ናይቲ ናብ ውግእ ትግራይ ምውፋሩ፡  ከምቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ በዓል ዕጥሩን ዝነገሩና ዝምታ ንብረትን ምዕናው ትካላትን ትግራይ  ነይሩ ክኸውን ይኽእል።

እቲ ኢድ ኣእታውነት ብልቦናን ሓላፍነትን፡ ንጉጅለ ህግደፍን ንህዝቢ ኤርትራን ፈላሊኻ ብምርኣይን “ዝገበረኒ ክገብርስ ዓዲ ነየጋብር” ንዝብል ብምስትውዓል እንተዘይተራእዩ፡ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ከም ዝኸውን ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንካለኦት እውን ብሩህ እዩ። እቲ ሎሚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር፡ እዚ ጽሉል ጉጅለ ብዓንተብኡ ብሓያል ናይ ህዝቢ ዓቕሚ ተገኒሑ እንተዝኸውን ሎሚዶ ኣብዚ መበጸሐ ዝብል እዩ። ንመጻኢ እውን ነቲ ሰዲህኤ ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ፡ “…… ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ኢሉ ዝኣወጆ ብምስትብሃል፡  ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ጎንደር ኬድክን እንታይ ኣምጻክን” ዝበሃል፡ ነቲ ጉጅለ “ኣበይ ኣለዉ ደቅና” ክብሎ ክተብዕ ንምሕጸኖ።

ህዝቢ ኤርትራ “እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይ’ዩ? ምስ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ካብ ዝነብር፣ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ሎ። ሎሚ እውን ጋና ካብዚ ብሂልዚ ወጺኡ፡ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ረኺቡ ኣደልዲሉ  ክስጉም ዝተርፎ ዋኒን ኣለዎ። እዚ ሕቶዚ ክፍታሕ እንዳተገበኦ እንከሎ፥ ዘይተፈትሐ ግድል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ከምቲ “ዝጸገመ ነገር ንብጻይካ ንገር” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራዊ ብዛዕባቲ ዘይተፈትሐ ግድል ሃገሩን ህዝቡን፤ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተራኺቡ ክዝትን ክዕልልን እንከሎ  ዝለዓል እዩ።  ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ እናገደደ ክመጽእ ዝጸንሐ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን፡ ገሊኡ ግላዊ፣ ገሊኡ ከኣ ናይ ሓባርና ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ እንዳኹሉ ዘሎ ግላዊ ወይ ስድራቤታዊ ጸገማት ኣዝዩ ሰፊሕን ብቐሊሉ ሓንቢስካ ዘይትውጻእ ባሕርን ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛሩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ናብቲ ከም ኤርትራውያን ናይ ሓባርና ዝኾነ ብደሆታት ከነተኩር ተመራጺ ኣተሓሕዛ እዩ።

እቲ ናይ ሓባርና ጸገም እውን፡ ነዊሕ ሱር ዝሰደደን ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽን ንምፍታሑ በዳህን እዩ። ስለዚ እቲ ንጠቕሶ ንኣብነት ዝኣክል እምበር፡ ብምልኡ ንምዝርዛር ኣይኮነን። ህዝቢ ኢርትራ ሎሚ፡ ብዘይ ሕግን መንግስታዊ ትካላትን ክምሓደር። ቆጽሊ ብዘየውደቐሉ ኢደወነናዊ ዲክታቶር ክግዛእ። መሰረታዊ መሰላቱ ምሉእ ብምሉእ ክገህስ። ናይ ሕሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰሉ ክምንዛዕ። ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከይቀርብን ነብሱ ዘይከላኸልን። ምስ ፈጣሪኡ የራኽበኒ ኢሉ ዝኣመነሉ ሃይማኖት ከይክተል። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቀኖናዊ ሕጊ ወጻኢ መራሕቲ ሃይማኖት ክመርጸጸ። ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ናይ ምንባርን ተጠቃሚ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃገሩን ከይከውን። መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ተማሂሩን ስድራ መስሪቱን ሓቀኛ ተካኢ ወለዶ ኣብ ክንድዚ ዝኸውን ክስደድ ኣብ ዝተቐሰበሉ። …… ወዘተ መግለጺ ሕሰም ኣብ ዝተሸኸልሉ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደዱን ዘይተፈትሑ ብዙሓትን ግድላት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ከም ዘለዉ መስካሪ እዩ።

