መራሕቲ ዓረብ ሊግ ንሱዳን ክሕግዙ ተመባጺዖም፡ ተኹሲ ጠጠው ክብል ድማ ጸዊዖም

2024-05-17 20:38:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 339 times

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ርክብ 16 ጉንበት 2024

ኣብ ዋና ከተማ ባህሬን ማናማ ብ16 ጉንበት 2024 ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ኣረጋጊጹ፡ ንልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይታ ሃገር ዘለዎ ጽኑዕ ደገፍ ድማ ኣንጸባሪቑ።

እቲ መግለጺ ንኣገዳስነት ምሕጋዝ ንቀጻልነት ትካላት ሱዳን እንተላይ ሓይሊ ምክልኻላ ኣዕዚዙ ጠቒሱ። መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ ኣብዚ ኣኼባኦም፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝተኸተመ ደክሌረሽን ጅዳ-ሱዕድያ ከም ዝምእዘዙ ጠቒሶም። ደኽሌረሽን ጅዳ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኽፈትን ድሕነት ሲቪል ሕብረተ-ሰብ ክሕለውን ዝጽውዕ እዩ።

ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ማናማ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ከም  ናይ ህጹጽ መፍትሒ ቅልውላው፡ ንመድረኽ ጅዳን ተበግሶ ጐረባብቲ ሃገራትን ክቕበሉ ጸዊዑ። ኣብ ንድፊ እቲ መግለጺ  ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ከየእትዉ ዝጽውዕ ትሕዝቶ’ኳ እንተነበሮ፡ ደሓር ግና  ካብቲ ውዱእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ  ከም ዝተሰረዘ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒ ጉተረዝ ብወገኑ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከዛይድን እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ናብ መስርሕ ሰላም ክምለሱን ከም ዝጸውዐ ተፈሊጡ።

 

Last modified on Friday, 17 May 2024 22:47