“ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል፡ ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል፡”

2024-07-01 09:25:42 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 315 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ: ጉዳይ ባንዴራ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኤርትራ ነናተን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ጽልዋን ዘልወን ክልተ ባንደራታታት ስለ ዘለዋ እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ወገን ናይታ ነባር ሰማያዊት እቲ ካልእ ድማ ናይታ ሓዳስ 3ተ ዝሕብራ ልዕልና ንምርግጋጽ ብዝፍጠር ምውጣጥ እዩ እቲ ምስሕሓብ ከጋጥም ዝጸንሐ።

እታ ኣብ ማእከላ ብ34 ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዝወቀበት ሰማያዊት ዝሕብራ ተጋዳሊት ባንደራ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ናይ 1952 ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝረኸበት፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ማዕረማዕረ  ባንደራ ኢትዮጵያ ዘምበልበለት እያ። እቲ ናይ ሽዑ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወኪሉ ዝተመርጸ 68 ወናብር ዝነበሮ  ፓርላማ ኤርትራ፡ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ኤርትራ ንክቕበላ ቀሊል ኣይነበረን። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ስለ ዝነበሩ ንዓኣ ተቐቢሉ ንከጽድቓ፡ ክንድቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንክቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ነዊሕ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዘይተፈልዮ ክተዓት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ብዝጸፈዮም ኤርትራውያን ኣባላት ፓርላማ ኣቢሉ መስርሕ ምፍራስ ፈደረሽን ብግህዶ ምስ ጀመረ ሰማያዊት ባንደራ ብ3 ታሕሳስ 1958 ካብ ዝነበራ ክብሪ ብዓመጽ ወሪዳ ብባንደራ ኢትዮጵያ ድማ ተባሒታ።

ምውራድ ሰማያዊት ባንደራን ምፍራስ ፈደረሽንን ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ  ንክሰጋገር ካብ ዝደረኹ ተርእዮታት ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 ምስ ተበሰረ፡ ወያ ኣብ ከተማታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ተምበልብል ዝነበረት ውቅብቲ ሰማያዊት ባንደራ ናይ ጽንዓት ምልክትን ኣርማን  ኮይና   ናብ ሜዳ ተሰሊፋ።  ንክብሪ እዚ ሓርበኝነታ ከኣ ኣብ ሜዳ ብዝነበሩ ወናማት ተጋደልቲ “እንቲ ሰማያዊት ኣብ በረኻዶ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት” ተዘይሙላ። መግዛእቲ ስዒራ ብናጽነት ተሰንያ ናብ ክብራ ከም እትምለስ ንምምልከት ከኣ ብተቓለስቲ ስነ-ጥበባውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ “ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል “ ተዘሚሩላ። ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዝተኣማመና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ዘዝረኸበኦ ኣጋጣምታት’ “ኣውሊዐይ ባንደራይ ስየ፡ ክሳብ ዝመጹለይ ኣሕዋተይ ክጽበ እየ” ኢለን ደሪፈናላ። ክሳብ ናጽነት ድማ ኣርማን ጽላልን ኮይና ቀጺላ። ናጽነት ክብሰር እንከሎ ከኣ ኤርትራዊ ካብቲ ብምስጢር ዓቂብዋ ዝጸንሐ እናውጸአ ክሳብ ብ1993 እትትካእ ኣምበልቢልዋ።  እነሆ  ሎሚ ድማ ቃልሳ ምእንቲ ሓርነት፡ ዲሞክራስን  መሰረታዊ መሰላትን  ትቕጽል ኣላ።

ድሕሪ ረፈረንደም ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 እዛ ብሰለስተ ስሉስ ኩርነዓት ዝቖመት ሰማያዊ፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብራ፡ ኣብ ማእከላ ወርቃዊ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንደራ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ናይ ምዃን ሕጋውነት ረኺባ። እዛ ዳሕረወይቲ ባንደራ ብውሳነ ሓደ ውድብ ምናልባት’ውን ብናይ ሓደ ውልቀሰብ፡ ብዘይ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነት፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘየብላ እያ። እንተኾነ ብሳላ ናይ ታሪኽ ትዕድልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተሰቕለት  ኣህጉራዊ መለለይት  ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ግድን ኮይኑ።