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ከምዚ ዝተገለጸ ጸበባ ከም ዝኣተዉ፡ ኣብ ምቕባልን ምእማንን ኣብ ሕድሕድና ኤርትራውያን ፍልልይ ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት ንኩነታት ኤርትራ ኣብ ክንዲ በቲ ባዕሉ ዝዛረብ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዘየለ ኩነት ነቒሉ ወይ ነቲ ሓቂ ጠማዚዙ ዝብሎ ነቒሎም “ጽቡቕ ኣለና” ዝብሉ ነይሮም። ገለ ከኣ ከምቲ  “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ እፈልጣ” ዝበሃል፡ ንኣካይዳ ህግደፍ ካብ ንግሆኡ ተዓዚቦምን  ካብቲ ዝበሃል ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝድህሰስ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ማዕጾ ዝኩሕኩሕን ሓቂ ነቒሎም “ኣብ ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና”  ክብሉ ጸኒሖም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግና እቲ ዘይነበረ ግና ዝድረፈሉ ዝነበረ “ናይ ህግደፍ “ጽቡቕ ኣለና” በቲ ዝረአን ዝድህሰስን ወጻዒ ተግባራቱ ተቓሊዑ፡ ህግደፍ ኣብ ጐልጐል ዝወግሖ ዝብኢ ኮይኑ። ሎሚ ኣብ ኣረዳድእ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጃላነት ግዜ ሓሉፉ፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተርዲእዎ፡ ወጽዓ ህግደፍ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ናይ ሕማቕን ጭካነን ኣብነት ምዃኑ ተገንዚብዎ እዩ። ካብቶም እንተ ንሱ ሓቂ ኮይኑ ተራእይዎም፡ ወይ ብመርዛም ስብከቱ ተደናጊሩም፡ ንህግደፍ ዝድግፉ ዝነበሩ ብዘይካብ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ዝዓበዱ፡ ካብታ “ኣንታ ንበረልና ጥራይ” ዝዝምሩላ  ዝነበሩ ባቡር ተራጊፎም፡ ንቡር ቦታኦም ኣብ ዝሓዝሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ብኸምዚ ደርጃ ጸገምካ ተርዲእካ ህዝባዊ መስርዕካ ምሓዝ ሓደ ስጉምቲ  ንቕድሚት ንዓወት እዩ።  ናብ ምፍታሕ ጸገምካ ክትበጽሕ ግና ድሕሪዚ እውን ክኽየድ ዝግበኦ ወሳኒ ርሕቀት ከም ዘሎ  ምስትውዓል ግደን’ዩ።

ሎሚኳ ጉጀለ ህግደፍ ባዕሉ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ፡ “ጽቡቕ ኣለና” ናይ ምባል ሞራሉ ኣዝዩ ኣብ ዝጐደለሉ ደረጃ ኢና እንርከብ። ብኣንጻሩ ኣምጺእዎ ዘሎ ቅዲ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ዘይሕባእ  ጸገማት  ይቕበሎ’ሞ፡ እቲ ፍታሕ ከምጽእ ዝግበኦ ንሱ ክነሱ ተገልቢጡ “ሓታታይ ኮይኑ ናይ ምቕራብ” ስልቲ ይኽተል። ንኣብነት “ማይ፡ ኤልትሪክን ካልእ ቀረባትን ካበይ ይምጻእ?” ኢሉ ይሓትት።  እቲ ካልእ መደናገሪ ስልቲ ከኣ ንኤርትራ ምስ ካብኣ ዝሓሻ ዘይኮነ፡ ምስ ብሰንኪ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ መራሕተን  ካብኣ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት እናወዳደረ፡ “ኣብ ሰላም ኢና ዘለና”  እናበለ ከደዓዕስ ይፍትን። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ከም ኣብ ዒራቕ፡ የመን፡ ሶርያን ሊቢያን ቀጻሊ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ንኤርትራ ከም ደሴት ሰላም ጌርካ ብምቕራብ ንትርጉም “ሰላም” ዘይመልክዑ የትሕዝ። እንኮ መዕቀኒ ሰላም ብጥሪኡ ተኹሲ ዘይምህላው ጌርካ ምውሳድ ክሕበኣሉ ካብ ዝፍትኖ እዩ። ንምስዋር፡ ምጭዋይን ብዘይፍርዲ  ምቕታልን ዜጋታት እውን ናይ ሰላም መግለጺ ምዃኑ ኣምሲልካ ከተቕርብ ከም ምህቃን ማለት’ዩ።

