እዋናዊ ኣዛራብነት መጻብቦ ሆርሙዝን ደሴት ካርግን
2026-03-31 08:51:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 32 timesመጻብቦ ክልተ ሰፋሕቲ ማያዊ ኣካላት ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል እዩ። ብመንጽርዚ ሆርሙዝ ንማያዊ ኣካላት ወሽመጥ ፐርሺያን ዖማንን እተራኽብ መጻብቦ እያ። ኣብቲ ዝጸበበ ቦታ ጎኒ ናይቲ ማያዊ ክፋል ኣስታት 33 ኪሎ ሜተር ምዃኑ ናይ ጀኦግራፊ መዛግብቲ የረድኡ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኣጐድዎ ውግእ፡ መዓልታዊ መተሓላላፊት 20 ሚልዮን በርሚል ዘይተጸራየ ነዳዲ ዝጸዓና ካብ 138 ክሳብ 140 መራክብ ኮይና ዝጸንሐት ሆርሙዝ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣስጋኢት ስለ ዝኾነት ብደረጃ ዓለም እውናዊት ኣጀንዳ ኮይና’ላ።
ቅድሚቲ ውግእ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝንቀሳቐስ ነዳድን ጋዝን 20% በዛ መጻብቦ ይመሓላለፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ፐርሺያ፡ የማነ ጸጋም ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ርእሲ እቲ ምንቅስቓስ ነዳድን ጋስን፡ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዝኣትውን ዝወጽእን በዛ መጻብቦ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ዝነበራ መራክብ ስለ ዝተዓገታ ዋጋ ነዳዲ ብደርጃ ዓለም ንበርሚል ክሳብ 112-115 ዶርላር ስለ ዝበጸሐ፡ ብሓፈሻ ኩለን ሃገራት ግዳይ ናይቲ ቅልውላው ኮይነን ኣለዋ። ካብ ዝጥቀማሉ ነዳዲ 60-75% በዛ መጻብቦ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ በዚ ቅልውላው ዝያዳ ተጨኒቐን ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ ፍሊፕንስ፡ ጃፓን፡ ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን፡ ይርከበአን።
ካለኦት መጻብቦታት ንምጥቃስ፡ መጻብቦ ታይዋን ንቻይናን ደሴት ታውይዋንን ፡ መጻብቦ ፓልክ ንህንድን ስሪላንካን፡ መጻብቦ ታርታሪ ንሩሲያን ደሴት ሳካሊንን፡ መጻብቦ ጹሺማ ንጃፓንን ወሽመጥ ኮርያን; መጻብቦ በሪን ንኣላስካን ሩሲያን ዝፈላሊ ከምኡ ከኣ መጻብቦ ባብኤል መንደብን ስዊዝ ካናልን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኢራን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ባሕሪ ብዝቕበር ነታጒ ከይተረፈ ምዕጻው እዩ። በዚ መሰረት በዚ ዝሓልፋ መራክብ ንሓደ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዝኸፍለኦ ዋሕስ (ኢንሹራንስ) ዝለዓለ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ሰጊአን ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ምንቅስቓስ ስለ ዘቋረጻ እዩ ድማ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣዝዩ ከቢሩ ዘሎ። ኣሜሪካ ንሆርሞዝ ካብ ኢራን መንዚዓ ከም እትቆጻጸር’ኳ እንተፈከረት ብቐሊሉ ኣይከለትን። ኣብ መወዳእታ ብኣጋር ሰራዊት ከይትጥቀም ከኣ ስግኣት ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ደሴት ካርግ፡ ካብቲ መሬታዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን 25 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ባሕሪ ፐርሺያ እትርከብ እያ። ስፍሓታት እዛ ደሴት ካብ 20 ክሳብ 22 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ነበርታ ከኣ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት መጻረይ ነዳዲ ኮይኖም፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ሺሕ ይበጽሑ።
ካርግ ናይ ኢራን 90% ነዳዲ ዝጻረየላ፡ ዘይተጻረየ ድማ ዝኽዘነላን ናብ ወጻኢ ዝለኣኸላን ቁጠባዊ ማእከል ኮይና ዝጸንሐት’ያ። እዛ ደሴት ካብ ወደብ ቡሸህር ኣስታት 55 ኪሎሜተር እትርሕቕ ኮይና፡ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 660 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብሰንክ’ቲ ንጸጥተኣ ተባሂሉ ዝግበረላ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ከኣ “ዘይትፍቀድ ደሴት” ዝብል ስያመ ክወሃባ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ፡ በዚ ዝጸንሓ ወሳኒ ቁጠባዊ ብጽሒት ወተሃደራዊ ዒላማ ተገይራ ዘላ እያ።