ህወሓት ናብ ብልጽግና ናይ ምእታው መደብ የብለይን ኢሉ

2024-04-26 22:08:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 150 times

ምክትል ኣመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ/BBC ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ ነቲ ህወሓት ምስቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክሰምር እዩ እናተባህለ ክውረ ዝቐነየ፡ ሓሶት ምዃኑ ብምጥቃስ ነጺግዎ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ህወሓትን ብልጽግናን መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንጎ ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ከተማታት መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ርክባት ዕላማኡ ንምስማር ዘይኮነ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ቀጻሊ መፍትሒ ንምርካብ ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ጌና ዘይምትእምማን ከም ዘሎ ሓቢሩ፡ ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ምስቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብጽግና ደሓን ዝኾነ ናይ ስራሕ ዝምድና ከም ዘሎ ኣስፊሩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቶም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምስ ብልጽግና ክሰምር እዩ ኢሎም ዘውርዩ ውዕል ፕሪቶርያ ንከይትግበር ካልእ ኣጀንዳ ክፈጥሩ ዝደልዩ ኣካላት እዮም ኢልዎም።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ንምምላስ፡ ኣብ ራያን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ተመስሪቱ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ብፈደራል መንግስቲ ይፈርስ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ፡ ሰራዊት ትግራይ  ንከባቢ ራያ ብሓይሊ ንምሓዝ ውግእ ኣካይዱ ዝብል ወረ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዝንዛሕ ሓሶት ምዃኑ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፈርስ እሞ እቲ ውግእ ከይድገስ ስግኣቶም ይገልጹኳ እንተለዉ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ግና እቲ ደማዊ ውግእ ንከይድገም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

Last modified on Saturday, 27 April 2024 00:15