ድሕሪ ኤርትራ ብኣዝዩ ብዙሕ ጸገማት ተወጢራ ኣብ ቀረና መንግዲ ምህላዋ ምርዳእ ዝመጽእ “መዋጸኦ ሃሰስ ምባል” ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኤርትራውያን   “እሞ እቲ መፍትሒ ደኣ እንታይ’ዩ?” ኢልና ብቐጻሊ ክንሓትት ንግደድ ዘለና። እዚ ሕቶዚ ናይ ግድን ክምለስ ከም ዝግበኦ ናይ  ኩልና ኤርትራውያን ተረድኦ እዩ። ኣብ ዝርዝር እቲ መልስታትን ናይ ኣመላልሳኡ ኣገባባትን ግና ፍልልያት ይረአ። ገለ ወገናት ነቲ “ኳሕኩሕ እሞ ክኸፍተካ እየ” ዝብል ቅዱስ ኣበሃህላ ዘንጊዖም፡ ጉዳይና ግዜ ዝፈትሖ እዩ ኢልካ ምጽባይ ዝመርጹ ኣለዉ። ገለ ወገናት ከኣ እቲ እንኮ መዋጸኦ ንህግደፍ ሓቢርካ ተቓሊስካ ምውጋድ ምዃኑ ይቕበሉ። እንተኾነ እዚ ኣገባብን ምርጫን እዚ ተፈቲኑ ከም ዘይተዓወተ ወሲዶም፡ ተስፋ ቆሪጾም ጠጠው ዝብሉ ኣይሰኣኑን። በቲ ኮነ በዚ ግና፡ ናይቲ “እቲ መፍትሒ ደኣ እሞ እንታይዩ?”  ዝብል ሕቶ መልሲ ብዘየማትእ ንጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር እዩ። እዚ ክሳብ ሕጂ ናይ ዘይምዕዋቱ ምስጢር ከኣ እቲ መዋጸኦ ንሱ ስለ ዘይኮነ፡ ዘይኮነስ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝጐደሎ ከም ዘሎ ምርዳእን ነቲ ዝጐደለ ምምላእን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ንሓቢርካ ክትቃለስ ምብቃዕ ግቡእ ትኹረት ምሃብ ከኣ ዘይስገር እዩ።

