“ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ኣይኮነን!
2026-03-30 09:24:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 140 timesመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “መውጽእ ኣፉ” ገይርዎም ካብ ዘሎ ዛዕባታት ጉዳይ ምምሕዳር ዓብይ ሓጽቢ ሕዳሰ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕርን እዮም። መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ክልተ ዛዕባታት “እዋናውን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ወሰንቲ ቀያሕቲ መስመርን እዮም” እናበለ እዩ ኣብ ፈቐዶ ኣጋጣሚታት “ጸማምሲ ሓደ ደርፉ” ክሳብ ዝበሃል ዝሓይኮም። ብፍላይ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝምልከት፡ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸበሉ ከኮማሰዖ እንከሎ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም’ውን ኣስደሚሙ ዘሎ’ዩ።
ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ክልተ ዛዕባታት ከልዕል እንከሎ፡ ሕጊ ተኸቲሉ ዘረጋግጾም መሰላቱ ኣምሲሉ እዩ ዘቕርቦም። ነቲ ምስ ግብጺ ዘለዎ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ 1929ን 1959ን ኣብ መንጎ ግብጽን ኣብቲ እዋንቲ ንሱዳን ዘመሓድር ዝነበረ ስርዓት እንግሊዝን ብዝተፈራረምዎ መሰረት፡ ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ንሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜተር ማይ ናይ ምጥቃም መሰል ኣፍቂዱ ንኢትዮጵያ ግና ዘይጠቕሳ ስምምዕ ብምዃኑ እዩ ዝቃወም። መሰረታዊ ምኽንያቱ ድማ ብገዛእ መግለጺ ልኡላውነታ ዝኾነ ማይ ሩባ ኣባይ፡ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ብዝተኸተመ ስምምዕ ኣይትቅየድን’ያ ዝብል ምዃኑ ደጋጊሙ ዝጠቕሶ እዩ።
ድሕሪ ምህናጽ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ እውን፡ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኣመላለኣን ምስ ከጋጥም ዝኽእል ደርቅን ምልውዋጥ ኣየርን ክፍጠር ዝኽእል ዋሕዲ ማይ ተክኒካዊ ምምሕዳር ብቀዋምነት እንተዘይተሳቲፈ፡ ውሕስነት የብለይን፡ ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሩባ ኣባይ ተወሳኺ ሓጽቢ ከይትሃንጽ ንዝብሎ ዘሎ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወም ዘሎ። ስለዚ መሰረታዊ መቃወሚኡ ምኽንያት “ኣብ ልኡላዊ መሰለይ ናይ ግብጺ ጣልቃ ኣየፍቅድን” ዝብል መጎት እዩ።
ናብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክምጻእ እንከሎ ግና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ካላኦት ዋጋ ከምዘይህብ ዘርኢ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፡ ነቲ ዞባዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ንኣጠቓቕማ ውደብ ገማግም ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝምልከት ሕጊ ዓንቀጽ 125 ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ ቁጽሪ 3 ብምጥሓስ፡ “ስለ ዘድልየኒ ናይ ምውናን መሰል ኣለኒ” ኣብ ዝብል ስምዒት ጥሒሉ ዝሕንብስ ዘሎ። ነቲ 85% ናይ ኒል ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ “ገደብ ዘየብሉ ልኡላዊ ተጠቃምነተይ ይከበረለይ” ኢሉ ክምጉት እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ “100% ኤርትራዊ ልኡላዊ ምዃኑ ክዝንገዖ እንከሎ ከኣ የገርም። እዚ እዩ ከኣ ጉዳይ ልኡላውነት “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ኣይኮነን ዘብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት መበል 1447 ዓመት ምጅማር ጾመ-ሮመዳን 2026፡ ብቋንቋ ዓረም ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” መልእኽቱ፡ “ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት ዘየብላ ሃገር እያ፡ ከምኡ እውን ጸጥታ ጐረባብታ ኣይትዘርግን” ኢሉ። ካብቲ መልእኽቱ ከይወጸ ከኣ፡ “እንተ ብፍታው እንተ ብዘይፍታው ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና፡ ህንጸት መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ከነረጋግጽን ኢና” ክብል፡ ነቲ ዝበሎ ተመሊሱ ዘፍረሶ ምዃኑ ካልእ ኣገራሚ ’ዩ፡ ።
