ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።
ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቋንቋ ዳኣ ይፈላለ’በር ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዓለም ልሙድ እዩ። ትርጎሙ ከኣ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከብ ብርኩት እቶትን ሓቢርካ ኣብ ምቅላስ ዝሕፈስ ኣድማዒ ዓወትን ምምልካት እዩ።
ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸገም ሓቢርካ ብምቅላስ ጥራይ ከም ዝፍታሕ፡ ካብ ቀደም ዝርድእዎ ኣምር እምበር ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ሓቢርካ ዘስርሕን ዘቃልስን ዘተኣማምን ባይታ ምጥጣሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ካብ ተመኩሮኦም ዝግንዘብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ብደሆ ከከም ግዜኡን መድረኹን ባህሪ ናይቲ ትቃለሶ ጸላእን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ካብ 40ትታ ጀሚሩ ከሳቕዮም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ቅድሚ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ንምስላፍ ወሳኒ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን ኣጀንዳ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክኽፈል ዝነበሮ ኣብ ሕድሕድና ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ ክድገም ዘይግበኦ ኣሉታዊ ስንብራት ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ጸላእትና እውን ስልትታቶም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ሓቢርና ምስላፍና ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ፡ ንምዝራግና ዘይተኹተኹዎ ከፋፋሊ፡ ስምዒትን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ኣይነበረን። ሎሚ እውን ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ንምዝራግ፡ ጸጋ ሃገር ሰሊዑን ጐሓላሉ ኣዋፊሩን፡ ተንኮላት ኣብ ምእላምን ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ኣሎ። እንተኾነ ናትና ሕመቕ እንተዘይሓጊዝዎ ኩሉቲ ዝእለም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተመኮርናዮ ስለ ዝኾነ ኣይክዕወትን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሰንኪ ውዲት ጸላእቱ ሓድነቱ ተዘሪጉ ክንድቲ ዝሓስብዎ መፍቶኦም ኣይኮነን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ንምፍልላይን ምርሕሓቕን በዲሁ፡ ጸረ ሓድነቱ ሓይልታት ተስፋ ቆሪጾም ኢደ-እግሮም ኣብ ዝእክብሉ ደረጃ ስለ ዘየብጽሖም ንሓድነት ዝግበር ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን “ሓቢርካ ምቅላስ ሰለምናይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ዘይውዕል ዘሎ። ነዚ ክንሓትት እንድረኽ እምበኣር፡ ኣንጻር ፈላላይ ተንኮላት ህግደፍ ዝምክት ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከነውሕስ እነካይዶ ቃልሲ ጀሚርናዮ’በር ኣብቲ ዝድለ ዘተኣማምን ብራኸኡ ስለ ዘየብጻሕናዮ ኢና።
ህግደፍ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ተቓወምቱ ሓይልታት፡ ናይቶም “ደገፍተይ እዮም” ዝብሎም ወገናት ሓድነት እውን ኣየቕስኖን እዩ። ዘራጊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝድረት ዘይኮነ ዶብ ሰገር እውን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ህግደፍ ኣንጻር ኩሎም “ሕብረትናን ሓድነትናን ነሕይል” ዝብሉ ወገናት በታኒ ሴፍ ካብ ምምላሕ ዓዲ ዘይውዕል። ናይቲ ጉጅለ ከምኡ ምዃን ካብቲ ኣመጻጽእኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመትን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ናይቶም ብሓባር እንተዘይተቓሊስናዮ ኣደዳኡ ከም እንኸውን እንፈልጥ፡ ካብቲ መጻወድያኡ ዘይምውጻና ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘቃልሰና ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ከነደልድል ዘይምብቃዕና፡ ዓቕሚ ብምስኣና ዘይኮነ፡ ክንድቲ ንኽእሎ ክንገብር ቅሩባት ዘይምዃና ዘመልክት እዩ። ቅሩባት እንተንኸውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ፡ ክመሃረሉ ንዝደሊ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ናይ ምእካብን ምፍልላይን ተመኩሮና ክእለትን ኣፍልጦን ኣይምወሓደናን።
ዓቕምን ተመኩሮን ብቕሩብነትን ትግሃትን እንተዘይተሰንዩ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዘይቅርቡነት ሓቢርካ ተቃሊስካ ንክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ንክትከፍል ድልዊ ብዘይምዃን እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ውዳበ ምዕዛዝ፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዘይምስራዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምኽባር፡ ክትስማዕን ክትሰምዕን ቅሩብ ምዃንን ዝኣመሰሉን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሕልና ድሉውነት እንተዘይኮይኑ፡ ቁጠባውን ካልእ ነገራውን ብደሆታት ዘስዕብ ኣይኮነን።
“ሓቢርካ ምቅላስ ስለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ተደጋጊሙ ዝተመለሰ እዩ። ረብሓኡ ተመሳሳሊ ክነሱ፡ በበይኑ ዝስለፍ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ጠርኒፍካ “ጸዊዑ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ዓቕሚ ምፍጣር ዝብል ሓደ ካብቲ መልስታት እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካን ቀዳምነት ሰሪዕካን ምቅላስ ማለት እምበር፡ ምእንቲ ብዙሕነት እናተቓለስካ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ መማረጺ ጸጋ ዘንጸባርቕ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን መዓስ ነየናይ ቅድሚት ትሰርዕ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ብሓባር ምቅላስ ናይቲ ብምፍልላይናን ምርሕሓቕናን ክውሕጠና ዘንባሁቕ ጐረሮ ጸላኢ ምዕጻው ማለት እውን እዩ።
ንርከበሉ ዘለና ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ተሃዋኢ መድረኽ፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ለውጥን ጥራይ እንሻቐለሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባታ ብዓባያ ሃገረ ኤርትራ እውን ዝያዳ እንስከፈሉ እዩ። ከምቲ “ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ እዋን ግና ዘይደሓን” ዝበሃል፡ ዕንደራን ደገደገ ምምዕዳውን ህግደፍ “ናይ ቀደሙ እዩ” ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ስለዚ “ህግደፍ ብኸመይ ይውደቕ፡ ምምሕዳር ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱኸ ከመይ ይኹን” ኣብ ዝብል ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ከ እንታይኮን የጋጥማ?” ንዝብል ስኽፍታ እውን ቆላሕታ ምሃብ ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ሓቢርካ ብምቅላስ እምበር በበይንኻ ብምውፋር ዝዕመም ከይምዘይኮነ ከቶ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ናይ ህዝባ እያ፡ ህዝባ ድማ ናታ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባን ዘሎ ዝምድና ካብቲ ንቡር ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዝህሉ ዝምድና ዝያዳ ጥቡቕን ዝተፈልየን እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ንህዝባ ከም ማና ዝተዋህበት ዘይኮነት፡ ድሕሪ መሪር ቃልስን ክቡር ናይ ደምን ድምጽን ዋጋን ዝተዋሕሰት ህዝባ ከም ብሌን ዓይኑ ዝሕልዋ ስለ ዝኾነት።
ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ዘይጭበጥ ሓሳባዊ ዘይኮነ፡ ብሓያሎ ግብራዊ መዕቀንን ረብሓታትን ዝግለጽ እዩ። ብመንጽር’ዚ “ኤርትራ ንህዝባ እንታይ ገይራትሉ ህዝባኸ እንታይ ገይሩላ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር ይኸውን። ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ምንባር ሓርቢትዎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ንሃገሮም “ብመንጽርቲ ንኽብራ ዝኸፍለናዮ ዋጋ እንታይ ጌራትልና?” ኢሎም ክሓቱ ንቡርን እትጽበዮን እዩ። ኤርትራው እውን ብውገና “ሰለምንታይ ደኣ እቲ ንናጽነትን ልኡላውነትን ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ንሓርነት ህዝቢ ዘየብቃዕኩምዎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝህልዋ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን።
ኤርትራ ነቲ ደቃ ምእንተኣ ዝኸፈልዎ ዋጋ ስለ ዘይትዝንገዖ፡ ከምቲ ዝተጸበይዋ ከምዘይኮነትሎም እትኽሕዶ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራ ከምዚ ዘላቶ ዝኾነት፡ ብደቃ ስለ ዝጨከነት ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ጸቢብ ዓመጸኛ ጉጅለ ስለ ዝወደቐት እሞ፡ ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል ስለ ዝኾና ምዃኑ ደቃ ክርድኡላ ይግበኦም ። ውዕለት ደቃ ናይ ዘይምኽፋላ ጠንቂ እቲ ንታሪኽ ጠማዚዙ “ኣነ በይነይ ሰለ ዘምጻእኩዋ” ብዝብል ጥልመትን ሸፈጥን፡ “ብጸጋታታ ዝጥቀምን ብስማ ዝሕበንን እውን በይነይ እየ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ክርድኡን “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓቛፊ ጽላል ክቃለስዎን ከም ዝግበኦምን ኤርትራ እትዝንገዖ ኣይኮነትን።