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣምር ኣርእስተይ ተኸቲለ ናብ ሕብረተ-ሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ካብቲ መሰል ሰብኣዊ ክብሩ ክገልጽ ዘይክእል፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ኣሎኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ንመሰል ብኣካላት ህዋሳቱ ሓሳባቱ ክገልጽን ክፈትሕን፡ ህያብ ባህርያዊ ብልጫ ናይ ጉዕዞ ናይ ነፍስ-ወከፍ ፍጡር ወዲ-ሰብ ሓደ ካብቶም 5 ህዋሳቱ ስለ ዝኾነ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንሓቅን ፍትሓውን መልእኽቲ ሓሳባቱ ከፍስስ እቲ ቀንዲ ኣካል ጥዕንኡ‘ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ወዲ-ሰብ ሕዋሳቱ ዓጽዩ ሕልንኡ ከማዕብል ዘይክእል ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ውጽኢት ናይ 30 ዓመት ህያው ምስክር‘ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ 30 ዓመት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን፡ ኣብ ወለዶ መንእሰያትና እናተተኻኽአ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ስነ-ትምህርቲ እተፍርየሉ‘ዩ፤ ኮይኑ ግን ኣብ ኤርትራ ብኣንጻሩ ንለባም ኤርትራዊ ዘሕዝንን ዘጕህን ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ዘሕምመንን ዘጕህየንን ኤርትራዊ ስለ ዝኾንኩን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ/ት እዚ ብርሰት እዚ ተመሊሱ ምስ ጠመቶ ብርግጽ እንታይ‘የ ዝገብር ኔረ ብርሰት እናረኣኹ ኢሉ ምስ ሕልንኡ ክዛረብን ክበኣስን፡ መንእሰይ ወለዶ እንታይ‘ዩ ክብለኒ እናበለ ለይትን መዓልትን ክሳቐይን ክሓስብን ምዃኑ ኣይጠራጠርን። “ ዘገርም ስቕታ ብርሰት፡ ልቦና ዝጐደሎ“።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ 30 ዓመት ዝተቓለስካ ድሕሪ መሪር ቃልሲ ብመስዋእቲ ነጻነት ዘምጻእካ ሃገር ኮይንካ፤ ኮይኑ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ብሰላም ዘይነብረላ፡ ፍርሕን ማእሰርትን፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ ትምህርቲ ዘይጐየሉ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ሓሪሱን ሰሪሑን ነጊዱን ክሳዱ ኣቕኒዑ ዘይጥምታን፡ ኣእጋሩ ኣትሪሩ ዘይረግጻ ኮይናቶ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ መግለጺ ዘይርከቦ ስደትን ሞትን፡ እዚ ከኣ ነቲ ከምኡ ዝገብረና/ዝገብረካ እቲ ጨካን ስርዓት ዓጸፌታ ንመሰላዊ ክብርኻን ማዕርነትካን መልሲ ክብርኻ ብዘይምሃብካ፡ እዚ ከኣ ልቦና ዝጐደሎን ደረት ዘይብሉ ስቕታኻን‘ዩ እቲ ኩሉ ብርሰት ክብል እደፍር። ንሱ ከኣ‘ዩ እቲ ሓቂ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ብዝኾነ መግለጺ ዘይብሉ ጨካን ስርዓት ኩሉ ግፍዕታት ወዲኡ፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ናይ ቅባጸት ተስፋ ንኣደ ኤርትራዊት ንኣቦ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዘን ክነብር፡ ትፈትዎም ኰስኲስካ ዘዕበኻዮም ደቅኻ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ ሸሚሙ ድራር ዝብእን ኣሞራን ገይርዎም/ኮይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክብል ክግደድ ከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን ይኣክል ደረት ሰጊርካ ኣሎኻ ኢልና ብውሽጥን ብደገን ብሓባር ዘይምውጻእና፡ ከም ናይ ኣዴታትን ኣቦታትን ሶማላውያን እዚ ዘይምግባርና ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ከሳቕየና እዩ። ሕጂኸ እንታይ ትሓስብ ኣሎኻ? እቲ ዘገርም ደቅኻ ኣብ ኲናት ጠቢሱ ተመሊሱ ኣብ ማእከልካ ከዅድድ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ሞት‘ዩ። አረ እንታይ ኢና ኮይንና?

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ሓሳብ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ ሕጂ እቲ ስርዓት መዓልቲ ውድቀቱ ኣኺሉ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሽግ ሓርነት ክትውልዕ ግዜ ንባዕሉ ይሓተካ ኣሎ። እቲ ግዜ ኣኺሉ‘ዩ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክብሎ ዝደሊ፡ ኲናት ኣዕናዊ‘ዩ። ንኲናት ዝቃወም ጥዑይ ሰብ ወይ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ጥራሕ‘ዩ። ኩሉ ግዜ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ተዓዋቲ ምዃኑ ጥርጥር የብለይን። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ማንም ህዝቢ ዓለም ክብርና ምዃኑ ነስተውዕል፡ ንሕሰብ፡ ንመራመር ደጊመ ደጋጊመ እብለካ ኣለኹ።

