EPDP Editorial

ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱን ግዜኡን ናይ ዝፈላለ፡ ተገዲዱ ዝኣተዎ ቃልሲ ሃብታም ተመኩሮን ነዊሕ ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ኣብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ኣዝዩ ውዑይን ውዱብን ቃልሲ ተዋሲኡ። እንተኾነ በቲ  ዝመረጾ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ኩለመዳያዊ መሰላቱ ከኽብር ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ከኣ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ሓያላት ናይ ረብሓ ዘራያቱን ናይ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ሕቶኡ  ንምጉዕጻጽ ኣንጻሩ ብምስላፎም ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ  ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝነበረ  እንኮ ምርጫ ቃልስኻ ቀጺልካ ባህግኻ ምውሓስ ጥራይ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ሕልኽልኻት ቃልሱ ክቕጽል ምምራጹን  ምዕዋቱን ከኣ ድሙቕ መግለጺ ታሪኻዊ ጽንዓቱ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

 ኣብቲ እዋንቲ ኮይንካ ኣይኮነንዶ ከተካይዶ ክትሓስቦ’ውን ኣጸጋሚ ናብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ፡ ብሓፈሻ ንብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት መግዛእቲ “ዘይገሃድ ሕልሚ” ኮይኑ ይረኣዮም ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ትብዓቱን ሓድነቱን ንኹሉ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ  ብደሆታት ተጻዊሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ነጻነቱን ልኡላውነቱን ካብ ዘረጋገጽ እነሆ  34 ዓመታት ኮይኑ። ገለ ወገናት ነቲ ህዝብና ኣብቲ ግዜቲ ዘርኣዮ  ተኣምራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ብምዝካር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ንሓደ ኣብ ኣንግድዓኡ ዝተጻዕነ መላኺ ስርዓት ተሰኪሙ  ዘሎ”  ዝብል ሕቶ ክሓቱ ይስምዑ  እዮም።

ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ከም ትጽቢት ህዝባ ኣይኮነትን። እዚ ድማ ብብኩራት ብዙሕነታውን ሕገመንግስታውን ምምሕዳር ዝረአ  ዘሎ እዩ። ህዝብና ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ግዜን ዘኽፈሎ ክቡር ዋጋን ኣብ ግምት ኣእትዩ “ርእዩ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ኣመዓራርዩ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድልን ግዜን ሂቡ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ንትዕግስትን ሓላፍነታዊ ትጽቢትን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ብኣንጻሩ ብትዕቢትን ምስትንዓቕን በቲ ትምክሕተኛ  ምርጫኡ ቀጺሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ጐደና ኣይተመልሰን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ  “ካብ ኣብ ኣርዑት ባዕዳውያን  ምንባር ንነጻነት ምቅላስ” ዝመረጸ ተባዕን መስተውዓልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጠላምን ጨቋንን ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ወጽዓን ጭቆናን ካብ ምንባር “ምእንቲ ሓርነት ምቅላስ” ክመርጽ ተገዲዱ፡ እነሆ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ  ሓርነት  ይስጉም።

ከምቲ ኣብቲ  ንነጻነት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ መሪርን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፍለ፡ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ዝያዳ ረቂቕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ረቂቕ ብምዃኑ ክመዝንዎን ክርድእዎን ዘይከኣሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ንጭቆና ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ኣምሲሎም” ክገልጽዎ ዝፍትኑ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። በብግዜኡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸነሐን ዘሎን፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ምንፋግ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኮታ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ህግደፍ፡ መርኣያ ክብደትን ርቀትን ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘመልክት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ቃልሲ ህዝቢ ንሓርነት  ድሕሪ ነጻነት፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ዓመታት ዝያዳ ዝወስድ ዘሎ  ኮይኑ፡  ብሰንኪ ባዕላውን ወድዓውን ሕጽረታትን ተጽዕኖታትን ጋና ኣይተዓወተን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም፡ ህዝብና ካብ ቃልሲ በዂሩ ከምዘሎ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ቃልሲ እዩ ዘርኢ። ካብቶም ድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ዘማላኽቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ብግብሪ ዝተራእዩ ናይ ተቓውሞ ተበግሶታት ካብ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ወርሒ ግንቦት 1993 ጀሚርካ ክሳብ  ምንቅስቓስ ፎርቶ ወዲ ዓሊን ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን ዝጥቀሱ እዮም።   ክሳብ ገጠራት ዝዝርግሑ ብዙሓት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ስቓያትን  ዝኾንሎም ምንቅስቓሳት’ውን ተራእዮም እዮም። እቲ ህዝባዊ   ኒሕን ሓቦን ሎሚ እውን ቅሂሙ ዘይኮነ  ፈኸም ዝብል ዘሎ እዩ።

እቶም ጸረ ህግደፍ ተበግሶታት ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ህዝባዊ ባህሪ  ስለ ዝነበሮ፡  ብመሰረቱ ህዝቢ ንክዕወቱ ዝጽበዩ ዝነበረን ዘሎን እዮም። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸረ ህግደፍ ንቕሎታት በቲ ጉጅለ ዝተወስዱ ጨካን ስጉምትታት ከኣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኩነታት  ይሰግእ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ እዮም። ስግኣቱ በቲ ናይ ሽዑ ስንባደኡ ዝደረት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሎሚ እውን መመሊሱ ዘባህርሮ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቲ ጭቆና’ውን ይኽበድ ከምቲ  ቅድም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምንባር ኣሜን ዘይበለ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆናን ዲክታተርነትን ክነብር’ውን ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሉ ዝረደኦ እዩ።  እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንክዕወት ክማልኡ ካብ ዘድልዩ ወሰንቲ ቅድመ-ተደላይነታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ኣብ ወጻኢ ዘሎ   ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕበልን፡ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ  ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2005 ዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ናይ ቃልሲ ቀለበት “ኣደልዲልካ ምስጣም”  ወሳኒ እዩ።

እዚ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳር ክንድቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ ከኣ ከቢድ ጸዕሪ ከም ዝሓትት ተገንዚብካ ምውፋይ ከም ዘድሊ ከኣ ምግንዛብ  ይግባእ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕረ ዘበርክተሉ እምበር፡ ሓደ ተግባሪ እቲ ካልእ ከኣ ተጸባይ ዝኾንሉ ኣይኮነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ሃንቀው ዝበሎ ዘሎ ዓወት ንምብጻሕ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ንግብራውነቱ ንክተግህ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ። እንተ ብህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዓንዳሪ  ኣካይዳን ህውክውተኛ ሸበድበድን ናብ ህዝቢ ዝማእከሉ  ለውጢ ክስጉም እትጽበዮ ኣይኮነን።

መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር  ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ካብ ድሮታ ዕለት ጀሚሮም፡ ዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ “ንነጻነትን ልኡላውነትን ሃገሮም” ዘለዎም ክብሪ ኣንጸባሪቖም፡ ምእንቲ ነጻነት ክቡር ህይወት ንዝኸፈሉ ስዉኣት’ውን  ኣመጒሶም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና “እዛ ነጻነትሲ እንታይ ስለ ዘርባሓትና ኢና እነኽብራ?” ዝብል ስምዒት ኣንጽባራቖም። ርግጽ’ዩ ካብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ተሰዲድካ ኣደዳ ሓሳረ-መከራ ምዃን ኣብ ትርጉምን ምቓረትን ነጻነት ሕቶ ከተልዕል ክድርኽ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ነጻነት  ብኤርትራውነትና እንሕበነላ ስለ ዝኾነት ከም “ናይ ዓይንና ብሌን” ከነኽብራን ክንሕለዋን ይግበኣና። ኣብቲ ዕለተ-ዝኽራ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ሓደ “እቲ ቀቢጽካ ዘይቅበጽ” መደረ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሩ።

“ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ፡  ተስፋን ራህዋን ዘመልክት መልእኽቲ ኣይከምጽእን እዩ” ዝብል እምነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ጽልኢ ወይ ጸቢብነት  ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮ መደረታቱን ዓመጸኛ ባህሪኡን ዝብገስ እዩ። ሓደ ሓደ ተስፋኦም ዘይጸንቀቑ ግና፡ ምስቲ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ይመርር ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝገድድን ናብ ውግእ ከም ዝዓርግ ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ ወጥሪን ዝፍጠር ዞሎ ዞባዊ ቅልጡፍ ምቅይያር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ሃገራትን “ገለ ሓድሽ ጉዳይስ የምጽእ ይኸውን?” ኢሎም ካብ ምጽባይ ዓዲ ኣይወዓሉን።  ብዝያዳ ድማ  ነታ በዚ መጸት ከይተባህለት ዳንኬራ ክውቀዓላ ጀሚሩ ዘሎ በዓልቲ ቅነ “ጽምዶ”  ዝምልከት ካብኡ ከስምዑ ዝተጸናጸኑ  ነይሮም እዮም።

