ዶክ..ደብረጽዮን ዝመርሖ ማ/ኮሚተ ህወሓት ዳግማይ ጉባአ ከምዘይገብር ኣፍሊጡ
2025-01-18 15:35:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 22 timesማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብ17 ጥሪ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ጉባአ ከካይድን: ቅድሚ 3ተ ሰሙን ናይቲ ጉባአ ነቲ ቦርድ ክሕብርን ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሽግር ብተጋሩ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ብምጥቃስ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰሉ ትካላቱን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዶም ከየእትዉ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፉ። እቲ መግለጺ ነቶም ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ እሞ እቲ ዝተኻየደ ጉባአ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሎም ካብቲ ዘካየዶ ጉባአ ዝበኾሩ ኣባላት ህወሓት ኣብዚ መግለጺኡ እውን ብክሕደት ከሲስዎም።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህወሓት “ከም ሓድሽ እየ ዝምዝግቦ” ንዝበሎ ከኣ ላግጺ ክብል ገሊጽዎ። ብዘይካዚ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ብዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት ኣብ መስርሕ ዘሎ “ኣማኻሪ ቦርድ ትግራ” ከምዘይድግፎ ብምግላጽ ኣካሉ ክኸውን ከይዘኮነ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንኣካይዳ ህወሕት ዘይድግፉ፡ ኣብ ትግራይ ይንቀሳቐሱ ንዘለዉ ማሕበራት ተግባሮም ንከቋርጹ ኣጠንቂቑ። ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ቅድም መኸተ ትግራይ ንዝድግፉ ኣካላት ኣብ ጐኑ ንክስለፉ ጸዊዑ። ኣስዒቡ ድማ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ዕጡቓት ብረቶም ኣውሪድካ ምጥያስን ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላስን መስርሕ፡ ዓቕሚ ትግራይ ዘዳኽም’ዩ ብዝብል ብትሪ ነቒፍዎ።
እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ህወሓትን ብሄራዎ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ሰፊሕ ፍልልይ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዩ። ስለዚ እዚ ኩነታት ናይ ህወሓት በቲ ቦርድ ምስራዝ ከየስዕብን፡ ናብቲ ቅድሚ ውዕል ፕሪቶርያ ምኽታሙ ዝነበረ ኩነታት ከይምለስን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ኣብ 2020 ናብ ውግእ ካብ ዘእተዉ ስጉምታት ሓደ ክልል ትግራይ ካብ ኣፍልጦ ብሄራዊ ምርጫ ወጻኢ፡ ምርጫ ምክያዱ ነቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናይታ ሃገር ዘጋደዶ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ስለዚ እዚ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ናብ ሓድሽ ዘይሰላማዊ ምዕራፍ እንተማዕቢሉ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ትግራይ ጥራይ ስለ ዘይድረት፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ሕድሕዶም ብግቡእ ተናቢቦምን ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮኦም ተማሂሮምን ጉዳዮም ብስልጡን ኣገባብ ምክእኣልን ዘተን ክፈትሕዎ ይግበኦም።