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን      

ፖለቲካዎ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዕለቱ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ (ዙም) ዘኪሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዝኽሪ፡ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ኣካል ፖሓኤ ዶ/ር መሓመድ በሽር ንተሳተፍቲ ናይ እንዃዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣስሚዑ ነቲ መደብ ንዘዳለዉ ኣካላት ከኣ ኣመስጊኑ። ድሕሪቲ መኽፈቲ ቃልን ንሰማእታት ዝምልከት መዝሙርን ከኣ፡ ነታ ዕለት ዝምልከት ብኣወሃሃዲ ኣካል ፖሓኤ ዝተዳለወ መግለጺ፡ ነቲ መደብ ብዝመርሕዎ ኣሕዋት መንግስተኣብ ኣስመሮምን እስማዒል ገበይታን ብትግርኛን ዓረበኛን ብንባብ ቀሪቡ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ናይ ኤርትራውያን ስዉኣት ታሪኽ ዘይርሰዖ ጀግንነት ተጠቒሱ፡ እንተኾነ ሕድሮም ስለ ዝተጠልመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ከምዘይረሃዎ ኣንጸባርቑ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ደሓር ከኣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ “እምቢ ንመግዛእቲ” ስለ ዝበለ፡ ብገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝየታትን ቦታታትን ዘጋጠሞ ጥልመትን ግፍዕን ብኣብነታት ኣሰንዩ ኣዘኻኺሩ። ብሰንኪ በደል ገዛእቲ ብፍላይ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዘጋጠሞ ስደትን ምምዝባልን እውን ዳህሲሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ 20 ሰነ ንስለ ምዝካር እትዝከርን እትበዓልን ዕለት ዘይኮነትስ ሕድሪ ስዉኣት ንምፍጻም ቃል ዝእተወላ ምዃና ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ነታ ዕለት ብዝምልከት መዛሙርን ዝተፈላለየ ግጥምታትን ዝቐረበሉ መደብ ኣቦመንበራት ናይተን ኣብ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተሓቚፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)ን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)ን ቃል ኣስሚዖም። እቶም መራሕቲ ናብዚ ምውህሃድ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ጠቒሶም፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብመንጽርቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝገድፍዎ ሕድሪ ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ብደሆ ጠቒሶም። 20 ሰነ ናይ ጽንዓት፡ ክብርን ተወፋይነትን ዕለት ምዃና ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ፖሓኤ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንክበጽሕ ተበግሶ ንዝወሰደ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል እውን ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ዘለናዮ ሓደገኛ ሃለዋት ንምውጻእ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት ኣብዚ ቃልሲ ንክሳተፉ ጸዊዖም። ጀግንነት ኤርትራውያን ሰማእታትን ኣብቲ ቃልሲ ኣካሎም ንዝጐደለን ዘለዎም ክብርን ናእዳን እውን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ገሊጸምዎ።

በቲ ኣቐዲሙ ብኣዳለውቲ መደብ ዝተሰርዐ መሰረት ከኣ ንነባራት ተቓለስቲ ብምውካል ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ቃል ኣስሚዑ። ንሱ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈጸሙ መስተንክር ጅግንነታት ንኣብነት ዝኸውን ፍጻመታት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከኣ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ሃገሩን ህዝቡን ንከድሕን ጸዊዑ። ኣሓት ኣስገደት ተስፋሃንስን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ከኣ ብስም ደቂ ኣንስትዮ ብትግርኛን ዓረበኛን ነታ ዕለት ዝምልከት ቃል ኣስሚዐን። ንሳተን ብሓፈሻ ንታሪኻዊ ጀግንነት ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዝምልከት ጠቒሰን። ኤርትራ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ጸበባ ንምንጋፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኩሉ ክሳተፍ ኣዘኻኺረን። መንእሰያት፡ ዮሴፍ ኣስገዶምን ዓብዱልሓኪም ካሚልን ብተመሳሳሊ ብትግርኛን ዓረበኛን ነታ ዕለት ዘንጸባርቕን ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝምልከት ዘዘኻኽርን ቃል ኣስሚዖም። ሓው ኣሕመድ ኣልሸሪፍ ድማ ብዓረበኛ ግጥሚ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕከናት ዜና ዝተሳትፋሉን ተለቪኝን ኤሪሳት ብመንገዲ ፌስቡክ ብቐጥታ ዘተሓላለፈቶን መደብ፡ ግጥምታት ኣሕመድ ሸሪፍን ብዓብዱልሓፊዝን ኣብ መንጎ ኣብ መንጎ መደባት ቀሪቡ።

