ሶማሊያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም እተውጽእ ገሊጻ

2024-06-04 21:06:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 234 times

ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላድ በጺሓቶ ዘላ መረዳድኢ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣብ ሃገራ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም እትሰጉግ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይታ ሃገር ብ3 ሰነ 2024  ኣፍሊጡ። ነቲ ኩነታታ ዝተኸታተሉ ናይ ጸጥታን ዲፕሎማስን ክኢላታት ወገኖም፡ ናይ ሶማሊያ ሓይሊ ኣልሸባብ በይኑ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ዘይብላ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስጓግ ዘይምርግጋ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠቂቖም።

ኣብዚ እዋዚ ኣካል እቲ ክሳብ 7 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሶማሊያ ሰፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕረት ኣፍሪቃ  ዝኾነ ብውሕዱ 3 ሺሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማሲያዊ ጸገም ዝተፈጥረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ንክትፈልጣ ቃል ምእታዋ፡ መቃድሾ ብወገና ነቲ ስጉምቲ  ምግሃስ ልኡላውነታ ገይራ ስለ ዝወሰደቶ እዩ።

ከም መግልጺ ሶማሊያዊ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ሓሰን ሼኽ ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024 ነቲ ምስ ሶማሊያ በጺሓቶ ዘላ እማመ ከም ዝሰረዘቶ እንተዘይኣዊጃ  እቲ ምስጓግ ሰራዊታ ከም ዝትግበርን እቲ ሓድሽ ናብ ሱማሊያ ዝምደብ ኣኽባሪ ሰላም ሰራዊት ከኣ ካብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡትን ብሩንድን ጥራይ ከም ዝኸውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጥሩ ዘሎ፡  ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ከይህልዎ ዘስግእ ኣሰላልፋ፡ ኤርትራን ግብጽን ብቐዳምነት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ተሰሊፈን ዘለዋ እየን።

ኣመሪካ ብወገና ሶማሊያ እቲ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከይተሃወኽትን ንክትዕገስን ጸዊዓ’ላ። ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ድማ እዚ ኩነታት ናይቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ዲፕሎማሲያዊ ውድቀት ዘርኢ እዩ ኢለምዎ።

Last modified on Tuesday, 04 June 2024 23:13