ኣብ ኣኽሱም ተመሃሮ ኣንጻር እገዳ ጉልባብ ተቓዊመን
2024-12-31 13:02:40 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 234 timesኣብ ትግራይ ማእከላዊ ዞባ ከተማ ኣኽሱም ተጐልቢበን (ተሓጅበን) ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ ዝተኸልከላ ተመሃሮ፡ ኣንጻርቲ ምኽልካለን ተቓውሞ ከም ዘስመዓ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ነቲ ተግባር “ብሕገመንግስቲ ዝተዋህበና መሰል ዘየኽብርን ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝግህስን እዩ ከም ዝበለኦ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸኦ፡ እቲ ምስ ተጐልቢብካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምእታው ካብ ዝኽልከላ ሰሙናት ከም ዝሓለፈ እውን ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከም ዝበለኦ ድማ እተን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምምሃር መሰለን እየን ነፊገንአን ምኽንያቱ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ተደላይነት ስለ ዘለዎ ኢለን። ብፍላይ ሓንቲ ተመሃሪት ከም ዝበለቶ ዋላ ሕብሩ ምስቲ ናይ ተመሃሮ ዲቪዛ ( ዩኒፎርም) ከመሳስለኦ ፈቲነን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢራ።
ጌቱ ካሕሳይ ዝተባህለ ወኪል እስላማዊ ጉዳያት ምስ ቤት ጽሕፈት ኣብያተ-ምህርቲ ናይቲ ዞባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ንሱ እቲ ጸገም ብቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ እቲ ምጉልባብ (ምሕጃብ) ፍቑድ ምዃኑ ብደብዳበ ድሕሪ ምግላጹ ዝተፈጥረ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉዳያት ከተማ ኣኽሱም ብወገኑ ኣብ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ ምስልምና ናይ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ግደታአን ክሕለወለን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ናብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ልኢኹ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ መልእኽቲ እቲ ምኽልካል ጉልባብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካለኣይ ደረጃ፡ ወርዒ፡ ከንደያ፡ ኣደባባይን መሰቦን ተጽዕኖ ከም ዘሕደረ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት ናይ መበል 12 ክፍሊ ተመሃሮ ዝርከበአን 140 ተመሃሮ ምስ ጉልባብ ብዝተተሓሓዘ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኸልኪለን ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።
ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ጸሓፊ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ተግባር ቅድሚ ዝኣገረ ንተመሃሮ መበል 12 ክፍሊ ይሃሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ነቒፈምዎ። ከተማ ኣክሱም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ’ውን ብዛዕባ ምህናጽ መስጊድ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዘይተፈትሕ ዋጢጥ ዘለዋ እያ።