ክዝክረኩም ብጾተይ

Saturday, 19 June 2021 08:15 Written by

ብመጀመርያ ከመይ ትኾኑ፡ ነኣሽቱ የሕዋተይ፡ ነቲ ንቲ እዛ ሃገር ኢልኩም ሂወትኩም ዝኸፈልኩም ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን። ሳላ ናትኩምን ከማኹም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ተፈጢራስ እንሆ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 24 መበል 30 ዓመት ነጻነት ክኽበር ቀንዩ።

ኣነ ዓቢ ሓውኹም ንመወዳእታ ግዜ ዝተረኣኤናላ ግዜ መስለኒ ኣብ መፋርቕ 1977 ኣቢሉ ናብ ዓዲ ቢደል ንዓይ ኣብ ገድሊ ምስ ተሓኤ ስለዝነበርኩ ክትርእዩኒ መጺእኩም ምስ ረዘነ ሓውኹም።ንምልላይ ዝኣክል ምስ'ዞም ኤርትራውያን የሕዋትኩምን ኪዳነ ካሕሳይ፣ ዮሴፍ ካሕሳይ ዝተሰዋእኩም ረዘነ ካሕሳይ ድማ ብሂወት ዘሎን ካብቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር
ኮይኖም ዓዲ ዝኣተዉ ምዃንኩም የላልየኩም ኣለኹ እሞ ፡ኣይፍለጥን ብዛዕባኹም ዝፈልጡ እንተሃለዉ ደሃይ እንተረኸብኩ እውን ንዓና ጽቡቅ ምኾነ ብማለት እዩ። እቲ ብድሕሬኹም ዝኸደ ምዕብልናታት እውን ኢንተርነት ተማሂዙ። ናይ መራኸኒ ብዙሓን ሰፊኑ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወብሳይት፣ ፈይስ-ቡክ፣ ዋትስ-ኣፕ ወዘተ ኣብ ፈቐዶ ዓለምተዘርጊሖም  ዘለዉ ኤርትራውያን ዝከታተልዎ ስለዝኾኑ እዚ
መልእኽቲ ንእግረ-መንገደይ ኩሎም ከንብብዎ ንማለት ቅሉዕ ምዃኑ እዩ።

ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ምርእኣይና ኣብ ዓዲ ቢደል ኣይደንጎየን ሓወኣቦናል፡ ዝነበርኩዎ ቦታ ( ዓዲ ) ስለዝፈለጠ መጺኡ ናታትኩም ምውጻእ ንሜዳ ነጊሩኒ፡ ኣብ'ቲ ግዜ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ንኤርትራ ኢሉ ንገድሊ ይውሕዝ ስለዝነበረ ብዙሕ ኣይሰንበድኩን፡ ተቀቢለዮ። ሎሚ ስለምንታይ ኢዩ እዚ ዓቢ ሓውና ደብዳቤ ዝጽሕፈልና ዘሎ፡ ዘይኣኽሎን እቲ ሽምዓ ምውላዕ ትብሉ ትኾኑ እሞ፡ገለ ክልተ ነጥብታት ከልዕል ብዛዕባ እዚ። ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ሰውራ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ክወስድ ከሎ፡ ሎሚ ድማ ኤርትራ  ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸልማት ዝዘነባ ሃገር ኮይና ኣላ።

