መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነት

2024-06-01 18:01:45 Written by  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 187 times

ኣቐዲመ ብምኽንያት'ዚ ክቡር ምዓልቲ መበል 33 ዓመት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪለ መልእኽቲ ክህብ ዕድል ዝሃብኩሙኒ ኣሰናዳእቲ በዓል፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፥ ብልቢ አመስግን፤ ክብረት ይሃበለይ።

ናጽነትና ከነብዕል ከሎና ዝርኣየናን ዝስምዓናን እንብህጎን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገርናን ሓርነት ህዝብናን ዝፈሰሰ ክቡር ደም፡ እወ ብገንዘብ ዘይትመን ክቡር ህይወት ናይ ህጻናት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣንስትን ሰብኡትን ሽማግለታት ከይተረፉ ኣብ ገዛውቶም ኣብ መሳጊድ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነደዱ እተቐትሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ቆላን ከበሳን በጃ ዝሓለፉ፡ዓወትና ናይ ግድን'ዩ እናበሉ እተሰውኡን ዝሰንከሉን ጀጋኑ ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓጺሩ፡ ነዚ ግፍዕታት'ዚ ዝፍጽም ዝነበረ መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ክሳብ ዝወጽእ እተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ይርኣየና። ትምክሕተኛታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ኢትዮጵያውያን ኢኹም፤ መሬት ኤርትራ'ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን'ዩ ዝብሉና ዝነበሩ ከንቱ ኰይኑ፥ ህዝብና ነቲ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ናጽነቱ ኣብ 1993 ሚያዝያ እተኻየደ ሕቡራት መንግስታትን ሓያሎይ ሃገራትን ዝመስከሩሉ ረፈረንደም፥ እወ ንናጽነት ብዝብል 99.8% ድምጹ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ብዓለምለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ምግባሩ ሐበን ይስምዓና፤ የሐጕሰና። ስለዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ኣንቋዕ መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነትና ንምርኣይ ኣብቃዓና እንዳበልኩ፥ ዮሃና እብል።

ናጽነት ኤርትራ ክርእዩ እተመነዩን እተቓለሱን ኣዚዮም ብዙሓት'ዮም። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም እተዓወቱ  መሓዙት ሃገራት ብመሪሕነት ሕመኣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብና ጓዕጺጾም ሃገርና ብዘይድልየት መብዛሕታኡ ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብስም ፈደረሽን ከም ትቝረን ገበሩ። ግንቦት 24 እንተላይ ነዚ ጕድለትዚ ዝኣረመት ናይ ሓያሎይ ወለዶታት ህዝብና ድልየት ዝመለሰት ዕለት ስለዝዀነት ንዘልዓለም ከቢራ ክትነብር'ያ።

ሕያዎት ትዓዘብቲ፡ ምልኪ ዝገፍዖም/ዐን መንእሰያት፡ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ኰነ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሰብኣዊ መሰል ዘይከብረላ ብዘይካ ዓስብን ደረትን ዘይብሉ ባርነት (ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሉዎ) ካልእ ስለዘይብላ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደቃ ካብዚ ናብራ እዝስ እንተሞትና ንሙት እንተድሓና ድማ ናብራና ከነማሓይሽ ንኽእል ንኸውን ብማለት ናብ ስደት ስለ ዘምርሑ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ድሕሪ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ስደተኛታት ብምፍራይ እትፍለጥ 3ይቲ ሃገር'ያ። ደቃ ግዳያት ናይ ሰብነጋዶን ፈቐዶ ምድረባዳ ስሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፉ ኰላሊቶም ዝሽየጥ ሓያሎይ ካብ እቶም ብትኣምር ዓዲ ሰብ ዝኣተዉ ድማ ብድሕረ ማህሰይቲ (posttraumatic) ዝሳቐዩ እዮም። ህዝቢ ንናጽነቱ ዘየስተማቕሮ ዘዝተወልደ ንስደት ዘምርሕ ካብ ኰነ እንታይ ዝብዓል ኣለዎ እንታይ ዘሐጕስ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገርም ኣይኮነን። ናይ ምረቶምን ጓሂኦምን ተኻፋሊ ኢና። ብርግጽ ጭው ዝብለ ምልካዊ ስርዓት'ዩ ዘሎና ይኹን'ምበር ከም ኵሎም ስርዓታት ምሕላፉ ኣይተርፎን'ዩ። ስርዓታት ይሓልፉ ህዝቢ ይነብር። ናጽነት ሃገርና ብቃልሲ ናይ መላእ ህዝብና እተረጋገጸ ስለ ዝዀነ ናይ ምዕቃቡ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ዜጋ እዩ። ልዑላውነት ዘለዋ ሃገር ስለዘላትና ኢና ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ቅዋማዊ ምሕደራ ይተኸል ንብል ዘሎና።