“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከም ዝበሃል፡ 24 ጉንበት 2025 ከተፍ በለት፡ ናይ መደረ ሰዓት እውን በጽሐት። ኢሳያሳ ኣብቲ ናይ 21 ደቓይቕ መደረኡ፡ ከምቲ ግምጥልሽ ኣካይድኡ ብግዳማዊ ዛዕባ ብምጅማር፡ ንኣሜሪካ፡ ናቶ፡ ቻይናን፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ጣሕሞሽሞሽ” ኢሉ። ከምቲ “ክንዳኻ ዘይኣኽላሲ በኣኻ ይወዓላ” ዝበሃል ምሳለ፡ ናብ ኣሜሪካ ተመጣጢሩ ብቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ መዕቀኒ “ሓያልን ሃብታምን ዘይኮነት ክነሳ፡ መሲላ ክትቀርብ እትፍትን” ብምባል ብኣሃዛት ዕዳኣ እናጠቐሰ ኣነኣኢስዋ። ነቶም ናይ ቅድም መራሕታ ብውድቀታ ተሓተቲ ገይሩ፡ ናብ ህልዊ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኣሻርዩ ኢድ ክነስእን መሻርኽቱ ምዃኑ ከርእን” ፈቲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ  ፖለቲካዊ  ኩነታት ዞባና እውን   ኮሊሉ።

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣተኲሩ ንምድህሳስ ዝያዳ ግዜ ወሲዱ። ኣብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብታ ሃገር “ብመደማር” ጀሚሩ ብሰልፊ ብልጽግና ዝቐጸለ፡ “ምትዕርራይ (reform)” ዝበሎ ተስፋ  ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ፡ ንምዕዋቱ ከም ዝጸዓተ ኣግሂዱ። ዋላ’ኳ ሎሚ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ኢትዮጵያ “ሃንቀውታና በኒኑ” እንተበሎ፡ በቲ ክሳብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገበሮ ከምዘይጠዓስን ነቲ ዝበነነ ህይወት  ኣብ ምስራጽ  ክቕጽል ምዃኑን ክሕብር ኣይሓፈረን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን “ተኾሊፍና” ዝበሎ ተመሊሱ “ብሃንቀውታና በኒኑ” ዘድምቖ ዘሎ ምዃኑ የርኢ። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘራጊ ኣካይዳ “ኣይጠዓሰሉን እየ”  ምባሉ እዩ።

 እቲ ኣይጠዓሰሉን እየ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣደባባያት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣንታ እዚ ሰብኣይሲ ዓቢዱ ግዲ እዩ” ክሳብ ዝበሃል፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ። ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ …ወዘተ” ንዝበሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ቀበጥበጥ እዩ።  “ስለ ዘይጠዓሰሉ፡ ዝንቕጽሎ እዩ” ምባሉ ከኣ፡ ሓድሽ’ኳ  እንተዘይኮነ፡ “ናይ ጥዕና እዩ” ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሃንቀውታኡ ካብ ሰልፊ ብልጽግና  ምብናኑ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሓዝዩ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ጠንቂ ህልቂት  ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምዃኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወለዶም ከምቲ ንቡር ኣርዲኡ ይቕረታ ምሕታት “ክንቅጽሎ ኢና” ምባሉ፡ ነቲ ሓደ እዋን “ኣይከሰርናን” ኢሉ ልቢ ኤርትራውያን ወለዲ ዘድመዮ፡ ደሓር ድማ “ተኾሊፍና” ብዝብል መዓንጣ ኣደታት ትግራይ ዘሕረሮ ሎሚ ድማ ሃንቀውታና በኒኑ ክብል ምድፋሩ፡   ክሳብ ክንደይ ብዘይተኣደነ ምፍሳስ ደም ዘይረወየ  ብስቓይ ሰባት ዝሕጎስ ርጉም ምዃኑ ዘርኢ እዩ። 

እቲ ካልእ ዘገርም ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ምብናኑ ዝሻቕሎ ምዃኑ ዝጠቐሶ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ድምጺ ለውጢ ንከይስማዕ” ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መቐጸሊ መሲሉ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ብተገራጫዊ ኣተሓሳስባ ይህወጽ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ከኣ ካልእ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዘድልዮዩ። ኢድ ኣእታነተይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክቕጽሎ እየ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ክዘራርጎ ወጥንዎ ዝነበረ’ሞ ዝበርዓኖ ዕብዳን፡ መጣፍእቲ ቀይሩ ክቕጽሎዩ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዘርኢዩ። 

እዚ መደረ ኢሳያስ  መልእኽቱ  ብሓፈሻ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ። ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዘኡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ደዊኑ፡ ኣብ ዘይምልከተቶ ውግኣት እናተጠበሰ፡ “ወላድ መኻን”  ንክገብሮ ይፍክር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ህዝብና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቱ ክሰምዕ ናይ መጀመርታኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝኾነ ነገር ደረት ስለ ዘለዎ፡ “ደጊም ኢደ-እግርኻ ኣክበልና” ክብሎ ምርጫኡ ዘይኮነ ግደታኡ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ቀዳማይ ግዳይን ተሓታትን ዝኸውን ንሱ እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ ድሒኑ ህዝቢ ከድሕን እናተገበኦን፡ ካብ ኣገልጋልነት  ፈሊኻ ብዘይረአ ኢደበይዛ ጥፍኣት ህግደፍ ኮይኑ ክቕጽል ነውሪ’ዩ። ብውሕዱ ንገዛእ ርእሱ ዘይምድሓኑ ድማ ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዕዝብቲ ከም  ዘውድቖ  ከስተብህል ይግበኦ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ በዚ ናይ ኢሳያስ መደረ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ይሻቐል ከምዘሎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዘሻቕል መፍትሒ ምርካብ’ዩ። ነዚ ዘብቅዖ ውሁድ መደርኽ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ዝያዳ ከቐልጥፍ ከኣ ህልዊ ምዕባለ  ዘሰክሞ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።

“ጽምዶ” ሰፊሕ ትርጉም ዘለዋ ቃል ኮይና፡  ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ መስርሕ ነባር ባህላዊ ትርጉም ኣለዋ፡ መልእኽታ በበይኖም ከድምዑ ዘይክእሉ ኣካላት ተላፊኖም ንክወፍሩ እተኽእል መራኸቢት እያ። ጽምዶ ንምዕሩይ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ናይቶም ተጻመድቲ ከም እትውዕል ንምግባራ ድማ  ምስትውዓልን ምትሕልላይን ይሓትት። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ትርጉም መድረኽ ሒዛ’ላ

ኣብ ሕብረተሰብና ብሓደ ኢድካ ከምዘይጣቓዕ፡ ብቓንጃ ብዕራይ’ውን ስለ ዘይሕረስ፡ ሓደ ብዕራይ ዝውንን ተመሳሳሊ ኩነታት ምስ  ዘለዎ ተራኺቡ  ምጽማድ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ።  ኣብዑር ኣላፊንካ ምጽማድ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ ዕርፊ ጨቢጡ ነቶም ዝተጸምዱ ዝሓርሶም ሓረስታይ እዩ። እቲ ሓረስታይ፡ ተበላጺ፡ ተንኮለኛን ስሱዕን እንተኾይኑ፡ እቲ ጽምዶ ይዳኸም ወይ ይፈርስ፡  እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እቶት’ውን ኣይሕፈስን።  በዚ መሰረት ጽምዶ  ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ክስተት ዘይኮነ፡  ዕላማኡን ቀጻልነቱን እንታይን ከመይን እዩ? ናይቶም ተጻመድቲ ዓቕሚኸ ክሳብ ክንደ እዩ  ዝመጣጠን? ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ኣብቶም ተጻመድቲ ምምጥጣን እንተዘየልዩ ግና ምግድዳዕን ምጥልላምን የስዕብ። እቲ ርክብ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛን ብቕዓትን ብዘለዎም ስለ ዝዝወር ንተጻመድቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብዶም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንሳቶም ብዝኣጐድዎ ውግኣት፡ ህይወት ኣእላፍ ዘጥፍኡን እልቢ  ንብረት ዘዕነዉን ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ሎሚ ከኣ፡ ብመጉላሕቶም ኣቢሎም “ጽምዶ ንፈጥር ኣለና”  ዝብል ጽዑቕ ዘይቀጥታዊ ዜናታት ይዝርግሑ’ለዉ። ቅድሚ ሕጂ ክስራሕ ክፈርስን ዝጸንሐ  ናይ ጉርሒ ዝምድናኦም’ውን፡ ዋላ ዝተፈላለየ ኣስማት ይወሃብዎ ብትሕዝቶኡ ካብዚ  ሎሚ ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ጽምዶ ዝፍለ ኣይነበረን። ሃናጺ ኣይነብረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን ካብ ዝበሃለሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ “ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፎን” ምንባሩን ብምዃኑን እዩ። ብመሰረቱ’ውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝግበር ርክብ፡ “ጽምዶ ክባሃል ይካኣል ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። እቲ ካልእ  ኢንታኡ ከኣ ወትሩ ተዘራሪኻ ንግዝያዊ ህልውና ናብ ውግእ ምእታው እንተዘይኮኑ፡ ዋላ ንይምሰል ምእንቲ  ንሰላም ዝሰብኽ ዘይምዃኑ’ዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ዚ ናይ ጽምዶ ሸበድበድ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣዝዩ በሊሕ ፍልልይን ምትህልላኽን ይፍጠር ኣሎ። እቲ ፍልልይ ብዙሓት መልከዓት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕድ ደገፍቲ ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ……ወዘተ እናበልካ፡ ነዊሕ ዝዝርዘር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣዝዩ ዘተፋንን ዘሎ እዩ። እቲ ናይ 2018 ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ዘይተጽበዮ ዘየረዳድእ ኣጀንዳ ዘእተዎ ከይድገም ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እምበኣር፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ብሰንኪዚ  ዝእለም ዘሎ መጻወድያ፡  መሰረታዊ ተልእኮኡ ከይስሕት   ከስተውዕል ይግበኦ።

