ፖሓኤ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ

2024-08-15 09:40:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 406 times

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ቀዳማይ ዋዕላኡ ከም ዘሰላሰለ ዓብይ ዜና ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኮይኑ ቀንዩ። ኣብዚ ዋዕላኡ፡ ኣገደስቲ ሰነዳት ምጽዳቑ፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምውሳኑ፡ ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ነቲ ጽላል  ዝመርሕ ኣካል ምምዛዙን ደማዳሚ መግለጽ ምውጻኡን ከኣ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዜና ነይሩ። እዚ ውጽኢት ተበግሶ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ግዱስ ኤርትራዊ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤን (SUDAN NOW) ዘይተሓለለ ጻዕሪ ብዙሓት ውድባት ኣብ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታትን’ኳ እንተኾነ፡ ጌና  ተስፋ ኣብ ዝህብ ቀዳማይ ምዕራፍ  ዘሎ እዩ።

ጽላል ዝመስረቱ ኣባል ውድባት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም ዝተማህሩ ኣብቲ ዋዕላ ብዘርኣይዎ፡ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ምምልላእ፡ ምክብባር፡ ሓይልዮትን ቀዳምነትካ ምንጻርን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ኣረጋጊጸምዎ እዮም። እቲ ን4ተ ዓመታት ብዘይምስልካይ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ኣብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ምብጽሑ ድማ፡ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ምምሃር ኣንጸባሪቑዎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ጽላል ናብ ሓድሽ ምዕራፍ እዩ ተሰጋጊሩ እምበር፡ ኣብቲ ፖሓኤ ዓሊሙ ዝቃለሰሉ ዘሎ ምውጋድ ወጻዓን ገባትን ጉጅለ ህግደፍን፡ ኣብ ክንዳኡ ቅዋማዊ፡ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካልን ንምብጻሕ እቲ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነት ዝሓትት ናይ ቃልሲ ብደሆ ኣብ ቅድሚኡ  ይጽበዮ ከም ዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ፖሓኤ ቃልሱ ኣብ ምውጋድ ወጽዓ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣርሒቑ ከም ዝጥምት ኣብዚ ዋዕላ ብዘጽደቖ ቻርተር  ኣሚቱ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ጽላል  ዝቆመ መሪሕነት ካብ ዝምርኮሰሎም ዕማማት ድማ ኣብቲ ቻርተር ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ሓይልታት ነዚ ጽላል ክምስርት እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ወጽዓ ኣወጊድካ ብራህዋ ንምትካእ ኣብ ዝካየድ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ኣብ ተራ ማሕበራዊ ህይወት ወዲሰብ እውን ብሓባር ተሰሊፍካ ምስጓም ከም ዘድምዕ ብምግንዛብ እዩ።

ኣባል ውድባት ፖሓኤ ነዚ ጽላል ንምምስራት ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋ፡ ብዘይካኡ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየለ ብምግንዛብ እዮም። ረብሓኡ ከኣ ናይ ኩሎም እምበር፡ ናይ ዝተወሰነ ካብኣቶም ከምዘይኮነ ብምስትውዓሎም እዮም። ናይቲ ጽላል ቃልሲ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዝውሰን ድማ ብናይ ኩሎም ዘይተገደበ ጻዕርን ቃልስን እዩ። እቲ ክምስረትሉ መሪጸሞ ዘለዉ ኣዕኑድ እውን፡ እቲ ብዝሓሸ ኣኪቡ ከሰጉሞም ዝኽእል ንሱ ምዃኑ ብምእማን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ መሰረታዊ ኣዕኑድ ናይቲ ውድባት ናይ ሓባር እምነትን ዝንባለን ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘንብብን ንዝሰፍሕ ተሳትፎ ሓይልታት ለውጢ ዝዕድምን  ከም ዝኸውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ንኣብነት “ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን መሬታን ምዕቃብ” ዝብል ኣምር ክሳብ ክንደይ መሰረታውን ሓቛፍን ምዃኑ በብግዜኡ በቲ ሓይልታት ክእወጅ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ ኣተሓሕዛ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት፡ ተመኩሮ ብዙሓት ምስ ናትና ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎምን ዝተዓወቱን  ወገናት እውን ኣብ ግት ዘእተወ እዩ።

