ብደሆና ንህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን
2024-11-14 21:19:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 368 timesህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ እቲ ዝበረኸ መልእኽቱ ምርግጋጽ ዲሞክራሲን ምምላስ ሓርነቱን እዩ። እዚ ቃልሲ ክንድ’ቲ ወሳንን መሰረታውን ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ በብዓይነቶም ብደሆታት ጸኒሐሞን ኣለዉዎን። እቲ ቀንዲ ብደሆ ንጭቆና ህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ኣብ ውሽጦም ክካይድዎ ዝግበኦ ብደሆታት ከም ዘለዉዎም እውን ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከምቲ “ሕሉፍካ ኣይትረስዕ፡ መጻኢኻ ከይጠፍኣካ” ዝበሃል፡ ጸረ ዲሞክራሲ ባህርያት ህግደፍ ክብዳህ እንከሎ፡ ጉዳይ ሃገርን ልኡላውነትን ንምዕዋት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተጠርየ ልምድን ተመኩሮን ንህልዊ ኩነታት ብዝምጥን ኣብ ልዕሊኡ እትምለኣሉን እተሕድሶን እምበር፡ ጠንጢንካዮ እትሓልፍ ዓቕሚ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ዘይራኣኻስ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት” ዝብል ኣበሃህላ ትሕዝቶኡ ረዚን እዩ። ካብቲ መልእኽቱ፡ ሓደ ዕማም ወጢንካ ከተዕውት ክትነቅል እንከለኻ፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምጅማር ዘይስገር ወሳኒ ምዃኑ ንምግንዛብ ዝጥቀስ እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሓርነታውን መሰሉ ከይለብስ፡ ዓጊትዎ ዘሎ ቀንዲ ናይ ህግደፍ ጸሊም መጋረጃ ጭቆና እዩ። መፍትሒኡ ድማ ነዚ ጸሊም መጋረጃ ቀንጢጥካ ብርሃን ክትርኢ ምብቃዕ እዩ። ነዚ ንከተረጋግጽ ህግደፍ ምውጋድ ድማ ዘይስገር መሰረታዊ ዕላማን ብደሆን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምዃን ንክበቅዕ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክብደሆም ዝግበኦ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ኣሚኑ፡ ንቃልሲ ክተግህ ኣገዳሲ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ህግደፍ ዘወግድ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ዓቕሙ ኣብ ግብሪ ንከውዕል፡ እቲ ጉጅለ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ናይ ሓባር ጸላኢኡ ምዃኑ ምርዳእ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ካብ ዘለዉ ብደሆታ ሓደ እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ሃይማኖት፡ ከበሳን መታሕትን፡ ኣውራጃን ካልእ ዘረሓሕቕ ጸቢብ ስምዒታትን ኣወጊዱ ንፋስ ህግደፍ ዘየነቓንቖ ናይ ቃልሲ ሓድነቱ ኣብ ምድልዳል ንዝዕንቅፉ ብደሆታት ክስዕር ክበቅዕ ይግበኦ። ነዚ ንምዕዋት ዓቕምኻ ክትውድብን ሓሳብካ ብናጽነት ክትገልጽን እትኽእለሉ ኩነታት ምጥጣሕ ወሳኒ እዩ። ህግደፍ ሓልዩ ዘይኮነ፡ ብናይ ህዝቢ ምትፍናን፡ ዕድመኡ ዘናውሕ ተንኮላት ስለ ዝፍሕስ፡ “ንገሌኻ ኣጆኻ ንገሌኻ ድማ ወይለኻ” ዝብል ክፋፋሊ ውዲቱ ተቐባልነት ንከይረክብ ግድን ብህዝቢ ክብዳህ ኣለዎ። እዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብህዝቢ ክዕመም ዝግበኦ ብደሆታት ከየዕወትካን ናትካ ሕጽረት ሓቢእካን ኣጻብዕትኻ ናብ ካልእ ኣካል ብምቕሳር ጥራይ፡ ናብቲ እትጽበዮ ዓወት ክትበጽሕ ምጽባይ ውጽኢታዊ ኣይኮነን።