 ናይዚ ጽምዶ እናተባህለ ዝፍጠር ዘሎ ሸበድበድ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ከባብና ናህሩ ዝውስኽ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ከምቲ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሰነይት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይርጉእ ኩነታት ዞባና፡ ክድህስሱ እንከለዉ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ሓያል ምውጣት ተጸሚዶም ኣለዉ” ዝበልዎ፡  “ንህልዊ ኩነታት  ትግራይ መን መዝመዘ” ኣብ ዝብል፡ ሓያል ምውጣጥ ይካየድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ትግራይ ነዞም ዝዋጠጡ ዘለዉ ዝተቓለዐ ምዃኑ ከኣ፡ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።  ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባዚ  ከቢድን ዝተሓላለኸን ክስተት ተጠንቂቑ ክውስን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። 

ነዚ ናይ ኣሰላልፋ ምግልባጥ፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”  ዝበሃል፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮንካ “ድላዮም ይግበሩ” ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ብትሪ “ዓገብ” ክትብሎ ዘገድድ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ናይዚ  መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ “እንዶ ዘየብሉ ጽምዶ ” ሳዕቤንን ዕዳን ዝኸፍሎ እቲ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፍኡ ዘይፈልጦ ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኸውን።

ኣብ ምግጣም እዚ ዝረአ ዘሎ በሎበሎ፡  ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን  መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝግበኦም ምዃኖም፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎም ተረድኦ ምዝኽኻሮም እዋናዊ እዩ። እንተቲ “ክልቲኡ ጐረባብቲ ህዝብታት ደላይ ሰላምን ስኒትን’ዩ” ዝበሃል ግና፡ ርዱእን ክንሰርሓሉ ዝጸናሕናን እምበር፡ ናይዚ ልኡላውነት ዘይንታዩን ፍኑውን ኣካይዳ ሓድሽ መጸዋዕታ ንጽበየሉ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ጉባአኡ ኣብ ዘጽደቖ መደብ ዕዮኡ፡  “… ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ እንገብሮ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ስኒትን ሰላምን ዝመለለይኡ ናይ ከባቢና ዕብየትን ርግኣትን ዘስፍን ፖሊሲ ከምንኽተል ንምርግጋጽ ጻዕርታት ክግበር ኢዩ” ዝብል፡ ሓሳብ ምስፋሩ ከኣ ንማዕርነታዊ ዝምድና ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ዘለዎ ተገዳስነት  ዘርኢ እዩ።

ተጋሩ ይኹኑ ካለኦት ምስ ህግደፍ ዝጻመዱ ወገናት፡ ነታ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንኻልእ ህዝብን መጻምድትን ክሓሊ ኣይክእልን እዩ” እትብል መልእኽቲ ክዝንግዕዋ ኣይግበኦምን። ሓንቲ ባህሪ ህግደፍ ዝተረደአት ኢትዮጵያዊት፡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ጽምዶ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ “ህግደፍሲ ቅድሚ ብባጽዕ ኣፍደገ ከፊቱ፡ ንተጋሩ ስርናይ ካብ ከናዳ  ምምጺኡ ምልጋሱ፡ ቅድም እስኪ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ፍትሒ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ዲሞክራስን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ሂቡ ልግሱ የርእየና” ክትብል ተሰሚዓ። ንሕና ከኣ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ካልእ መዛምድቲ  ንምርካብ ሃንደፍደፍ ምባሉ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዶ ንቡር ዝምድና  ፍጠር” ኢና እንብሎ። 

“ከምቲ ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ውድብነቱ  ብምስራዙ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት፡  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ዶ ይመሃር ወይ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ይጽመድ? ባዕሉ ክምልሶ ዘለዎ’ዩ። ገለ ተጋሩ ንህግደፍ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ” ገይሮም፡ ንዓኡ ምእንቲ ከሕጉሱ፡  ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ከጸልሙን ናይ ትግራይ ሃገርነት ኣፍልጦ ካብ ህግደፍ ክጽበዩን ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ንህግደፍ ክሳብ ክንደይ ይረግሞ ነይሩ? ሎሚኸ?”  ዝብሉ ምምዛን’ውን ንዓኡ ይምልከት።

እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዝኾነን ዝኸውን ዘሎን ብምዃኑ፡ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እምበር፡ በቲ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጦ ጽምዶ ኣይክጥበርን እዩ።    

ኤርትራ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶም  ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣለዉዋ። ብመንጽር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጠኣ እትውንኖም ጐላጉል፡ ጐቦታት፡ ኣፍላጋትን እምባታትን ንብዙሕነታ ካብ ዘማዕርጉ እዮም። ብሳላዚ  ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን  ውህብቶታትን ድማ ብዜጋታታ ከም ኣደ እትፍቶ፡ ብዝተፈላለየ ብወጻእተኛታት ከኣ ኣዝያ እትበሃግ፡ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓጥቀት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት  ሃገር እያ።

ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣደዃኹና ኤርትራ፡ ደጋ፡ ወይነደጋንን ቆላን ዝጥቀሱ እዮም።  ከም ውጽኢት ናይዚ በብዓይነቱ ኣቀማምጠኣ ድማኣ ዝተፈላለዩ፡ ኣግራብ ዝበቑሉላ፡ እንስሳ ዝራብሑላ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕተ ምድርን  ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እትውንን እያ። ሳላዚ መሳጥን ሃብታምን ተውህቡኣ፡ ብዘይካቲ ንምንባሩ ዘብህግ ኩነታት ኣየራ፡ ንሕርሻዊ፡ ንግዳዊ፡ ቱሪዝምን ካልእ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ትሃራፊት  እያ። ኣቀማምጣኣ ምስ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸገኣ ተደሚሩ ብዝፈጥሮ ምቅይያራት፡ ከምቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ዝረአ ኣብ ዓመት፡  ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን ዝበሃሉ ነናቶም ክሊማዊ መግለጺ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ባህልላውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ዝንጸባረቐሎም ክፍልታት ዓመት  ኣለዉዋ። 

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታታ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡላ፡ በበዓይነቱ ባህላዊ፡ ስነጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዝዝውተሩላ፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝንጸባረቑላ፡ ብዙሕነት ዝማዕረገት  እያ። ብዛዕባ ብዙሕነት ኤርትራ ክለዓል እንከሎ፡ “ከበሳን መታሕትን” ኢልካ ምግላጻ ልሙድ እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ጀኦግራፍያዊ ክፋላት ሃገርና ነፍሲ ወከፎም ነቶም መግለጺ ብዙሕነት ህዝባ ዝኾኑ ዛዕባታት ኣብ ምንጽብራቕ ነናቶም ብጽሒት  ኣለዎም። ውህደት ናይዞም ክልተ ክፋላት ክሳብ ክንደይ ሓድነታ ከም ዘደልድል ንምቅላሕ ከኣ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይንሃቦ ዋጋ” እናተባህለ ተደሪፉላ እዩ።

