ኣዛራብነት ባድመን፡ ምምልካት ዶብ ኣብ መሬትን

2024-05-30 20:10:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 496 times

ባድመ መጸውዒ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ሓውሲ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ጐላጉልን እዩ። ባድመ ኣብ ጋሽ ካብ ባረንቱ ንወገን ደቡብ  48 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ከተማ  ኣስመራ ድማ 139 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ከተማ ሽረ ንሰሜን 119 ኪሎ-ሜተር ካብ መቐለ ድማ 369 ኪሜተር ትርሕቕ።

ብዛዕባ ብዝሒ ህዝባ ብዙሕ ሓበሬታኳ እንተዘየለ፡ ናይ ኢትዮጵያ ማእከላይ ስታትስቲክስ፡  ኣብ ናይ 2005 ምርጫ ኢትዮጵያ  729 ደቂ ተባዕትዮን 834  ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 1,563 ነባሪ ከም ዝነበራ መዝጊቡ። ናይታ ከተማ ናይ መጀመርያ ተቐማጦ ኤርትራውያን ምዃኖምን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ኣሰማት ብቋንቋ ኩናማ ምዃኑን ነዚ ከም ዘመልክትን ብዛዕባቲ ከባቢ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ይሕብሩ። ባድማ’ውን ብቋንቋ ኩናማ እዩ።

ባድመ ግዝኣት ኢጣልያ ዶቡ ኣብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ  ዝኸለለሉ  ግዜ  ንደሓር ኣካል ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረት ኮይና፡ ድሕሪቲ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈሪሱ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያ  ተንጸበራ ኣካል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኮይና፡ ናብ ጣቕላይ ግዝኣት ትግራይ ግብሪ ትኸፍል ነይራ።  ባድመ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢኣ ንሕርሻ ዝምችእ መሬትን ማዕድንን ከም ዘለዋን ዝእመን እንተኾነ፡ ዝያዳ ኣዛራቢት ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ግና፡ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ 1998-2000 ዝተጀመረላ ቦታ ስለ ዝኾነት እያ።

ባድመ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ካብተን ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ናጻ ዝወጻ ናእሽቱ ነቑጣታት  ሓንቲ እያ። ድሕሪ  ባድመ ብሰራዊት ሓርነት ናጻ ምውጸኣ ተሓኤ ክሳብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላ፡  ዓዲ ሃገራይ፡ ሸራሮ፡  ዛግርን ዓዲ ጎዘሞን ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ትውድብ ነይራ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተመስሪታ ምንቅስቓሳ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣስፈሐት  ግና፡ ምርጻማት ንኸይፍጠር ብዝነበራ ሓልዮትን ጥቃቐን፡ ጀብሃ ምንቅስቕሳን መዋፈሪኣን ኣብ ከባቢ ባድመ ክትድኩኖ ተገዲዳ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ናይ መሬት ዋንነት ሕቶ ይለዓል ስለ ዝነበረ፡ ብሰንኩ ህይወት ብዙሓት ሓሊፉ እዩ። ምስዚ ኹሉ  ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን ጀብሃን ኣብ 1979 ብዝበጸሐኦ ስምምዕ፡ ባድመ  ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትማሓደር ነይራ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር ተሓኤ ብዘካየድዎ   ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ጀብሃ ዓባይ ካብ ከተማ ባድመ ተደፊኣ ለቐቐት። ኣብቲ እዋንቲ 90% ኤርትራዊ ዝነበረ ነባሪ  ባድመን ከባቢኣን ንተሓኤ  ምስ መን ገዲፍክና ትኸዲ ኣለኺ?”  ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ብምስሊ ከይተረፈ ዝተሰነደ እዩ።  

ድሕሪኡ ብ1982 ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባድመን ከባቢኣን ነዚ ውሳነ ዘይቅበል እንተሎ፡ ገጻብ ኣድጉ ጽዒኑ ይኺድ” ብዝብል ብደዐን ኣስገዳድን  ንህወሓት ኣረኪባታ። ብዛዕባዚ ኣብ ርእሲቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት በብግዜኡ ክህብዎ ዝጸንሑ ምስክርነትን ብደረጃ መጻሕቲ ዝተሰነደ ምዃኑን፡  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ተለቪዥን ኣሰና ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ፡ ኣቡኡ ብደረጃ ምስሌነ ኣማሕዳሪ ባድመ ዝነበሩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ባድመ ዓብዩ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብኡ ተመዲቡ ዝተቓለሰ፡  ጸጋይ ገ/ስላሴ (ወዲ ጉቦ) ምስክርነቱ ሂቡ እዩ። ዋላኳ ገለ ወገናት ነቲ ንባድመ ንወያነ ትግራይ ናይ ምርካብ ውሳነ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣፍልጦ ዘይነበሮ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ጸጋይ ግና ኣይኮነንዶ ከም ጉዳይ ባድመ ዝኣመሰለ ዓብይ ጉዳይ፡ ናእሽቱ ውሳነታት እውን ብዘይኣፍልጦ ኢሳያስ ኣይትግበርን እዩ ይብል።