ፖሓኤ ኣብዚ ሓድነታዊ ቃልሱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረሉ ዘሎ እዋን፡  ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዩ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ብኣተሓሳስባ ክሳብ ክንድዚ ምቅርራቡ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ናብ ተግባር ናይ ምስግጋሩ ወሳኒ ብድሆ ከም ዝጽበዮ ከኣ ኣብቲ ዋዕላ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተንጸባሪቑ’ሎ። ዝወሰኖም ፖለቲካዊ ውሳነታትን ዘውጸኦ መግለጽን እውን ነዚ እዮም ዘመልክቱ። እንተኾነ እቲ ቅኑዕ መንገዲ  ምጥርናፍን ምስፋሕን ሒዝዎ ስለ ዘሎ ብኣኡ ሰጒሙ ካብ ምዕዋት ዝገትኦ ሓይሊ ከምዘይህሉ ኣብዚ ዋዕላ ምልክታቱ ዝተራእየ እዩ። ኣብ ቅድሚ ጽላል ፖሓኤ ዘሎ ዕማም፡ ብመንጽር ምትግባር ዝወሰኖ ውሳነታት ዝቃነ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ውሽጣዊ ጽንዓቱን ስጥመቱን ዝያዳ ምሕያልን ምትራርን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 እቲ መድረኽ ናይ ሰለስተ ኣካላት ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ከም ዝኸውን ንምግባሩ ዝጀመሮ ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ክቕጽሎ እዩ። እቲ ጻዋዒትን ጐስጓስን ፖሓኤ ናይቶም ካለኦት ዝምልከቶም ቅርቡነት ተወሲኽዎ ዝዕወት እምበር፡ ብናቱ ድልየትን ጻዕርን  ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተደኮነ ጽላል ውሽጣዊ ስጥመት ምጽናዕ፡ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ዝሰፍሕ ተሳትፎ እውን ወሳኒ እምነ-መሰረት ስለ ዝኸውን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ንርከበሉ ዘለና እዋን ነቲ ኣገዳስነት ናይ ሓባር ጽላል ንጠልበሉ መጸዋዕታ ዝምጥን  ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክንገብር እንሕተተሉ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ዝግባእ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ናይ ፖሓኤ ዝመሳሰል ባህጊ ዘለዎም ውዳበታት ብዙሓት እዮም። እዚ ክሳብ ክንድዚ እናተደላለየ ዘይተጠርነፈ ባህግታት ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብዝተወደበ ኣገባባት ጥራይ ከም ዝዕወትን ነዚ ንምትግባር ናይ ሓባር መቃለሲ ሜዳ ምምስራት ከም ዘድልን ከኣ ፖሓኤ ፈጢርዎ  ዘሎ ጽላል ክጅምር እንከሎ ናይ ብዙሓት ምንባሩ ምስክር እዩ።

ኣብ ቀጻሊ እቲ ጽላል ብግብሪ ናይ ብዙሓት ከም ዝኸውን ን1ይ ዋዕላ ፖሓኤ ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ግዱሳት ባእታታትን መድያታትን ዝተገብረሉ ምትብባዕ ዝነኣድ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ንምጥርናፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ቀጻሊ መደባት ዘተ ፖሓኤን እውን  ክሳብ ክንይ ብሓባር ክንቃለስ ዝጽበየና ዕማም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። እምባኣር፡ ክሳብ ሎሚ ኩልና ናብ ሓደ ጽላል ክንመጽእ ዘይምኽኣልና ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣተሓሕዛና ድኽመትና ዘመልክት ምዃኑ ተገንዚብና፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ግና ንተረሓሒቕካ ምጥምማት ዕድል ክንህብ ኣይግበኣናን ንብል።

Last modified on Thursday, 15 August 2024 11:45