 መብዛሕትኡ ነባሪ መታሕት ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኮይኑ፡  መጓሰ ዘዘውትርን ክኸውን እንከሎ፡  ብኣንጻሩ  ኣብ ከበሳ ዝነብር መብዛሕትኡ ኣብ ክርስትና  ዝኣምን ናይ ቀዋሚ ሕርሻ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ቋንቋ፡ ባህልን ካለኦት ብዙሕነትን ድማ ከምኡ ከከም ከባብኡ ዝዝውትውርሉ   ላዛን ኣገባብን ኣለዎም። እዚ መርኣያ ብዙሕነት፡ ህዝቢ ዝፈላሊ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ጽንዓትን  ዓቕምን  ፈጢሩ ዘቀራርብን ዘሳንን እዩ። እዚ ንይምሰል ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኮሮ ቃልስና ምስጢር ዓውትና ምዃኑ ዘመስከረ  እዩ።

 ምስጢር ዓወት ኤርትራውያን ምክእኣሉን ምጽውዋሩን ምዃኑ ዝተረድኡ ጸላእትና ካብ ቀደም ጀሚሮም ቃልስና ንምድኻም፡ ካብቶም መግለጺ ብዙሕነና ዝኾኑ ዛዕባታት እናመዘዙ ክፈላልዩና ፈቲኖም፡ እንተኾነ ኣይተዓወቱን። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ህግደፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ስምዒታት እናጻሕተረ ካብ  ምክፍፋልና ዓዲ ከምዘይውዕል ንከታተሎን ንቃለሶን ዘለና  እዩ።

ኣብ ተመኩሮና ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ዝኣመሰሉን ንምምዝማዝ ከብ ዝተራእዩ ፈተነታት፡ ኣብ ግዜ ደርጊ “ምንቅስቓስ መታሕት/ቆላማ” ዝበሃል ዝነበረ ፈተነን በዓል ሱልጣን ዓሊ ሚራሕ ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታትን ንኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። ንከበሳነት መዝሚዝካ ዝህቀን ሸርሕታት’ውን ነይሩ እዩ ። ብመንጽር’ዚ ንናይ ጸላእቲ ውዲት ክትስዕር ምብቃዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ኣብቶም ምእንቲ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምን ቀጻሊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ወገናት እውን ኣብ ውሽጦም ነቲ ብዙሕነት ኣከኣኢልካን ተጸዋዊርካን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ብደሆ ክበቕዕዎ ይግበኦም።

እዚ ምርግጋጽ እንተዘይተኻኢሉ ግና እቲ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዝተመዝገበ ነጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብ ልዕሊ ጸረ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ህግደፍ ምድጋሙ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ምግንዛብ የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ “ሎሚኸ ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነትና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ክንበቅዕ ዝግበኣና። ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናብ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘድህብ ፍልልያትን ዘይምክብባርን፡ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ  ዓቕምን መልክዕን ዝኸውን ኣብ  ሓደጋ ዘውድቐና ንከይከውን ቅድሚት ሰሪዕካ ክትቃለሰሉ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነትና ኮነ ሓባራዊ ወፍርና መሰረታዊ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ስለ ዝኾነ።

ቅድም ሓይልታት መግዛእቲ፡ ሎሚ ድማ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸላእቲ እምበር ናይ ውሱን ኤርትራዊ ኣካል ፈተውቲ ናይቲ ካልእ ከኣ ጸላእቲ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ጸላኢ፡ ሃይማኖቱ፡ ኣውራጃኡን ባህሉን ብዘየገድስ እቲ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝሕለቕ ህዝባውን ብዙሕነታውን ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ረብሓኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ንሃይማኖት፡ ኣውራጃን ንካልእ ብዙሕነትን ኣይሕለቕን እዩ። ብዓብይኡኮ ህግደፍ ከም መግለጺ ንጭካነኡ እዩ “ኣፍሪቃዊ ሰሜን ኮርያዊ” ዝተባህለ። ስለዚ ህግደፍ ንምስዓር፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣብ ብዝሑነት ኤርትራን ኣተሓሕዛኡን ወሓለን ሓላፍነታውን ክኸውን  ወሳኒ እዩ።

ናይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ተመኩሮታት’ውን ከም ዘመስክርዎ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ  ክብገሱን ቁጽሮም ክበዝሕን ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበገሱ ኣተሓሳስባ ሓቛፍን ክፉትን ክሳብ ዝኾነ፡ ካለኦት ሰብ ዋኒን ኣብቲ ዛዕባቲ ተረድኦ ክሓድሮም እንከሎ ዝስዕብዎ እዩ። እቶም ጀመርቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባኦም ከፊቶም ዓደምቲ እምበር፡ ነጸግቲ  ክኾኑ ሃናጺ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መስርሕ ኩሉ ብዙሕነት ዝሳተፈሉ ምሉእነትን ሓቛፍነትን ክህሉ መሰረታውን ኣገዳስን እዩ። እንተኾነ እዚ ብናይ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ኣብ ሓደ ጸሓይ ብኣዋጅ እንተዘይተረጋገጸ እትብሎ ኣይኮነን። ንሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ተሳተፍቱ ካበይን ናይ መንን እዮም ዘይኮነ፡  ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባ እዩ። 

ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ወሳንን ተሃዋስን ናይ ቃልሲ ዕቤት፡ ብዙሕነትና ስግኣትና ዘይኮነ፡ ዓቕምናን መልክዕና ምዃኑ ተቐቢልና  ኣብ መትከል ምጽውዋርን ምክእኣልን  ጸኒዕና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ የብልናን።  

ወያነ ጌም ኦቨር >ተኾሊፍና> ጽምዶ!

ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም፡ በብግዜኡ ዝምስርቶ ኢደ-ወነናውን ዘይህዝባውን ዝምድናታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃላሊ ዝምድናታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ናይ ምንባር  ሕሳብ ጥራ ዝነቅል’ዩ። ህግደፍ ካብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሃድመሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ፍኑው ኣካይዳኡ ንምትግባር እዩ። ብሰንኪቲ ዘካየዶ ዘይግሉጽ ዝምድናታት ከኣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ጓና ክኾነሉ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ክጸምዶ ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ-ብትን” ዝምድናታት ኣርሑቑ ዘይርኢ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ተመኩሮ ዝምድናኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ደረጃታቱ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ’ዚ ዘይቅርዑይ ርክባት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ኩሉ’ቲ  ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሓላፍነታዊ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘሎን ጥልመታትን በለጽን ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድናታት ህግደፍን ኣፈራርሳኡን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እዚ ዘይርጡብ ዝምድና በቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናቶም ግደ ዝነበሮም ውድባት ህግሓኤን ህወሓትን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝጅምር እዩ። በብግዜኡ ክመሓዘዉን ክበኣሱን ከም ዝጸንሑ ክልቲኦም ከም ኣካል ታሪኾም ዘዘንትውዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ዝበኣስሉ ዝነበሩ መድረኻት ተሓታቲ መን ምንባሩ ግና ወትሩ ዝካሰስሉ እዩ። ካብቲ ናይ ዝምድናኦም  ዘይቅዱስ ምዕራፍ  ሓደ፡ ሓቢሮም ኣንጻር’ታ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበራ ተሓኤ ውግእ ከፊቶም  ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኸምሉ ጭካነ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ልዕልና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ መንግስቲ ኢህውደግን ዝምድና ነይሩ እዩ። “እቲ ዝምድና ብወገን ኤርትራ በየናይ ትካላዊ ኣካል ተመስሪቱ?፡ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ንህዝቢ ዝነብሮ ጠቓምነትከ ክሳብ ክንደይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሱን። ህግደፍ ነቲ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ተጠቒሙ ጉጅላዊ ካዝናኡ ይመልእ ከም ዝነበረ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ክሳብ “ንዶባት ትርጉም ናብ ዘየብሉ ብርኪ ከነብጸሖ ኢና” ዝበለሉ ግዜ’ውን ነይሩ እዩ።

 ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘይግሉጽን ዘይህዝባውን ዝምድና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽትል፡ ሰማዒ’ኳ እንተዘይረኸቡ ብዓንተብኡ ዘጠንቀቑ ኣርሒቖም ዝርእዩ ኤርትራዊ ውድባት ነይሮም እዮም። ነቲ ብግብሪ ዝተራእየ ስለ ዘተንብሁ፡ “ናይ  ህዝብታት ሕውነት ዘይፈትዉ” እናተባህሉ ዝተጸርፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግና ሰማዒ ዘይረኸቡ ዝገመትዎ ከኣ፡ እቲ ዝምድና ፈሪሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ዕንወት ብዘኸተለ  ወእግ ተሰንዩ ተኸሲቱ።

