ህዝባውን ትካላውን ሰረት ዘይብሉ

2024-07-28 08:04:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 294 times

ኣሉታዊ ተግባራት ህግደፍ ካብ ምዝርዛር፡ “ዋላ ሓንቲ ጣቋ የብሉን” ኢልካዮ ምሕላፉ ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ናይቲ ኢንታታቱ መንቀሊ ኣካይድኡ ህዝባውን ትካላውን ሰረት ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝወስዶም ዘቤታዊ ስጉምትታት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታቱ’ውን ክረአ ዝጸነሐን ዘሎን እዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብዛዕባ ቅዋምን ኣድላይነቱን ክሕተት እንከሎ፡ ዝህቦ መልሲ ኣብ ሕጫጨን ምንእኣስን  ህዝብን መሰላቱን ዘድሃበ እዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1997 ጸዲቑ ዝበሃል እሞ ኤርትራዊ ወገናት “ቅዋም ይተግበር” እናበሉ ዝጭርሕሉ ሰነድ ክሕተት እንከሎ ዝሃቦ ዘገርም፡ “እቲ ሰነድ ከይተተግበረ ሞይቱ እዩ” ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ፡ ካብቲ ብዙሕ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ብጽሒት ከም ዘየብሉ ኣምሲሉ ዝገለጸሉ ዘይሓላፍነታዊ ተረኽቦ እዩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘርኢ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ዝወጸ ቀይዲ በተኽ ምዃኑ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ቅዋማውነትን ዝብሉ ብቃልን ተግባርን  ዝተሓረሙ ምዃኖም ተኸቲሉ፡ ብደረጃ እቲ ስማዊ መንግስቲ ይኹን ግንባር ጉባአ፡ ባይቶ’ ፈጻሚ፡ ፈራዲ፡ ……ወዘተ ዝብሉ ትካላውነት ዘመልክቱ ኣምራት ኣይስምዑን እዮም። እዚ ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጭቆናን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተሓረማን ኮይና ከምዘላ የርኢ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ልዕሊ 30  ዓመታት ኣብ ምልኪ ሓደ  ውልቀሰብ” ዝብል ዘስደምም መደምደምታ የመልክት። እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ካብቶም ዝተጠለዉ‘ውን ከይተረፉ ደድሕሪ’ቲ ዝጠለሞም ጉጅለ ዘዳኽሩ ምዃኖም እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ተመኩሮ እገለ እትበሃል ሃገር ዝተራእየ ብዘይበሃል  ኩሉ መሰላቱ እናተጋህሰ፡ ስለምንታይ ድምጹ ኣበሪኹ ዘይቃወምን ዘይሓትትን?” ዝብል ሕቶ ብቐጻሊ ዝለዓል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ዝሰማመዓሉ መልሲ፡ ኣብ ኤርትራ በቲ ጉጅለ ዝተፈጥረ ዘይምትእምማንን ሓያል ናይ ስለያ መርበባትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ዝቕየደሉ ህዝባዊ ኣፍልጦ  ዘለዎ ቅዋም ብዘይምህላዉ ከም ድላዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክዕንድር ዕድል ሂብዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅል መንግስታዊ ተሓታትነት ኣብ ዘየብሉ ቀይዲ በቲኹ ንክዕንድር ዘተባብዖ ዘሎ።

እዚ ቀይዲ በተኻዊ  ባህርያት ህግደፍ፡  ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዝምድናታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን ዝረአ እዩ። ህግደፍ ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዝገብሮም ዝምድናታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣብ ግምት ዘየእትዉ፡ ኣብ ዙርያ ትካላት ቁጠባ ህግደፍ ጥራይ ዘኹድድ እዩ። ህግደፍ ዝገብሮም ስምምዓት ኣርሒቖም ዘይጥምቱ፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኣብ “ዝመንጠልካ መንጢልካ ምዕዛር” ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተራእዩ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቁጠባዊ ስምምዓቱ ብትካላት ዘይኮነ፡ ብናይቲ ጉጅለ ገንዘብ ኣዋፈርቲ ባእታታት ዝተቓነየ ኮይኑ፡ ካብ ኮንትሮባንዳዊ ባህሪ ዘይተናገፈ እዩ። እዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዝምድናታቱ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ ዝተራእየ እዩ።

