ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ

2024-06-24 21:18:18 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 543 times

ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን  ክኾንሉና እንደልዮም ብዙሕ ባህግታት ኣለዉና። ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ክትኮነልና ንብህግ። ኤርትራ ብቕዋም እትመሓደር፡ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካላት  እትምራሕ፡ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተረጋገጸላን ህዝቢ ልዕሊ መንግስቲ ዝበረኸላን  ክትኮነልና እውን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ እዩ። ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ  ሓባርን ምክራን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዋ ነማዕዱ። እዚ ስለ ዝበኾረ ኢና ከኣ ኢና ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘለና።

እዚ ባህግታት’ዚ፡ ንውሱናት ደገፍትን መሳርሕን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ መላእ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ንምዕዋቱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እውን ናይ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ናይ ውልቃውያን እሞ ጽልኢ ዝወለዶ ኣይኮነን። እቶም ብዙሓት ሓቢርና ተቓሊስና ሓቢርና ክንዕወት እንብህግ ቅድም በብውልቅና ከነዕርዮ ዝግበኣና ኣካይዳን እነተኣታትዎ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣሎና። ነናትና ከየዕረና ናይ ካለኦት ከነዕሪ ምጽዋዕ ኮነ ምጭራሕ ግና ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ካለኦት ክገብርዎ እንደልዮ ካባና ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ።

ኤርትራውያን ተቓልስቲ ናብ ሓርነት ንምብጻሕ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዝገብሩና ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ህግደፍ ክውገድ ዘለና እምነትን ንመጻኢ ራህዋ ህዝብና ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነናይ ገዛእ ርእስና፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ወሲኽካ መለለይታትን ስምዒታት’ውን ኣለዉና። እዞም መለለይና ስምዒታት ደረት ሰጊሮም ልዕሊ እቶም ከም ኤርትራዊ ናይ ሓርነት ሓይሊ ሓደ ዝገብሩና ከይስርዑ እሞ መንገድና ከየስሕቱና ብግቡእ ከነመሓድሮም ይግበና። ካብቲ ክንዋሰኣሉ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሓባር ዓውዲ  ከየውጽኡና እሞ ዓቕምና ከይብተን ከኣ ምስትውዓል የድልየና።

እዞም ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሮም፡ ሓድነትና ኣዳኺሞም ኣንጻር ወጽዓ ተኣማሚና ከይንወፍር ከዕንቅፉና ዝኽእሉ ስምዒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክፈታተኑና ዝጸንሑን ጋና ክሳብ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይሰዓርናዮምን እዮም። ጸላእትና እውን ከዳኽሙና ካብ ዝኽእልሉ  መንገድታት ሓደ ሕድሕድና ዘሪጎም ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ብምእማን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክሰርሕሎም ፈቲኖም ግና ሳላ ጽንዓትና ኣይተዓወቱን።

እንተኾነ ሎሚ እውን ህግደፍ ንፍልልያትና መዝሚዙ ካብ ምስዋር ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ስዒርናዮም ኔርና ካብ እንብሎም ሓደ ዝኾነ ኣውራጃዊ ስምዒትን ምውጣጥን ኣብ ውሱን ኩርናዕ ኣጀንዳ ኮይኑ ከዛርብ ንዕዘቦ ኣለና። ሃይማኖት ብግዲኡ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ኣጀንዳ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ከም ዝንነበረን ጋና ሎሚ’ውን ኣሰራቱ ውልዕ ጥፍእ ክብል እንዕዘቦ ዘለና  እዩ።  እቲ ኩነታት ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ በሊጹ ካብ ጸቢብ ስምዒታት ነጺሁ ሓቛፊ ስምዒት ብምፍጣር ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ ሓርበኛታቱ ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ስምዒታት ምንጽብራቑ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ዘይግባእን እዩ።

እዚ ንድሕሪት ከይመልሰና እሞ ሓድነትና ላሕሊሑ መፍቶ ህግደፍ ኣዕንገልቱን ከይንኸውን ዝፍትነና ዘሎ ስምዒት ብውልቀሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ ተባሂሉ እምብዛ ኣየሰክፈናን ይኸውን። እንተኾነ ብዓንተቦ ከካብ ውልቅና ጀሚርና ክሳብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውዳበታት ተቐላጢፍና እንተዘይወጊናዮ ናብ ውዱብ ኣፍራሲ ደረጃ ዘይሰግረሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጉዳይዚ ዘየሻቕሎ ናይ ለውጢ ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ብኽንድቲ ንሻቐሎ ደረጃዶ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ካለኦት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ከም ዘሎ ተረዲእና ንሓስበሉን ንንቀሳቐሰሉን ኣለና ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ” እንብል ዘለና።

ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ዘለና  ቃልሲ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ነዊሕ ግዜ ባህግና እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ካብ ምንቅስቓስ እውን ዓዲ ኣይወዓልናን። ዘመዝገብናዮ ዓወት ግና ትሕቲ ባህግና እዩ። እቲ ብምሉእ ዓቕምና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ምኽንያት ካባና ወጻኢ ምስ ካለኦት ዝህሉ ጥራይ ኣይመስለናን። ስለዚ ነቲ ዕንቅፋት ንምጽራግ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ብዘይምጥቃምና ኢና ንፍተንን ንጽገምን ዘለና። ምስዚ ግና ንሕና እንተደኣ ዕድል ሂብናዮ፡ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ከምዘይንቀራረብ ካብ ምግባርና ዓዲ ኣይውዕል እዩ። ዕምቆት ናይቲ ኣጻርና  ዝፍሕሶ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንርዳእ ግና፡ ንሕና ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ፡ ብደረጃ ውልቂ ኮነ ብደረጃ  ውዳበታትን ማሕበራትን ኩሉ ክንዓሞ ዝግበኣና ምስ ዓመምና እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ባዕልና ከነዕርዮ ዝግበና ከየዕረና፡ ኣጻብዕትና ናብ ህግደፍን ካልኦትን ምቕሳር ጥራይ ፍታሕ ዘምጸኣልና ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ቃልስና በቲ ንብህጎ ኣቕጣጫን ቅልጣፈን ዘይምስጓሙ፡ ጠንቅታቱ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ግብራዊ ምንቅስቓስና ማዕረቲ ንብህጎን ንጭርሖን ዘይምዃኑ ግና ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ እዩ።

Last modified on Monday, 24 June 2024 23:20