ኣብ ሎሚ ኮይና፡ ብዛዕባ ጽባሕ

2024-07-31 22:18:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 366 times

ኤርትራውያን ናይ ሓርነት ተቓለስቲ ኣብ ቅድሜና ዓበይ ዕማም እዩ ዘለና። ዕማምና ብሓፈሻ ክግለጽ እንከሎ፡ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ኣብ ክንድኡ ምዕዋት ምዕዋት ዲሞክራሲ እዩ። እዚ መስርሕ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለዉዎ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ዝተፈላለዩ ገጻትን ብድሆታትን ዝሓቖፈ ከከም ግዝይኡን ኩነታቱትን ምትንሳእን ምውዳቕን ኣይፍለዮን። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘርኢ።

እዚ ዓብይ ዕማም፡ ናይ ብዙሓትን፡ ብብዙሓትን ዝስራሕ፣ ንብዙሓት ድማ ዘርብሕ እዩ ኢልናዮ ኣለና። ኣብዚ መስርሕ ናይ ብዙሓት  ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ዓቕምኻ ምውዳብ መሰረታዊ ቅድመ-ተደላይነት ዘልዎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ምውዳብ ኣካል ናይቲ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ቃልስና ኮይኑ ዝምዝገብ። ኣወዳድባ ከከም ዕላማ፡ ቅሩብነትን ምርጫን ናይቶም ዝውደቡ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ካብቶም ልሙዳት ኣወዳድባታት ፖለቲካዊ ውድብን ሰልፍን ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ብደረጃ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምውዳብ እውን ኣብቲ መስርሕ ነናቶም ግደ ዘለዎም ምጥርናፋት እዮም። ምውዳብ ናይ ሓባር ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዕላማ ስለ ዘለካ ዝግበር ታራ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከከም ጠባይ ናይቲ ውደባ ክመዝንዎ ዝግበኦም፣ መዐቀኒታትን ቅጥዕታትን ኣለዉ።

ኣብ ምውዳብን ምልዕዓልን መበገሲኻ ምንጻርን ኣማዕዲኻ እትርእዮ መዓርፎ ምእማትን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሓፈሻዊ መልክዕ እንተኾነ እውን ናይ ቀረባን ርሑቕን ራኢኻ ኣብ ግምት ዘእተወ እስትራተጅን ስልትን ምስኣል  ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብወግዒ እተጽድቐሉን መጻኢኻ እትእውጀሉን ዕላውን ሕጋውን መድረኽ ምድኳን የድሊ። ንከምዚ ዝኣመሰል ዕማም ጉባአ ሓደ ካብቶም ልሙዳት መድረኻት እዩ። ኣብዚ መስርሕ ብፍላይ ፖለቲካዊ መልክዕ  ውዳበ፡ ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ኣካላት ናይቲ ውዳበ ጠርኒፉ ዘወሃህድ ቅዋም፡ ኣብ መስርሕ ምትግባር መደባት ዝወዳደሩ ዘይኮኑ፡ ዝመጋገቡን ሕድሕዶም ዝቆጻጸሩን ሓገግቲ፡ ፈጸምትን ፈረድትን ኣካላት፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምረጽን ዝወርድን ነቲ  ዕማም ዘተግብርን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ፡ ዝሕተትን ፖለቲካዊ መሪሕነት፡  ንፖለቲካዊ ሕጋዊ ውድድር ድልዊ ምዃንን ዝኣመሰሉ ቅሩብነታት ዘሳሲ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ብዝሕን ብቕዓትን ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣድላይ ምዃኑ ኣየዘራርብን’ዩ። እቲ ወሳኒ መሰረታዊ መምዛኒ ግና፣ ናይቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝሕንጽጾም መድረኻዊ ፖሊሲታትን ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ምሉእነትን ንጹርነትን እዩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ መደብ ዕዮ ወኒኖም ንሓላፍነት ዘይወዳደሩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ካብቲ ዝምረሓሉ ብጉባአ ዘጽደቖ መስመር ከይወጸ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ከተርንዕ ዝሕግዙ፡  ህዝቢ በቲ ብስሙ ዝንቀሳቐስ ውዳበታት ንከይጥለም፣ ዘኽእሎ ዓቕምን ንቕሓትን ንክውንን ዘበራብሩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ምዕቃብ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ክብርታትን ዝጽዕቱ፡ ምስ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝተሃላልኹ ዘይኮኑ፡ ዝመላልኡን ሚዛን ንምሕላውን ዝቆጻጸሩን ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን እውን፣ ነብሱ ዝኻኣለ ግደ ዝጻወት ኣገዳሲ ውዳበ እዩ። ኣብ ኩሎም እዞም ውዳበታት እቲ ዋና ተዋሳኢ  ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ፣ ምስ መን ከም ዝውደብ ብናጽነት ንክውሰንን ይሕሸኒ እዩ ዝብሎ ንኽሓርን፣ እተን ፖለቲካዊ ይኹና ሲቪላዊ ውዳበታት ዕላመአን እንታይ ምዃኑ ብንጹርን ግሉጽነትን ክገልጻሉ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ።

ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ብደረጃ ውዳበ ጸኒሕካ፡ ኩነታት መዚንካ ናብ ሲቪላዊ ማሕበር ምስጋር ምናልባሽ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ጸኒሕካ ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ምድያብ እውን ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ምስግጋራት ግና ብመጀመርታ ነቲ መሰረታዊ መስርሕ ኣውዳድባ ክኽተል ኣድላይ እዩ። ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ንከይደናገር እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብግሉጽነት ከም ዝፍለጥ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ውድብ ድዩ ምንቅስቓስ ምስ ህዝቢ ዘላልዮ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ተግባራት ፖለቲካዊ ውደባን ዕማማት ሲቪላዊ ማሕበራትን እናደባለቕካ ምጉዓዝ፡ ነቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ኮነ ንህዝቢ ስለ ዘደናግር ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ክንግዘቦ ዘድሊ እዩ። እዚ ካብቲ ዝፈጥሮ ናይ  ህዝቢ ምድንጋ ንላዕሊ፣ ኣብኡ ተሰግሲጎም ንምፍራሱ ዝሰርሑ ክጽፈዩ’ውን ዕድል ዝኸፍት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደቤታት መነመን እየን?” ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ከ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ብቐሊሉ መልሲ ምርካብ ከም ዘጸገም ፍሉጥ እዩ። ካብቲ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ናይቶም ኣካላት ኣበየናይ ደርጃ ውዳበ ከምዘለዉ ዘየነጽሩ ምዃኖም እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ምውዳብ ናይ ምርጫ እምበር ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓት መምዘኒ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም እቶም ኣባላት  ውድባትን ሰልፍታትን ምዃን ዝመርጹ ዝያዳ ፖለቲካዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለዎም፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝውደቡ ከኣ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ጌርካ ዝውሰድ ግጉይ ተረደኦ ኣሎ።

ከምቲ ቃልስና ምዕራፋት ኣለዉዎ ዝበልናዮ፡ ቀንዲ ቆላሕተና ኣብቲ ናይ ሎሚ  ምትኳር ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፍናዮ ምዝካርን ንጽባሕ እንሓስቦ ምእማት ድማ ኣድላይ እዩ። ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማት ተመጋገብቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ንሓደ ኣካል “ንኺድ” ክትብሎ እንከለኻ “ናበይ?” ምስ በለካ  ሕቶኡ ብግቡእ ክትምልሰሉ  ዘይስገር ግደታ እዩ። ኣብ ኣመላልሳ ናይቲ ሕቶ ቀይሕ መስመር ሰጊርካ፡ ኣብ ንህዝቢ ዝምልከቱ  ጉዳያት ኣቲኻ ኣብዘይህልውንኡን ተሳትፍኡን ከይትውስን ምጥንቃቕ የድሊ። ካልእ ናብ ናይ ጽባሕ ነቋመት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ቀዳምነት ከየድማዕካ ነጢርካ ናብ ጽባሕ ጥራይ  ምምዕዳው ማለት ኣይኮነን።፡ “ናይ ሎሚ ንግበር ናይ ጽባሕ ሽዑ ነርከበሉ” ካብ ዝብል ስምዒት “ንኺድ ጥራሕ” ካብ ምባል ክንጥንቀቕ ናይ ግድን እዩ። “እስኪ ከምዚ ንግበር”  ክትብል እንከለኻ፡ “ጽባሕከ ናብይ ንምብጻሕ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን የድሊ። እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኣብዚ ኣዝዩ ተሃዋስን ተመዝማዝን ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምስ ከባቢናን ጐረባብትናን ኣብ እንሓስቦ ዝምድናታት ብግቡእ  ከነቕልበሉ ካብ ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Thursday, 01 August 2024 00:23