መግለጺ መሪር ሓዘን፡ ብዕረፍቲ ሓርበኛ ጸጋይ ተስፋይ!
2025-03-28 21:45:43 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1598 timesሓርበኛ ሓው ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።
ነፍስሄር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 60ታት ምስ መዛንኡ በዓል ዓብደላ ሓሰንን ገረዝጊሄር ተወልደን ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንጡፋት ዝነበሩ ተመሃሮ ሓደ ነይሩ። ኣብ 1965 ወርሒ 3 ብተመሃሮ ልዑል መኰነን እተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንጡፍ ተራ ነይሩዎ። ኣብ 1966 በብሓሙሽተ ኣሃዱታት ኣብ ምቛምን ካልእ ኣገደስቲ ስርሓት ኣብ ምክያድን ዝንኣድ ግደ ኣበርኪቱ። ኣብ 1974 ወርሓት ክረምቲ ድማ በታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበረት ስትርቲ ጉጅለኡ ተወኪሉ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ሱዳን ከሰላ ከይዱ።
ኣብ ሱዳን ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ጸነሐ፡ ንቐጻሊ ውድባዊ ተልእኮ፡ ብስቱር ብተሰነይ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ተመሊሱ። ድሕሪ ንዝተወሰነ ግዚ ትምህርቱ ምቕጻል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኣብቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ዓዲ ዃላን ሰንበልን እሱራት ዘውጸኣትሉ ስርሒት 1975፡ ኣብ ናይ ዓዲ ዃላ ድሕሪ ምስታፉ ድማ፡ ኣብቲ ዓመት ናብ ሜዳ ወጺኡ ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓኤ ከም ዝተሳተፈ ብህይወት እንከሎ ዝሃቦ ቃል የረድእ።
ጸጋይ ተስፋይ እቶም ምስጢራዊ ስረሓት እናካየዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ሓርበኛታት ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ምስተኣሰሩ፡ እቲ መስርሕ ቃልሲ ንከይቋረጽ ንዓኣቶም ተኪኦም ካብ ዘቐጸልዎ ተበዓት መንእሰያት ሓደ ምንባሩን ናይታ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ዝመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ኣባል ከምዝነበረን’ውን ብቐረባ መቓልስቱ ይምስክሩ።።
ጸጋይ ኣብ መደበር ተዓሊም ስዉእ ዶር ፍጹም መባእታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ወሰደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ብትግሃት ተቓሊሱን ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ንትምህርቲ ዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ሓይሊ 425 ተመዲቡን። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ወኪል ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ከተማ ዓሊግድር ኣባል ስውራዊት ሽማግለ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትርን ክፍሊ ስንቅን ግቡኡ ፈጺሙ።
ድሕሪ ናይ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክቃለስ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ኣብኡ’ውን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንጡፍ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።
ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ፡ ናይታ እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ተነፊግዎ ኣብታ ናይ ስደት ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።
እቲ ንሃገርን ህዝብን ዝኸፈሎ ዋጋ “ከም ናይ ኩሎም ስዉኣት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክዝከር ክነብር እዩ።” መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ከኣ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና እናረጋገጽና፡ ንስዉእ ብጻይና “መንግስተሰማይ የዋርሶ፡” ንቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ድማ “ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና” ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