ንኤርትራ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣውጺኡ፡ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ዝደፈኣላ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውሱናት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጉጅለ ኣይኮነን። ግደ ውድባት፡ ግንባራት፡ ማሕበራትን ባእታታትን ድሕሪኡ እዩ ዝስራዕ እምበር፡ ኣበርክቶ ሓደ ግንባር ቅድሚ ግደ ህዝቢ ምስራዕ፡ ግጉይን ንታሪኻዊ ክውንነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይገልጽ ኣቀማምጣ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ተዋዳዳሪ ዘየብሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ክጽወዓላን ክፍክረላን ዘይኮነ፡ ኩለ-መዳያዊ ክብሩ ክዕቅበላ፡ ብዜግነቱ ክነብረላን ክርበሓላን እዩ። ኤርትራዊ ነዚ ዝበሃጎን ዝተቓለሰሉን ሓበን፡ ከተማለኣሉን ግና ኣብ ርእሲቲ ናጽነታን ልኡላውነታን፡ ሓርነት ዝሰፈና ናይ ምግባራ ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ብሓርነት ዘይተሰነየ ናጽናትን ልኡላውነትን ምሉእ ባህጊ ሓርነት ህዝቢ ከማላእ ስለ ዘይክእል።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናጽነቱ ብዘይዋጋ ዘይረኸባ፡ ንሓርነት ዝኽፈል ዋጋ ከም ዘለዎ እውን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኮይኑ ከይተረፈ ዝተረደኦ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ርእሲቲ ዝካየድ ዝነበረ መሳርሒ ሓርነት ዝኾና ትካላትን ህዝባዊ ማሕበራትን ምውዳብ፡ “ኣሰይ ከጥዕመሎም ዕጥቂ ሰውራ፡ ሓርነት ከልብስዋ ንኤርትራ” ዝዝመር ዝነበረ ከኣ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። ከምቲ “ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት” ዝበሃል፡ ጭቆና ብጓና ኮነ ብወዲ ሃገር ምረቱ ሓደ እዩ። እቲ ንምውጋዱ ዝኽፈል ዋጋ እውን ኣገባቡን መድረኹን ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ እቲ ንሓርነትን ንመሰረታዊ መሰላትን ዝኽፈል ዋጋ፣ ካብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝኽፈል ዋጋ እንተዘይልዒሉ ዝትሕት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እንኳዕ ደኣ “ቋንቋና ዝዛረብ ወዲ ላምና ኮነ እምበር፡ ድላዩ ይግበር” ኢልካ ነቲ ንሓርነት ክግበር ዝግበኦ ውሁድ ቃልሲ ሸለል ምባሉ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሉ ተመኩሮ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝምጥን ኣይኮነን።
እቲ ዝመረረ ወጽዓ ብዘይተጸበኻዮ ኣካልን ኣገባብን ዝፍጸም፡ እሞ ኣብ ስደት እውን ከይተረፈ እናሰዓበ ዘሳቕየካ፡ “ናተይ እዩ” ብእትብሎ ጉጅለ ወዲ ሃገር ክኸውን እንከሎ ምዃ ህዝቢ ኤርትራ ኣብኡ ይነብር ስለ ዘሎ ኣጸቢቑ ዝርደኦ እዩ። እቲ ህዝባዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ክግበር ዝግበኦ ቃልሲ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ እንተላይ ኣብቶም ናብ ግዝያዊ ረብሓ ኣዳልዮም፡ “ደገፍቲ ጉጅለ ጸረ ሓርነት ኢና” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዝህሉ ርዱእ እዩ። እቲ ፍልልይ ዝመጽእ በቲ ዝስመዓካ ውሽጣዊ ሓቦ ተተባቢዕካ፡ ጉልባብካ ቀሊዕካ ኣብ ምቅላሱን ብግዝያዊ ረብሓን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተጠቢርካን ርዒድካን ምስ ወጻዒኻ ምምስሳል እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓርነትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምውጻእ እዩ ከኣ “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ዝብል ሓቦ ብዓውታ ምቅላሕን ንግብራውነቱ ተቢዕካ ምቅላስን መሰረታዊ ተደላይነት ዝህልዎ።
እዚ መልእኽቲ ሕራነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝግበኦ፡ ክንድቲ ዝድለ ናብቶም “ኤርትራ ናይ ግንባርና እያ” ኢሎም ዝንየቱ ውሑዳት በጺሑ ናብ ነገራዊ ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዝብርኽ ምኽኣሉ ግዜ ዘይህብ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ነቲ “ኤርትራኮ ናይ መላእ ህዝባ እያ” ዝብል ኒሕን ሓቦን ዝምጥን ስሙር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ፈጢርካ ሓርነት ንምውሓስ ንቕድሚት ምስጓም ናይ ግድን ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።
ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ድማ እቶም ስልጣን ዝሕዙ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዛረቡ እንከለዉ ኤርትራን ፖለቲከኣን ክጠቕሱ ዝተለመደ እዩ። ኤርትራውያን እውን ምረት መግዛእትን ኣንጻሩ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ክትርኹ እንከለዉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይጠቕሱ እዮም። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት መንግስታቶም ከይተረፈ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዘልዕሉ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ከም ዘለዎም ብምምሳል ልኡላውነታ ንድሕሪት ንምምላስ ዘለዎም ህርፋን ንምንጽብራቕ ዓሊሞም እዮም።
ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ኩሉ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዓቕምታት ኣሰሊፎም ብሓያላት ደገፍቶም እናተገሓዙ ተዋጊኦም። እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደልደለን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሮም። መንግስቲ ኢህወደግ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት፡ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢሎም እዮም። ደሓር እውን ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ልኡላውነታ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ክጸንዕን ክድልድልን ከም ዝግበኦ ኣሚኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ከም ዝተሓባበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጠኦምን ኣበርክተኦምን ከምቲ ገለ ወገናት ዝሓስብዎ፡ ንኤርትራ ዝተለገሰ ፍሉይ ግነዖት ዘይኮነ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም፡ ሰናይ ጉርበትናን ናይ ሓባር ዕቤትን ምዕራፍ ዝወስድ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ተሳዒሮም እንተዘይኮይኖም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ናይ ታሪኽ “ነበረያ ነበረ ዝነብሩ” ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ከም ዝነበሩን ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ዝተሓልፈ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ምትህልላኽን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስዕረቶም ዘይቅበሉ ኣካላት ከጋጥሙ እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓሊፉ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ“ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተዓጽወ ማዕጾ ምኩሕኳሕ” ናይ ጥዕና ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን።
ሓደ ጉዳይ ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድለየካ ክትውንኖ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተደጋጊሙ ዝስማዕ፡ “ኢትዮጵያ ወደብ ስለ ዘድልያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትውንን ይግበኣ” ዝብል ብሂል ብመንጽርዚ እዩ ዝረአ። “ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ወደብ ክህልዋ እንከሎ፡ ከመይ ኢላ እያ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ምስ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት ዝጻባእን ኣብ ስነ መጎት ዘይተመርኮሰን ስምዒት እውን ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሰጥ-ለበጥ ኢሎም፡ ዝተሓትዎ ታሪፍ እናማልኡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ዘለዋ ጅቡቲ ወደብ እናተጠቐሙ ዘቕርብዎ ዘለዉ ነብረያ ነበረ ምዃኑ እዩ።
ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኮነ ፖለቲካዊ መለክዒ ዘይምልከተካ ክትረክብ ምፍታን ናብ ትርጉም ሓይልን ምትፍናንን ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ብግብሪ ሓሓሊፉ ብኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ምጉብዕባዕ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ናይዚ ኣተሓሳስባ ኣንፈት ብመሰረቱ ግጉይን ዓመጸኛን ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲኑስ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተደምደመ እዩ። በቲ ዘየዐወተካ መንገዲ ክትቅጽል ምድላይ ከኣ ካልእ ስዕረት ዝዕድም እዩ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክለዓል እንከሎ፡ ጐሊሖም ከብ ዝጥቀሱ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሕቶ እዩ። እዚ ብዝያዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን (landlocked) ሃገራት ዘገድስ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚኣተን እተን 16 ካብ ኣፍሪቃ እየን። ካብተን 44 ሃገራት ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ፡ ዝነኣሰት ድማ እታ ብከተማ ሮም ዝተኸበት ቫቲካን እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ቅድሚት ትስራዕ።
