ክሳብ መዓስ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ?

2024-07-21 08:19:45 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 442 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት ከም ዘለዉ ርኡይ ሓቂ እዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ንኡሳን ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ዘይፍለይዎ፡ እሞ ጐሊሑ ዝረአ ኣተሓሳስባታት እቲ  ውጽዓን በደልን ስዒሩ፡ ጥልመት ህግደፍ ዓጺፉን ራህዋን ዲሞክራስን ከንግስ ምእንቲ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ ኣተሓሳስባ ሓደ እዩ።  እቲ ተጻራሪኡ ድማ ኣርዑት ወጽዓ ኣትሪሩ፡ ህዝባዊ ሕድሪ ብምጥላም ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕ ትልኽ ዝብል ዘሎ ንህግደፍ ዝውክል ጨቋኒ ናይ ዓመጽ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ኣሰላልፋ ኣብ ክልቲኡ ኣተሓሳስባ ዘየለ እሞ ዝበዝሐ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ኤርትራዊ ከም ዘሎ  ኣይዝንጋዕን።

ዓላማ ህግደፍ ዕድመ ወጽዓ ምንዋሕ ካብ ኮነ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ዘሎ ውዳበታትን ህዝብ ኤርትራን ከኣ ንሓንሳብ ናቱ ተበግሶ ብምውሳድ ንሓንሳብ ድማ ንኣዕናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተኸታቲሉ ብምቅላዕ ናይ ምክልኻል ስልቲ ዝኽተል ናይ መሰረታዊ ለውጢ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣካይዳ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ደድሕሪ ተበግሶን ኣጀንዳን ህግደፍ ዝኽተል ብምዃኑ ካብ ዝንቀፈሎምን ከእርሞም ዝግብኦን ድኹም ጐድለታት ሓደ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣብ መንጎንና ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጥም ምክልኻል ኣድካሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብናትካ መደባት ከይትጐዓዝ ስለ ዝገትእ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተዘይኮይኑ ወትሩ ክትክተሎ እምብዛ  ተመራጺ ኣይኮነን።

ህግደፍ በብግዜኡ ብኢደወነኑ ዝውስኖም፡ ከም ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ዘይሕገመንግስታዊ ኣዋጃት ብመንጽርቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘውርድዎ ሃስያን ጉድኣትን ወትሩ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዘውርዶ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ምስዋርን፡ ምግሃስ ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ኮታ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ እውን፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ናይቲ ወጻዒ ንዘይምኻድ ተባሂሉ ስቕ ኢልካ ዘይስገሩ ደጋጊምካ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም።  ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓሓሊፉ በብኩርናዑ ዝኸፍቶም ዘይሓላፍነታዊ እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኤርትራ ህልቂትን ዕንወትን ዘኸትሉ ውግኣት፡ ረብሓ ሃገርን ኣፍልጦ ህዝባን መእከል ዘይገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ዕንደራታት እውን ኣለዉ።  እዚኣቶምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ተግባራትን  ስቕ ኢልካ እትዕዘቦም ዘይኮኑ፡ ግዜ፡ ኩነታትን ቦታን መሪጽካ ብመርተዖ ኣሰኒኻ ክቃልዑ ዝግበኦም እዮም።

