ፈውሲ ሕንኪ ዝወሓጠ ጉጅለ

2024-09-13 13:10:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 195 times

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ብሚኒስትሪ ፍትሒ ዝተወደበ  ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር ዜና ኣብ ጸቢብ ክሊ ክዘውር ተዓዚብና። ብመሰረቱ ኣብታ ካብ ጉጅለ ናብ ውልቀሰብ ተንቆልቁል ዘላ ትካል ህግደፍን፡ ብናይ ሓሳብ ዕጽዋ ትሳቐ ዘላ ኤርትራን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ተፈጢሩ ምባሉ ዘደንጹ እዩ። ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾውን ድማ ኣጀንዳ ናይቲ ርክብ ምይይጥ ብዛዕባ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝብል ምንባሩ እዩ።

እቲ ኣጋጣሚ ኣዛራቢ ዝኸውን እቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ዘይንቡር ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እቶም ዝተጠቕሱ፡ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብሉ ኣምራት እዋናዊ ስለ ዘይኮኑ’ውን ኣይኮነን ኣገራሚ ዝኸውን። እቲ ዝያዳ ኣዛራብን ዘደንጹን ዝገብሮስ፡ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ጀሆ ሒዙ ዘማስኖም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ረጥሪጡ  ደገ ደገ ዘማዕዱ እንከሎ፡ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምጥጣሩ እዩ። እቶም በቲ ኩነታት እናተገረሙ፡ ነቲ ተረኽቦ መዛረቢ ዝገብርዎ ከኣ ኤርትራ፡ ሕገመንግስቲ ዘየብላ፡ ተሓታትነት ዘለወን ትካላት መንግስትን ሓቀኛ መስርሕ ፍትሕን ዝተነፍጋ፡ ህዝባ ብዝመረጾ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘየብሉ፡ ናይ እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽ፡ ምንቅስቓስን ሕውዳብን ነጻነት ዝበኾራ፡ መንገዲ ህውከትን ውግእን ብዘቐድም  ግሉጽነት ብዘየብሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም እትምራሕ ዝፈልጡ  ወገናት እዮም።

ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድራማ ክዋሳእ ዝመረጸ፡ ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ ናይ ሓሶት ምስሊ ለቢሱ   ንምቕራብ ዝመሃዞ እዩ። እንተኾነ ሓቀኛ ጸረ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መስልን ምስሊ ህግደፍ  “ሓቢእካ ክትሓብኦ” ኣብ ዘይከኣለሉ ጽፍሒ ካብ ዝበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “እዝኒሲ ንዋናኣ ጓና እያ”  ከም ዝበሃል፡ ነቲ ባዕሉ ጠፋጢፉ ዘቕርቦ ሓሶት እምበር፡ ነቲ ብኻለኦት ዝበሃሎ ዘይራኣዮን ዘይሰምዖን ከይከውን ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ።  ኤርትራ ብሰንኩ፡ ኣብ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ዝወጽእ ናይ ሕመቕን ድሕረትን ዝርዝር ኣብ ቀዳሞት  እያ እትስራዕ ዘላ።

ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ  ሎሚ’ኳ ይተርፍ ኣሎ እምበር፡ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝኸፈአ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ  ዝሓፍርን ከመሓይሽ ዝፍትንን፡ ኣፉ መሊኡ “ብዛዕባ ፍትሒ ዝዛረብ መድረኽ ከፊተ” ምባሉ፡ የገርም። ውጽኢቱ ግና  “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ”  ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ንዓኡ ዘቃለዖ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምስዚ ግና ዕሉል ጸረ ፍትሕን ጸረ ጥጡሕ ምምሕዳርን  ክነሱ፡ ክንዲ “ፍትሒ፡ ምዕባለን ጀኦ-ፖለቲካን”  ዝኣክል  ዓብይቲ ጉዳያት ኣብ ቅድሚ’ቲ “ኣፉ ለጒሙን ኢደ-እግሩ ኣሲሩን” ዝድህኾ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክወራዘ ምሕላኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘመልክት እዩ። እቲ ንዕቀቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዞባ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ንካለኦት ምንዓቕን ምንእኣስን እውን የርኢ። እዚ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ዝነዓቕ እምበር ንካለኦት ክንዕቕ ዘኽእሎ  ሞራል ዘየብሉ ምዃኑ ዝርዳእ ከምዘይኮነ ዘገንዝብ እዩ።  ምናልባት እቶም ኣብ ዘይምልከቶ እናኣተወ  ሃተፍተፍ ክብል እንከሎ ንዒቖም ዝገድፍዎ፡ ዝፈርሕዎን ዘኽብርዎን ይመስሎ’ውን ይኸውን።

