ሓቢርካ ናይ ምዕዋት ባህልና ንክዓቢ

2024-08-27 08:23:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 193 times

ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ምህላወን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ወገናት ብዙሓት እዮም። እቲ ብዝሒ ውዳበታት፡ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋተን ገይሮም ዝርድኡን “ስለምንታይ  ሰልፍታትን ውድባት በዚሐን?” ኢሎም ዝሓቱን’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዘን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኹ ምኽንያታት ገሊኦም ቅቡላት ገሊኦም ድማ ዘይቅቡላት ከም ዝኾኑ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዘይቅቡል ምኽንያታት ምዝርዛር ገዲፍና፡ ነቲ ብግቡእ ከነመሓድሮ ዝግበኣናን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኽን ቅቡል እንብሎ  ምኽንያታት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ናይ ኣወዳድባ ብዙሕነት፡  ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ፡ ሰፊሕ ናይ ሓሳባት ምርጫ ዘቕርብ ጸጋ እምበር፡ ሓደጋ ከምዘይኮነ ምርዳእን መሰል ምውዳብ ዘውሕስ ሓደ ካብ ዲሞክራሲያዊ መርኣያታት ምዃኑን  ምግንዛብ ድማ የድሊ።

እቶም ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ስለ እንውንን ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሰሊፍና ዘለና ፍጹም ዘራኽብ የብልናን ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምኡ ኮይኑ እንከሎ፡ እቲ ዓንቃፊ ኮይኑና ዝጸንሐ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማምዓና ነቲ ዝፈላልየና ቅድሚት ሰሪዕና ኣብኡ  ክንዋጠጥን ክንትሃላለኽን ምጽናሕና ምዃኑ  ብሩህ እዩ። ከምቲ ልዑል ለውጢ ናይ ምምጻእን ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣድማዒ ዓቕሚ ናይ ምድላብ ድሌት ዘለናን፡ እቲ ከነድህበሉ ዝነበረናን ዘለናን ነቲ ዘሰማመዓናን ዘመሳስለናን ቅድሚት ሰሪዕካ  ምጉልባቱ እምበር፡ በቲ ዝፈላልየና  ምስሕሓብ ክኸውን ኣይመተገበኦን።

