ኣብ ዝሰፈሐ ኤርትራውነት ንዕሰል

2024-09-03 21:10:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 324 times

ኤርትራ ካብ እትግለጸሉ ሓደ  ብዙሕነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና እዩ። እዚ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መርአይ እውን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ኳ ልዕሊ 80 መግለጺ ብዙሕነት  ቋንቋታትን ባህልታትን ኣለዉ። ብደረጃ ኣፍሪቃ እንተርኣናዮ እውን ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ቋንቋታት ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ዓለምና ድማ ልዕሊ 7 ሺሕ ቋንቋታት ከም ዝዝረቡ ይዝንቶ። ብዘይካቶም ተፈጥራዊ መለለይ፡ ካብቶም ንብዙሕነት ኤርትራ ዝገልጹ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን ብኣብነት  ዝጥቀሱ እዮም።

ኤርትራውያን ነቶም ብዙሕነቶም ዝገልጽሎም መለለይታቶም ናይ ምኽባር፡ ምስዓብን ምዕባይን መሰል ኣለዎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ቅዋም ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል ዝወሃቦም እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብዝሰፍሐ ዝእክበናን ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘረጋገጽናዮን ሰፊሕ ኤርትራውነት ብዘደልድልን ዝምእዘዝን እምበር ብዝጻባእ ክኸውን ከምዘይግባእ ክንግንዘብ ግድነት እዩ። ምኽባርን ምዕባይን ናይዞም መግለጺ ብዙሕነታት፡ ከም ባህ ዝበለካ ብፍኑው ዝትግበር ዘይኮነ፡ ዝተሰነደ ንብዙሕነታዊ ሓድነት  ኤርትራ  ዘንጸባርቕ ቀጥዕታት ክህልውዎ ይግባእ።

ንኣብነት ብቋንቋና ክንጥቀምን ከነማዕብሎን ክንብል እንከለና፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እንኽተሎ ቀጥዒ ክህልወና የድሊ። እዚ እንምረሓሉ ቀጥዒ ከኣ ነቶም ብደረጃ ሃገር እንሰርሓሎምን እንራኸበሎምን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት እንህቦም መንግስታዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ንኣብነት ዓረብኛን ትግርኛን ብዘይጻረር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡውን እምነታትና ነናተን መንፈሳዊ ናይ ኣተገባብራ ስርዓትን ምምሕዳርን ክህልወን ዘይስገር እዩ። እዚ ስርዓተን  ነቲ “ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ኣይተኣታተዉን” ዝብል ኣምር ዘይሰሓተ ይኽውን። ትካላት እምነት ምስ መንግስቲ ዝህልወን ዝምድና፡ ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን ኣትዩ ኣንጻር ዝምረሓሉ ቀኖና ዝዘርግ ዘሎ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት መእምናን መንገዱ ንኽሕዝ ዝቃለስሉ ዘለዉ፡ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ክኸውን ይግበኦ። ኣውራጃታትና ኣብ ትሕቲ ብቅዋም ዝውሰን ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ነናትን ልምዓት፡ ዲሞክራሲን ጸጥታን ዘረጋግጻሉ ብደረጀአን መምሓደሪ ሕጊ ክህልወን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕገን  ናይቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅዋም መተግበርን ደጋፍን እምበር ተጻራሪ ክኸውን ከም ዘይግበኦ መሰረታዊ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። ኣተሓሕዛና ኣብቲ ካልእ መግለጺ ብዙሕነትና እውን ብኸምዚ  ዝተሓዝ እዩ ክኽውን ዝግበኦ።

ካብዚ ወጻኢ ንኹሎም መግለጺ መንነትና ዝኾኑ ብዙሕነት  እነመሓድረሉ ኣገባብ፡  ነቲ ከም መላእ ኤርትራውያን  ብዝሰፍሐን ዝለዓለን ደረጃ እንምረሓሉ  ኤርትራዊ ቅዋም ብዝጻረር ክንሕዞ እንተፈቲና ሳዕቤኑ ኣሉታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተግባር  ዘጋጥም ኣሉታ፡ ሓድነትና ይልሕልሕ፡ ምሉእ ቆላሕታ ቃልስና ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ወጽዓን በደልን ህግደፍ  ዝኸውን፡ ኣብ ሕድሕድና ምጥምማት የስዕብ።  ምትእምማና ይንኪ። ነዚ  ምድኻምና ዝተዓዘበ ጸላኢና ከኣ ፍልልያትና  ብምግፋሕን  ሓድነትና  ብምድኻምን፡ ናይ ኩልና ጸላኢ ክነሱ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ድማ ወይለኻ” እናበለ ንክኸፋፍለና ዕድል ይረከብ። ድሕሪዚ ምድኻም ዝመጽእ፡  ዘይምዕዋት ከም ዝኸውን ድማ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ ሓደ መልክዕ ቃልስና፡ ንሕና ክንእከብ ጸላኢና ከኣ ንኽብትነና ዝገብሮ ጻዕሪ ዘሎ ምርብራብ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዚ መዳይዚ ንከፋፋሊ ውዲት ህግደፍ ምብዳህ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ንክንስዕሮ  መንገዲ ዝጸርግ እዩ።

