መደብ ህግደፍ ኣብ ሓንቲ ካብ ከተማታት ሆላንድ ተኣጊዱ

2024-04-26 21:58:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 149 times

ህግደፍ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ሪጅስዊክ 25 ጉንበት 2024 ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ ዳንኬራ መደብ ከም ዝተስረዘ፡ ኦምሮየብ ዌስት ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ሳሂን ዝተባህለት ናይ ከተማ ሪጅስዊክ   ከንቲባ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ከምዚ ዓይነት ኣስታት 800 ሰባት ዝሳተፍዎ ጽምብልን ኣኼባን ኤርትርውያን ዘይተደለየ ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024  ኣብ ዘ ሄግ ሆላንድ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ። እታ ከቲባ ኣተሓሒዛ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኣኼባ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ክግበር ከምዘይከኣል ኣረዲኣ።

እቲ ካብ መርበብ ኦምሮየብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡  ዋላኳ ኣዳለውትን ኣካየድትን ናይቲ ፌስቲቫል እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋት ንኡስን ክቆጻጸርዊ ዝኽእሉን ከም ዝኾነ ከረድኡ እንተጸዓሩ፡ ምምሕዳር ከተማ ሪጅስዊክ ግና ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም ዘይቅበሎ ናይታ ከተማ ምምሕዳር  ወሃቢ ቃል  ሓቢሩ።

ዋላኳ ዋና ናይቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2024 ንዘልዎም መደብ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ፡ እቲ መደብ ተቐባልነት ንክረክብ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጥርዓን እንተቕረበ፡ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ግና ጥርዓኑ ከጽድቖ ፈቓደኛ ከምዘይኮነ ብ23 ማዝያ 2024 ውሳነኡ ኣፍሊጡ ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ'ውን እስራኤል ዝተላዕለ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝብድህ፡  ህዝባዊ ማዕበል ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት ህግደፍ  ኣብተን ንዓሰርተታት ዓመት ዝዓንድረለን ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ብድሆን ተቓውሞን የጋጥሞ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።

Last modified on Saturday, 27 April 2024 00:08