 ኤርትራውነትና እቲ ዝዓበየ ሓቛፊና ኮይኑ፡  ኣብዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምውጋድ  ዲክታተርነት፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን፡ መጻኢት ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ልዕልና ህዝብን ፍትሕን ዝሰፈና ክትከውን ብዘይካ ህግደፍን ኮራኩሩን ዘይብህግ ኤርትራዊ የለን። ምናልባት “ብኸመይ ኣገባብ? መን ምስ መን ኮይኑ? መዓስን ኣበይን?…..ወዘተ” ኣብ ዝብሉ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተሃለዉ፡ ካብ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዓግቱ ኣይኮኑን። እቲ ዓብይን ህዝባውን ናይ መሰረታዊ ለውጢ ተልእኮ ምትግባር ብናይ ሓደ ውዳበ ሓላፍነትን ዓቕምን ዝዕመም ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ህግደፍ ዝመሃዞ ጸረ ህዝብን ዲሞክራስን መንደቕ፡ ብናይ ዝተወሰነ ውድብ ወይ ሰልፊ ዓቕሚ ከምዘይፈርስ ንርዳእ ኢና። ነዚ ዘፍርስ ዓቕሚ ድማ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ክጥርነፍ ዝግበኦ ዓቕምታትና ምዃኑ’ውን ብክለሳ-ሓሳብስ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓባራዊ እምነትና ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ኣድማዒ ጻዕሪ ክንገብር ከምዘይጸናሕና  እንስሕቶ ኣይኮነን።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ነቲ በበይኑ ዘሎ ዓቕምና ኣርኒብና ቀያርን ተሰማዕን ዓቕሚ ናይ ምፍጣር መስርሕ ከጸግሙና ካብ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ባህሊ ኣብ ማእከላይ ሓሳባት ተራኺብካ “ሓቢርካ ተዓዋታይ ምዃን” ኣብ ጫፋት ተመዓዳዲኻ ስነ-መጎት “ሰዓርን ተሳዓርን”  ከነሰጉም ምጽናሕና ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ዘየዕውትን ግዜ ዝሓለፎን ኣገባብ ኣመሓዳድራ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሩ ዝነበረን ኣሉታዊ ስንብራቱ ዘይሃሰሰን እዩ። እዚ ኣካይዳ ንትርጉምን ክብደትን ሓቅን ርትዓውነትን ኣተሓሳስባ ዝጓሲ፡ ንልዕልና ትርጉም ሓይልን ዓመጽን ዘበርኽ ሓደገኛ ተረድኦ እዩ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ክለዓል እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ሓደ “ወተሃደራዊ ሓይልኸ ኣለዎምዶ?” ዝብል ምንባሩን ምዃኑን መልእኽቱ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ። እቲ “እንታይ እዩ ኣተሓሳስባኦም? ካብ ህግደፍ ዝፈልዮም እንታይ እዩ? ከምቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠለመ ከይጠልሙናኸ እንታይ ውሕስነት ኣለና?   ንዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ተገዳስነት ዘይምሃብ ድማ ካልእ ገጽ ናይቲ ህግደፍ ዘስረጾ ዓመጸኛ ኣረዳድኣ እዩ። ናይ ህግደፍ ኣገባብ  ኣተሓሕዛ ሓሳባት ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ኣካላት፡  ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ኣብቲ መሰረታዊ መምዘንታት ንከየተኩር ዝገብሮ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ኣለዎ። ተመኩሮ ጉጅለ 15ን ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገድን ድማ ኣብዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ኣብ ርክባት ናይ ዝተፈላለየ  ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት “ክትህብ እምበር ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን” ሓደ መርኣያ ናይቲ ከጸግመና ዝጸንሐ ባህሊ “ሰዓራይን ተሰዓራይን” ኣፈታትሓ ፍልልያት  እዩ። ናይዚ መንቀሊ፡ ከኣ ነቲ ሃገራውን ህዝባውን ናይ ለውጢ ዕማም “በይነይ ከተግብሮ እኽእል እየ” ዝብል ጽበትን ትዕቢትን እዩ። ከምቲ “ተመሊስካ እትረድኦስ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ”  ዝበሃል፡ ንስኻ  ብዘይብእኡ ዘይኮነልካ፣ ንሱ እውን ብዘይበኣኻ ንዘይኮነሉ ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ተቐርቦን ትሓቑፎን ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክትንጽሎ  ናይ ምድላይ ስምዒት ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸዋግ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምጥሓል  ድማ ብዓቕሚ ንዘይምሕያል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ጸላእቲ እትንኪ ጸላእቲ ዝዕድም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብውሕዱ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መረሓሓቕን ግጉይን ግንዛበ ንወጽእ ምህላውና  መጻኢና ትስፉውን ብሩህን ምዃኑ የመልክት።

ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ተመዓዳዲኻ ጉዕዞ፡ ከም ዝደላለ ዝተረደአ ይመስል ኣሎ። ናይ ሓሳብ “እንካን ሃባን”  ባህሊ ኣጥሪና፡ ክቐርበና ክንጽበ  ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ክንቀርብ እሞ ኣብ ማእከላይ ቦታ ክንራኸብ ከም ዝግበና ተገንዚብና፡ ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ዋጋ ክንከፍል ቅሩባት ምህላውና ኣውንታዊ ምልክታት ይረአዩ ምህላዎም ክዕቀብ ዝግበኦ ትስፉው  መጻኢ  እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘሰማመዓካ  ንምርካብ ዝግበር  ዳህሳሳትን ዘተታትን ቀጻሊ ኣሎ። ምምስራት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ፖሓኤ” ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እወንታዊ  ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ። 

Last modified on Tuesday, 27 August 2024 10:29