ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ጉባአ ንከተካይድ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ
2025-01-02 19:37:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 218 timesብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጉባአ ናይ ምግባር ምልክት ተርኢ ከምዘየላ ብ31 ታሕሳስ 2024 ብክታም ናይቲ ቦርድ ሓላፊት ሜላትወርቅ ሃይሉ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ደብዳበኡ ህወሓት ጉባአ እተካይደሉ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 10 ለካቲት 2025 ዘብቅዕ፡ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተመዝገበሉ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።
እቲ ቦርድ ብ9 ነሃሰ 2024 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ሓዳስ ውድብ ምምዝጋባ ምሕባሩ ጠቒሱ፡ በቲ ዝተመዝገበትሉ ፍሉይ መምርሕን ኣገባብን መሰረት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጉባአ ከተካይድ ዝእዝዝ ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ህወሓት ነዚ ኣሰራርሓ ምእዝዝቲ ክትከውንን እቲ ዝካየድ ጉባአ ኣብ ህልውና ኣካላት ናይቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ክሳለጥ ከም ዝግበኦ ኣብዚ ናይ ብ31 ጥቅምቲ 2024 መልእኽቱ እውን ኣዘኻኺሩ።
ጉባአ ክካየድ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንቦርድ ምርጫ ምሕባርን ንክዕዘብ ንመስርሕ እቲ ጉባአ ንምክትታል ዘኽእሎ ኩነታት ምጥጣሕን ከም ዘግባእ እውን ጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ክሳብዚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 40 መዓልታት ጥራይ ዝተርፎ ንምክያድ ጉባአ ህወሓት ዝምልከት ናብቲ ቦርድ ዝበጸሓ ሓበሬታ ኮነ መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ቦርድ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ውድብ ህወሓት በቲ ዝተነግራ ኣገባብ እንተዘይተቐይዳ ሕጋዊ ሳዕቤት ከም ዘጋጥማ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ። መሪሕነት ህወሓት እቲ ኣመዘጋግባ ከም ሓድሽ ዘይኮነ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ደረጃ ከም ዝመልሶ ንክኸውን ዘቕረቦ ጥርዓን በቲ ቦርድ ምርጫ ከም ዝተነጽገ ኣብቲ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
እዚ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ እታ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ኣካይደዮ ዝበለቶ እሞ ንጌታቸው ረዳን ብጾቱን ሰጒጐዮም ዝተባህለሉ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መበል 14 ጉባአ ኣፍልጦ ዝነፍግ እዩ። ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ መዓልታት ጉባአ እንተዘየካይዳ ህወሓት በቲ ቦርድ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።