ከምዚ  ዝኣመሰሉ ተመዓዳዲኻ ናይ ምርእኣይ ጸገማት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ክረአዩን ብቃልሲ  ክሰዓሩን ዝጸንሑ እዮም። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ጉዕዞ እንተጋጣሙ ዘገርም ኣይኮነ። ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና  ከከም ኣብመጻጽእኦም ክንስዕሮም ድልዋት ምዃን ግና መተካእታ የብሉን። ጸላእትና ክዕወቱ ዝኽእሉ ብብርተዐኦም ዘይኮነ ብሰንኪ ድኻምናን ምርሕሓቕናን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ነዚ ጠንቂ ድኽመትና ክኸውን ዝኽእል ድሕረትን ጽበትን  ንምስዋሩ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰዓቢ ምስልምናን ክርስትናን ኮይኑ፡ ሳላ “እምነት ናይ ግሊ ሃገር ድማ ናይ ሓባር” ዝብል ኣምር  ብግቡእ ተረዲኡ ብሓባር ዝተቓለሰ ታሪኽ ከም ዝዝሰርሐ  እናፈለጡ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ መንጎኡ ምርሕሓቕ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ከም ዝብሉ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ።  ይኹን እምበር፡ በዚ ተግባሮም ክንግረም ዘይኮነ፡ ውዲቶም ከነምክን ኢና ሓቢርና ክንቃለሶም ዝግበና።

ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ሒዛቶ ዘላ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ቅርጽን ስፍሓትን ውጽኢት መግዛእታዊ ምምሕዳር ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ኣውራጃታትና እውን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኻዊ ኣመጻጸኣ  የብለንን።  ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ካብ ሓደ ብዝሒ ናብቲ ካልእ ክሰጋገራ ዝጸንሓ እየን። ኣብዚ ሎሚ ዘለወን ብዝሒ ኣብ 1909 ከም ኢጣልያውያን ኣመሓደርቲ ብዝቐየስዎ ዝሓዘኦ፡ ምዃነን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር’ “THE DYNAMICS OF UNFINISHED AFRICAN DREAM- ERITREAN ANCENT HISTRY TO 1968” ኣብ ኣጥብል መጽሓፉ ኣስፊርዎ’ሎ።  መግለጺ ብዙሕነትና ኣብ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዝሰረጸ እምበር፡ ብደረጃ ኣውራጃታት ተሰሊዑ ዝተዓደለ ኣይኮነን።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣውራጃትና እቲ መግለጺ ብዙሕነታና ኣብቲ ነባሪ ህዝቢ ይንጸባረቕ። ኤርትራውያን ብኣውራጃን ካልእ መርኣያ ብዙሕነትን ከይተፈላለና፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኤርትራውነት ክንስለፍ እንከለና ከም እነድምዕን እንዕወትን  ተመኩሮ ቃልስና ምስክርና እዩ። ብኣውራጃን ዝኣመሰለን ብምክፍፋል  መሳርሒ  ጸላእትና ከይንኸውን ምስዓሩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ዘመዝገብናዮ ዓወት መሰረታዊ ምስክር እዩ። በዚ ዘይምክፍፋል ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዓወት ዘይድገመሉ ምኽንያት ድማ የለን። ህግደፍ ካብ እኩይ ሜላ ገዛእቲ ብዘይፍለ ህዝብን ውድባቱን ክፈላልየና ዝፍትን እውን ወሳንነት ሓድነትና ንውድቀቱ ስለ ዝርዳእ እዩ። ስለዚ ኣውራጃ ወሲኽካ ምንጽብራቕ ኩሉ ብዙሕነትና፡ ካብ ኣገዳስነት ምዕሳል ኣብ ዙርያቲ ዝሰፈሐ ኤርትራውነት  ወጻኢ ከይንቓንዮ ናይ ሓደራ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ነቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ግጉይ ኣተሓሕዛ ንኣውራጃ ከም ፖለቲካዊ መሳርሕን መሕብኢ ጸቢብ ድልየታትን ምጥቃም  ከኣ ከይሳዕረረ “ወጊድ” ክንብሎ ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 03 September 2024 23:14