ድሕሪኡ’ውን ህግደፍ በቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ብዘይምምሃርን ብዘይስኽፍታን፡ ነቲ ክቐርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ብምንጻግ  በቲ ኢደ-ወነናዊ መንገዱ ምቕጻል ንከኽእሎ፡  ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ክጉሕፎ ድሕር ኣይበለን። ንዓመታት ኣድብዩ ምስ ጸንሐ ከኣ፡ “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ 2018 ናብ ሓድሽ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምእታው፡ ብክልቲኦም ወገናት “ኣየናይ መንግስታዊ ትካል’ዩ ወሲንዎ? ሎሚኸ ረብሓ ህዝብን ቀጻልነት ናይቲ ስምምዕን ተሓሲብሉ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣይኮነንዶ ሽዑ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይተመለሱን።

 እቲ ሓድሽ ስምምዕ’ውን፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ስምዒታውን ብምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዘይምምሃሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ፡ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ነይሩ። “እዞም ብኣተሓሳስባን ብዝኽተልዎ ፖሊሲን ዘይሰማምዑ መራሕቲ እንታይ ንምርግጋጽ እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?  ዝብል መሰረታዊ ሕቶ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ እዩ።

ህግደፍ ምስ ብልጽግና ምዝማዱ ምስ ኣወጀ፡ ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብቲ ምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ዘኸተለ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ።  ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ብወገን ኤርትራ “ኣየናይ ትካላዊ ኣካል’ዩ  ሓላፍነት ወሲዱ ናብቲ ውግእ ንምእታው ወሲኑ?” ዝብል ሕቶ፡ ብብዙሓት ዝተላዕለ ኮይኑ፡ መልሱ  ከም ናይቲ  ዝቐደመ ሕቶታት “ኢሳያስን ጉጅለኡን” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ መልሲ ኣይነበረን። ድሕሪ ውግእ ትግራይ  “ተኾሊፍና” ዝበለ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእን ኣሉታዊ ውጽኢቱን፡ ካብ ካልእ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ህግደፍ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን። ብመሰረቱ’ውን ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይምራሕ ስርዓት፡ “ፓርላማ እንታይ ኢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትከ  እንታይ ደጊሙ?” ኢልካ ክትሓትት  ዝሕሰብ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እቲ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ  ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይ ዘውረዶ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብብዙሕ ዘሳቕቕ መልከዓት ዝግለጽ ምንባሩ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ዝመስከርሉ  እዩ። ብወገን ኣካላት ህግደፍ’ውን ኣብ ዙርያኡ ዘይተነዝሐ ናይ ጽልኢ መርዚ ኣይነብበረን።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ’ውን  ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ኣሉታውን ዘይሓላፍነታውን ተግባሩ ከይተማህረ፡  ምስ ክልል ትግራይ “ጽምዶ” ዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ናብ ምፍጣር ትንዕምንዕ የርኢ’ሎ። ወዮ ኣብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካልን  ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላትን እትጽበዮ ውሳነ፡ ብሓደ ስም ዲክተረር  ኢሳያስ ጸሪሑ፡ መራሕ መንግስተይ ልኢኹኒ እንዳበለ ዝግዕርን፡ ተራ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ሰባኺ ባእታ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ  ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ንክኣትዉ ተፈቒድሎም፡ ደጊም ትግራይ ብ360 ዲግሪ ኣይክትዕጾንያ፡ ከም ምስ ህዝቢ ሱዳን ዝገበርናዮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተኻፊልና ክንበልዕ ኢና፡” ዝብል፡ ኣብ ተጋሩ ዘማጉት ዘሎ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተሰሚዑ። ነዚ መልእኽቲ ክሳብ “ወደባት ኤርትራ ንትግራይ ክኽፈት’ዩ”  ዝብል ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። እዚ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ንሓላፍነት ፈደራል መንግስቲ ዘንጊዕካ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ነቲ “ንኢትዮጵያ ክትገዝኣ እንትኮይንካ ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለካ” ዝብል ዓመጸኛ ብሂል መራሕቲ ህግደፍ ዘንጸባርቕ’ውን ይመስል።  

እቶም “ንጽምዶ” ዝዕደሙ ዘለዉ፡ ነቲ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንካልእ ህዝቢ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ተደጋጋሚ መልእኽትና ከመይ ይርድእዎ ንዓኣቶም ዝምልከት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ሰናይ ዝምድናታት ተቓውሞ ከምዘይህልዎ ርዱእ’ዩ። ግና ድማ ብጉልባብ ዝምድና፡ ልኡላውነት ክጠሓስ እንከሎን ኣብ ጉዳይ ካልኦት  ኢድ ምእታውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ዝግንዘብ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነትካ ምዕቃብ ካብ ምኽባር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ፈሊኻ ከምዘይርአ ህዝብና ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብምትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምኽታልን እዩ እሞ፡ ምእንታኡ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክሳብ ዓወት  ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።

ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እንተተመሊስና ከይነውሓና፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታሙ፡ ኣብ ከባቢና ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተቐላቐለ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ተመሓዝዮም ዝጸንሑ ዝፋትሕሉ፡ ዝጠማመቱ ዝነበሩ ከኣ ሓድሽ  ኪዳን ዝምስርትሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ክትረግሞ ንዝጸንሓካ ብምምራቕ፡ ክትምርቖ ንዝጸናሕካ ከኣ ብምርጋም ብዝተቓነየ ፖሮፓጋንዳ ዝተሰነየ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ኮነ  ክፍጠር ዝባሃል ዘሎ ዝምድናታት  ናይቶም ተሰለፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ክቱር ህርፋን  ዝማእከሉ እምበር፡ ኣርሒቑ ዝጥምት “ረብሓን ባህግን ህዝብታት” ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ብፍላይ ንኤርትራውያን ብሩህ’ዩ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተረእዮ ምእንቲ ፍትሕን ረብሓን ህዝብታት ዘይኮነን ቀጻሊ መፍትሒ ዘየምጽእን ብምንባሩ “ኣይፋልኩምን፡ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ከይጸንቀቕኩም ውግእን ዓመጽን ኣይተቐድሙ” ዝብል ስምዕታ፡ ብሓፈሻ ናይ ብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ነይሩ። እንተኾነ እቶም ውግእ ዝመረጹ መንቀድቲ፡ ነቲ ምግማቱ ዘጸግም ንዓለም ዘስደመመ ህይወትን ንብረት ዘህለቐ ውግእ ቀጺለምዎ። ኣንጻር እቶም ናይ ጥፍኣት መንገዶም ዘይተቐበሉ ኣካላት ከኣ ኣጸያፊ ጸለምታትን ጠቐነታትን ኣካይዶም።

በቲ ውግእ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሎም ዕድል ሓደጋ ምዃኑ ምስተረድኡ ግና፡ ብፍላይ ብወገን ህግደፍ ናብ ኣልጀርስ ኣምሪሖም ናይቲ ቅድም ዝተሓሰምዎ “ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ” ተቐበልትን ሰበኽትን ኮይኖም፡ ካባ ስዕረት ተጐምጒሞም ንዋራ ዝደሓንሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኮም ህይወት ደቁ ዝሰኣነን ንብረቱ በሪሱ ዝተመዛበለን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ “ማይ ዕሚኹ”ተሪፉስ” ክሳብ ሎሚ ይቕንዞ’ሎ። ኣብ መጻኢ ከይድገም ተማሂርሉ ክኸውን ዝነበረ ተስፋ ከኣ፡ እንደጋና ጽልእን ቅርሕንትን ብምውላዱ እነሆ እቲ ህውከት ቀጻሊ ኮይኑ ።

እቶም ካብ ቅድም ነቲ  ናይ ውግእ ምርጫ ዝተቓወሙ ወገናት፡ ነቶም ውግእ መሪጾም ዘይሰለጦም፡ ኣላሽ  ዝበሉ፡ “ማንቲለሲ ዘሊላ ዘሊላ ናብ ምድራ” ከም ዝበሃል፡ “ንሕናኮ ነጊርናኩም ኔርና ኢና” ኢሎም ኣይተመክሕሎምን። ብኣንጻሩ ናብ ልቦም ተመሊሶም ልዝብን ምድምማጽን  ስለ ዝመረጹ፡ እሞ እቲ ተግባር ንረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሓሳቦም ተቐቢለምዎ። ይኹን እምበር ድሕር’ዚ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘኸትል ውግእ’ውን፡ ብህግደፍ ከም ክድገም ዝገመቱ ነይሮም እዮም። ግምቶም ከኣ ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን።

ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ድንግርግር ዓመታት ፡ ከምቲ ሓደ ፖለቲከኛ “ተኲሲ ናይ ዘይስምዓሉ ውግእ ግዜ” ዝበሎ፡ ኣብ 2018 በዚ መጸ ዘይተባህለን ታህዋኽ ዝደፍኦን፡ ኣብ መንጎ’ተን “ዓይንን ሓመድን” ኮይነን ዝጸንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም ተመሊሱ፡ ዶባት ተኸፊቱ” ምስ ተባህለ፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮነ። እቶም ብጉርሒ ዝጐዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ከኣ፡ ገለን ተመስጊነምሉ ገሊኦም ድማ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊመምሉ፡ ገለ ድማ ካብ እገዳ ተናጊፈምሉ። “ንኢትዮጵያ በታቲንና ኢና ክንገዝኣ እንኽእል” ዝብላ ዝነበራ ልሳናት ህግደፍ ድማ “ዕላማና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ምሕላውን፣ ወያነ ዳግም ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርራ’ዩ” ክብላ ተሰሚዐን። በቲ ክስተት ተገሪሞም፡ “እንቀዓ መሻላ ዘይውደኣ ይመላ” ዝበሉ ጠርጠርቲ ከኣ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ብዘደንጹ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናምበልበሉ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዖም “ተደሚርና ኢና”  ዝብሉ ደድሕሪ ህግደፍ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ድማ ተራእዮም።

ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርበሐ ህግደፍ፡፡ በዓል ጽቡቖም ክኸውን ዝተመነዩ ስምዒታውያን ኢትዮጵያውያን ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ ዝመጉስ መዛሙር እናስምዑ ክዘሉ ተራእዮም።  ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና እቲ ሓደ “ተኾሊፍና” ዘርእስቱ ናይ እንጽርጽሮት ዜማ ክስምዕ፡ እቲ ካልእ ከኣ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ክንከውን ኢና” ኢሉ ክጭድር ተሰሚዖም። እቲ ክስተት ንህዝቢ ኤርትራ ጥልመት  ህግደፍን መራሒኡን ሓድሽ ካምዘይኮንዎ ርዱእ’ዩ።

ህግደፍ ንመጻኢ’ውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ “ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ዝማእከሉ ሓሸውየ” ኣይክወጽእን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከምቲ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል መልእኽትና ናብኡ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ነቶም ህግደፍ በብግዜኡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርማ ተሰከሙ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜማ ኣቃልሑ” ክብሎም ዝጸንሐ “ናብ ልብኹም እንዶ ተመለሱ’ሞ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኩኑ” ዝብል መጸዋዕታ ከነቕርብ ግና ግድን’ዩ።

እቶም ንህግደፍ ኣሚኖም፡ ዘይኤርትራዊ ባንደራን ኣርማን ክቐያይሩ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ካልእ ዝሕብሩ ባንዴራ ናይ ምጉምጓም ግደታ ዝጽበዮም ዘሎ ዝመስል፡ ከምቲ ንዝኾነ ነገር ደረት ዘለዎ፡ “ሎሚኸ ምስመን  ኢኹም ከተትዓራርኹና ትደልዩ ዘለኹም?” ክብሉ ድዮም ኣይፋሎምን፡ ንሳቶም ክምለስዎ ዝግበኦም’ዩ። ካብ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ሸለውለው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “መብዛሕቶም ብውሽጦም ኣይድግፍዎን እዮም” ክበሃል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ውሽጦም ኣሎ ዝበሃል ሓቀኛ እምነቶም ካብ ሎሚ ዝጥዕም ደኣ ንመዓስ’ዮም ከውጽእዎ?  ዝበል ሕቶ ዘኸትል’ዩ።

ከምቲ ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዘነጽሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋጸኦ፡ ልኡላውነቱ ዝዓቀበ፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተን ኢድ ኣእታውነት ዘይቕበልን ዝምድና፡ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ።  ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ቋንቋዊ፡ ንግዳውን ዝኣመሰሉን ዝምድናን ተመሳሳልነትን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስዚ ግና ነናቱ ልኡላዊ ሃገርን ዜግነትን ዘለዎ፡ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኑ ዘውደኽደኸ እንተውደኽደኸ ዘይቅይሮ ቀይሕ መስመር እዩ። ነቲ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ሰነዳት ሰዲህኤ ተወሪቑ ሰፊሩ እንረኽቦ፡ “ብፖሊሲ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ምዕቃቡ’ዩ። እዚ ኣተሃላልዋ ኣብ መንጎ ኣብ ዶባተን ዝመሳሰል ነባሪ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝረአ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ  ዘሎ ኣይኮነን።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ፡ ቅድም  ውግኣት ከይካየድ፡ ደሓር ከኣ ህዝቢ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ተማሂሩ ንከይድገም “ኣይፋልኩምን” ንክብል ክጽዕቱ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባታት ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባርን ቀጻልን ምዃኑ ዘኽብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍቕሪ ህግደፍ ብዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ውዒሎም ብዝሓድሩ ልኡኻት ዝቕየስ ኣይኮነን። “ተባኢስናያ ጸኒሕና’ሞ ክንዕረቕ ኢና” ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”  ወይ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ”ዝበሃል፡ ዘይንሕናስ ኣይትበኣሱ ኢና ዝበልና፡  ካብ ምባሎም ሓሊፍና ካልእ ንብሎም የብልናን። ምስዚ ኩሉ ግና “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንካልእ ህዝቢ ክኸውን  ከምዘይክእል”  ነቶም ምስ ህግደፍ ክመሓዘዉ ዝመጣጠሩ ከየተንባህና ኣይንሓልፍን።

ኣብ መስርሕ ናይዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መሰረታዊ ሸቶ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከም ዝራኽብ ዝሳሓት ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መቓብር ዲክታተርነት ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካል፡ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታትን መሰረታዊ መሰላትን ምግጋጽን ምዕቃብን  ዝብሉ ናይቲ ሓባራዊ ሸቶ መርኣያ እዮም።

ናብዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ዝስራዕ መባእታዊ ዘሰማምዕ ዓላማ ንምብጻሕ፡ ዓቕምና ንምእካብ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ኩልና ሓይልታት ለውጢ እምንቶ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ከኣ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ፡ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ምንባሩን ምዃኑን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ እውን ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዘውጽእዎ ኣዋጃትን ዘስምዕዎ መደረታትን ንወሳኒ ኣድላይነት ናይዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከይጠቐሰ ዝሓልፍ የለን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጉዳይ ዝዕወት ስለ ዝመደርካሉ፡ ዝደገፍካዮን ዝበሃግካዮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል ብቑዕን ቅሩብን ዓቕሚ ኰንካ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ዝተመሃርናሉ መስርሕ  እዩ።

ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡  “ስለምንታይ ዳኣ ክሳብ ክንድዚ ኩልና እንደልዮን  እንኽእሎን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወትናዮ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ዝኸውን። ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከበሉ’ውን መተካእታ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ከም ቀዋሚ ኣጀንዳና ወስዲና ንቃለሰሉ ዘለና። እቶም ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ሕቶ እንዋሳእ ዘለና ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፡ ኣወዳድባና በበይኑ እዩ፡ ገሌና ሰልፊ ገሌና ውድብ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን። እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እውን ጐነጻዊዶ ዘይጐነጻዊ እናተባህለ  ከም ዝፈላለ ርኡይ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ንወደብን፡ ዝኾነ ኣገባብ ንክተልን  ሸቶና ኣብ ኤርትራ ልዕልና ህዝብን  ፍትሓዊ ምሕደራን ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺእካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሰት ኤርትራ ምግሃድ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምካ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ቀዳምነታትካ ብጥንቃቐ ሰሪዕካን ዋላ ኣብ ዝወሓደ ነጥብታት  ኣብ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትስጉምን ፍልልያት ከተጽብብን ዘይምብቃዕ ዘርኢ፡ ካልእ ናይ “እናደለኻዮን እናከኣልካዮን” ናይ ዘይምዕዋቱ ኣብነት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ  ንከይንዕወት ይዕንቅፉና ካብ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ “ነቲ ዝፈላልየካ ዝያዳ’ቲ ዘሰማምዓካ ምትዕብባይን፡ ንፍልልያት ግዜ ሂብካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትፈትሖም ዘይምኽኣልን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምጥራይ፡ ናብ ህዝቢ ሓቢርካ ዘይምቕራብ፡ ዕቱብ ገምጋም ዘይምክያድ፡ ንሓድሽ ምዕባለ ዝምጥን ሓሳብ ዘይምንጫው፡ እስትራተጅን ሜላን ምድብላቕ፡ ንብዙሕነት ውዳበታት ከም ሓደጋ ምርኣይ፡ ሓቀኛ ምትእምማን ዘይምጥራይን ዝኣመሰሉን እውን ቅድሚ ሕጂ ብውድባት ኤርትራ  ብሓባር ዝተገምገሙ ክድገሙ ዘይግበኦም ሕጽረታት እዮም።

