ግደ ደረስቲ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ኤርትራን ቃልስታታ

2022-09-20 09:24:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 976 times

ቀጺሉ ዝቐርብ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሩ ዘሎ ስእልታት ናይ ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ሓጺር መብርሂ ንምሃብ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ንምፍላጥ፣ ገንጺልካ ብምንባብ ዝብጻሕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር ሓጺር መላለዪ ሓበሬታ፡ ማለት ብዛዕባ ደረስቱን ዕላማ መልእኽቲ መጻሕፍትን ዝእምት ሓበሬታ ኢና ከነስፍር።

ኣድላይነት ምስናድ ታሪኽ እንርድኦ ኣምር ስለዝዀነ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን፣ ታሪኽ ተሰኒዱ ንመወከስን ሓበሬታን ይዕቆር፤ ንውሉድ ወለዶ ድማ ይመሓላለፍ። ነዚ ዕማም’ዚ ዝትግብራ ድማ ትካላትን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያን ክህልዉ ይግባእ። ታሪኽ ሃገርና፣ ዘሕለፎ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፣ ንሓርነቱ ዘካየዶ ቃልስታትን ዝኸፈሎ መስዋእትን ብግቡእ ተሰኒዱ ንህሉዋትን ቀጻሊ ወለዶታትን ክመሓላለፍ ይግባእ። ኣብ ሃገርናን ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስናን ግን ዝተጠቕሱ ትካላትን ሰብ ሞያን ኣይነበሩን። ነቲ ሃጓፍ’ቲ ዝመልኡ ብተበግሶኦም፣ ወለንትኦም፣ ጻዕርታቶምን ወርቃዊ ጊዜኦምን ብነጻ ወፍዮም፤ ኣገዳሲ ሰነዳት ብመጻሕፍቲ ኣሕቲሞም ናብ ኣንበብቲ ዝዘርግሑ ብዙሓት’ዮም። ታሪኽና ብግዱሳትን ወለንተኛታትን እዩ ክስነድ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ድማ ብሓያለ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ብኣባላት ሰደህኤ ድማ ብፍላይ ሓያለ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ተዘርጊሖም እዮም።

ኣብዚ ፖስተር) ተጠርኒፉ ቀሪቡ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ ብግዱሳት ውልቀ ተቓለስትን ጉጅለታትን፡ ኣብ ተጋድሎና ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፣ ገለን ዓጢቖም ኣብ ሜዳ ገለን ድማ ኣብ ድያስፖራ ዝተኻየደ ህዝባውያን ማሕበራት ተወዲቦም፡ ፖሊቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ግዲኦም ዘበርከቱ፣ ከምኡ’ውን ስርዓት ምልኪ ብምውጋድ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘለዉ የጠቓልል።  መብዝሕትኦም ደረስቲ ነቲ ብኣካል ዝተሳተፍዎ ተሞክሮ ፍጻሜታት ናይቲ ታሪኽ፣ ተዘክሮታቶምን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶታትን ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ብምዃን ሰኒዶም ዘቕረቡ እዮም። ምሉእ ታሪኽ ብዝውዓሉ ጥራይ ዝቐርብ ክኸውን ኣይክእልን፡ ምኽንያቱ ደረስቲ ኣብ ኵሉ’ቲ ፍጻሜታት ዝተኻየደሉ ቦታን ዕለትን ብኣካል ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ስለዚ ካብ መወከስታት በርቢሮም፣ ሓበሬታ ካብ ሓቀኛ ምንጭታቱ፡ በብዕለቱን ተዋሳእቱን ሰኒዶም ከቕርቡ፣ መጽናዕትን ፍተሻን ካብ ታሪኻዊ መወከስታት ኣካይዶም ዝሰነዱ’ውን ይርከብዎም።

 ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሮም ዘለዉ መጻሕፍቲ፣ ብኣብ ሰዲህኤ ዘለዉን ዝነበሩን ኣባላት ዝተደርሱ እዮም። ብሕጂ ተደሪሶም ዝወጹ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፣ ንዐኦም ዝወሰኸ ሓድሽ ፖስተር ክዳሎ ምዃኑ’ውን ንሕብር። በዚ ኣጋጣሚ፣ ስነጽሑፍን ስነዳን ንምምዕባል፣ ናይ ደረስቲ ማሕበር ብዝተወደበ መልክዕ ክምስረት ነተባብዕን ንጽውዕን።

ብሓልዮት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ

Last modified on Tuesday, 20 September 2022 11:32