ጸገም ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣቀማምጣኣ ተቐቢላ ብስምምዕ እምበር፡ ብሃተምተም ዝፍታሕ ኣይኮነን። እዚ ዛዕባዚ ብዓለም ደረጃ መፍትሒ ዝተቐመጠሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሕዝን ወደብ እትውንን ኣገልግሎት ወደብ እትደልን ሃገራት ሓቢረን ዝጥቀማሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ናይታ ዋና ወደብ ዝኾነት ሃገር ፈቓደኛ ምዃን ከኣ ዘይስገር ቀይሕ መስመር እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስምምዕ እቶም መንግስታት እንተዘይዓንቂፈምዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዘይስረሓሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተሓሲምካ “ግድን ካብ ዝርዝር ኣፍደገ-ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እንተዘይወጻእኩ” ምባል ግና፡ ኪኖ ልኡላውነት ሃገር ምግሃስ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ መንግስታት ብውሽጣዊ ጸገም ሓድነቶም ሰንከልክል ኢሉ ክጭነቑ እንከለዉ ብጉልባብ “ሓድነት” ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም መተኣኻከቢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ኣብ ድልዱል ቦታ ተሰሪቱ እዩ። እንተኾነ ተደጋጊሙ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ፡ ኣጽቂጥካ ምዕዛብ፡ ነቲ ወስታታት ከም ምቕባል ንከይውሰድ ኣድላይነቱ እናረኣኻ ምልዓሉን ምትራሩን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ካብ ዝተመስረተሎም ኣዕኑድ ሓደ “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም “ስለምንታይ እዋናዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ኣጀንዳ ልኡላውነት ንሃልኽ ኣለና?” ዝብሉ ወገናት ከኣ ነቲ ኩነታት ብመጽርዚ ክርድእዎ ይግበኦም በሃልቲ ኢና።
ኣብዚ ኣከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ፡ እቲ ሓጥያት ንዘይቀበጹ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዝድርበይውን ኣይኮነን። ብወገን ኤርትራውያንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ንከምዚ ዝኣመሰሉ ህሩፋት ዘተባብዕ ርኢቶታት ካብ ማሃብ ንጥቀቕ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ንልኡላውነትና ዝጻባእ ሕቱኽቱኽ ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ከይሓፈረ፡ ኤርትራውያን ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስዋእቲ ብምንዓቕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነትን ናእዳን ካብ ኢትዮጵያውያን ንምርካ ተጠሊዑ፡ ንመራሒ ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ” ዝበሎ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ታሪኽ ብምቕይናን “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢብታት እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ”፡ ዝበሎኸ ክሳብ ክንደይ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘተባብዕ ንስሕቶ ኣይመስለናን።
ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላውነትና ብትሪ እናተቓወምና፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት ንዓኣቶም ዘዕንግል ግጉይ ኣካይዳ ኤርትራውያን ‘ውን ክንቃለሶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ነዊሕ ጉዕዞን ሎሚ ዝርከበሉ ዘሎ ሃለዋትን ባዕሉ ዝተዋሰኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ ኣካል ዝንገሮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፎ መስርሕ በበይኑ መልከዓትን ትሕዝቶን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ቃል “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትገልጾ የጸግም። “ህይወት ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን” ምባሉ ከኣ ሓደ ካብቲ ልሙድ ኣገላልጻ ናይ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣዮ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ ዝተመስከረሉ እዩ። ብዙሓት ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዓውዲ ተመራመርቲ ከኣ “ውሑድ ክነሱ፡ ኣንጻር ብዙሓት ገጢሙ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዕጥቂ ዝተዓወተ ህዝቢ” ኢሎም ንመስተንክራዊ ኣበርክቶኡ መስኪረምሉ እዮም። ህዝብና ነዚ መስተንክር ክሰርሕ እንከሎ፡ “ከምዝን ክንድዝን ነይሩ” ኢልካ ዓይነቱን ብዝሑን ምጽብጻቡ ዘጸገም ክቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ኩሉ መሰረታዊ መሰላቱ እውን ተገፊፉ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊሩ ተስፋ ከይቆረጸ ነቲ ዋጋ ናይ ምኽፋሉ ምስጢር ከኣ፡ ዝርኣዮ ብርሃን ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ፡ ናጽነት ኤርትራ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዑናታት መግዛእቲ ክድኮን ዝተቓለሰሉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራሲን ግና ኣይተረጋገጸን። ህዝብና ኣብ ጽባሕ ናጽነት እዩ፡ እቲ ዝተሓተ ከም ናጻ ዜጋ እግርኻ መሊእካ ናይ ምስጓምን፡ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል’ኳ ዝተነፍገ። ብኣንጻሩ ናይ 2ይ ዜጋ ዝመስል ኣስማትን ደረጃን እናተዋህቦ ርእሱ ከድንን ተገዲዱ። ኣብቲ እዋንቲ’ዩ ከኣ “ትርጉም መግዛእትን ናጽነትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? ዝብል ንደገ ዘይወጽእ ድምጺ ሕቶ ዘቃለሐ። መልሱ ድማ ብዓውታ ደኣ ናብቲ ጉጅለ ኣየብጻሕ እምበር፡ “ገዛኢ ተቐይሩ፡ ተግባራት መግዛእቲ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ” ብዝብል ዝቕለስ፡ “ግዜ ደርጊ ይሕሸና፡ ድርጊ ብኣካል ወጺኡ ባህርያቱ ግና ኣሎ ጋና” ዝብል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ መስዋእትነት ዘረጋገጾ ዓወት ተጠሊሙ፡ በቲ ጉጅለ ብኣዝዩ ከቢድ ምረትን ክብደትን ኣብ ዳግማይ ወጽዓ ክኣቱ እዩ ዝብል፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ትጽቢት ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ምእማኑ ብዘጸግም ተራእዩ። እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ “ኣይንብርከኽን” ድምጹ ግና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ እዩ ክሳብ ክንድዚ ወጽዓ ዝስከም እንግደዓ ኣጥሩ” ክሳብ ዝበሃል ክቱር ስቕታ ኣርእዩ። ብሰንክ’ቲ ስቓታኡ ድማ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ምጽብጻቡ ዘጸግም ዘይተጸበዮ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።
እቲ ስቕታ ኣብቲ መጀመርያ፡ ናይቲ ሕድሩ ዝጠለመ ኣካል ምፍርራሕን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተወሲኽዎ፡ ምኽንያታዊ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣካላት ነይሮም። እቲ በደል እንዳኸበደ፡ እቲ ግዜ እንዳነወሐን ህግደፍ ከኣ ከም ዝጠለመ ብተግባር እናርኣየን ምስ መጸ ግና፡ እቲ ክቱር ስቕታ ህዝቢ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ በሪሁ። ኣንጻር’ቲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ስቕታን ኩራን “ጽቡቕ ኣለና፡ ካብዚ ዝዓቢ ናጻነት እንታይ ኣሎ? ዝብል ጠባሪ ድምጺ ዘስምዑ፡ ቅድሚ ጠቕሚ ህዝቢ ረብሓኦም ዘቐድሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኣካላት ምስተኸሰቱ ከኣ እቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ሓፋሽ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ እዩ ዓዚምዎ” ኢሎም ዝሓቱ ወገናት በርኪቶም።
እቲ ኣብ ሃገርና ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ኮነ ሕጋዊ ቅቡልነት፡ ብኢደወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ወጽዓ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰላት ምሕራምን ተደፊእካ ሃጽ ኢልካ ናብ ስደት ብምምራሕን ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን። ንህዝብና ኣብ ብዙሓት ዘይምልከትዎ ውግኣት ብምጥባስ እውን ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ናብ ዝተዓጻጸፈ፡ ኩሉ ናይ ውግእ ሳዕቤናት ከእትዎ ጸኒሑ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ብሰንኪቶም ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ዝወለዶም ውግኣት ዝሓደሮ ቁስሊ ከየሓወየን ኣብኡ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መርድእ እናተጸበየን ጌና ካብ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ደበና ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ “ተኾሊፍና” ብዝብል ዘሕፍር ኣገላልጻ ህርፋኑ ስለ ዘየርወየ ከንባሁቕ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ደሃይ ውግእን ዘይምርግጋእን ድምጺ ናብ ዝስመዖ ኩርነዓት መገሻታት የጽዕቕ ኣሎ። ዕላምኡ ከኣ ብውግእ ንዝደላለዩ መንግስታት ክዓርቕ ዘይኮነ፡ ጸግዒ ሒዙ ከሳውር ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን” እናበለ ዝኣተዎ ውግእ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ልኡላዊ መድያ ምስ ዝበሃል ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ፋብሪካታት መሳርሒ ፈቲሑ ወሲዱ እዩ። ሰባት እውን ቀቲሉ። እቲ ተግባር ቅድም ናይቲ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ሰራዊት ስምዒታዊ ስጉምቲ ይመስለና ነይሩ። ደሓር ግና ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበሮ ኣረጋግጽና። ብሰንክዚ ከኣ መንእሰይ ትግራይ ብብዝሒ ኣንጻርና ተሰሊፉ” ብዝበሎ ኣቃሊዕዎ። እዚ ንህግደፍ ከተሓሳስቦ መተገበአ። እንተኾነ ሓንሳብ ብደም ስለ ዝሰኸረ፡ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ሎሚ’ውን ነዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብስቕታ ክሓልፎ እዩ ማለት ድዩ?
