መግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት

2024-12-31 20:36:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 219 times

MA EPF Banner

 

ሎሚ ኣብ ድሮ ምስግጋር ናይ 2025 ዓ.ም ኢና ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ “እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን” እናበለ ናይ ሰነይ ትምኒት መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምናን ኣመሓላሊፉ።

2024 ዓ.ም ኣብ ዓለምና ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተጋህደላ፥ መወዳደርቲ ዘይብሉ ሞት፡ ስንክልና፡ ብርሰትን ስደትን ዝተኻየዱላ፡ ናይ ዓለም ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ተዓዘብቲ ዝዀኑላ ዓመት ኢያ ነይራ ኢሉ።

ነዚ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ብሰላምን ብልዝብን እንተዘይኰይኑ፡ ብሓይሊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፈተነታት ንዝያዳ ጥፍኣትን ዕንወትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኰንን ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ እውን፡ ኣብ ክንዲ ንጐረባብቲ ሃገራት ናብ ቅልውላው ዘእቱ መደባት ምትላም፥ ብቐዳምነት ንውሽጣዊ ኰነታት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክመልስ፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ካብዚ ኣጋጢምው ዘሎ ድኽነት፡ ሕማም፥ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ናብ ንቡር ናይ ሰላም ህይወት ንኽመልሶ ኢሉ ክሓስብን ክጽዕርን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እቲ ኣብ 2024  ዝተኻየደ ዕዉት ዋዕላ ወይ ኮንፈረንስ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ 2025 ዝያዳ እናሰፍሐን ንኹሎም’ቶም ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ለውጥን ዝኣምኑ ሓይልታት ዝጥርንፍን ድሌታትን ባህግታትን ናይ ህዝብና ዘማልእ ዘመድረኽ ክኸውንን ዘለዎ ትጽቢትን ተስፋን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ደጊሙ “እንቋዕ ናብ 2025 ዓመተ-ምህረት ኣብጽሓና፥ እዛ ዓመት’ዚኣ፡ ከኣ ንሃገርና ናብ ጐደና ሰላምን ልምዓትን ዘምርሑ ስርሓታት ዝካየዱላ፥ ድምጺ ውግእን ወረ ውግእን ዝንክየላ፥ ናይ ኣህዛብ ከባቢና ባህግታት ዝማልኡላ ዓመት ክትክውን ዘለዎ ትምኒትን ተስፋን ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ንኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ንምሕያል ዘድሊ ኩለንትናዊ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይሰልከዩ ኣበርክትኦም ከዕዙዙ ጸዊዑ።

31 ታሕሳስ 2024

Last modified on Tuesday, 31 December 2024 21:44