ብምርድዳእ ንመላላእ

2024-08-19 19:50:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 256 times

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ጽንዓትናን ተጻዋርነትናን፡ ጌና ዘየመሓደርናዮ ሕጽረታት ከም ዘለና ካብ ንእመነሉ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ጠንቂ ድኽመትና ኣብ ብውጋን ሕጽረታትና  ገሊኡ በዓል ቤታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ ተጽዕኖ ዝፈጥሮ እዩ። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ወድዓዊ ጸገማትና ኣብ እዋኑ ክንብድህ ዘይምብቃዕና እዩ። “ክንዕወት ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ኣይክነብርን እዩ፡ ብሓባር ክሰርሕ ምኽኣልናን ዘይምኽኣልናን ምስጢር ዓወትና እዩ” ብዝብሉን ዝኣመሰሉን ጸኒዕና ምቕጻልና ናይ ኣወንታናን ተስፋናን መርኣያ እዮም። ነዚ ኣወንታና ዝዕቅብን ባህግና እነተግብረሉ መሳርዕን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ዝተደኮነ ኣካይዳን  ክንውንን ዘይምኽኣልና ከኣ መርኣያ ድኽመትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።

ጐሊሖም ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታትና፡ ጸላኢና ሓደ ንሱ ድማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕላማናን ባህግናን እንተኾነ ተመሳሳሊ ካብኡ ሓሉፉ ድማ ኣዝዩ ዝቀራረብ ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ እናተረዳዳእናን እናተመላላእናን ብሓደ ክንስጉም ዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቐራሪብካ ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር፡ ናይ ግድን ብቓልሲ እተዕውቶ እምበር፡ ጓሲኻዮ እትሓልፈሉ ኣቋራጭ መንገዲ የብሉን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብመንገዲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ምምስራት ጽላል ከኣ፡ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ግዜን ጉልበትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ግደታ ምዃኑ ብምግንዛብ እዩ። እዚ ዘረድኦ ድማ እቲ ጉዕዞ ዘይልሙጽ፡ እቲ ትኸፍሎ ዋጋ ከኣ  ብዙሓት ዕንቅፋታት በዲህካ ብምሕላፍ ዝረጋገጽ ምዃኑ እዩ። ጽልዋኡ ድማ ኣብቶም ዝመስረትዎ ኣካላት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ደምበ ተቓውሞና’ውን ነብሱ ዝኸኣለ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ።

ቀዳማይ ይኹን ካለኣይ ምዕራፋት ቃልስና ብንኡሳን ምዕራፋት ዝተኸፋፈሉ ብምትኽኻእ ዝተቓነዩ እምበር ብሓደ ወለዶ ተጀሚሮም ብኣኡ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብቶም ዝኣረገ ብረት ዓጢቖም ሰውራ ኤርትራ ዘበሰሩ ሓርበኛታት ምናልባት ናጽነት ኤርትራ ዝረኣ ኣይነበረን። ምናልባት ዝረኣዩ እንተነይሮም ከኣ ክልተ-ሰለስተ ጥራይ እዮም። እንተኾነ ሳሊቲ ብዝተራእየ ቀጻሊ ዋሕዚ ምውርራስ እቲ ሓደ ክሓልፍ እንከሎ እቲ ካልእ እናተከአ ተጓዒዙ እቲ ቃልሲ ተዓዊቱ ኤርትራ ከኣ ናጻ ሃገር ኮይና።

ምውርራስ ኣውራስን ወራስን ማዕረ ዝግደስሉን ብሓላፍነት ዝዓይሉን እምበር ንሓዲኦም ዝግደፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣውራሲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ዘቐጽሎ ዋና ከይስእን፡  ተረኪቡ ኣብ ሽቶኡ ዘብጸሓሉ ወራሲ ክረክብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ወራሲ ድማ ዘካይዶ ቃልሲ ንትማሊ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣብ ሎሚ ጥራይ ዝተንጠልተለ ሓደ ኢሉ ዝጅምር  ጐናይ ጉዕዞ ካብ ምዃን ስለ ዘድሕኖ ዘውርሶ ይደሊ። መንእሰይ ዝወርስን ዘይወርስን ብድሌቱ’ኳ እንተኾነ፡ ትውልዳዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ግና ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ናይ ምቕጻል ጉዳይ እውን ኣብ ምልከት ሕቶ እዩ ዝወድቕ።

ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ሓደ ርሻን ንምህናጽ  ኣብቲ ዝተደኰነ ጡብ ኣብ ልዕሊ ጡብ እናወሰኽካ ኣብ ዝብጻሕ እተብጸሖ፡ ቃልሲ እውን ነቲ ዝተረከብካዮ ተመኩሮ ከም ኣድላይነቱ እናወሰድካን እናመላእካን እዩ ኣብ ዓወት ዝብጻሕ። ኣብ ካልእ ከይከድካ ናብ ናጽነት ዘብጸሐ ቃልስና ነዚ እዩ ዘርእየና። ልዕሊ ኩሉ ግቡእ ኣቕልቦ ክረክብ ዝግበኦ፡ ዕዉት ምውርራስ ተቐራሪብካ እምበር ተመዓዳዲኻን ነናትካ ኩርባ ፈሊኻን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብ ባህልና’ኳ ዝራብዕ ምስ ተስታይ ኣብ ሓደ ኣርዑት ተጸሚዱ እዩ ዝጸሪ እምበር ተመዓዳዲኻ ብምርእኣይ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብዕድመ ዝደፍኡን ብተመኩሮ ዝበሰሉን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ሲቪልን ከም ኮማንዶስ ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮን እቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝስለፍ ዝነበረ ዕሸል መንእሰይን ክሳብ ክንደይ ተመኩሮ ይመጋገቡ ከም ዝነበሩ ምዝካሩ ጠቓሚ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሽዑ ዘይነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ከም ዝግበኦም ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።   ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመነ ምዕቡል ተክኖለጅስ ከኣ ምውርራስ  እቲ ዝቐለለ እዩ።

እቲ ናይ ሎሚ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ “እንቲ መርዓት ጽባሕ ትኾኒ ሓማት” ዝበሃል፡ ጽባሕ ኣውራሲ ከም ዝኸውን ከስተውዕል ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ዘዝተጀመረ ሰኣን ወራሲ ከይትወደአ እናሓለፈ እቲ ቃልሲ መጀመርታ እምበር መፈጸምታ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ  ዝነበረ፡ ሎሚ ንህግደፍ ኣወጊድና ብዘተኣማምን፡ ቅዋማዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትክኡ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን፡ ብሓደ ወለዶ ተጀሚሩ ብእኡ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ብምርኽኻብን ምውርራስን ዝግለጽ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ዕዉት ተረዳዲእካ ምምልላእን ምውርራስን ኣብ ሓደ መስርሕ ተጸሚድካ፡ ትማሊ ዘስርሕ ዝነበረ ሎሚ እውን ግዜ ዘይሓለፎ ተመኩሮ እናሕየልካ፡ በቲ ካልእ ድማ ግዜኡ ንዝሓለፎ ገሊፍካ ኣብ መዘክር ታሪኽ እናመዝገብካ ዝኽየድ እዩ። እዚ ዝያዳ ዘድምዕ ድማ ኣብ ሓደ ተወዲብካ  ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ተጸሚድካ እምበር ወውድብካ ሒዝካ ተመዓዳዲኻ “ያላኻየ” እናተበሃሃልካ ኣይኮነን። ንኣብነት “እቶም ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ነቲ መንእሰይ ተመኩሮ ንክወርስ ኣይሓገዝዎን” ክበሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ፈጺሙ ሓቅነት የብሉን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ፡ “እቲ መንእሰይከ ንምውርራስ ብዘብቅዕዶ ምስተን ውድባት ተሰሊፉ?” ኢልካ ምሕታትን ምምላስን ከኣ መሰረታዊ እዩ። ዕዉት ምውርራስን ምምልላእን ብምክእኣልን ብምጽውዋርን እሞ ድማ ግቡእ ግዜ ወሲድካ እምበር፡ ብትምክሕትን ምንዓቓቕን ኣብ ሓጺር ግዜ ብሕዝ ግድፍ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ድማ “ንረዳድእ እሞ ንመላላእ”  ኢልና እንጽውዕ ዘለና።

Last modified on Monday, 19 August 2024 21:54