ህግደፍ ሎሚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውግእን ህውከትን መኻይዲ ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ። ኣብቲ ዝእጐድ ሓዊ ግዳይ ዝኸውን ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንእሰይ ኤርትራን ቤተሰቡን እዮም። “ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታሲ ክሳብ መዓስ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልስኸ፡ “ንሓዋሩ” ዝብል ድዩ ወይስ “ሎምስ በዚሑ ጉልባብና ቀሊዕና ደኣ ንቃለሶ” ዝብል ክኸውን እንጽበዮ እዩ።
ኣብ ኤርትራውያን ጉዳይ ፖለቲካ ክለዓል እንከሎ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ መንጎ ሰልፊ/ውድብን ህዝብን ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና እዩ። እዚ ዛዕባ ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኸውን ነቲ ዝምድና ብሕግን ስርዓትን ዘይኮነ፡ ብሸፈጥን ዓመጽን ዝብለጽሉ ዘይሓላፍነታዊ ውዳበታት ኣብ ዝዋስእሉ መስርሕ እዩ። ብኣውርኡ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ናይዚ ሸፋጢ ኣገላልጻ ዝምድና ህዝብን ግንባርን ኣብነት ኮይኑ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ስልትታት ሓደ እዩ።
ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተግህ፡ ከዕውቶ ዝቃለሰሉ ሸቶ ዘለዎ፡ ናይ ኣባላቱ ድሌትን እምነትን ጥራይ ዝውክል ትካል እዩ። እቲ ዝሕዞ መልክዕ ውዳበ ከኣ ከከም ምርጫ ናይቶም ወደብቱ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ዜጋታት ፖለቲካዊ ዕድል ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዝውስን ቃልሲ ንምስታፍ ኣብ ዙርያ ንኣተሓሳስባኦም ዝውክል ትካል ናይ ምውዳብ መሰል ኣለዎም። መሰረታዊ ዕላማ ናይ ምውዳቦም ኩለ-መዳያዊ ዕቤት ሃገሮምን ህዝቦምን ምብራኽን ተነፊጉና ዝብልዎ መሰላት ንምውሓስን እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ስለ ዝሕዙ፡ ከከም ምርጫኦም ናይ ዝተፈላለያ ውዳበታት ኣባላት ይኾኑ። እቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዝወልዶ ውዳበታት ክበዝሕን ክውሕድን ይኽእል። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝህልው ብዝሒ ውድባት “ክንድዚ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ገደብ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ጥራይ ምህላው ናይ ሓሳብ ምርጫ ስለ ዘስእን ኣይምረጽን። ንስለ ምብዛሕ ኢልካ ውዳቤታት ምምስራት’ውን ኣይተባባዕን። ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ንምህላውን ዓቕምታት ንዘይምብታንን ክልተ፡ ተወዳዳሪ ሰልፍታት ምህላው እኹል እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናይ “መን ርኢቶኡ ብዝያዳ ናብ ህዝቢ ኣስረጸ” ውድድር ክህልው ናይ ግድን እዩ። እቲ ውድድር ነቲ እትመርጾ ኣታሓሳስባ ንከተዕውት “መን ይምራሕ” እውን ዘጠቓልል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ብዝምልስ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ውዳበ፡ ናይ ምዕባይን ምስፋሑን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ናይ ሓደ ውድብ ምዕባይን ዘይምዕባይን ካብ ዘርእዩ ረቛሕቲ ሓደ ካብቲ ትቃለሰሉ ክሳብ ክንደይ ብኣባልነት ከተሰልፍ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሓደ ውዳበ፡ እቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ኣይውሕዱን ማለት ኣይኮነን። ጠንቂ ዕላምኡ ህዝባዊ ክነሱ፡ ናይ ሰዓብቱ ምውሓድ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ፡ ሓሳብካ ብግቡእ ኣብቲ ተጠቃሚ ህዝቢ ክተስርጽ ዘይምብቃዕ እዩ። ስለዚ ምስ ቅኑዕ ዕላማ ንዓኡ ዝምጥን ምንቅስቓስን ጐስጓስን’ውን ወሳኒ እዩ።
ብሰንኪ ዘይህዝባዊ ዕላማኦም፡ ተቐባልነት ብምስኣኖም ዘይዓበዩ፡ ግና ድማ ዓበይቲ ናይ ምዃን ህርፋን ዘለዎም፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ውዳበታት ዝጥቀምዎ ስልቲ፡ ሰላማዊ፡ ሕጋውን ውሑስን መወዳደሪ ሜዳ ምዕጻው እዩ። ድሕሪኡ ከምቲ “በይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ የብሉን” ዝበሃል፡ ተወዳዳሪ ኣብ ዘየብሉ ብሑት ፖለቲካዊ ሜዳ፡ “ፈተኹም ጸላእኩም ኣነ እየ ናትኩም” ብምባል ሰባት ብዜግነቶም ክረኽብዎ ዝግበኦም መሰላት ምስ ናይ ውድብ ኣባልነት ኣተኣሳሲርካ ምፍርራሕ እዩ። ኣብ ርእሲዚ “ኣነ ህዝቢ እየ፡ ህዝቢ ከኣ ኣነ እዩ” ክሳብ ምባል እውን ይብጻሕ እሞ፡ እቲ ምልኪ ይስዕርር። እዚ ከምዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ክሓብእ፡ መብጸዓታት እናቐያየረ፡ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝዝምሮ ማለት እዩ። እዚ ኣካይዳ ካብ ድሌት ህዝቢ ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ተግበርቱ ወትሩ ኣብ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ምሽቑራርን እዮም ዝነብሩ። ከይወዳደሮም ንዝሰግእዎ ከኣ ብምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን ስቕ ከብልዎ ይፍትኑ። ሃጽ ኢሉ ኣርሒቑ ክጠፍኣሎም ከኣ ድሌቶም እዩ።
ህዝቢ ብባሕሪ እዩ ዝምሰል። እታ ሃገርን ጸጋታታን ከኣ ናቱ እዮም። ኣባላት ውድብ ይኹኑ ሰልፊ ካብዚ ባሕሪ እዮም ዝቕድሑ። ህዝቢ ኣብ ዘየለወሉ ውድባትን ኣባላተንን ኣይህልዉን እዮም። ህዝቢ ግና እዘን ውድባት ኣብ ዘይሃለዋሉ’ውን ህያውን ነባርን እዩ። ዜጋታት ናይ ሓደ ውዳበ ኣባላት ክኾኑ ኣብ ዝመረጹሉ፡ ኣብ ክሊ ናቱ ምንቅስቓስ በቲ ዝተቐበልዎ ሕጊ ክቕየዱን ክሕተቱን ግድን እዩ። ናይ ሰልፊ ይኹን ውድብ ኣባላት ዘይኮኑ ዜጋታት ግና፡ ብናይተን ውዳበታት ውሽጣዊ ሕጊ ኣይቅየዱን እዮም። ናይቲ ውዳበታት መራሕቲ እውን ነቲ ኣብ ክሊ ውዳበኦም ዘሎ ኣባል እምበር፡ ንዝኾነ ዜጋ ናይ ምግዳድ መሰል የብሎም። ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚርካ ኩሉ ሕግታት ዝበኾረሉን ህግደፍ ዝበሃል ኢደ-ወነናዊ ግንባር በይኑ ኣብ ዝዕንድረሉን፡ ኣባሉ ይኹን ኣይኹን ብኣልማማ በቲ ዘይምልከቶ ናይ ግንባር ሕጊ ምቕጻዕ፡ ምምሕዳርን ጸጋታቱ ምርሳይን ዝተለመደ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ ድማ በዚ ህይወት’ዚ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ።
ከምቲ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ዘርእዮ፡ ኣብተን ውዳበታት ዝስለፉ ዜጋታት ካብቲ ጠቕላላ ህዝቢ ውሑዳት እዮም። ንኣብነት ስልፊ ባራትያ ህንዲ 12.7%፡ ኮምኒስት ሰልፊ ቻይና 7%፡ ሃገራዊ ሰልፊ ህንዲ 6.7%፡ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ፓኪስታን 12.24%፡ ሰውራ ጋና 25%፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ድማ 11% ካብ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ብኣባልነት ከም ዘሰለፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝሰፈሩ ሰነዳት ምርዳእ ይከኣል።
እቶም ውሑዳት ኣባላት ውድባትን እቲ መላእ ህዝብን ብሓባር ዝራኸቡ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዝውኪሉ፡ ሽግራቶም ዝፈትሕን ዘመሓድሮምን መንግስቲ እዩ። ሰልፍታት ኣብቲ መንግስቲ ከከም ስፍሓቶም እጃም ኣለዎም። ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ መንግስቲ ንኹሎም ዜጋታት ብሓደ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሓደ ግንባር ጥራይ ዝተባሕታ ሃገራት፡ ዋላ ንይምሰል ምርጫ ዘይተኻየደሉ ኩነታት ግና ኣብ መንጎ’ቶም ነናቶም ሓላፍነትን መሰልን ዘለዎም ህዝቢ፡ መንግስትን ውድብን ክህሉ ዝግበኦ ፍልልይ ኣይረኣይን። ስለዚ እዩ ድማ ንሓደ ውዳበን ንሱ ዘቑሞ መንግስትን ምቅዋም ማለት ክድዓት ሃገርን ህዝብን ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ።
ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትአን ሃገራት ፍልልይ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉ፡ ብሰልፋዊ ብዙሕነት እየን ዝመሓደራ። ሳላ’ቲ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ምህላዉ ከኣ ዝሓሸ ምኽባር ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣለወን። ኣብተን ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምረሓ ከም ኤርትራ፡ ቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቬትናምን ኩባን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ህዝበን ብብኩራት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ይሳቐ። ስለዚ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝተነጸረሉን ርክብ ህዝቢ፡ መንግስትን ሰልፍታትን ሕጋዊ መልክዕ ዝሓዘሉን ስርዓት ንምትካል ቃልስና ብሓባር ንቐጽል።
ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ሓደሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮ ፍጻመ ኮይኑ ትረኽቦ። ካልእ ግዜ ድማ ዝተጸበኻዮ ዘይምዃኑ የጋጥም። እዚኦም ክኽሰቱ እንከለዉ ኣገረምትን ኣዛራብትን ክኾኑ ልሙድ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትጽቢትን ተግባርን ፍልልያት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ። ኣብ 2018 ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፡ ከምቲ ዘይንርስዖ ኣፍልቡ ልቡ እናወቕዐ፡ በቲ ዘይለመዶ ዘይትካላዊ ዕንደራ፡ ንዶክተር ኣብይ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ክብሎ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ንብዙሓት ምእማኑ ዘጸግም ዘይተጸበይዎ ኮይንዎም ከም ዝነበረ እንዝክሮ እዩ። እዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣብ ሃንደበታዊ ናይ ዝምድና ምቅይያራት ዘጋጥም እዩ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ምስ ህግደፍ ምስጢራዊ ርክብ ይገብር ኣሎ ዝብል ግና ዝይተረጋገጸ፡ ወረ ካብ ዝነፍስ ኣዋርሕ ኮይኑ’ሎ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ መንጎኦም ብዝጸንሐ ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ወረ ብዙሕ ቀልቢ ኣይተዋህቦን። ደሓር ግና እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብዝፈጠሮ ወጥርን ምክሳስን ብላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ውድብ፡ ብውሳነ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
ዝምድና ህግደፍን ህወሓትን “ብናይ ምፍቓርን ምበኣስን ውረድ-ደይብ” ክጐዓዝ ዝጸንሐ ካብ ሜዳ ክሳብ ከተማ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብቶም ሓቢሮም ዝሰርሕዎም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ደርጊ ዘመዝገብዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብኣውንታ ዝተመዝገበሎም እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣዳኺምካ ካብ ሜዳ ቃልሲ ንምውጻእ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፈራን ደሓር በብቑሩብ ክቕልዑ ዝጸንሑ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም ስምምዓቶምን ኣብ ታሪኽ ዝምድናኦም ዝፈጸምዎ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ጌጋን ክሕደትን” ኮይኑ ብጸሊም ዝተመዝገበ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ከምቲ “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ዝበሃል፡ ብዘይካ’ቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ድምጹ ዘይስማዕ፡ ምኩርራይ፡ ምስሕሓብን ምጥልላምን ቅድም ኣብ 1998-2000 ብዘይንጹር ምኽንያት፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ 2020-2022ን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣዝዩ መሪርን ኣህላቕን ውግኣት ኣካይዶም ዓለም ዘስደመመ፡ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣውሪዶም፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ኣሉታዊ በሰላ ኣሕዲሮም እዮም። ከም ሳዕቤን ናይዚ “ናይ ሓሶት ኣስማት” ዝተዋህቦ ውግኣት ኣብ ሕድሕዶም ክካየድ ብዝጸንሐ መሪር ናይ ፕሮፖጋንዳ ምቅንጻልን ምጽልላምን ኣይኮነንዶ ተመሊሶም ኣብ ሓጺር እዋን ክዛመዱ “ዓይኒንዓይኒ ክርእኣዩ እዮም” ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን።
ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ 2018፡ “ምድማር ዝብል ዝጭረሖኡ” ኣምሪሑ ኣብ ኢትዮጵያ “ለውጢ ኣምጺአ ኣለኹ” ምስ በለ፡ ብብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተስፋ ተነቢርሉ ደገፍ’ውን ረኺቡ ነይሩ። ግዜ ከይወሰደ፡ ብሃታሃታ ምስ ህግደፍ ዝምድና ፈጢሩ ምስ ህወሓት “ከብድን ሕቖን” ኮይኑ ኣብ ምትህልላኽ ምስ ኣተዉ ግና፡ ከምቲ “መን ምዃንኳ ክነግረካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዝምድናኡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ኤርትራዊ ወገን እቲ ንብልጽግና ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን። ምኽንያቱ “ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ስርዓት ህግደፍ ምዝማድ ንህዝቢ ኢትዮጵያኸ እንታይ እዩ ከርበሖ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንጹርነት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝምድና ዝተሓታትት ክኸውን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ። ህግደፍ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ተጸልዩ ነብሱ ካብ ዝልውጥ፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ንድሕሪት ምምላስ ከም ዝመርጽ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣምነት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ከምኡ ኮይኑ። ብልጽግና ናቱ ስንኩፍ ኣተሓሕዛን ብኩለ-መዳያዊ ተመኩሮ ዘይምድላብን ተወሲኽዎ፡ ድሕሪ ምስ ህግደፍ ምዝማዱ መንገዱ ናይ ህውከትን ውግእን ስለ ዝኾነ ብፍላይ ድሕሪ ሓቢሮምም ኣብ ኣንጻር ትግራይ ምውግኦም፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይቀሰነን። መጻኢኡ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ብሩህ ኣይኮነን።
እቲ ዘገርም፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ህግደፍ እናጸብጸበ፡ ብሰንኩ ዘጋጠሞ ክሳራታት እናዘርዘረ ንዝምድና ምስ ህግደፍ “ክጽየፎ ዝጸንሐ” ውድብ ህወሓት፡ እናሰማዕካዮስ ምእማኑ ብዘጸገም፡ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ፡ ቦታን ፈጸምቱን ጠቒሱ፡ “ምስ ህግደፍ ብምስጢር ተራኺብና ኢና” ኢሉ። ወዮ ኣብ ዲፕሎማሲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላኢን የለን” ዝበሃልሲ ክሳብ ክንድዚ ድዩ ዝተዓጻጸፍን ዝምጠጥን?፡ ኢሎም በቲ ርክብ ዝግረሙ ዘለዉ ኣካላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ትማሊ ተጠሊዖም ንህግደፍ ያሒት ገበናት እናሰከሙ፡ “ዓይንኻ ይፍሰስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሓድሓደ ወነንቲ ሚድያን ነጠፍትን፡ ነቲ “ብምስጢር ተራኺብና” ዝብል ሓበሬታ እናጸባበቑ ድሮ ንህግደፍ ከመላኽዕዎ ክፍትኑ ክትዕዘብ እንከለኻ ድማ “ወይ ሰብ ደቀይ” ዘብል እዩ።
እቲ ቀንዲ ዘገድስ ጉዳይ “ናይቲ ርክቦም ኣጀንዳን ኣብኡ ዝተላዕሉ ዛዕባታትን እንታይ እዮም?” ዝብል ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል “ሳላ ርክብ ዝገበርና ኣብ ዶብ ዝነበረ ናይ ሰብን እንስሳን ምጭዋይ ነኪናዮ ኣለና። እዚ ድማ ንሰላምና ኣውንታዊ ስለ ዝኾነ እንቕጽሎን እዩ” ዝብል መንፈስ ብዘለዎ ቃል ኣስሚዑ። “ብወገን ህግደፍከ እንታይ ኣልዒሉ እንታይከ ከሲቡ?” ዝብል ግና ኣይተሰምዐን። እዚ ርክብ ብዝምድናዊ ዓይኒ ህግደፍ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣብ ዝሃለወሉ ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ‘ንእሽቶ ሂቡ ዓብይ ክወስድ” ከም ዝደሊ ኣየጠራጥርን። ብውሕዱ ህወሓት ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ፈጺምዎ ኢሉ ክኸሶ ዝጸንሐ “ኢደ-እግሩ ክእክበሉ” ከም ዝደሊ ከይደቀስካ ዝሕለም እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መንእሰያት ንምህላቕ ኣብ መጻኢ ኣንጻር ብልጽግና ድዩ ካልእ ኣካል ከካይዶ ንዝሕልን ውግእ ኩነታት ዘጠጣሓሉ ባይታ ክፈጥር ይደሊ ይኸውን።
እቲ ምስዚ ምስጢራዊ ርክብ ተተሓሒዙ ካብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ጀሚርካ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክለዓል ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ሕጋውን ሕቶታት እቶም ተራኸብቲ ባዕላቶም ዝምልስዎ ስለ ዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። እንተኾነ ኣብ ርእሲ’ቲ ባዕሉ ዝፈልጦን ክምኮሮ ዝጸንሐን ህወሓት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠለመ ህግደፍ “መንገዲ ጥፍኣት እምበር ደሓን” ንከይጽበ ነዘኻኽሮ።
ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከኣ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ፈጢርና፡ ኣካል ናይዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣሰላልፋን ማዕበል ለውጥን ምዃንና ተረዲእና፡ ብጽሞና ኣጽኒዕናን መዚናን፡ መስርዕና ከነለሊ ይግበኣና። ምስዚ በቲ ሓደ ወገን ረብሓን ድሕነትን ኤርትራን ህዝብን ምርግጋጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጐረባብትና ሃገራት ምዕቃብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ብሚኒስትሪ ፍትሒ ዝተወደበ ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር ዜና ኣብ ጸቢብ ክሊ ክዘውር ተዓዚብና። ብመሰረቱ ኣብታ ካብ ጉጅለ ናብ ውልቀሰብ ተንቆልቁል ዘላ ትካል ህግደፍን፡ ብናይ ሓሳብ ዕጽዋ ትሳቐ ዘላ ኤርትራን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ተፈጢሩ ምባሉ ዘደንጹ እዩ። ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾውን ድማ ኣጀንዳ ናይቲ ርክብ “ምይይጥ ብዛዕባ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝብል ምንባሩ እዩ።