እዚ ቅድም ውሽጥኻ ናይ ዘይምርኣይ ብደሆ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። በቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ወገናት ኤርትራ እውን ግቡእ ክብደትን ኣቓልቦን ክወሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ።“ህግደፍ ካብ ብብርታዐኡ ዝያዳ፡ ብድኽመት ተቓወምቱን ስቕታ ህዝብን እናተዓንገለ እዩ ዝነብር” ዝብል፡ ኣገላልጻ ብዙሓት ዝረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጦም ክብድህዎ ዝግበኦም ዘይምብዳህ፡ ዝዘንግዕዎ ጉዳይ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ። ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ዛዕባታትን ኣገባብ ኣፈጻጽማን ስለ ዝተፈላለኻ ውድባት ናይ ምርባሕ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ነቲ ጨቋኒ ጉጅለ ንምስዓር ዘለዎ ዓንቃፊ ብጽሒት ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረት እዩ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ክብደትን ትሕዝቶን፡ ኣብ ብዝሒ ውዳበታት ምትኳር እውን ከምኡ ክምከት ይግበኦ። ብቐንዱ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝዓበየን ቅድሚት ዝስራዕን ምዃኑ ኣሚኑ ዘተግብር ልቦናን ግንዛበን ዘንጊዕካ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንናይ ሓባር ረብሓ ተኸኣኢልካ ኣብ ትሕቲ “ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል” ክትቃለስ ዘይምትባዕ መርኣያ ዕንቅፋታት ክትብድህ ዘይምኽኣል እዩ። እዚ ብሓባር ምቅላስ፡ ናይ ዓወት መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት፡ ስለ ዝኾነ፡ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ዘይኮነ ንምዕዋቱ ቃልሲ ዝሓትት ኣጀንዳ ኮይኑ ዝቕጽል እዩ።
ነዚ ኣብዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ምዕራፋት ቃልስና ዘይምትእስሳር፡ ኣብ ክንድኡ “ነቲ ናይ ቀደም ረስዕዎ” ኢልካ ክትጓስዮ ምፍታን፡ ካልእ ኣብ ዘይናበብ ጉዕዞ ንከይትወድቕ ክብዳህ ዝግበኦ እዩ። ኣብዚ ግደ መንእሰይ ኤርትራን ውዳበታቱን ኣዝዩ ዕዝዙ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ናይ ዝሓለፈ ምዕራፍ ቃልስና ቀዳምነት ምውሓስ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይኑ፡ ነዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ዲሞክራሲን ሓርነትን ቃልስና እውን ኣብ ግምት ዘእቱ ከም ዝነበረ፡ “ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር እንታይ ጥቕሙ፡ ተረዲእኩምዶ ተላይ ትርጉሙ” ዝብል ዝነበረ መዝሙርን፡ ዝካየዱ ዝነበሩ ህዝባዊ ስርዒታትን ናይ ቅድመ-ምድላው ኣመልከቲ እዮም።
ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ባህሪኡ ዘርእን ንድሕሪት ዘይምለሰሉን ብምዃኑ፡ ንትጽቢት ህዝብና ዝምጥን ብኣኡ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘይህሉ ርዱእ ክኸውን ይግበኦ።
ስለዚ እቲ ንህግደፍን ጨቋኒ ኣተሓሳስብኡን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ብደሆ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ቀጻሊ ኣጀንዳና ምዃኑ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ብምንባብ ብሓባር ክስዕርዎ ዝግበኦም ብድሆ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ክሕሰበሉን ክስረሓሉን ከም ዝግባእን ብኣኡ መሰረት ምንቅስቓስን መተካእታ ከም ዘየብሉ ብምግንዛብ ሎሚ ዝዕመም እምበር፡ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።