ኣብ’ቲ ነንኣምነሉ ዓዓቕና ነበርክት

2024-09-10 18:57:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 234 times

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ነዊሕ ዕድመን ዝተፈላለዩ  መልከዓት ሒዙ ክጐዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ከምዚ ንክኸውን እቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ብጽሒት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ሓይልታትን  “ክንስማዕ ንኽእል ኢና ባሃልቲ” ወገናትን ‘ውን እጃም የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሕማቕ ታሪኽን ምስልን ህግደፍ ርሑቕ ከይከድና በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ “እዚ ይጐድሎ’ዩ ዘይበሃል” ኩለ-መዳያዊ ግህሰትን ጥልመትን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ድኽመታት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ድማ “ዓቕሙ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላኢኡ ዘድምዕ  ዓቕሚ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ”  ቅድሚት ዝስራዕ  እዩ።

ኣብ ሕድሕድ ውዳበ ደንበ ተቓውሞና መሰረታውን ዘይመሰረታውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣለዉ። ብዙሓት ውዳበታት ናይ ምህላዎም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ካብቲ ፍልልይና ነቲ ዘይመሰረታዊ ኢና  ንዘይምኽኑይ ምርባሕ ውድባት ጠንቂ ኮይኑ ኢልና እንነቕፎ። ምኽኑይ ፍልልያት ምህላዉን ብኣኡ መሰረት ብዝተፈላለየ መልክዕ ምውዳብናን ግና ናይ ምውዳብ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክዕወት ኣለዎ ዝባሃል ተወድዳሪ ሓሳብ ምቕራብ እምበር፡  ሓጥያትን ዕንቅፋት ቃልስን ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ውዳበታት ዝለዓለ ናይ ሓባር ሽቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ክንድኡ ህዝባዊ ስርዓት ምትካልን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ   ብዝሒ ውዳበታት ከም ዘየሰክፍ ጌርና እንጠቕሶ።

እቲ ዝዓበየ ሸቶና ናይ ሓባር ኮይኑ፡ ዘለና ፍልልይ ኣብ ኣወጋግናኡን ኣተገባብርኡን ዘትከለ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሓደ መዋጸኦ ነቲ ፍልልያት ናብ ሓደ ኣረዳድኣ፡ ኣወዳድባን ሓቢርካ ምስራሕን ምምጻእ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ከኣ በበቲ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን እናተሓጋገዝካን እናተኸባበርካን ተትኽእሎ ምግባር እዩ። ኣብዚ መስርሕ ከምቲ ርኢቶኻ ብኻልኦት ወገናት እንተኾነ ተቐባልነት ረኺቡ ክስራሓሉ እንተዘየሎ ከኣ ክኽበረልካ እትደልዮ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶን ኣተሓሳስባን  ናይ ምኽባር ግደታ ከም ዘለካ ምእማን መግለጺ ስልጡን ቃልሲ እዩ። ናይ ካልኦት ርኢቶ ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝወስድዎ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምትብባዕ እውን ኣካል ስልጡንን ውሕሉልን ኣመሓዳድራ ፍልልያት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ዘየለ ድኽመት ጠፋጢፍካ ብምፍጣር ወይ ነቲ ዓብይ ኣውንታ ጐሲኻ ንንእሽቶይ ድኽመት ኣተዓባቢኻ ነቓፋይን ተዓዛባይን ምዃን ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣቀራርባ ጽባሕ ንስኻ ንእትወስዶ ስጉምቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ክጸንሓካ ስለ ዝኽእልን፡ ውጽኢቱ ከኣ ተተሓሒዝካ መፍቶ’ቲ ንምጥርናፍና “ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ” ህግደፍ ምዃን ስለ ዘስዕብ።