ናይቶም ብስምዒት ዘለዓዕልም ሰዓብቱ ተቐባልነት ንምዕዛዝ ከኣ፡ ቅድም ኣብ ቀላይ ጣና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ቀላይ ኣዋሳ “ፍሉይ ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ናይ ዝብሎ ሰራዊት ምርኢት ይዕዘብ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ነቲ ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ ክቑዝሞ ዝጸንሐ፡ ከምቲ “ወሓጥዮ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ናይቲ ካብ ሶማሊያ ክሳብ ወደብ ምጽዋዕ ዘሎ ገማግም ጸጥታ ክሕልው እየ ክብል’ውን ተሰሚዑ። ክሳብ ክንድዚ ድፍረትን ንዕቀትን እናርኣየ “ናይ ጐረባብተይ ጸጥታ ኣይዘርግን’የ” ምባሉ ከኣ ነቲ ኣሽካዕላሉ ዝያዳ የግድዶ።
ናይ ኣብይ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን መጎት ደጋጊሙ ከም ዝነገረና፡ ካብ “ክቱር ዘይሓላፍነታዊ ድሌትን ብብዝሒ ህዝቢ ምጉብዕባዕን ሓሊፉ ካልእ ክብደት ዝወሃቦ መንቀሊ የብሉን። ብናይ ሃገራት ተፈጥሮኣዊ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ተማእዚዝካ ዝተዋህበካ ጸጋ ናይ ዘይምቕሳን ዝተዘርገ መንፈስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ እውን ንዕዘቦ ኣለና። ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብድምር 123.25 ቢልዮን ኩቢክ ሜትር ማይ ዝዓቑሩ 12 ዓበይቲ ኣፍላጋት ኣለዉዋ፡ ስዑድ ዓረቢያ ድማ ዋላ ሓንቲ ሩባ ዘየብላ ሃገር’ያ። እንተኾነ ስዑዲ ዓረቢያ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣን ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ባሕራን ተቐቢላ ትነብር ዘላ ሃገር እምበር፡ ሩባ ንምውናን ናይ እንዳማታ ልኡላውነት ኣይትደናደንን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዘየብለን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ፡ ኣስታት 640 ሚልዮን እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሃዝ’ዚ ዝነብረን ሃገራት በቲ ንኣጠቓቕማ ወደብ ብመሬት ዝተኸባ ሃገራት ብዝምልከት ዝወጸ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክምእዘዛን ምስ ጐረባብተን ኣሳንየን ቁጠባአን ክሰስናን እምበር፡ ልኡላዊ ሕግታት ናይ ምጥሓስ መሰል የብለንን። ክንድዚ ዝኣክል ካብ ህዝቢ ዓለም ንዝምእዘዘሉ ሕጊ ኣጠቓቕማ ወደብ፡ ኣስታት 120 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ስለ ዘለካ፡ ሕጊ ክትጥሕስ ምሓላን ንሓላሚኡ ዘነውር ተዘይኮይኑ፡ ዘንእድን ዝተባባዕን ኣይኮነን። ምናልባት እውን ከምቲ “ካብ ሰባ ዝነወሐት መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንእምኒ ወንጭፍ” ዝበሃል፡ ንኢትዮጵያ ካልእ ናይ ምብትታን መዘዝ ከይጐተላ ናይ ብዙሓት ስግኣት’ዩ።
ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብሓይሊ ኣጽዋር ናይ ምምካሕ ዝንባለ የንጸባርቕ ኣሎ። ዩኩረይ፡ ጐቦታት ጐላንን ፍልስጤምን ግዳይ ንዝኾናሉ ኩነታት እናነኣደ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓመጸኛ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ህርፋን ከም ዘለዎ’ውን የመላኽት’ዩ። ኣብ ኣጽዋር እምበር፡ ኣብ ፍትሓውነት ናይቲ ከዕውቶ ዝህንጠየሉ ዘሎ ወራር ግዲ ዘለዎ ኣይመስልን። ከምቲ ግቡእ እቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ኣጽዋርን ብዝሒ ሓይሊሰብን ዘይኮነ፡ ፍትሓውነት ናይቲ ትቃለሰሉ ዓላማ ምዃኑ፡ ካልእስ ይትረፍ ካብቲ ታሪኽ ግጥሚያ መንግስታት ኢትዮጵያን ሰውራ ኤርትራን’ኳ ዝተማህረ ኣይመስልን።