ብቑዕ መተካእታ ንምፍጣ ንሰጉም፣
2025-03-05 20:20:12 Written by EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 21 timesኩነታት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ካብ ጽባሕ ነጻነት ኣትሒዝካ ጽቡቕ ከምዘይነበረን ጌና ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐን ዝተረዳእናዮ እዩ። ኣብቲ ከምዚ ሎሚ ከይሳዕረረ እንከሎ ውሱን ምልክት ዘርእየሉ ዝነበረ እዋን እንተኾነ‘ውን፡ በብዝጥዕመና ኣገባብ ክንገልጾን መተካእታ ከም ዘድልዮ ክንሕብር ጸኒሕና። ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ሓሳብ ንምምጻእ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ማሕበራት ካብ እንውደብ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ስቓይ ቅጭጭ ከይበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብወገኑ፡ ብዘይሕብእብእ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘረድእ፡ “ኣነ እየ ህዝብን ሃገርን” ዘስምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክነግረና ጸኒሑ እዩ።
ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ምምጻእ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ናይ ህልውና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ እዩ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ዝበቅዕ ቅሩብነት ንምርግጋጽ ካብ እንንቀሳቐስ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 2001፡ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ እምብዛ ሳዕሪሩ ንወጻዒ ባህርያቱ ብሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ለበዳ ምስ ኣረጋገጾ፡ ብዙሓት ኣብ ሕቑፍኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፡ እቲ ናይ ለውጢ ደንበ ኣዝዩ ዝመቖሉን ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ባህጊ ሰማይ ዝዓረገሉን ደረጃ በጺሑ ነይሩ። እቲ ባህጊ ግና ብዝድህሰስ መተካእታ ገና ኣይተሰነየን።
ወጻዒ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ተገንዝቦ ድዩ ብናቱ ቅሉዕ ተግባራት ንጹር ምንባሩ ንቐጻሊ ቃልስና ኣገዳሲ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝኸበደ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ምርዳእ ዘይኮነ፡ መተካእታ ምቕራብ ምዃኑ ከኣ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ሓደ ጸገም ጠንቁ ምስተፈልጠ መድሃኒት ክትረኽበሉ ቀሊል እዩ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ጸገም እንዳፈለጥካዮ መተካእታ እንተ ዘይረኺብካሉ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ንሕና ንዘለናዮ ሃለዋት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ማኣዝናት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኻ ኣስካሕካሒ እዩ። ናይቶም መተካእታ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለና ወገናት ንጥፈት ብኣንጻር’ዚ ክንህር ይግበኦ ነይሩ ግን ኣይበጻሕናዮን።
ተልእኮን ዕላማን ሓይልታት ለውጢ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺር ጸሚቝካ ክቐርብ እንከሎ ንወጽዓ ህግደፍ ዓጺፍካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ከም ዝከኣል ግና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ መስርሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ብብዝሐ-ውዳበታት ዝግለጽ ሃለዋት ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ካብ ዘኽብድዎ ምኽንያታት እቲ ዕማም ናይ ብዙሓት ሰብ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቶም ሰብ ጉዳይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሓባራዊ መስርሕ ናይ ቃልሲ ንክጽመዱ ስለ ዝኸብድ እዩ። እንተኾነ እዚ እውን ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ጉዳያት ኣትኪልካ፡ ብሓላፍነት ክትሰርሕ ስለ ዝከኣል ምኽኑይ መህደሚ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ነዚ ብዙሓት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝተኸተላ ሃገራት ዘረጋገጸኦ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ናይ ዘይምኽኣልና ናትና ድኽመት ዘመልክት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።
ካብዚ ዘለናዮ ሓላፍነታዊ መልክዕ ዘይሓዘ ኣተሃላልዋ ንምውጻእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ኣካይድና ኢና። ብዘይካቶም ብዙሓት ውድባት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍሎም፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ ኣስማት ዝነበሮም ምጥርናፋትን፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ-ሰለስተ ውድባት ክፍተኑ ዝጸንሑ ዝምድናታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ክንመጽእ እንከለና ግና ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ሓቢርካ ናይ ምስጓም ፈተነታትና መሊኦም ኣይተዓወቱን። ናይ ዘይምዕዋቶም ጠንቂ ኩልና ውዳበታት ብጽሒትና እንወስደሉ ድኽመታት እዩ። ንድኽመታትና ድማ ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕድል እንተረኺቡ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ፍሉጥ እዩ። እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕማምን ሓላፍነትን ግና ሕጂ እውን ንዓና ዝጽበ ዘሎ ዕማም‘ዩ። እቲ መዋጸኦ ከኣ፡ ንሕና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና እነዐርዮ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓንሳብ ሕማቕ ምስ በልካዮ ኣብኡ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሕሰም ዕቤት ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ቁልቁል ዝንቍት ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ናይ ጥፍኣት ኣንፈት መመሊስካ ምትራሩ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከምጽእ እንጽበዮ ኣይኮነን። ሎሚ ንሕና ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ብኸመይ ከም ዝረጋገጽ እንዳሻቐለና ካልእ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዝመስል ተርእዮ ምቕልቃሉ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ማዕረ’ዚ ሻቕሎት ሓይልታት ለውጢ ይንህር ከምዘሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግና በቲ ኩነታት ምሽቓልን ምንሃርን ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ዝቕይር ውዱብ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ብመንጽር‘ዚ እምበኣር፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና? ንዝብል ሕቶ መልስና “ጌና ነቲ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን ፈተና ኣይበጻሕናዮን” ካብ ዝብል ካብ ዝሓልፍ ኣይኮነን።
እቲ ክሳብ ሎሚ ዘባኸንናዮ ግዜ ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እንተኾነ ሕጂ እውን መተካእታ ናይ ምዃን ዕድልና ኣይተዓጽወን። እቲ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ክውገድ መመሊሱ ኣብ ዝገደደሉ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ዘባኸንናዮ ግዜን ዕድልን ናይ ምምላሱ ዕድል ኣሎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና፡ ብተግባር ሓቢርካ ብምስጓም “ንህዝብና ኣለናልካ” ንበሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓቢርና ንስራሕ መጸዋዕታ፡ ብዘይምቁራጽ ይጽውዕን ቅርቡነቱ ይገልጽን ኣሎ። ማዕረ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ ሰማዒ እዝኒ ኣይሰኣነን። ስለዚ ሕጂ እውን ነቲ ዝተረኽበ እወንታ ብግቡእ ዓቂቡ ነቲ “ሓቢርካ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን” መጸዋዕታ ክቕጽሎ እዩ።