ንህግደፍ ጸረ ህዝቢ’ዩ  ምባሉ ጥራይ፡ እኹል ኣይኮነን

2024-07-16 21:24:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 370 times

“ስለምንታይ ኢና ኣንጻር ህግደፍ እንቃለስ?” ዝብል ሕቶ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ 90ታት ናይ ብዙሓት መዛራቢ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ናይቶም ህግደፍ ብዓንተብኡ እንተዘይተገቲኡ፡  ናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ጭካነ ከም ዝበጽሕ ተረዲኦምን ስጊኦምን፡ ብንግሆኡ ዝተቃወሙ ቀንዲ ጸገም እውን፡ ናይዚ ሕቶዚ ሓቀኛ መልሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ  ዘይምግባሩ እዩ። ነቲ ሓቀኛ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ምቅላስ ምኽንያት ኣብ ምስራጽ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ድማ፡ እቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና  ንህግደፍን ጠላም ባርያቱን ብግቡእ ካብዘይምርዳእ እምነት ስለ ዘንበረሉ ክነብር እንከሎ፡ ውሑዳት ግና ናይቲ ህግደፍ ዝመረጾ ጸረ-ህዝቢ  መንገዲ ተጠቀምቲ ብምንባሮም እዩ።

እናወዓለ እናሓደረ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓያልን ቀጻልን ጐስጓስን ምንቕቓሕን ናይቶም ካብ ንግሆኡ ህግዳፍ ጠላም ምዃኑ ዝተረድኡ ተቓለስቲ ወገናት፡ በቲ ካልእ ድማ በቲ ህግደፍ ክሓብኦ እንተደለየ እውን ዘይከኣለ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ከም ምርሻን ውጉኣት ማይሓባር ዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ፡  እቲ “ስለምንታይ ኣንጻር ህግደፍ እንቃለስ ኣለና?” ዝብል ሕቶ፡ ሎሚ፡ ብመላእ ህዝቢ ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ቅቡል፡ መሰረታዊ፡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ-ዓለም እውን በሪሁ እዩ። በዚ መሰረት እያ ከኣ ዓለምና ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንምምሕዳር ህግደፍ ከም ሞዴል ናይ ዘመናዊ ጭቆናን ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ኣብ ኣፍሪቃ ገይራ እተቕርቦ ዘላ። እቲ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ንህግደፍ፡ ትካላቱን ላዕለዎት ሓለፍቱን ብዝተፈላለዩ እገዳታትን መጠንቀቕታን ዘጨንቕዎም ዘለዉ ከኣ መርኣያ ምቅላዕ ተግባራቱ   ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘርኢ እዩ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን በደላት ዝርዝሩ ብዙሕ፡ ክብደት ጭቆናኡ ድማ፡ ኣዝዩ መሪርን ዓሚቕን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ምባሉ ጥራይ እኹል ኣይኮነን” እንብል። ስለዚ ብፍላይ እቶም ካብቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ዝኸውን ዘሎ ህዝብና ርሒቕም ዝርከቡ ወገናት፡ ንኣብነት ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ህግደፍ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይብዙሕነታዊ፡ ዘይዲሞክራሲያዊ፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይሰላማዊ፡ ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ምዃኑ ብኣብነትን ሓቀኛ ዝርዝራትን ኣሰኒኻ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ዝርዝር ጃምላዊ ቅትለት ምስዋርን ማእሰርትን፡ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ብሰንኩ ዝፍጠር ቀጻሊ ስደትን ምክልባትን ካብቲ ወትሩ ክሰፍሩ ዝግበኦም  ዝርዝር ገበናት ህግደፍ እዮም።

ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትናን ምልዕዓላዊ ወፍርናን ክሕዞ ካብ ዝግበኦ መልክዕ ከይወጻና፡ “መንዩ ብጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብኣሉታ ዝጽሎ፡ መንዩኸ  ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ምስ ብምዕዋቱ ዝጥቀምን ብኣውንታ ዝጽለውን?” ኣለሊኻ ምምሕዛውን እንታይነት ናይቲ ናውራም ጉጅለ ምቅላዕን ኣድላይ እዩ። “ቅድሚ ኩሉ ናብቲ ምስ ጐረባብትና ክህልወና ዝግበኦ ዝምድና ነተኩር” እንብል እውን ካብዚ ክንገድፎ እንተደለና’ውን ዘይገድፈና ምጽልላው ብምንቃል እዩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ መዋጸኦ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ዘዚርካ ብምንጻሉ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ብማዕሪኡ ነተን እትዛመደን ሃገራት ዝህልዎ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ናትካ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ ዝድለየሉ ምንጽብራቕ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ግናይ ተግባራት ህግደፍ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ብተዘዋዋሪ “መተካእታኻኸ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ናባኻ ከም ዝቐንዕ ምርዳእ ኣገዳሲ ብልሓት እዩ። መተካእታ ኮንካ ምቕራብ ካብቲ ህግደፍ ንምቅላዕ ዝግበር ጻዕሪ ንታሕቲ ዋጋ ከምየዘኽፍል ምዃኑ ምግንዛብ ድማ የገድስ። ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ በብኩርናዑ ናብ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ “ስለምንታይ ኢኹም ኩልኹም ኣንጻር ህግደፍ ክነስኹም በበይንኹም ትወፍሩ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ ምስዚ ኣዛሚድካ  ምርኣዩ  የድሊ።

ኣንበሳደር ዶር ሃይለመንቄሮስ፡ ይኣክል ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ሚላኖ፡ ኣብ ኣድላይነት ኣብ ናይ ሓቢርካ ጽላል ምቅላስ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምድልዳል ርክብ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ  ናይቲ ለውጢ ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ውሕሉልን ዕቱብን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምኽታልን ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ። ቃልስና ክሳብ ሎሚ ብመጽርቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ማዕረቲ ድሌትና ዘይምዃኑ ዘየተሓሳስበና ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ከተሓሳስበናን ከሻቕለናን ዝግበኦ ግና “በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕምን ዕድልን ክንድቲ ንኽእሎዶ ነበርክት  የለና?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ምርካብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰኣን ዓቕምን ክእለትን ዝተርፈካ ዓቕሚ ኣብ ዘጥረኻሉ እዋን ዝዕመም ስለ ዝኾነ። ዋላ ውሱን ይኹን ብዘለካ ዓቕሚ ዘይምጥቃም ግና ይቕረ ዘይግበረሉ ሕመቕ ስለ ዝኸውን።

ዳርጋ ኣብ ናትና ተመኩሮ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ብዝመስል፡ እቲ ኣንጻሩ እንቃለሶ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ እናሓደረ ከንቆልቁልን ጠቕሊሉ ካብ ትጽቢት ኤርትራዊ ወጻኢ ክኸውንን እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ብኣንጻርቲ ምንቁልቋሉ ዘይንብርኽ ምህላውና እዩ። ህግደፍ ዘቕረበ ምስምስ እንተቕረበ፡ ደጊም ኣቕጣጫ ጉዕዘኡ ንቁልቁል ዘመልክት ምዃኑ ናይ  ብዙሓት ግንዛበ እዩ። 33 ዓመታት ዝጨከነ ልቡ ሎሚ ንህዝቢ ክርህርህ ከኣ ዝይትጽበዮ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ወርሓት ሓምለ-ነሃሰ፡ ከተማታት ኤውሮጳ ብፈስቲቫላት ማሕበረኮማት ህግደፍ የዕለቕልቓ ከምዝነበራ ዝዝከር ኣዩ። ሎሚ ዘበን ግና ኤውሮጳ፡ ዋላኳ ክእረም ዝግበኦ ኣቀራርባ እንተነበሮ፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተዓ ዓመታት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘርኣዮ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝካየደ ዝነበረ ቃልሲ ዝኾነ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ሓያል መኸተን ፡ መድረኽ ፈስቲቫላት  ህግደፍ ጠቕሊለን ናብ ኣስመራ ክስሕባ ተቐሲበን ኣለዋ። እዚ ንህግደፍ ምልክት ምድካሙን ምንጻሉን እምበር መርኣያ ብርታዐኡ ኣይኮነን።

ስለዚ ብሓፈሻ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ድማ ሰማያዊ ዝምልክቱ መንእሰይ ነዚ ካብቲ ጉጅለ ዝተመንዘዐ መድረኽ፡ ሓድነቱ ዓቂቡ፡ ዘይመሰረታዊ ጸቢብ ፍልልያት ኣወጊዱ፡ ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ናብ ምክእኣልን ምጽውዋርን ቀይሩ ናይተን ዝነብረለን ሃገራት ስርዓት ኣኽቢሩ ናብ ረብሓ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ምውዓሉ ኣብ ቅድሚ ኩልና ዘሎ ዕማም ምዃኑ ንገንዘብ።

Last modified on Tuesday, 16 July 2024 23:28