ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታ ሓለዋ ንክግበረሎም ጸዊዑ
2024-11-20 20:33:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 40 timesካብቶም ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝዳጐኑ ዘለዉ ኤርትራውያን
ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ብ20 ሕዳር 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ይስደዱ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓለዋ ከመሓይሽ ምጽውዑ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ሽንህዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ኤርትራውያን ብክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። እቶም መሰረታዊ ሓገዝ ክግበረሎም ዝተባህሉ ከኣ እዚኣቶም ምዃኖም ናይቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መግለጺ ኣስፊሩ።
በቲ መግለጺ መሰረት ኣብ ዓመተ 2024 ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ክሳብዚ መግለጺ ዘውጸሉ ዕለት 20 ሺሕ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ብዘይካኦም 70 ሺሕ ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናይዞም ግዳያት ኣብቲ ዝኣትውሉ ግዜ ምምዝጋቦም ኣብ ቀጻሊ ንምሕጋዞም መሰረታዊ ተደላይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ኤርትራውያን ንምምዝጋብ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ምምዝጋብ ነቶም ስደተኛታት ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ምርኻብ ምስ ቤተሰብ፡ ስራሕ ምትሓዝን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎት ንምቕራብ መሰረታዊ ምዃኑ ሓቢሩ።
ህጹጽ ምዝገባ ናይዞም ሓተቲ ዑቕባ ግዳይ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ንከይኮኑ መከላኸሊ ስልቲ ምዃኑ’ውን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ 3ይቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቘበት ሃገር ከም ዝኾነት ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝግመቱ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝተሰዱ ምዃኖም ከኣ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።