ብርግጽ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ህዝባ ብሰላም ክነብረላ ዘይክእል ናጻ ሃገር ዘይኮነትስ ብቅዋም እትማሓደር ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና፡ ሓረስታይ ዝሓርሰላ፡ ነጋዳይ ዝነግደላ፡ ሸቃላይ ዘፍርየላ፡ ተማሃራይ ብፍልጠት ዝዅስኰሰላ ጾታዊ ማዕርነት ዝረጋገጸላ ሃገር ክትኮነልና ኢና ንብህግ ዝነበርናን ምእንታኡ እተቓለስናን። ባህግታትና ክዉን ክኸውን ኣይክኣለን ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጕጅለኡ ንዕላማታት ሰውራና ስለ ዝጠለምዎ እዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቕና? ካብዚ ክንወጽእከ እንታይ ክንገብር ኣሎና? እዩ። እዚ ኣርእስቲዚ ሰፊሕ፥ መጽሓፍ ክጽሓፈሉ ዝክኣል ምዃኑ ይርድኣና''ዩ። እንተዀነ ግን ሓደሓደ ነጥብታት ብምጥቃስ ጥራሕ ቈላሕታ ክንገብረሉ ክንእእምት ኢና፡           

1 ስልጣን ንህዝቢ ከነረክብ ኢና ዝብሃል ዝነበረ ተጠሊሙ

2 ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ዝብሃል ዝነበረ ህጣሙ ጠፊኡ

3 ኣብ ክንዲ ብትካላዊ ብዊንታ ናይ ሓደ ሰብ ዝዝወር ምሕደራ ሰፊኑ

4 ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ራዕድን ፍርህን ነጊሱ

5 ሕድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ ንምግባር ብዙሕ ተሰሪሑሉ

6 ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ቦዂሩ

7  መሰል ምሕታትን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ከም ነውሪ ተቖጺሩ

8  ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ፈራዲ ብምዃኑ ፍትሒ ተቐቢራ

9  ንክሎም ጽላታት ቁጠባ እቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝገበቶም ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ስእነትን ኮይኑ  ወ ዘ ተ

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ክንሰጋገር እንተዄናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ክንምልስ ከድልየና'ዩ።

ብርእይቶና፡

1  ንራዕዲ ቀንጢጡ ንዝደርበየ ህዝቢ፡ ዝኾነ ይኹን መላኺ ከንበርክኾ ኣይክእልን እዩ።ኣብ ትሕቲ ብሪጌድ 

ንሓመዱ ዝብል ጥርናፈ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢከይቅህምን ምኣዝኑ ከይስሕትን ምትብባዕን ምእላይን