ጀብሃ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ምባላ ቅኑዕ ነይሩ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ነበርታ ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ሰውራኦም ናይ ምስናቕ ዓብይ ብጽሒት ስለ ዝነበሮም ዝበለ ጸጋይ ገ/ስላሴ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባድመ ንህወሓት ምስ ኣረከበታ፡ ኩሉ ኣብኡ ተደኲኑ ዝነበረ ትካላታ ጥቕሊላ ክትወጽእ ከም ዝተገደደት ከኣ ይጠቅስ። 

ድሕሪ ናጽነት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 1993፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝጠለመቶ፡ ቁጽሩ እናወሓደ ዝኸይድ ዝነበረ ኤርትራዊ ነባሪ ባድመ፡ ከም ኣብ ትግራይ ዝነብር ኮይኑ እዩ ኣድሚጹ። ድምጹ ከኣ ናብ ባረንቱ ወይ ሻንብቆ ዘይኮነ፡ ናብ መቐለ ምስ ተላእከ  እዩ ብኡ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ተመሓላሊፉ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ረፈረንደም’ውን እቲ ክሳብ ሎሚ ግዝያዊ ካብ ዝብል መጸውዒ ቅጽል ዘይወጸ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ስምዕታ ኣይነበሮን። ካብዚ ንላዕሊ ጉዳይ ባድመ ጉዳዩ ከምዘይነበረ መረጋገጺ ከኣ የለን። በዚ ዝተኣማመነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምምስራት ፋብሪካ እምነ-በረድ ክበጽሕ እንከሎ’ውን “መኒኻ?” ዝበሎ ኣይነበረን።  

ከምቲ ኩሉ ዘይርሰዖ፡ ብ6 ጉንበት ኣብ ባድመ ዝጀመረ ውግእ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ብ12 ጉንበት 1998 ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ። ድሕሪዚ ውግእ ምጅማሩ ብ23 ጉንበት 1998 መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ  ዘውጸኦ መግለጺ ድማ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣረጋጊጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ከይጸንቀቐ  ዝመረጾ ውግእ ከኣ  ተቓዊምዎ።

ውግእ ምስ ጀመረ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሰውራዊ ባይቶን ኢትዮጵያዊ ግንባር ኢህውደግን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ብምባሉ ዝተገረመ ኢህውደግ ካብ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ መብርሂ ሓቲቱ።

መብርሂ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ፡ ንባድመ መን የመሓድራ ዝብል  ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ድሕሪ ክንደይ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን፡ ስርዓት ደርግ ተወጊዱ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ብሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝውሰን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ፡ ሸራሮ ድማ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ክጸንሐ ዝብል ስምምዕ ነይሩና።  ነዚ ጥሒስኩም ኢኹም ድማ ንዓና ምስ ህዝባዊ ግንባር ኮይንኩም ወጊእኩምና። ባድመ ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ግንዖት ተዋሂባትኩም። ንሕና ነዚ ዝምልከት መረጋገጺ ኣለና፡ ንስኻትኩም ድማ መዛግብኩም ገንጽሉ ዝብል ነይሩ። ድሕሪኡ ኢህወደግ ነዚ ዘፍርስ ጭብጢ ስለ ዘየቕረበ ሰውራዊ ባይቶ ባድመ ናይ ኤርትራ እያ ዝበለሉ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ቀጺሉ። ደሓር ከኣ መርገጺ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ተሰንዩ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ተረጋጊጹ።

ብኣሕዋት ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ድራር መንታይን ንጉሰ ጸጋይን ዝተደርሰት መስሓፍ “ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ” ብወገና፡ እቲ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “1.ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣብ ትግራይ፡ ትግራዎት ተቐማጦ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር መሰል ክህልዎም፡ 2. ናብ ዝመረጽዎ ውድብ ብዘይተጽዕኖ ክስርዑ፡ 3. ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ውድብ ዝሓተቶም መዓልታዊ ጠለባት  ከማልኡ” ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ኣስፊራ’ላ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ውግእ ካብ ባድመ ናብ መላእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምልሓሙን ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ህይወት ምህላቑን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብሕጊ ክረአ ተወሲኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ፡ ብ13 ማዝያ 2002 እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቀያድን ናይ መወድእታን ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ባድመ መጀመሪት ናይቲ ውግእ ብምዃና’ኳ ናብ ኤርትራ ከም ዝተበየነት እንተተፈልጠ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣየናይ ንመን ከም ዝተዋህበ ንምፍላጥ ሎሚ’ውን እቲ ህግደፍ ክሃድመሉ ዝጸንሀ ኣብ ባይታ ምጥራር ዘይስገር እዩ። ናይ “ዝሓዘሐዘ”  ኣካይዳ ግና ናይ ውግእ ሕማም ደሓር ዝገድፍ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ምድጋፍ ከኣ ዘይሓላፍነታውን ስምዒታውን እዩ።  

Last modified on Thursday, 30 May 2024 22:30