ስለዚ ክልቲአን ባንደራታት እታ ቀዳመይቲ ብዘለዋ ታሪኻውን ሓርበኛውን ክብሪ፡ እታ ዳሕረወይቲ ከኣ ብዝረኸበቶ ተቐባልነት ኣድለይቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንምትዕራቕ ቀሊል ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ክልቲአን ታሪኻዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓዳስ ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ፍልልያት ንምዕራቕ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ውዳበታቱን ብናይ  ሓባር ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎኦም “ናትና እዩ” ዝብልዎ ሕገመንግስቲ ወኒኖም ብኡ መሰረት ባንደራ ዝቐርጹ፡ ክልቲአን ባንደራታት ኣርማ ናይቲ ሰልፊ ክኾና ወሲኑ።

ሰዲህኤ ነዚ ብምውሳኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግና እዚ ውሳነ’ዚ ዳርጋ ብኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ዝትግበር ዘሎ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ሰማያዊ ሕብሪ ከም መለለይኡ ውሲዱ፡ ኣብ ቅዋሙ ኣብ  ናይ መላለይ  ዓንቀጽ 1.2 መለለይ ሕብሪ ሰዲህኤ ሰማያዊ እዩ።  ትርጉሙ ከኣ፡ ንሰላም፡ ህድኣት፡ ንልምዓትን ብልጽግናን፡ ንጸጋታት ባሕሪ ኤርትራን ንተስፋታት መንእሰይ ሃገር፡ ከምኡውን ንሕሉፍ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ይገልጽ”  ዝብል ቀዋሚ ሕጡብ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ጠቕላላ ጉባአታቱ ጀሚሩ ክሳብ ፈስቲቫላቱ፡ ብሰውራዊ ባይቶ ዝተጀመረ ብምቕጻል፡ ንሰማያዊ ሕብርን  ቆጽሊ ኣውሊዕን ብደረጃ ማልያ፡ ቆቢዕን ካልእ ምልክታትን ብቐጻሊ ከም መለለይኡ የንጸባርቕ።

 ሰማያዊት ባንደራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ተጋዳላይ ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣምሪሑዋ ይጐዓዝ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀዋሚ ቦታ እውን ምልክት ቃልሱ ገይሩ ሰቒልዋ። ኣብ ከም ጽንብል ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ካልእ መድረኻትን ድማ ክቡር ቦታ ሂብዋ። ንምስቃላ ኩነታት ኣብ ዘይፈቅደሉ ከኣ ብኽብሪ ዓጺፉ ኣብ ሳንጥኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዓቂብዋ ተንቀሳቕሱ። ከምዚ ሎሚ ባንደራ ኣዚዝካ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐሊሉ ናይ ምርባሕ ተኽእሎ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብምስጢር ሰማያዊ ዓለባን ቀጠልያ ፈትልን ገዚኡ ብወሓላሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥሊፉ ይሰርሓን ይሕብሕባን ነይሩ። ምስዚ ግና ገለ ወገናት ሕገመንግስታዊ ድሕረ-ባይታኣ ብምዝንጋዕ “ብሕቡራት መንግስታት ዝተተኹበትልና’ያ” ብዝብል ምስምስ ክብራ ከጉድሉ ክፍትኑ ይስምዑ እዮም።  ካብዚ ሓሊፎም’ “ባንንደራ ጀብሃ”  ብዝብል ከጽብብዋ ዝደናደኑ  ኣይሰኣኑን።

ኣብዚ እዋንዚ ሰማያዊ ሕብሪ ናይዛ ባንደራ ጥራይ ዘይኮነ፡  ክሳብ ናይ ክዳን ኮይና  ሸነን ክትብል ንዕዘባ ኣለና። ማዕበል ብሪገድ ንሓመዱ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ምዕሳሉ፡ ኣሰር ኣያታቱን ታሪኽ ቃልሶምን ከም ዝሰዓበ ካብ  ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ጽልዋ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ንገለወ ወገናት  ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ዝመስሎምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ንሰማያዊት ባንደራ ምስ  ማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ንምፍላጣ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ነዊሕ ሓርበኛዊ ድሕረ-ባይታኣ ኣብ ሜዳን ከተማታትን ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ ኣብ ኣደባባያት ዲያስፖራ ከም ዝጀመረ ኣምሲልካ ምውሳዱ፡ ነቲ ዝያዳ ክሰርጽን ክዓኩኽን ዝግበኦ  መስርሕ ምትኽኻእ  ከይሃሲዮ ብልቦና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።

ብዓብይኡ ክረአ እንከሎ ከኣ’፡ ሎሚ ኣድህቦናን ቃልስናን ኣብ ምውድዳርን ምትህልላኽን ብጉዳይ ባንዴራታት ዘይኮነ፡ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ክኸውን እዩ ዝግበኦ። 

Last modified on Monday, 01 July 2024 11:52