ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላን ፈስቲቫልን

2024-08-02 13:12:46 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 803 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ  ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር  ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ  እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን  ኣለዋ።

እዚ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቲ ጽላል ብወግዒ ዝምስረተሉ ምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጽላል ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከጽድቕ እዩ። ኣብዚ ዝጸድቕ ውሽጣዊ ቅዋም እቲ ጽላል ካልኦት ኣባላት ወሲኹ ዝሰፍሓሉ መንገዲ ዝእምትን ኣብ ነንሕድሕዱ ከመይ ከም ዝናበብን ዘብርህ ዓንቀጻት ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን።  ካብዚ ሓሊፉ ንመጻኢ ነቲ ጽላል ዝመርሕ  ኣካል ምስ ተጠባበቕቱ ኣብዚ ዋዕላ ክስየም እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝስየም ሓጋጊ ኣካል ዝነጥፋ ፈጸምቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ክንጸራ  እየን።

እዚ ጽላል ክሳብ ሕጂ ተመስሪትሎም ዘሎን ኣብቲ ዋዕላ ዝጸድቁን መሰረታዊ መዕቀኒ ኣዕኑድ ፡ ልኣላውነት ኤርትራን ህዝባን ምዕቃብ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምውሓስ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ምንጽብራቕን ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባርን ዝብሉን ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓቖፉን እዮም። እዘን ጽላል ዘቑማ ዘለዋ ውድባት ካብዚ ውጻኢ ዘሰማምዐን የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ቀዳምነት ዝተዋህብሉ ምኽንያት፡ መሰረታውያን መለለይታት ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘለዎም ዝሰፈሐ ሓይሊ ንምጥርናፍ  ዘኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ዝተወስዱ እዮም።  

ናይዚ ጽላልዚ ምምስራት ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ተቓውሞ ኤርትራ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ስጉምቲ ዘይኮነ፡ ከም ቁልዒ ዝውሰድ እዩ። ነዚ ቁልዒ ንህግደፍ ክልብልቦ ናብ ዝኽእል ሓያል ህዝባዊ መጋርያ ንምምዕባሉ ድማ ናይ ኩሎም ብመንገዲ ምጥርናፍ ኣቢልካ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዝኣምኑ ወገናት ጻዕርን ተሳትፎን ከም ዝሓትት ፖሓኤ ኣዕዚዙ ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት’ውን ከም ናቶም ክወስድዎን   ክሳተፍዎን ፖሓኤ ወትሩ ዝጽውዕን ኣብቲ ዋዕላ ከጉልሖ ትጽቢት ዝግበረሉን።

ምምስራት ጽላል ኣብ ደንበት ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወድቕን ዝትንስእን ዘሎ እምብር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከም ዘይተዓወተ ናይ ኩልና ተዘክሮ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ዝሃቦ  ትምህርቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ምትንሳእን ምውዳቕን ስግኣት ብምንቃል ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል ምስላ፡ “ተበግሶ ፖሓኤኸ ክዕወት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ እዩ። እዚ ስግኣት ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝነቅል እምበር፡ ካብ መሬት ሓፊስካ ዝውረ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ፖሓኤ’ውን ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። እቶም ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ዝቐደመ መስርሕ ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ትማሊ ዘይኮነስ ምስ ሎሚ  ዝስጉሙ ዘለዉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብውረድ ደይብ ዝተመልአ ኣብ መወዳእታ ብብራኸ ዝድምደም እምበር ልሙጽ መንገዲ ከምዘይኮነ ምርድኡ የድሊ። እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ከኣ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ሓጐጽጐጽ ዘይኮነ፡ ካብቲ ውድቀት ዘይምምሃር እዩ።

ስለዚ ናይዚ ፖሓኤ ዝምስርቶ ጽላል ናይ ምዕዋት ውሕስነት፡ በቲ ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ዝምዕብል ዘሎ “ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እዩ” ዝብል ግንዛበ ዝተበገሰ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ኮታ ናይ ሎሚ ናይ ምዕዋት ተስፋና ካብ ናይ ትማሊ ፍሽለት ምምሃርና ዝነቅል እዩ። ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ትማሊ እንተንህሉ ግና  ናብዚ ዋዕላ ንምብጻሕ ፖሓኤ ዝያዳ ሰለስተ ዓመታት ኣይምተጸመመን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላልየካ ንእሽቶ ተጉልሕ፡ ነቲ ዘሰማማዕካ ዝዓበየ ዝያዳ ኣጀንዳ ንምግባሩ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተስፋ ዝህብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሕድሕድካ “ብማይ ቀጠነ” ምጽልላምን ምክሳስን ሎሚ ዘይምህላዉ ነቲ መንገዲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ሒዝናዮ ንቃለስ ከም ዘለና ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ክንዕቅቦ ዝግበኣና እዩ።

ናይቲ ኣብ ጽላል ፖሓኤ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ናይ ብዝሕን ዓይነትን ውሱንነት ዘሰክፎም ወገናት እውን ይስምዑ እዮም። እዚ እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጽላል ሒዝዎ ይብገስ ናይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንጹርነትን ህልዊ ኤርትራዊ ባይታን ዳህሲሱ ዝብገስ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓቕሚ ምዃኑ ምርድኡ የድሊ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብመሰረቱ ጽላል ናይ ምፍጣር ምስጢር በበይኑ ክወፍር እንከሎ ዘየድምዕ ዝተበተነ ዓቕሚታት ናብ ሓደ ኣምጺእካ ከም ዘድምዕ ንምግባሩ ስለ ዝኾነ፡ ምምስራት ጽላል ካብ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ንምውጻእ ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ፡ ናይዚ ብወግዒ ዝምስረት ጽላል ፖሓኤ ረብሓን ኣገዳስነትን ንኣባል ውድባቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘንብር እዩ። ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣብተን ዝምስርተኦ ዘለዋ ውድባት ጥራይ ዝድረት ካብ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣባላት ናይቲ ጽላል ካብ ምዃን ጀሚሮም፡ ምስቲ ጽላል በብዝኽእልዎ ክተሓባበሩን ደገፎም በብዝጥዕሞም ኣገባባትን ክእለትን ከበርክቱን  ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላኡን ፈስቲቫሉን  ይጽውዕ ኣሎ።

Last modified on Friday, 02 August 2024 15:19