ቀዳማይ

ከም'ቲ በሽሓት መስዋእቲ ዝተኽፈላ ንሓንቲ ሃገር ንምፍጣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ቅዋምን ዘይብላ፣ ነቶም መቃልስትኹም ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እትኣስርን እተደስክልን፣ ነቶም ነኣሽቱ ህጻናት ዝነበሩ ደቂ ስውኣት ኣብ ፍቀዶ ውግኣት ኣእትያ መንእሰያት ተጥፍእ ዘላን፡ ኣብ ግዜኹም ብዙሕ ዘይስማዕ ዝነበረ ብጀካ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደድ፡ ሕጂ እሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ብኤርትራውያን ኣጥለቅሊቑ እዩ ዘሎ። ንእግረ መንገደይ ምስ እዚ ስደት፡ ካብ ገዛና ኣነ ኣብ ካናዳ ምስ ብጸይተይ በዓል ሓዳር ኮይነ ኣቦ ክልተ ኣወዳት ኮይና ኣለና። እተን ምንኣስኩም ዝኾና ሓሙሽተ ኣሓትኩም፡ እተን ክልተ ኣብ ጀርመን ኣደታት ሰለስተን ክልተን ኮይነን፡ እተን ክልተ  ድማ ኣብ ኖርወይ ኮይነን ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣለወን፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኮይና ኣብ ካናዳ ኣላ። ኣብ'ዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሽግርኩም፡ እቲ ሕሳስ ልደ ሓውና  ዮናስ ካሕሳይ ኣቦ ክልተ ዝኾነ ኣብ ጀርመን ብ2014 ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ክትፈልጡ ንማለት እዩ።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ዓዲ ኣለዉ፡ እተን ሰልስተ’ኳ ደቂ ደቐን ክርእያ በቂዐን ኣለዋ። ኣብ ስፐይን፣ ኡጋንዳ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ጃፓን፣ ኣመሪካ፣ ሱዳን፣ ዱባይ፣  ሆላንድ ውዘተ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ቤተ-ሰብ ምስ ስድራ-ቤቶም ሓዊስካ ብዓቢኡ ኣብ ግዳም ዘየለ ሰብ የለን። ወይ ድማ እታ ኤርትራ ጥርሓ ትተርፍ ኣላ ዘብል እዩ ዘለናዮ እዋን።

እታ ኤርትራ ቅዋምን ሕግን ዝሰኣነት ጥራሕ ዘይኮነትስ ዋላ ሕብራ ተደዊኑ  ጽርግያታታ ዝተበላሸወ፡ ወደባታ ጥርሑ ሰብ ዘይብሉ፡ ዝስራሕ ገዛውቲ ዝተኸልከለ፡ መናድቑ ዝዓሰወ ሕብሩ ዝቀየረ ኮታ ብጀካ እተን ዲጋ ሰሪሕና ዝብልወን፡ ማይ ዘይብሉ  ኮይኑ ነገሩ። ምናልባት ከይሰማዕኩም እንተጸንሓኹም እታ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ኣሕቂቖም ሓንቲ ግናይ ዝኾነት ህግደፍ መስሪቶም ካብቶም ዝተቃለሱ ዘውደኽድኹ ዝነበሩ ናይ ኣምሰሉ ኣብ በዓላት ባንደራ ኤርትራ ዘለዋ ክራቫታ ዝመልሱ፣ ቆቢዕ ገይሮም ዝስዕስዑ፣ ከምኡውን ተዘሪገን ዘለዋ ድማ ኣይ ከምቲ ናይ ቀደም ደቂ ኣንስትዮና ዙርያ እናተኸደንካ ተወሳኺ ጸጉሪ ወሲኸን ዝዓብዳ ደቀን፡ ኣሕዋተን ተኣሲሮመን እንከለዉ ብፍርሒ  ወይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብላ ክዳነን፣ ሽልማተን ከርእያ ዝዓበዳ፡ ገለ እውን ግቡእ ሓላፍነተን ዘንጊዐን ኣፍላሕቲ ቡን ኮይነን “ሃማደኤ እየ”  ዝብላ ድማ መሊኤን ኣለዋ። ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እንበኣር ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ውግእ ተኻይዱ ብዙሕ መንእሰይ ጠፊኡ ኣሎ።