ዝምድና ብረብሓ ስለ ዝዕቀን ዝወርድን ዝድይብን ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትኡ ናይ ህግደፍ ዝምድናታት ግና ምስቲ ዘይግሉጽ ኣካይድኡ ተጀሚሩ ከይተሰምዐ፡ ከም ዝተቛረጸ እዩ ዝውረ። እዚ ሓደ ካብ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብን“ ነቲ መን ሓታታይ ኣለኒ?” ዝብል ትምክሕቱ ዝንጸባረቐሉ እዩ። ዝምድናኡ ምስ ሱዳን እንተወስድና ንዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዶብ ክኸፍትሉ እንከለዉ ይፋቐሮም። ንግድና “ሕጋውን ትካላውን መልክዕ ነትሕዞ” ዝብል ሓሳብ ክቐርቦ እንከሎ ከኣ ዘሎን ዘየሎን ሕማቕ መልክዕ ኣትሒዙ፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝጐድእ ተርእዮ ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ጽልእን ውግእን የዕርጎ። ብመንጽርዚ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክሳብ ክንደይ በብግዜኡ ከም ዝዕጸውን ከም ዝኽፈትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና “ህዝባውን ትካላውን ሰረት ስለ ዘይነበሮ“  ከኸትሎ ዝጸንሐ ሳዕቤናት ናይ ውግእን ጥፍኣትን ኣሉታዊ ተመኩሮ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። ህግደፍ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ዝጥቀመሉ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሽኮር፡ ቡን፡ ሰሊጥን ወርወር ቀላሚጦስን ናብ ወጻኢ እንዳለኣኽ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረኽበሉ ዝነበረ እዋን ነይሩ እዩ። ብዙሓት ወገናት እቲ ኣካይዳ ትካላዊ ኣሰራርሓን ህዝባዊ ግሉጽነትን ዝበኾረሉ ስለ ዝነበረ ውጽኢቱ ሕማቕ ከም ዝኸውን ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ስምዕታኦም ገሊጾም’ዮም። እዚ ዘይውሕሉል ዝምድና፡ ካልእ እውን ተወሲኽዎ ናይ 1998-2000  ዓለም ዘሰክሐ ደማዊ ውግእ  ኣኸቲሉ።

ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም ሃዋህው” ብ2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሓደሰ  ዕርክነት’ውን በቲ ናይ ቅድሚ ውግእ 1998-2000 ዝበረ ተመኩሮ ከይተማህረ እዩ  ደጊምዎ። እዚ ድማ ህግደፍ ባህሪኡ ከይቅይር ዝተዓጥቀ ህልኸኛን ዓመጸኛን ጉጅለ ምንባሩን ምዃኑን ዘርኣየ ነይሩ። ኣብቲ ሓድሽ ዕርክነት  ዝተራእየ ዳንኬራን ዕብድብድን ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ዝተዘርበሉ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይኮነን። እንተኾነ ኢሳያስ ከም ልማዱ ካብቲ ናይ ትግራይ ውግእ ዝመንጨተ መንጭቱ ክወጽእ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ነዚ ዘይዕግበቱ ድማ በቲ ተጠሊዑ “ኣብይን ምዕራባውያንን ኮሊፎምና”  ዝበሎ ተኣሚንሉ እዩ።

ኣብ ውግእ ትግራይ እቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኮነሉ፡ ነቲ ዝኾለፎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንድሕሪት መሊሱ ካብ  ምዕንቃፍ ኣይዓረፈን። ብቐጥታ ዘይኮነ ብኢድ ኣዙር ኣብ ጉዳይ ሶማልያን ሱዳንን ሒዝዎ ዘሎ መርገጽ’ውን ኣብ ውሽጡ ምፍዳይ ሕነ ዝሓቖፈ ስለዝኾነ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይተን ሃገራት ኢዱ ኣየውጸአን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምርኻብን፡ ርክብ መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢመረት ዓረብን ብተለፎንን ተኸቲሉ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 30 መስከረም 2024 በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ ክቋረጽ ወሲኑ ኣሎ። ስለዚ እዚ “ስርሕ ፍንጥሕ” ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ጠጠው ምባሉ ኣካል’ቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ምዃኑ ንረደኣዮ።