ኣብዚ ወይዘሮ ፎዝያ ሓሽም ብእትመርሖ ስማዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ተወዲቡ፡ ሰለስተ መዓልታት ጸኒሑ ዝተባህለ ዋዕላ፡ ካብ ሰነጋል፡ ኢትዮጵያ፡ ሊባኖን፡ በልጅም፡ ፈረንሳን ኒካራጉዋን  ተሳትፎሞ ዝተባህሉ  ኣካላት፡ ካብ ተመኩሮ ህግደፍ ብዛዕባ ፍትሕን ዕቤትን ዝቐስምዎ ተመኩሮ ከምዘይህሉ ይስሕትዎ እዮም ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን። እንተኾነ ምናልባት ደኾን “ናትና ተመኩሮ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪብና ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ንቕይር ንኸውን” ዝብል ተስፋ ወኒኖም ይኾኑ። ኮይኑ ግን ህግደፍ ኣብዚ ኣትይዎ ዘሎ ድሕረት ዝወደቐ፡ ሰኣን ተመኩሮ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ጨካን ባህሪኡ፡ ናብ መንገዲ ደሓን ናይ ምምላስ ዕድሉ ዘብቀዐ  ጉጅለ ስለ ዝኾነ እዩ።

ናይቲ ዋዕላ ዕማማት ተባሂሎም ካብ ዝተጠቕሱ ካለኦት ነጥብታት፡ “ናይ ኤርትራ ቀጻሊ መስርሕ ዕቤት ምግራሕ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ። ብግብሪ ግና ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ወገሐ-ጸብሐ ዘይትግበር ባዶ መብጸዓታት ምእታውን ካዛና’ቲ ጉጅለ ምህጣርን እዚ እዩ ዝበሃል፡ ዝግራሕ ኮነ ዝቕለስ ህዝቢ ዝርብሓሉ፡ መደባት ልምዓት የለን። ብመሰረቱኸ ናይ ገዛእ ዜጋታቱ ኣብ ምልማዕ ሃገሮም ዘለዎም መሰል ኣብ ዝተነፍገግሉ ሃዋህው፡ መስርሕ ልምዓት ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣል ድዩ። ዜጋታቱ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንገዛእ ርእሶም ተጠቒሞም ሃገሮምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ብዘይፈቅድ ጸቢብ ጉጅለ፡  ኣብ እትምራሕ ሃገር ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ እተብሃግ ክትከውን ከኣ  ዘይሕሰብ እዩ።

ተበዲልካ መሰልካ እትሓተሉ መስርሕ ፍትሕን ድሕንነትን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ደፊሩ ገንዘቡ ዘፍስስ ኣውፋሪኸ ከመይ ኢሉ ይህልው። እቶም ቅድሚ ሕጂ መሲልዎም፡ ገንዘቦም ከውፍሩ ዝፈተኑ’ሞ ዝተጠልሙ ኤርትራውያን፡ ዓው ኢሎም’ኳ እንተዘይተዛረቡ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጣዕሳ ከም ዝወደቑ፡ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ኣብ ርእሲዚ መንእሰያታ ብሰንክ’ቲ “መንግስቲ እየ” ዝብል ጉጅለ ስለ ዝተሰዱ ብቑዕ ሓይል ሰብ ኣብ ዘየብላ፡ ቀረብ ማይ፡ ጸዓትን ኢንተርኔትን ወሲኽካ፡ መሳለጥያ መራኸብን ነጻነት ምንቅስቓስን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ዋዕላ ተኻይዱ ዓውደ መጽናዕቲ እንተተደግመ ኣውፈርቲ ምስሓብ ኣይክኣልን እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ኣብ ባንክ ኤርትራ ዘቐመጥኩዎ ገንዘበይ ተዘሚተ” ክብል ዘውጸኦ መግለጺ ጥራይ እንተወሲድካ ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ገንዘቦምን ንዋቶምን ከየፍስሱ ዓብይ መጠንቀቕታ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ብዕቤት ኣፍሪቃን ዞባዊ ምትእስሳርን” ዝግደስ ኮይኑ ክቐርብ ዝፍትን ህግደፍ፡ ካብቲ ዘለዎ ሓንካሪ ባህሪኡ ነቒሉ፡ ካብ የመን ክሳብ ጅቡቲ፡ ካብ ኮንጎ ክሳብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝነበሮ ኣዝዩ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጡ፡ “ፈውሲ ሕንኪ ውሒጡ” ጐይታ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመስል ምፍታኑ ዘተዓዛዝብ እዩ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ናይ ቻይና መገሽኡ ክምለስ እንከሎ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፡ “ብዛዕ ዞባና ክትሓስብ እንከለኻ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ኢልካ ምጥቃስ ትርጉም የብሉን፡ ምኽንያቱ ስለ ዘየለዉ” ምባሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ እግርን ኮበሮን በበይኑ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዘርኢ። ኢጋድ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትእኽኻብ ምዃኑ ዘይቅበል ወይ የለን ኢሉ ዝኽሕድ ኣካል ዝመርሓ ኤርትራ እያ እምበር፡ ብጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትግደስ መሲላ ብፎዝያ ሃሽም  ብዝተወደበ ዓውደ-መጽናዕቲ ዞባዊ ጐስጓስ ኣካይደ ትብለና ዘላ። 

                                               

Last modified on Friday, 13 September 2024 15:34