ካልኣይ

 ኣብ'ዚ ነቲ መስዋእቲ ዝኸፈልኩምሉ ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስለ ንዓኹም ከም ኤርትራውያን ንምዝካር ብዘየገድስ  መን ወሲኑዎ፣ ብኸመይ እቲ ዕለት ተወሲኑ ኣብ'ዚ ወርሒ  20 ሰነ ንስውኣት እንዝክረላ፡ ሽምዓ እንውልዓላ መዓልቲ ምዃና እናሓበርክኹም፡ ንዓና ነቶም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ከምዘለኹም ነረጋግጸልኩም። እቲ ሓቒ ድማ ንሱ እዩ። ሓደ / ሓንቲ፡ ከመይ ገይሮም ስውኣት ወለዶም ኣሕዋቶም ኣሓቶም ክርስዑ ይኽእሉ እንተ ኢልና፡ ኣይከኣልን።እቲ ሕቶ እንበኣር ነዚ መዓልቲ ብደረጃ መንግስቲ ኮይኑ ዘመሓድር ዘሎ ነዚ ዕለት 20 ሰነ ከዳልዉ ከለዉ ዓመት ዓመት ዝሕተቱ ንሶም እዮም እቲ ሕድሪ ስዉኣት ስለምንታይ ኣብ ተግባር ዘየውዓልዎ ተሓታታይ ንሱ እዩ።

ብኻልኣይ  ደረጃ እቶም ነዚ ህዝቢ ዝጠለም ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ድሕሪ እታ ሽምዓ ምውላዕ ንምንታይ እዩ እዚ ንሃገር መስዋእቲ  ዝተከፍለሉ ፍረ ዘይተረኽቦ ዝብል ፈጺሙ ሕቶ ኣብ ኣእምርኦም ዘሎ ኣይመስልን። እቲ ካልእ ደረጃ ካብቶም ነዚ ስርዓት ዝቓወሙ ድማ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ፡ ዝተበደለ ብምዃኑ፡ ነቲ ዝበደሎ ስርዓትን ነቲ ዝኸፈልኩሞ ዋጋ ሂወትኩምን ፈላልዮም ክርእይዎ ስለ ዘይከኣሉ ነዚ መዓልቲ ስውኣት፣ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ምኽሓድ ተጸሚዶም ነቲ ግቡእ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ዝዘንገዑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ'ዚ ናይ ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ እንበኣር ዘይድለ ዕንደራ ሎሚ ድማ እንደገና ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ የእትዩ መዓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ውግእ ኮይኑ ኣሎ። ተስፋ ዝህብ ግን ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን እናተረደኦ ብጀካ እቶም ናይ ኣምሰሉ ፡እሱራት ናይ ሕልንኦም ኣብ ውሽጢ ገዘኦም፡ ካልእ ይብሉ ኣብ ግዳም ግን መልሓሶም ዝቅይሩ እቲ መከራ ህዝቢ ክሓጽር እዩ።
ብዝተረፈ ሎሚ ነዛ  መልእኽቲ ብቕሉዕ ምስዞም ኤርትራውያን ከላልየኩም ከለኹ እቲ መስዋእቲ ንሓንቲ ኤርትራን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምስራት ዝተኸፍለ ቁጽሪ ዘይኮነስ ንስኹምን ካልኦት ኤርትራውያን ዝገልጽ ምዃኑ ንምብራህን ዋላ ካልእ ኩነታት እንተተፈጥረ ኣብ መንገድና ወትሩ ካብ ኣእምሮና ከምዘይትፍለዩ፡ ብተወሳኺ እዚ መዓልቲ 20 ሰነ ስለ ሓደ ሰብ፣ ስለ ሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ ኢልና ኣይኮናን ንገብሮ’ሞ፡ ናትኩም ለበዋ ይመስለኒ ንዓና ነቲ ዕላማ ዘወደቕናሉ ተግባራዊ ግበርዎ ትብሉና ዘለኹምይመስለኒ፡ኣሎ’ሞ፡ የሕዋተይን ቤተ-ሰበየይንን ድማ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን።

ሓውኹም

ተስፋይ ካሕሳይ

20 ሰነ