እቲ ኣጋጣሚ ኣዛራቢ ዝኸውን እቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ዘይንቡር ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እቶም ዝተጠቕሱ፡ ፍትሒ፡ ዕቤትን ጀኦ-ፖለቲካን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብሉ ኣምራት እዋናዊ ስለ ዘይኮኑ’ውን ኣይኮነን ኣገራሚ ዝኸውን። እቲ ዝያዳ ኣዛራብን ዘደንጹን ዝገብሮስ፡ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ጀሆ ሒዙ ዘማስኖም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ረጥሪጡ ደገ ደገ ዘማዕዱ እንከሎ፡ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምጥጣሩ እዩ። እቶም በቲ ኩነታት እናተገረሙ፡ ነቲ ተረኽቦ መዛረቢ ዝገብርዎ ከኣ ኤርትራ፡ ሕገመንግስቲ ዘየብላ፡ ተሓታትነት ዘለወን ትካላት መንግስትን ሓቀኛ መስርሕ ፍትሕን ዝተነፍጋ፡ ህዝባ ብዝመረጾ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘየብሉ፡ ናይ እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽ፡ ምንቅስቓስን ሕውዳብን ነጻነት ዝበኾራ፡ መንገዲ ህውከትን ውግእን ብዘቐድም ግሉጽነት ብዘየብሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም እትምራሕ ዝፈልጡ ወገናት እዮም።
ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድራማ ክዋሳእ ዝመረጸ፡ ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ ናይ ሓሶት ምስሊ ለቢሱ ንምቕራብ ዝመሃዞ እዩ። እንተኾነ ሓቀኛ ጸረ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መስልን ምስሊ ህግደፍ “ሓቢእካ ክትሓብኦ” ኣብ ዘይከኣለሉ ጽፍሒ ካብ ዝበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “እዝኒሲ ንዋናኣ ጓና እያ” ከም ዝበሃል፡ ነቲ ባዕሉ ጠፋጢፉ ዘቕርቦ ሓሶት እምበር፡ ነቲ ብኻለኦት ዝበሃሎ ዘይራኣዮን ዘይሰምዖን ከይከውን ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። ኤርትራ ብሰንኩ፡ ኣብ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ዝወጽእ ናይ ሕመቕን ድሕረትን ዝርዝር ኣብ ቀዳሞት እያ እትስራዕ ዘላ።
ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ሎሚ’ኳ ይተርፍ ኣሎ እምበር፡ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝኸፈአ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝሓፍርን ከመሓይሽ ዝፍትንን፡ ኣፉ መሊኡ “ብዛዕባ ፍትሒ ዝዛረብ መድረኽ ከፊተ” ምባሉ፡ የገርም። ውጽኢቱ ግና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ንዓኡ ዘቃለዖ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምስዚ ግና ዕሉል ጸረ ፍትሕን ጸረ ጥጡሕ ምምሕዳርን ክነሱ፡ ክንዲ “ፍትሒ፡ ምዕባለን ጀኦ-ፖለቲካን” ዝኣክል ዓብይቲ ጉዳያት ኣብ ቅድሚ’ቲ “ኣፉ ለጒሙን ኢደ-እግሩ ኣሲሩን” ዝድህኾ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክወራዘ ምሕላኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘመልክት እዩ። እቲ ንዕቀቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዞባ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ንካለኦት ምንዓቕን ምንእኣስን እውን የርኢ። እዚ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ዝነዓቕ እምበር ንካለኦት ክንዕቕ ዘኽእሎ ሞራል ዘየብሉ ምዃኑ ዝርዳእ ከምዘይኮነ ዘገንዝብ እዩ። ምናልባት እቶም ኣብ ዘይምልከቶ እናኣተወ ሃተፍተፍ ክብል እንከሎ ንዒቖም ዝገድፍዎ፡ ዝፈርሕዎን ዘኽብርዎን ይመስሎ’ውን ይኸውን።
ኣብዚ ወይዘሮ ፎዝያ ሓሽም ብእትመርሖ ስማዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ተወዲቡ፡ ሰለስተ መዓልታት ጸኒሑ ዝተባህለ ዋዕላ፡ ካብ ሰነጋል፡ ኢትዮጵያ፡ ሊባኖን፡ በልጅም፡ ፈረንሳን ኒካራጉዋን ተሳትፎሞ ዝተባህሉ ኣካላት፡ ካብ ተመኩሮ ህግደፍ ብዛዕባ ፍትሕን ዕቤትን ዝቐስምዎ ተመኩሮ ከምዘይህሉ ይስሕትዎ እዮም ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን። እንተኾነ ምናልባት ደኾን “ናትና ተመኩሮ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪብና ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ንቕይር ንኸውን” ዝብል ተስፋ ወኒኖም ይኾኑ። ኮይኑ ግን ህግደፍ ኣብዚ ኣትይዎ ዘሎ ድሕረት ዝወደቐ፡ ሰኣን ተመኩሮ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ጨካን ባህሪኡ፡ ናብ መንገዲ ደሓን ናይ ምምላስ ዕድሉ ዘብቀዐ ጉጅለ ስለ ዝኾነ እዩ።
ናይቲ ዋዕላ ዕማማት ተባሂሎም ካብ ዝተጠቕሱ ካለኦት ነጥብታት፡ “ናይ ኤርትራ ቀጻሊ መስርሕ ዕቤት ምግራሕ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ። ብግብሪ ግና ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ወገሐ-ጸብሐ ዘይትግበር ባዶ መብጸዓታት ምእታውን ካዛና’ቲ ጉጅለ ምህጣርን እዚ እዩ ዝበሃል፡ ዝግራሕ ኮነ ዝቕለስ ህዝቢ ዝርብሓሉ፡ መደባት ልምዓት የለን። ብመሰረቱኸ ናይ ገዛእ ዜጋታቱ ኣብ ምልማዕ ሃገሮም ዘለዎም መሰል ኣብ ዝተነፍገግሉ ሃዋህው፡ መስርሕ ልምዓት ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣል ድዩ። ዜጋታቱ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንገዛእ ርእሶም ተጠቒሞም ሃገሮምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ብዘይፈቅድ ጸቢብ ጉጅለ፡ ኣብ እትምራሕ ሃገር ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ እተብሃግ ክትከውን ከኣ ዘይሕሰብ እዩ።
ተበዲልካ መሰልካ እትሓተሉ መስርሕ ፍትሕን ድሕንነትን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ደፊሩ ገንዘቡ ዘፍስስ ኣውፋሪኸ ከመይ ኢሉ ይህልው። እቶም ቅድሚ ሕጂ መሲልዎም፡ ገንዘቦም ከውፍሩ ዝፈተኑ’ሞ ዝተጠልሙ ኤርትራውያን፡ ዓው ኢሎም’ኳ እንተዘይተዛረቡ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጣዕሳ ከም ዝወደቑ፡ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ኣብ ርእሲዚ መንእሰያታ ብሰንክ’ቲ “መንግስቲ እየ” ዝብል ጉጅለ ስለ ዝተሰዱ ብቑዕ ሓይል ሰብ ኣብ ዘየብላ፡ ቀረብ ማይ፡ ጸዓትን ኢንተርኔትን ወሲኽካ፡ መሳለጥያ መራኸብን ነጻነት ምንቅስቓስን ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ዋዕላ ተኻይዱ ዓውደ መጽናዕቲ እንተተደግመ ኣውፈርቲ ምስሓብ ኣይክኣልን እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ኣብ ባንክ ኤርትራ ዘቐመጥኩዎ ገንዘበይ ተዘሚተ” ክብል ዘውጸኦ መግለጺ ጥራይ እንተወሲድካ ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ገንዘቦምን ንዋቶምን ከየፍስሱ ዓብይ መጠንቀቕታ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።
“ብዕቤት ኣፍሪቃን ዞባዊ ምትእስሳርን” ዝግደስ ኮይኑ ክቐርብ ዝፍትን ህግደፍ፡ ካብቲ ዘለዎ ሓንካሪ ባህሪኡ ነቒሉ፡ ካብ የመን ክሳብ ጅቡቲ፡ ካብ ኮንጎ ክሳብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝነበሮ ኣዝዩ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጡ፡ “ፈውሲ ሕንኪ ውሒጡ” ጐይታ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመስል ምፍታኑ ዘተዓዛዝብ እዩ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ናይ ቻይና መገሽኡ ክምለስ እንከሎ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፡ “ብዛዕ ዞባና ክትሓስብ እንከለኻ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ኢልካ ምጥቃስ ትርጉም የብሉን፡ ምኽንያቱ ስለ ዘየለዉ” ምባሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ እግርን ኮበሮን በበይኑ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዘርኢ። ኢጋድ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትእኽኻብ ምዃኑ ዘይቅበል ወይ የለን ኢሉ ዝኽሕድ ኣካል ዝመርሓ ኤርትራ እያ እምበር፡ ብጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትግደስ መሲላ ብፎዝያ ሃሽም ብዝተወደበ ዓውደ-መጽናዕቲ ዞባዊ ጐስጓስ ኣካይደ ትብለና ዘላ።