እቲ ካልእ ጐሊሑ ክረአ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ጉዳይ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሐ ኣውንታዊ ተመኩሮን ጥጡሕ ባይታን ብምውሳኽ  ዋጋ ብዝተኸፍሎ ናይ ተመክሮ ጸጋ ምጥቃም፡  ኩሉ ግዜ “ሓደ” ኢልካ ጀማሪ ናይ ምዃን ዝንባለ ምርኣይ ወትሩ ዝጥቀስ ክእረም ዝግበኦ ድኽመት እዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ናይቶም ተዋሳእቲ ሰልፍታት ይኹን ውድባትን ማሕበራትን ውሽጣዊ ዓቕምታት ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝምስረት ጽላል ዓቕሚ እኩብ ድምር  ናይቶም ዘቑምዎ ኣካላት ዓቕሚ ስለ ዝኾውን። እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይተን ኣብ መስርሕ ቃልስን ተስፋ ኣብ ዝህብ ፈተነታት ምምስራት ጽላልን ዝርከባ ውዳቤታት ዕቱብ ዘተባብዕ መርገጽ ዘይምሓዝ ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምስራት ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ዝንባለ’ውን እዩ።

ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ለውጢ ከተምጽእ ምጽዓት፡ ኣወዳድባታትን ኣሰያይማ ጽላላትን ኣተኲርካ  ለውጢ ከተምጽእ ምህቃን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝሕግዝ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከተተኣታቱ ምብቃዕ ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ምምስራት ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካለኦት ንኡሳን ምሕዝነታትን   ምትሕንፋጻትን ዝተመኮርናዮ እዩ።

ሓቢርካ ምቅላስ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ብጽሒቱ ወሳኒ ምዃኑ ንሕና እንርደኦ እቲ ብሓድነትና ዝርዕድ ህግደፍ’ውን ዝግንዘቦን ንከይዕወት ውዲታት ዝኣልመሉን እዩ። ብሓባር ምቅላስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን እውን ወሳኒ እዩ።  “ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓለሱ” ዝብል መጸዋዕታ ልዕሊ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕጽንታ ምዃኑ  ምስትውዓል’ውን  የድሊ።

 ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንኤትራዊ ልኡላውነት ዝደናደን ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ተርእዮ ክቕልቀል እንከሎ፡ ናይ “ኣይፋል ንዓመጽ እወ ንልኡላውነት” መልእኽትና ትርጉምን ዓቕምን ክህልዎ ሓቢርካ ምስላፍ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳትና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንከተድምዑ ሓቢርኩም ዘይትንቀሳቐሱ” እንበሃሎ ከኣ ነዚ ዘምልክት እዩ። እቲ ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ጐረባብትናን ዞባናን ዝኽሰት  ዘሎ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ትርጉም ንክህልወና ነቲ ክሳብ ሎሚ እናኣመናሉን እናደለናዮን ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ብሓድሽ መንፈስን ድሉውነትን ምትግባር  ሎሚ’ውን ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘለውዎ ዝተፈላለዩ ክእለታት ዝዋፈር፡ ስራሕ ዘይንዕቕ፡ ብሃፈ-ጻምኡ ዝነብር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ዝኣምን እምበር፡ ዘይናቱ ዝምነ ሃካይን ዓመጸኛን ኣይነበረን ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ መግዛእትን ንሱ ዘኸተሎ ምግፋፍ መሰላትን ርእሰ-ምምሕዳርን ግና፡  ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራን ክቱር ወጽዓን ንምድሓን ጐኒንጐኒ’ቲ ቃልሱ፡ ከይፈተወ ብሓፈሻ ናብ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጐረቤቱ ዝኾነት ሱዳን ክስደድ ከም ዝተገደደ ታሪኽ ኣመጻጽእ ስደት ኤርትራውያን ይሕብር። 

ድሕሪቲ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ናብ ሃገሩ ዝምለስ፡  ብሰንክ’ቲ ኣብ ሃገሩ ስልጣን ዝበሓተ፡ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝኸፍአ ብሓፈሻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ  ብብዝሒ ይነብር ኣሎ። ካብቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 600 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለያ 28 ሃገራት ይነብር ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘዳለዉዎ መጽናዕቲ የርኢ። ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያን ኣሜሪካን ብኣብነት ይጥቀሳ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብተን  ዝነብረለን ሃገራት ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እውን፡ ክንድቲ ኣብ ሃገሩ ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ግዱድን ደረቱ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ማእሰርትን’ኳ እንተዘይኮነ፡ በዳህቲ ተጻብኦታት ኣይተፈልይዎን።  

ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን  ኣዝዩ መሪር ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ደቢብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ እስራኤል፡ ቱርክ፡ የመንን ግብጽን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን። ናይቲ ጸገም ጠንቅታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ እተን ሃገራት በቲ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ዝኸተማሉ ውዑላትን ስምምዓትን ዘይምምእዛዝን ህግደፍ ደድሕሪ’ቶም ኤርትራውያን እናሰዓበ ዝኣልሞ ውዲታትን  ብኣብነት ዝጥቀሱ  እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ ገለ  ኤርትራውያን ዘይጥንቁቕ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት’ውን፡ ግደ የብሉን ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እተን ኤርትራውያን ዝነብሩለን እሞ ምስ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቶ ኣብኣተን ዝነብሩ  ስደተኛታት በቲ ንህግደፍ ዝርእያሉ መዕቀኒ መዚነን፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ብምሕዳር ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ሃሳዪ ስጉምትታት ክወስዳ ይረኣያ እየን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ግና ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ወጥሪ ከይበጸሓ እንከሎ’ውን  ኣብ ኣዲስ ኣበባን መደበር  ኣለውምዋጭን ዝነብሩ ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕማቕ ኩነታትን ህግደፍ ይግደሰሉ ዘይምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጓስ ኢለን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝገብርኦም ሃገራት’ውን ኣለዋ።  ግብጺ ኣብዚ እዋንዚ እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ናይዚ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።

ናይተን ሃገራት ስጉምቲ፡ እኩይ ተግባራት ህግደፍ ናብ ስደት እውን ዝኽተለካ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ስደቱ’ውን ግዳይ ኣሉታዊ ሳዕቤን  እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጽሞ ወጽዓ ካብ ምዃን ከምዘይድሕን ብግብሪ ዘርኢ እዩ።  እተን  ብቕንዕና መሰል ስደተኛታት ዘኽብራ ሃገራት’ውን ጸጥታአንን ናይ ህዝበን ድሕነትን ዘቐድማ ምዃነን  ኤርትራውያን ክግንዘብዎን ኣካይደኦም ብኣኡ መሰረት ዝግዛእ ክኸውንን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ጸጥታኻ ምኽባር  ክበሃል እንከሎ ግና፡ ሃገራት ነቲ ዝተጻልኤኦ ህግደፍ ዝረኸባ መሲልወን ነቶም መሰሎም ክሕልዋሎም ዝግበአን ኤርትራውያን ብጃምላ ምእሳረን መፍትሒ ዘይኮነስ፡  ነዓኣተን’ውን ዘየርብሐንን ዘሕትተንን ምዃኑ ክግንዘባ ይግበአን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም   ከም ሕጋዊ ስደተኛ ዝተመዝገቡ ክነሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘየቕስን እዩ። እቲ ዘሰክፍ ተግባራት፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ  ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ብጃምላ ምእሳርን ብዘይድሌቶም ናብቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ህግደፍ ምምላስን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝረአ ዘሎ ከኣ ነዚ የመልክት።

ኤርትራውያን ናይተን ከም ስደተኛ ዝነብሩለን ሃገራት ሕጊ ምኽባርን ናይ ህዝበን ባህሊ ምሕላውን ከምኡ ከኣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ምስናይን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። እዚ ግና ብፍላይ ናይተን ብዝኾነ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረን ዝነብር ናይ ወጻኢ ዜጋ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለወን ሃገራት ግደ ዝዝንግዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘኪርካ፡ ክኸውን ዘይግበኦኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ  መንግስቲ ከም ዝኣትዉ  እትግምቶ እዩ።

ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ኤርትራውያን ብኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ከም ዝእሰሩን ናብ ኤርትራ ከም ዝስጐጉን ቀጻሊ ዜና ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  3ተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉ እውን መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ክሳብ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝውሰድ ማህሰይቲ ከምዘየቋርጽ ከኣ፡ ካብ ናይ 1998-2000 ውግእን ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ነቒልካ እትግምቶ እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ምስጓጉን ምርሳይ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ዝረአ ዘሎ ብስም ኤርትራዊ ዝውሰድ ጃምላዊ ስጉምቲ ደሓር ናብ ንቡር ኣብ ምምላሱ ዋጋ ዘኽፍል ጽልኢ ምፍጣር እንተዘይኮይኑ፡  መፍትሒ ከምዘየምጽእ ክርድእዎ ይግበኦም።

ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ እውን ምስቲ ጉዳይ ዝዛመድ ሓላፍነት ዘለወን ኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበራትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠር ቅልውላው ከሎ ጋና ከቕልብሉ ይግባእ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምጥልላም ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ዝኸተመሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክህሉ ዝግበኦ ነባሪ ሰላማዊ ጉርብትና ክርእዮ ንጽወዖ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ “ኣበይ ኮይነ እንታይከ እገብር ኣለኹ?” ኢሎም ከስተውዕሉ ይግበኦም።  ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ለውጢን ዜናዊ ትካላቱን ድማ ኣብ ዝረኸብናዮም ኣጋጣሚታት ነዞም ግዳያት ድምጺ ክንኮኖም ይግበና።

ናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና።  እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ  ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን    ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።

ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ  ባእታ  ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል  ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ  ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ”  ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ  “ስለምንታይ  ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን  ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።

ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ  ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።

ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ  ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ  ኤርትራውያን  ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።

ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት  ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡  ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን  የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር  ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።

እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም  ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?”  ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን  ይግበኦ።

ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ።  ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ  ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።

ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕልና ሕጊ ሕሉው ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ’ዩ። በዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቅድሚ  ሕጊ ማዕረ መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ብልዕልና ሕጊ ዘይምእዘዙ ዓመጽትን መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ግዝኣኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንከኽእሎም  ሓይልን ዓመጽን ልዕሊ ሕጊ ክሰርዑን ይረኣዩ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝብን ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ነዊሕ ዝዕድመኡን ንምግላጹ ዘደንጹን ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ኣጠቓሊልካ  ክቐርብ ካብ ዝኽእለሉ፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ዝተጻዕነሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዓሉ ኣቀማምጣ እዩ” ኢልካ ምጥቃስ ይከኣል። ሓይልታት ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ግልቡጥን ሓደገኛን ኣቀማምጣ፡ ልዕልና ህዝብን ሕግን  ልዕሊ  መንግስትን ኣካላቱን ዝረጋገጸሉ ስርዓት ንምውሓስ እዩ።

ሕጊ፡ ንበብሓይልኻ ምኻድ ዓጊቱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕማማት ዝሰርዕን እንታይ ከምዝገብሩን እንታይ ከምዘይይገብሩን ዝውስን፡ በበይኑ ድሌታት ዘለዎም ኣካላት ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎን ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል ዳኛ እዩ። መላእ ዓለምን ህዝባን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ብሰናይ ፈቓዶም እናተኸኣኣሉን እናተሓጋገዙን ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሃገራት ጀሚርካ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጸደቑ ሕግታትን ቻርትታትን ተኣማሚኖም እዮም። ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ፡ ቻርተራትን ስምምዓትን እንተተሰሪዑ ግና፣ ዓለምና ናይ ልዕሊ 200 ልኡላዊ ሃገራት ዘይኮነት ናይ ኣዝየን ውሑዳት  ሃገራት መዕንደሪት መኾነት ነይራ።

ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ብጀኦግራፊያዊ ስፍሓታ ኣብ መበል 101፡ ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ መበል 132 ከም እትርከብ ሰነዳት የርእዩ። እዚ ንቁጠባዊ ብልጫታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ኤርትራ ዝዓበያን ዝሓየላን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ብሳላቲ ህዝብና ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ብዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተዓዛብነትን ዘካየዶ ህዝበ-ውሳነን፡ ካብ 28 ግንቦት 1993 ንደሓር ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ኮይና። በዚ ድማ ምስተን ሚልዮን ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓተንን ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት “ማዕረ ልኡላዊ” መሰል ኣለዋ። እዚ ልኡላዊ ክብሪ፡ ህግደፍ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተሓለፈ ዝሓልፍ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራን ህዝባን  ነባሪ’ዩ። እዚ ልኡላዊ ማዕርነት ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዘይተሰርዐ ዝተረኽበ መሰል እዩ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ክብራ፡ ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝደረበት ሃገር ንክትከውን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ልኡላውነት ብልኡላውነት ህዝቢ እንተዘይተሰንዩ ምሉእነት ስለ ዘይህልዎ።

ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ክስራዕ እንከሎ፡  ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣካል ተመኩሮና ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ከቢድ ዝዋግኡን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ምንባሩ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ መግለጺ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን” ሓደጋ፡ ምስምሳት እናፈጠርካ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝረአ ወራሪ  ወስታታት እዩ።  ታሪኽ ወራርን ተወራርን ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ናይ ሩሲያ ወስታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ናይ እስራኤል ጋዛ ናይ ምጥቕላል ሃቐነን ብኣብነት ዝጥቀሱ ተረኽቦታት እዮም። ኣብዚ እቲ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝደገፈ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ምድፋር ልኡላውነት ናይ ምቅዋም ሞራል ኣለዎዶ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ወያ ከም ናይ ዓለምና ኣኽባሪት ሕጊ ፖሊስ፡  ጌርካ ክትውሰድ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣንጻርቲ ዓለም ኣብ  ምትህድዳእ ግደ ዝነበሮም ሕግታት ብፕረሲደንታ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽ ስጉምትታት፡ “ግሪን ላንድ  ተድልየኒ እያ” ዝብል ወስታ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ንክኸውን  ዘተባብዕ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ዝብል ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ መዝሙር ዝገልበጥካ እንተገልበጥካዮ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ክትሰርዕ ካብ ምድላይ ወጻኢ ዝትርጐም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ዝርዝር ከይነውሓና፡ ካብ ግዜ ንጉስ 2ይ ምነሊክ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሑ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠሓሒስካ ህርፋንካ ናይ ምትግባር ድሌት ንዕዘብ ስለ ዘለና። ዋላ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣጽኒሕካ፡ “ውዕል ኣልጀርስ እውን እኮ ክንጥሕሶ ንኽእል ኢና” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ’ሎ። ምናልባት “ዓለም ለኻዊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ሕግታት ተመርኲስና፡ ብወደባት ኤርትራ ኣገልግሎት  ክንረክብ ኢና” ዝብል እንተዝነብር፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን ሓደጋ” ስለ ዘየስዕብ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ተጠቃሚ ስለ ዝኸውን መተቐበሎ።

እዚ ጠቕሙን ሳዕቤኑን እንታይ ከምዝኸውን፡ ኣመዛዚንካ ዘይተሓስበሉ ዝመስል፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ስበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዶብ ኤርትራ ጥሒስካ ወደብ ብምውናን ጥራይ ጠጠው ዝብል ዝመስሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጥሓስ ሕጊ ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ናብኦም ከም ዝግልበጥ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ጽባሕ ካልእ ሓያል መጺኡ ንኦጋዴን ድዩ ንሞያለ፡ ወይ ኣልፋሽጋ “ናተይ እዩ” ምስ ዝብል፡ እቲ “ልኡላዊ መሬተይ እዩ” ዝብልሉ መርተዖ ካብ ኢዶም ከም ዝወጽእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዘሳሓሕብ ዘይተጠረረ ዶባት ከምዘለዋ ኣብ ግምት ከእትውዎ’ውን መተገብኦም።

እምበኣር፡ ሎሚ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ደፊእካ እንተኣቲኻ ጽባሕ እውን ንስኻ ግዳይ ናይ ምዃንካ ሓደጋ ክፉት ምዃኑ ርኢና ኣለና።  ስለዚ በቲ ሓደ ወገን  በመንጽርቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያውያ ነቲ ኩነታት ይረእየሉ ኣለኹ ብእትብሎ ዘላ መዳያት፡ ታሪኽ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ናይ ብሄራት ኣሰፋፍራ፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸጥታን ደሕንነትን፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ክገሃስ ዘይክእል ምዃኑ ኣስተውዒልና “ዓገብ ንልኡላዊ ግህሰት” ክንብል ግድነት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሶም” ንሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፡ ዘይናቶም  ክውንኑ ሃንደፍደፍ ንዝብሉ ወገናት ተጽዕነኦም ከሕይሉን፡ ወረ ውግእ  ንዘቃልሑ “ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ተኸተል”  ንክብልዎ  ብቐጻሊ ክንጽውዕ  ይግበኣና።