 ከም ዘድልዮ ዘይክሓድ'ኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ፍርሒ ቅንጢጡ ዝደርበየ መንእሰይ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ህዝብና ይኣክል!! ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እውን ይኣክል ኢሉ ክልዓል  ኣለዎ። እቶም ንበይኖም ነዚ ስርዓት ዝጻረሩ ዝመስሎም በይኖም ከም ዘይኮኑ ዝፈልጡ ደፊሮም ምስ ክኣምንዎ ዝኽእሉ ምስ ዝዛረቡኢዮም። ዋላ በብክልተ ዝቐውም ናይ ዝተኣማመኑ ውደባ ክፍጠርን ክሰፍሕን ኣለዎ።

 2 ንሰብኣዊ መሰል ዝግህስ ምልካዊ ትእዛዛት ምፍጻም ምእባይ ወይ ሕራይ እንዳበልካ ከም ዘይፍጸም ምግባር።

3 ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ቃልሲ ከም ዝውህሃድ ምግባር

4  ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ብሓደ ልሳን ክዛረብ  ብሓደ ኣካል ክውከል ክኽእል የድልዮ። ናብኡ ንምብጻሕ ሓቢርና ዝጀመርናዮ ምጥርናፍ ዓዂኹ ናብ ዋዕላ

 ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ከምቲ ሓው ተኽላይ ኣብርሃ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ 

 ባይቶ ኣብ ኣዳራሽ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዘበሰሮ ኤሃባዲለ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኰይኑ

 ክቕጽል ሓቢርና ንህዝብና ተስፋ ዝህብን ባህጉ ዘርውን ስራሕ ክንሰርሕ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምኻኑ በዚ ኣጋጥማሚዚ ክንገልጽ ባህ ይብለና።              

ብኣህጕራዊ መዳይ ክርአ ከሎ መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዞባና ናይ ግርጭትን ውግኣትን ጻሕታሪ፤ ዓለምለኸ ውግእ ክልዓል ዝጽውዕ ሓላፍነት ዝጎዶሎ መራሒ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ስለዘላ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ሰላም ንክሰፍን ነዚ ስርዓትዚ ደርቢኻ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እንተዘይኰይኑ ካልእ መተካእታ የልቦን።

ኣብ መደምደምታ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ተረካብ ሕድሪ መጠን ማዕረዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቦን ጽንዓትን ተስፋን ትብዓትን ንቕሓትን ውደባን ዓጢቕካ ክትገጥም ንጽውዓካ። ሓያሎይ ካብቶም ሕጂ ዘሳጉጉኻን ዝኣስሩኻን ጽንዓትካ ምስ ርኣዩ፡ ከማኻ ውጹዓት ስለዝዀኑን ጥቕሞምን ጥቕምኻን ሓደ ምዃኑ ስለዝፈልጡን ኣብ ጎድንኻ ደው ከምዝብሉ ኣይትጠራጠር። ምስ ህዝብኻ ወግን! ምልኪ መንቁስ! ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትኸል።

 ንኩሎምቶም ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ስለዘይክኣሉ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ሓዲሽ ህይወት ክህልዎም ተሰዲዶም ክብቅዑ ብከንቱ ደም ሕድሕድ ዘፍስሱ ዘለዉ ናብ ልቦም ክምለሱ ናብ መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክሕዙ ኣዕዚዝና ንምሕጸኖም።

ኣዴታትን ኣቦታትን ወሊድኩም ከም ዘይወለድኩም ዘዝተወልደ ናብ ስደትን ውግእን ስለ ዘምርሕ ዘልዕለኩም ክትስእኑ ኣዚዩ ዘሕዝን'ዩ'ሞ ደጊም ይኣክል በሉ!

መንፈሳውያን መራሕቲ መላኺ ስርዓት ዝዘርኦ ዘሎ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሕነን ተግባራት ብሕድገትን ዕርቅን ሰላምን ክትካእ ዝክኣለኩም ክትገብሩ ምሕጽንታናነቕርብ።

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኵሎም ሰማእታት ኤርትራ!!

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልዓለም ከቢሩ ይንበር!!

ዓወት ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!    

Last modified on Tuesday, 04 June 2024 19:27