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ነዊሕ ዕድመን ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዙ ክጐዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ከምዚ ንክኸውን እቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ብጽሒት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ሓይልታትን “ክንስማዕ ንኽእል ኢና ባሃልቲ” ወገናትን ‘ውን እጃም የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሕማቕ ታሪኽን ምስልን ህግደፍ ርሑቕ ከይከድና በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ “እዚ ይጐድሎ’ዩ ዘይበሃል” ኩለ-መዳያዊ ግህሰትን ጥልመትን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ድኽመታት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ድማ “ዓቕሙ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላኢኡ ዘድምዕ ዓቕሚ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ” ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
ኣብ ሕድሕድ ውዳበ ደንበ ተቓውሞና መሰረታውን ዘይመሰረታውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣለዉ። ብዙሓት ውዳበታት ናይ ምህላዎም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ካብቲ ፍልልይና ነቲ ዘይመሰረታዊ ኢና ንዘይምኽኑይ ምርባሕ ውድባት ጠንቂ ኮይኑ ኢልና እንነቕፎ። ምኽኑይ ፍልልያት ምህላዉን ብኣኡ መሰረት ብዝተፈላለየ መልክዕ ምውዳብናን ግና ናይ ምውዳብ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክዕወት ኣለዎ ዝባሃል ተወድዳሪ ሓሳብ ምቕራብ እምበር፡ ሓጥያትን ዕንቅፋት ቃልስን ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ውዳበታት ዝለዓለ ናይ ሓባር ሽቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ክንድኡ ህዝባዊ ስርዓት ምትካልን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ብዝሒ ውዳበታት ከም ዘየሰክፍ ጌርና እንጠቕሶ።
እቲ ዝዓበየ ሸቶና ናይ ሓባር ኮይኑ፡ ዘለና ፍልልይ ኣብ ኣወጋግናኡን ኣተገባብርኡን ዘትከለ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሓደ መዋጸኦ ነቲ ፍልልያት ናብ ሓደ ኣረዳድኣ፡ ኣወዳድባን ሓቢርካ ምስራሕን ምምጻእ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ከኣ በበቲ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን እናተሓጋገዝካን እናተኸባበርካን ተትኽእሎ ምግባር እዩ። ኣብዚ መስርሕ ከምቲ ርኢቶኻ ብኻልኦት ወገናት እንተኾነ ተቐባልነት ረኺቡ ክስራሓሉ እንተዘየሎ ከኣ ክኽበረልካ እትደልዮ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶን ኣተሓሳስባን ናይ ምኽባር ግደታ ከም ዘለካ ምእማን መግለጺ ስልጡን ቃልሲ እዩ። ናይ ካልኦት ርኢቶ ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝወስድዎ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምትብባዕ እውን ኣካል ስልጡንን ውሕሉልን ኣመሓዳድራ ፍልልያት እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ዘየለ ድኽመት ጠፋጢፍካ ብምፍጣር ወይ ነቲ ዓብይ ኣውንታ ጐሲኻ ንንእሽቶይ ድኽመት ኣተዓባቢኻ ነቓፋይን ተዓዛባይን ምዃን ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣቀራርባ ጽባሕ ንስኻ ንእትወስዶ ስጉምቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ክጸንሓካ ስለ ዝኽእልን፡ ውጽኢቱ ከኣ ተተሓሒዝካ መፍቶ’ቲ ንምጥርናፍና “ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ” ህግደፍ ምዃን ስለ ዘስዕብ።
ኣብዚ እዋንዚ “ከመይ ጌርና ተጠርኒፍና ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘድምዕ ዓቕሚ ንፈጥር? ” ዝብል ሕቶ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህጹጽ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝላዓል ዘሎ ኣጀንዳ እዩ። እዚ ዛዕባ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝለዓል ዘሎ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ፡ ግና ከምቲ ዝድለ ዘየዕወትናዮ እዩ። እዚ ማለት ግና ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝቐሰምናዮ ተመኩሮ የለን ማለት ኣይኮነን። ሎሚ እውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ ነናቶም ሓሳብ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ርኢቶኦም ተቐባልነት ንክረክብ ኣብ ጽዕጹዕ ምንቅስቓስ ኣለዉ። “ዜጋ ተኮር ኮይኑ፡ ናይተን ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት’ውን ኣባላቱ ዝኾንሉ ምጥርናፍ ምፍጣር፡ መሰረቱ ኣውራጃ ተኮር ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ስደት ምፍጣር፡ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ምምስራት …… ወዘተ” ዝብሉ ካብቶም ኣብ መድረኽ ዝዝተየሎም ዘለዉ ምርጫታት እዮም።
ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክሳብ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ካብዞም ምርጫታት ከም ዘይረዓሙ ኣብ ባይታ ዘሎ ምልክታት ይምስክር። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እቲ ንምቅርራብ ዝግበር ቃልስን ምክብባርን ቀጻሊ ኮይኑ፡ በቲ እትኣምነሉ ምርጫ ክስዕብዎ ንዝደልዩ ኣፍደገ ከይዓጸኻ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ሓያል ጻዕርን ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ከኣ ብመንጽርዚ ብኣወንታ ክረአ ዝግብኦ ተበግሶ እዩ። እቲ ብብዙሓት ወገናት ዝግበረሉ ዘሎ ምትብባዕ ከኣ ከም ሓደ ካብ ተመኩሮና ዝተመሃርናዮ ጸጋ ጌርካ ዝውሰድ እዩ።
ጉዕዞ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ክለዓል እንከሉ፡ ወትሩ ዝጥቀስ ጉዳይ ተመኩሮኻ ተመሊስካ ምግምጋም እዩ። ዕምቆት ገምጋም ዝምድናዊ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ግና ኣስታት 13 ውድባት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2013 እኹል ግዜ ወሲዶም ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዶም “ፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ዘይምውናን፡ ኣብ ዝተሓቱ ነጥብታት ተሰማሚዕካ ዘይምስራሕ፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ ምእዙዝ ዘይምዃን፡ ውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ምቕዳም፡ ናይ ምግላል (exclusion) ፖሊሲ ምኽታል፡ ዘይግሉጽነትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን” ዝርከብዎም 21 ድኽመታት ዘመዝገብሉን ዝተማህርሉን ተመኩሮ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ውድባት ኣብ ውሽጠን ዘካይደኦ ገምጋም’ውን ኣለወን። ስለዚ እዚ ገምጋማት ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ኣተሓሳስባ ምክብባርን ምድምማጽን ኣስተዋጸኦ ኣየበርከተን ማለት ኣይኮነን።
ዝተረዳድኡ ኣካላት የዕውተና እዩ ብዝበልዎ መንገዲ ክጠራነፉ እንከለዉ፡ ናይ ምውዳብ መሰሎም ብምጥቃሞም፡ “ስለምንታይ ንምርጫና ምርጫኹም ዘይገበርኩምዎ” ብዝብል፡ ዕንቅፋት ክትኮኖም ሓጋዚ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን ሓደገኛነት ምጥልላፍ ብምግንዛብን ኢና ድማ “ኣብቲ ነንኣምነሉ ዓዓቕና ዘይነበርከት” እንብል ዘለና።
ዕላማ ቃልስና ኮነ ምምስራት ጽላል ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ቅድሚት’ኳ እንተዘይሰራዕናዮ፡ “ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ዘመላኸተ ክኸው ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ካብ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ወጻኢ ስለ ዘይረአ “ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብመንን ብኸመይን ትምራሕ? ናይ ሽዑ ግደና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን?” ኣብ ዝብል ከሎ ጋና እምነትካ ምንባርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን ተወዳዳሪ ምዃንካ ምምልካት’ውን ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሕዳር ህርፋን ስልጣን ዘመልክት ዘይኮነ ኣብ “ሽዑ ነርክበሉ ሕጂ ንኺድ ጥራይ” ዘይንጥልጠል ቅኑዕ ዋሕዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ዝእምት ስሩዕን ዝተጸንዐን ባይታ ምንጻፍ ኣገዳሲ እዩ። ፖሓኤ ከኣ ብርኢቶኡ ነዚ ሕቶታት’ዚ መልሲ ይኸውን’ዩ ዝበሎ እዩ ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዘሎ።
ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምምስራት ጽላል ዘየዕወተ ተመኩሮና ከሰክፈና ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝብል ምስላ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እምበርከ እቲ ፈተነታት ምምስራት ጽላል ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ፡ ነቲ ጽላል ኣብ ምስሳይ ዝነበሩ ነፍስ-ወከፎም ግደኦም እንታይ ከም ዝነበረ ተመሊሶም ክሓስብሉዶ ኣይግባእን እዩ። ድሕሪቲ ተደጋጋሚ ፍሽለታት ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ካብ ተመኩሮኻ ምምሃርን ከም ዝህሉ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ እውን በቲ መንገዲቲ እንተሰጒምና ክንፈሺል ኢና ኢልካ፡ ምስ ኩነታትናን ንቡር ኣተሓሕዛ ኣብዘሓ ውድባትን ብዘየሳኒ ክሳብ “ውድባት ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወታ ኣየድልያን እየን” ዝብል ተመጢጥካ፡ “ዝተኣከበ በቲንካ፡ ክትእክብ ምፍታን ውሕሉልን ዘዋጽእን ምርጫ ኣይኮነን።