ኣብዚ እዋንዚ “ከመይ ጌርና ተጠርኒፍና ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘድምዕ ዓቕሚ ንፈጥር? ” ዝብል ሕቶ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህጹጽ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝላዓል ዘሎ ኣጀንዳ እዩ።  እዚ ዛዕባ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝለዓል ዘሎ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ፡ ግና ከምቲ ዝድለ ዘየዕወትናዮ እዩ። እዚ ማለት ግና ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝቐሰምናዮ ተመኩሮ የለን ማለት ኣይኮነን። ሎሚ እውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ ነናቶም ሓሳብ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ርኢቶኦም ተቐባልነት ንክረክብ ኣብ ጽዕጹዕ ምንቅስቓስ ኣለዉ። “ዜጋ ተኮር ኮይኑ፡ ናይተን ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት’ውን ኣባላቱ ዝኾንሉ ምጥርናፍ ምፍጣር፡ መሰረቱ ኣውራጃ ተኮር ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ስደት ምፍጣር፡ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ምምስራት …… ወዘተ” ዝብሉ ካብቶም ኣብ መድረኽ ዝዝተየሎም ዘለዉ  ምርጫታት እዮም።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክሳብ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ካብዞም ምርጫታት ከም ዘይረዓሙ ኣብ ባይታ ዘሎ ምልክታት ይምስክር። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እቲ ንምቅርራብ ዝግበር ቃልስን ምክብባርን ቀጻሊ ኮይኑ፡ በቲ እትኣምነሉ ምርጫ ክስዕብዎ ንዝደልዩ ኣፍደገ ከይዓጸኻ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ሓያል ጻዕርን ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ከኣ ብመንጽርዚ ብኣወንታ ክረአ ዝግብኦ ተበግሶ እዩ። እቲ ብብዙሓት ወገናት ዝግበረሉ ዘሎ ምትብባዕ ከኣ ከም ሓደ ካብ ተመኩሮና ዝተመሃርናዮ ጸጋ ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ጉዕዞ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ክለዓል እንከሉ፡ ወትሩ ዝጥቀስ ጉዳይ ተመኩሮኻ ተመሊስካ ምግምጋም እዩ። ዕምቆት ገምጋም ዝምድናዊ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ግና ኣስታት 13 ውድባት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2013 እኹል ግዜ ወሲዶም ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዶም “ፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ዘይምውናን፡ ኣብ ዝተሓቱ ነጥብታት ተሰማሚዕካ ዘይምስራሕ፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ ምእዙዝ ዘይምዃን፡  ውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ምቕዳም፡ ናይ ምግላል (exclusion) ፖሊሲ ምኽታል፡ ዘይግሉጽነትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን”  ዝርከብዎም 21 ድኽመታት ዘመዝገብሉን ዝተማህርሉን ተመኩሮ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ውድባት ኣብ ውሽጠን ዘካይደኦ ገምጋም’ውን ኣለወን። ስለዚ እዚ ገምጋማት ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ኣተሓሳስባ  ምክብባርን ምድምማጽን ኣስተዋጸኦ ኣየበርከተን ማለት ኣይኮነን።

ዝተረዳድኡ ኣካላት የዕውተና እዩ ብዝበልዎ መንገዲ ክጠራነፉ እንከለዉ፡ ናይ ምውዳብ መሰሎም ብምጥቃሞም፡ “ስለምንታይ ንምርጫና ምርጫኹም ዘይገበርኩምዎ” ብዝብል፡ ዕንቅፋት ክትኮኖም ሓጋዚ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን ሓደገኛነት ምጥልላፍ ብምግንዛብን ኢና ድማ “ኣብቲ ነንኣምነሉ ዓዓቕና ዘይነበርከት”  እንብል ዘለና።

ዕላማ ቃልስና ኮነ ምምስራት ጽላል ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ቅድሚት’ኳ እንተዘይሰራዕናዮ፡ “ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ዘመላኸተ ክኸው ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ካብ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ወጻኢ ስለ ዘይረአ “ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብመንን ብኸመይን ትምራሕ? ናይ ሽዑ ግደና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን?”  ኣብ ዝብል ከሎ ጋና እምነትካ ምንባርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን ተወዳዳሪ ምዃንካ ምምልካት’ውን ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሕዳር ህርፋን ስልጣን ዘመልክት ዘይኮነ ኣብ “ሽዑ ነርክበሉ ሕጂ ንኺድ ጥራይ” ዘይንጥልጠል ቅኑዕ ዋሕዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ዝእምት ስሩዕን ዝተጸንዐን ባይታ ምንጻፍ ኣገዳሲ እዩ። ፖሓኤ ከኣ ብርኢቶኡ ነዚ ሕቶታት’ዚ መልሲ ይኸውን’ዩ ዝበሎ እዩ ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዘሎ።

ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምምስራት ጽላል ዘየዕወተ ተመኩሮና ከሰክፈና ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝብል ምስላ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እምበርከ እቲ ፈተነታት ምምስራት ጽላል ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ፡ ነቲ ጽላል ኣብ ምስሳይ ዝነበሩ ነፍስ-ወከፎም ግደኦም እንታይ ከም ዝነበረ ተመሊሶም ክሓስብሉዶ ኣይግባእን እዩ።   ድሕሪቲ ተደጋጋሚ ፍሽለታት ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ካብ ተመኩሮኻ ምምሃርን ከም ዝህሉ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ እውን በቲ መንገዲቲ እንተሰጒምና ክንፈሺል ኢና ኢልካ፡ ምስ ኩነታትናን ንቡር ኣተሓሕዛ ኣብዘሓ ውድባትን ብዘየሳኒ ክሳብ “ውድባት ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወታ ኣየድልያን እየን” ዝብል ተመጢጥካ፡ “ዝተኣከበ በቲንካ፡  ክትእክብ ምፍታን  ውሕሉልን ዘዋጽእን ምርጫ ኣይኮነን።

ውድባት ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን ፈጢረን ዝተሓናፈጻ፡ ነናተን ነጻነት ሃልይወን ኣብቲ ዘሰማምዓሉ ብደረጃ ጽላል ብሓባር ከም ዝቃለሳ ምግባር፡ ብዙሓት ዝተዓወትሉን ዝሰርሕሉ ዘለዉን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ጽላል ይኹን ካልእ ጥርናፈ እተዘይተዓዊቱ’ውን  እቲ ናይ ዘይምዕዋት ጠንቂ እቲ ናይ ምጥርናፍ  ኣገባብ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ፖለቲካዊ ኣካላት ዝሕተትሉ እዩ ዝኸውን።

Last modified on Tuesday, 10 September 2024 21:15