ጅቡትን ሶማሊላንድን ኣብ ወጥሪ

2024-07-06 08:12:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 368 times

ጅቡቲ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ገዛኢ ሰልፊ ኩልምየ ሶማሊላንድ ፈቒዳቶ ዝነበረት ፓስፖርትታት ከም ዝሰሓበት ተሓቢሩ። ጅቡቲ ካብ መርበባ ዝሰረዘቶ ሓለፍቲ ሶማሊላንድ ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ፓስፖርትታት ኣስታት 100 ከም ዝኾነ እውን ተፈሊጡ።

ገዛኢ ሰልፊ ሶማሊላንድ ኩልምየ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ናይ 3 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ፓስፖርት ጅቡቲ ብቐጻሊ  እዩ ክጥቀም ጸኒሑ። ካብዚ ሓሊፉ ንቤተሰብ  ላዕለዎት ሓለፍትን ደገፍቲ ናይቲ ሰልፍን እውን እዚ ናይ ጅቡቲ ፖስፖርት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። ጅቡቲ እዚ ናይ ፓስፖርት ምስራዝ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍትን ቤተሰብን ፕረሲደንት ሙሰ ጥራይ ድያ ክትድርቶ ወይ ነቲ ብዙሓት ተራ ደቂ ሶማሊላንድ ሒዘምዎ ዘለዉ ከጠቓልል እዩ ዝተፈልጠ የለን።

ኣብ መንጎ ጅቡትን ሶማሊላንድን ምስሕሓብ ካብ ዝጅምር ጅቡቲ ተጽዕኖኣ ንምሕያል ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክትወስድ ከም ዝጸንሐት እውን ይፍለጥ።

ጅቡትን ሶማሊላንድን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍጣጥ ዘምጸአን ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቁጠባ እዩ። እዚ ድማ ጅቡቲ ኣብ ዞባና ብኣገልግሎት ወደብ  ዝያዳ ተጠቃሚት ኣብ ዝኾነትሉ፡  ወደብ በርበራ እናሰፈሐ ምምጽኡ ስግኣት ከሕድረላ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብ1 ጥሪ 2024 ዝተኸተመ ንኣገልግሎት ወደብን ምምስራት መደበር ሓይሊ ባሕርን ኢትዮጵያ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ጅቡቲ ከም ዘሰንበዳ ክትጠቅስ ጸኒሓ እያ።

ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብመንጎኝነት ጅቡቲ ምስ መቃድሾ ንክዕረቕ ኣብ ቆጸራ እንከሎ፡ ሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ  ናይ ጅቡቲ ዕዳጋ ንምውሳድ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምፍራሙ ጅቡቲ ከም ጥልመት ክትገልጾ ዝጸንሐት እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ ሶማሊላንድ በቲ ሓደ ወገን ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ዘይምዕዋቱ በቲ ካልእ ድማ ምስ ጅቡቲ ኣብ ቅርሕንቲ ብምእታዋ ከሳሪት ኮይናላ።

ኣብዚ ዞባዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ በዚ ጀሚራቶ ዘላ እንተቐጺላ፡ ምስ በዓል ግብጺ፡ ኤርትራን መቃድሾን ክትስራዕ እያ። እዚ ኣሰራርዓ ነታ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ጅቡቡት ካልእ ናይ ወደብ ምርጫ ዘየብላ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ቀሊል  ኣይክኸውንን እዩ።

Last modified on Saturday, 06 July 2024 10:20