ውድባት ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን ፈጢረን ዝተሓናፈጻ፡ ነናተን ነጻነት ሃልይወን ኣብቲ ዘሰማምዓሉ ብደረጃ ጽላል ብሓባር ከም ዝቃለሳ ምግባር፡ ብዙሓት ዝተዓወትሉን ዝሰርሕሉ ዘለዉን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ጽላል ይኹን ካልእ ጥርናፈ እተዘይተዓዊቱ’ውን እቲ ናይ ዘይምዕዋት ጠንቂ እቲ ናይ ምጥርናፍ ኣገባብ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ፖለቲካዊ ኣካላት ዝሕተትሉ እዩ ዝኸውን።
ኤርትራ ካብ እትግለጸሉ ሓደ ብዙሕነት ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና እዩ። እዚ ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መርአይ እውን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ኳ ልዕሊ 80 መግለጺ ብዙሕነት ቋንቋታትን ባህልታትን ኣለዉ። ብደረጃ ኣፍሪቃ እንተርኣናዮ እውን ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ቋንቋታት ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ዓለምና ድማ ልዕሊ 7 ሺሕ ቋንቋታት ከም ዝዝረቡ ይዝንቶ። ብዘይካቶም ተፈጥራዊ መለለይ፡ ካብቶም ንብዙሕነት ኤርትራ ዝገልጹ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ኤርትራውያን ነቶም ብዙሕነቶም ዝገልጽሎም መለለይታቶም ናይ ምኽባር፡ ምስዓብን ምዕባይን መሰል ኣለዎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ቅዋም ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል ዝወሃቦም እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብዝሰፍሐ ዝእክበናን ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘረጋገጽናዮን ሰፊሕ ኤርትራውነት ብዘደልድልን ዝምእዘዝን እምበር ብዝጻባእ ክኸውን ከምዘይግባእ ክንግንዘብ ግድነት እዩ። ምኽባርን ምዕባይን ናይዞም መግለጺ ብዙሕነታት፡ ከም ባህ ዝበለካ ብፍኑው ዝትግበር ዘይኮነ፡ ዝተሰነደ ንብዙሕነታዊ ሓድነት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ቀጥዕታት ክህልውዎ ይግባእ።
ንኣብነት ብቋንቋና ክንጥቀምን ከነማዕብሎን ክንብል እንከለና፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እንኽተሎ ቀጥዒ ክህልወና የድሊ። እዚ እንምረሓሉ ቀጥዒ ከኣ ነቶም ብደረጃ ሃገር እንሰርሓሎምን እንራኸበሎምን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት እንህቦም መንግስታዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ንኣብነት ዓረብኛን ትግርኛን ብዘይጻረር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ከምኡውን እምነታትና ነናተን መንፈሳዊ ናይ ኣተገባብራ ስርዓትን ምምሕዳርን ክህልወን ዘይስገር እዩ። እዚ ስርዓተን ነቲ “ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ መንግስቲ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ኣይተኣታተዉን” ዝብል ኣምር ዘይሰሓተ ይኽውን። ትካላት እምነት ምስ መንግስቲ ዝህልወን ዝምድና፡ ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን ኣትዩ ኣንጻር ዝምረሓሉ ቀኖና ዝዘርግ ዘሎ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብዙሓት መእምናን መንገዱ ንኽሕዝ ዝቃለስሉ ዘለዉ፡ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ክኸውን ይግበኦ። ኣውራጃታትና ኣብ ትሕቲ ብቅዋም ዝውሰን ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ነናትን ልምዓት፡ ዲሞክራሲን ጸጥታን ዘረጋግጻሉ ብደረጀአን መምሓደሪ ሕጊ ክህልወን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕገን ናይቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቅዋም መተግበርን ደጋፍን እምበር ተጻራሪ ክኸውን ከም ዘይግበኦ መሰረታዊ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። ኣተሓሕዛና ኣብቲ ካልእ መግለጺ ብዙሕነትና እውን ብኸምዚ ዝተሓዝ እዩ ክኽውን ዝግበኦ።
ካብዚ ወጻኢ ንኹሎም መግለጺ መንነትና ዝኾኑ ብዙሕነት እነመሓድረሉ ኣገባብ፡ ነቲ ከም መላእ ኤርትራውያን ብዝሰፍሐን ዝለዓለን ደረጃ እንምረሓሉ ኤርትራዊ ቅዋም ብዝጻረር ክንሕዞ እንተፈቲና ሳዕቤኑ ኣሉታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዘጋጥም ኣሉታ፡ ሓድነትና ይልሕልሕ፡ ምሉእ ቆላሕታ ቃልስና ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ወጽዓን በደልን ህግደፍ ዝኸውን፡ ኣብ ሕድሕድና ምጥምማት የስዕብ። ምትእምማና ይንኪ። ነዚ ምድኻምና ዝተዓዘበ ጸላኢና ከኣ ፍልልያትና ብምግፋሕን ሓድነትና ብምድኻምን፡ ናይ ኩልና ጸላኢ ክነሱ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ድማ ወይለኻ” እናበለ ንክኸፋፍለና ዕድል ይረከብ። ድሕሪዚ ምድኻም ዝመጽእ፡ ዘይምዕዋት ከም ዝኸውን ድማ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ ሓደ መልክዕ ቃልስና፡ ንሕና ክንእከብ ጸላኢና ከኣ ንኽብትነና ዝገብሮ ጻዕሪ ዘሎ ምርብራብ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዚ መዳይዚ ንከፋፋሊ ውዲት ህግደፍ ምብዳህ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ንክንስዕሮ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ ተመዓዳዲኻ ናይ ምርእኣይ ጸገማት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ክረአዩን ብቃልሲ ክሰዓሩን ዝጸንሑ እዮም። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ጉዕዞ እንተጋጣሙ ዘገርም ኣይኮነ። ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና ከከም ኣብመጻጽእኦም ክንስዕሮም ድልዋት ምዃን ግና መተካእታ የብሉን። ጸላእትና ክዕወቱ ዝኽእሉ ብብርተዐኦም ዘይኮነ ብሰንኪ ድኻምናን ምርሕሓቕናን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ነዚ ጠንቂ ድኽመትና ክኸውን ዝኽእል ድሕረትን ጽበትን ንምስዋሩ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰዓቢ ምስልምናን ክርስትናን ኮይኑ፡ ሳላ “እምነት ናይ ግሊ ሃገር ድማ ናይ ሓባር” ዝብል ኣምር ብግቡእ ተረዲኡ ብሓባር ዝተቓለሰ ታሪኽ ከም ዝዝሰርሐ እናፈለጡ ተስፋ ከይቆረጹ ኣብ መንጎኡ ምርሕሓቕ ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ከም ዝብሉ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ተግባሮም ክንግረም ዘይኮነ፡ ውዲቶም ከነምክን ኢና ሓቢርና ክንቃለሶም ዝግበና።
ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ሒዛቶ ዘላ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ቅርጽን ስፍሓትን ውጽኢት መግዛእታዊ ምምሕዳር ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ኣውራጃታትና እውን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኻዊ ኣመጻጸኣ የብለንን። ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ካብ ሓደ ብዝሒ ናብቲ ካልእ ክሰጋገራ ዝጸንሓ እየን። ኣብዚ ሎሚ ዘለወን ብዝሒ ኣብ 1909 ከም ኢጣልያውያን ኣመሓደርቲ ብዝቐየስዎ ዝሓዘኦ፡ ምዃነን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር’ “THE DYNAMICS OF UNFINISHED AFRICAN DREAM- ERITREAN ANCENT HISTRY TO 1968” ኣብ ኣጥብል መጽሓፉ ኣስፊርዎ’ሎ። መግለጺ ብዙሕነትና ኣብ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዝሰረጸ እምበር፡ ብደረጃ ኣውራጃታት ተሰሊዑ ዝተዓደለ ኣይኮነን።
ኣብ መብዛሕትኡ ኣውራጃትና እቲ መግለጺ ብዙሕነታና ኣብቲ ነባሪ ህዝቢ ይንጸባረቕ። ኤርትራውያን ብኣውራጃን ካልእ መርኣያ ብዙሕነትን ከይተፈላለና፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኤርትራውነት ክንስለፍ እንከለና ከም እነድምዕን እንዕወትን ተመኩሮ ቃልስና ምስክርና እዩ። ብኣውራጃን ዝኣመሰለን ብምክፍፋል መሳርሒ ጸላእትና ከይንኸውን ምስዓሩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ዘመዝገብናዮ ዓወት መሰረታዊ ምስክር እዩ። በዚ ዘይምክፍፋል ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዓወት ዘይድገመሉ ምኽንያት ድማ የለን። ህግደፍ ካብ እኩይ ሜላ ገዛእቲ ብዘይፍለ ህዝብን ውድባቱን ክፈላልየና ዝፍትን እውን ወሳንነት ሓድነትና ንውድቀቱ ስለ ዝርዳእ እዩ። ስለዚ ኣውራጃ ወሲኽካ ምንጽብራቕ ኩሉ ብዙሕነትና፡ ካብ ኣገዳስነት ምዕሳል ኣብ ዙርያቲ ዝሰፈሐ ኤርትራውነት ወጻኢ ከይንቓንዮ ናይ ሓደራ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ነቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ግጉይ ኣተሓሕዛ ንኣውራጃ ከም ፖለቲካዊ መሳርሕን መሕብኢ ጸቢብ ድልየታትን ምጥቃም ከኣ ከይሳዕረረ “ወጊድ” ክንብሎ ይግበኣና።