ኩሉ ግዜ ግዳይ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ምኻድ ንዘይምዃን እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ናትካ ተበግሶ ብምውሳድ ኣጀንዳኻ ሰሪዕካ ምቅላስ እዩ። ኣጀንዳ ክትመርጽ እንከለኻ ከኣ ንስለ ኣጀንዳ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ንህግደፍ ዘሕምሞን ተገዲዱ  ንምክልኻሉ ደድሕሪ ኣጀንዳኻ ክኸይድ ዝድርኾን ክኸውን ግድን’ዩ። እቲ ዝምረጽ ኣጀንዳ ጸላኢኻ ብዛዕብኡ ንክዛረብ እንተዘየገዲድዎ  ነቲ  ምርጫ ተመሊስካ ምጽንዑን ዳግመ ርኢቶ ምግባርን ናይ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ህግደፍ ካብቲ “ስቕ መሪጽና” ዝብሎ መሕብኢ በዓቲ ተጐቲቱ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን ኣንጻር ህግደፍ ክወስደኦ ዝጸንሕ ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ስጉምትታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተራእየ ናይ ኤርትራውያን  መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ተበግሶ፡ ህግደፍ ስለ ዘይተጸበዮ ብስንባደ ክዛረበሉን ክከላኸሎን ከም ዝተገደደ ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ድማ፡ ህግደፍ ዝኽተሎ ዝነበረ ሓሶቱን ጸለመን ብዘየገድስ፡  ደድሕሪ ኣጀንዳ ተቓውሞ ዘብዘብ ክብል ካብ ዝተገደደሉ ተመኩሮታት ሓደ እዩ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብዚ እቲ ህግደፍ ዝመረጾ ስልቲ ነቲ ተበግሶ ናብ ናቱ ምቕያር  ከም ዝነበረ ተዓዚብናዮ። ነዚ ንምትግባር ብጻዕቂ ፈስቲቫላት ኣብ ምውዳብ ኣትዩ። ነቲ ማዕበላት ድማ ናብ ምክልኻል ኣንጻር  ፈስቲቫላት ከእትዎን ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምትህልልኽን ምጉናጽን ከእትዎ ጽዒሩ። ነቲ ኣሰላልፋ ከኣ ናይ ኣፍራስን ሃናጽን መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ። ናይቲ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውዳበታት መንእሰይ ህግደፍ ምፍጣር  ምስጢር  እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን።

 እቲ ናይ መንእሰያት ናይ ለውጢማዕበል፡ ነቲ ውጽኢት መዚኑ፡ ቀልጢፉ ብናቱ ተበግሶ ናይተን ሃገራት ሕጊ ብዘይጻረር ናብ ናይ ኣደባባይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናይ ኣዳራሽ ኣኼባታትን ብምቅያር ንህግደፍ ናይ ምቅላዕ ተግባሩ ምስ ቀጸለ፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ብናይቲ ማዕበል ኣጀንዳ ተገዚኡ  ናብ ምክልኻል ተመሊሱ ኣብ ኣደባባይ ዘይጐንነጻዊ ተቓውሞ ከስምዕን ምስ ከኣለ፡ ህግደፍ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ወዲቡ ናብቲ ህዝባዊ ማዕበል ኣእማን ክድርብን ስሕለት ብዝዓጠቑ መንእሰያት ቅትለት ከፈጽም ተራእዩ። “ናብ ተቓዋሚ ዝተቐየረ መንግስቲ” ዝተባህለሉ ህሞት ከኣ ተፈጢሩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ዳንኬራታት ክገብር ከምዘይክእል ንናብ  ዝተረደኣሉ ዝበጽሐ”ውን ይመስል።

ህግደፍ ካብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ዝፈርሖም ብዙሓት ተበግሶታት ሓደ፡ ተቓወምቱ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም ኣብቲ ዘሰማምዖም ነጥብታት ኣትኪሎም፡ ንምውጋዱ ሓቢሮም ዝቃለስሉ ጽላል ወይ መድረኽ ከይፈጥሩ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ምሕያል ደንበ ተቓውሞ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ንቐጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቑዎ ሓደ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝኣምን። ካብዚ ስግኣትዚ ነቒሉ እዩ ድማ ገለ የወሃት እንዳስደዐ ደንበ ተቓውሞ ብሓባር ከምዘይቃለሶ ንምስንኻሉ ከይደቀሰ ዝሓደርን ብልሳኑ ዝዛረቡ መሰልቱ ዘረግቲ ዘዋፍርን ዘሎ። ስለዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ ካብ ምኻድ ከውጽእዎ ካብ ዝኽእሉ፡ “ክሳብ መዓስ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ?” ንዝብል ሕቶ መሊሱ፡ ህግድፍ ብዛዕባቲ ጽላል ንክዛረብ  ዝድረኸሉ ኩነታት ክፈጥር ይግበኦ።

Last modified on Sunday, 21 July 2024 10:23