ስቕታ ህዝቢ ክሳብ መዓስ?

2024-10-02 20:49:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 8 times

ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ነዊሕ ጉዕዞን ሎሚ ዝርከበሉ ዘሎ ሃለዋትን ባዕሉ ዝተዋሰኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ ኣካል ዝንገሮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፎ መስርሕ በበይኑ መልከዓትን ትሕዝቶን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ቃል “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትገልጾ የጸግም። “ህይወት ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን” ምባሉ ከኣ ሓደ ካብቲ ልሙድ ኣገላልጻ ናይ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኤርትራ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣዮ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ ዝተመስከረሉ እዩ። ብዙሓት ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዓውዲ ተመራመርቲ ከኣ “ውሑድ ክነሱ፡ ኣንጻር ብዙሓት ገጢሙ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዕጥቂ ዝተዓወተ ህዝቢ” ኢሎም ንመስተንክራዊ ኣበርክቶኡ መስኪረምሉ እዮም። ህዝብና ነዚ መስተንክር ክሰርሕ እንከሎ፡ “ከምዝን ክንድዝን ነይሩ” ኢልካ ዓይነቱን ብዝሑን ምጽብጻቡ ዘጸገም ክቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ኩሉ መሰረታዊ መሰላቱ እውን ተገፊፉ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊሩ ተስፋ ከይቆረጸ ነቲ ዋጋ ናይ ምኽፋሉ ምስጢር ከኣ፡ ዝርኣዮ ብርሃን ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ፡ ናጽነት ኤርትራ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ዑናታት መግዛእቲ ክድኮን ዝተቓለሰሉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራሲን ግና ኣይተረጋገጸን። ህዝብና ኣብ ጽባሕ  ናጽነት እዩ፡ እቲ ዝተሓተ ከም ናጻ ዜጋ እግርኻ መሊእካ ናይ ምስጓምን፡ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል’ኳ  ዝተነፍገ። ብኣንጻሩ ናይ 2ይ ዜጋ ዝመስል ኣስማትን ደረጃን እናተዋህቦ ርእሱ ከድንን ተገዲዱ። ኣብቲ እዋንቲ’ዩ ከኣ “ትርጉም መግዛእትን ናጽነትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? ዝብል ንደገ ዘይወጽእ ድምጺ ሕቶ ዘቃለሐ። መልሱ ድማ ብዓውታ ደኣ ናብቲ ጉጅለ ኣየብጻሕ እምበር፡ “ገዛኢ ተቐይሩ፡ ተግባራት መግዛእቲ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ” ብዝብል ዝቕለስ፡ “ግዜ ደርጊ ይሕሸና፡  ድርጊ ብኣካል ወጺኡ ባህርያቱ ግና ኣሎ ጋና” ዝብል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ መስዋእትነት ዘረጋገጾ ዓወት ተጠሊሙ፡ በቲ ጉጅለ ብኣዝዩ ከቢድ ምረትን ክብደትን ኣብ ዳግማይ ወጽዓ ክኣቱ እዩ ዝብል፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ትጽቢት ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ምእማኑ ብዘጸግም ተራእዩ። እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ “ኣይንብርከኽን” ድምጹ ግና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ እዩ ክሳብ ክንድዚ ወጽዓ ዝስከም እንግደዓ ኣጥሩ” ክሳብ ዝበሃል ክቱር ስቕታ ኣርእዩ። ብሰንክ’ቲ ስቓታኡ ድማ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ምጽብጻቡ ዘጸግም ዘይተጸበዮ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።

እቲ ስቕታ ኣብቲ መጀመርያ፡ ናይቲ ሕድሩ ዝጠለመ ኣካል ምፍርራሕን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተወሲኽዎ፡ ምኽንያታዊ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣካላት ነይሮም። እቲ በደል እንዳኸበደ፡ እቲ ግዜ እንዳነወሐን ህግደፍ ከኣ ከም ዝጠለመ ብተግባር እናርኣየን ምስ መጸ ግና፡ እቲ ክቱር ስቕታ ህዝቢ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ በሪሁ።  ኣንጻር’ቲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ስቕታን ኩራን “ጽቡቕ ኣለና፡ ካብዚ ዝዓቢ ናጻነት እንታይ ኣሎ? ዝብል ጠባሪ ድምጺ ዘስምዑ፡ ቅድሚ ጠቕሚ ህዝቢ ረብሓኦም ዘቐድሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኣካላት ምስተኸሰቱ ከኣ እቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ሓፋሽ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ እዩ ዓዚምዎ” ኢሎም ዝሓቱ ወገናት በርኪቶም።

እቲ ኣብ ሃገርና ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ኮነ ሕጋዊ ቅቡልነት፡ ብኢደወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ወጽዓ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰላት ምሕራምን ተደፊእካ ሃጽ ኢልካ  ናብ ስደት ብምምራሕን ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን። ንህዝብና ኣብ ብዙሓት ዘይምልከትዎ ውግኣት ብምጥባስ እውን ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ናብ ዝተዓጻጸፈ፡ ኩሉ ናይ ውግእ ሳዕቤናት ከእትዎ ጸኒሑ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ብሰንኪቶም ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ዝወለዶም ውግኣት ዝሓደሮ ቁስሊ ከየሓወየን ኣብኡ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መርድእ እናተጸበየን ጌና ካብ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ደበና ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ “ተኾሊፍና” ብዝብል ዘሕፍር ኣገላልጻ ህርፋኑ ስለ ዘየርወየ ከንባሁቕ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ደሃይ ውግእን ዘይምርግጋእን ድምጺ ናብ ዝስመዖ ኩርነዓት መገሻታት የጽዕቕ ኣሎ። ዕላምኡ ከኣ ብውግእ ንዝደላለዩ መንግስታት ክዓርቕ ዘይኮነ፡ ጸግዒ ሒዙ  ከሳውር  ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን” እናበለ ዝኣተዎ ውግእ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን  ልኡላዊ መድያ ምስ  ዝበሃል ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ፋብሪካታት መሳርሒ ፈቲሑ ወሲዱ እዩ። ሰባት እውን ቀቲሉ።  እቲ ተግባር ቅድም ናይቲ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ሰራዊት ስምዒታዊ ስጉምቲ ይመስለና ነይሩ። ደሓር ግና ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበሮ ኣረጋግጽና። ብሰንክዚ ከኣ መንእሰይ ትግራይ ብብዝሒ ኣንጻርና ተሰሊፉ” ብዝበሎ ኣቃሊዕዎ። እዚ ንህግደፍ ከተሓሳስቦ መተገበአ። እንተኾነ ሓንሳብ ብደም ስለ ዝሰኸረ፡ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ሎሚ’ውን ነዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብስቕታ ክሓልፎ እዩ  ማለት ድዩ?

ህግደፍ ሎሚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውግእን ህውከትን መኻይዲ ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ። ኣብቲ ዝእጐድ ሓዊ ግዳይ ዝኸውን ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንእሰይ ኤርትራን ቤተሰቡን እዮም። “ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታሲ ክሳብ መዓስ?”  ናይ ዝብል ሕቶ መልስኸ፡ “ንሓዋሩ” ዝብል ድዩ  ወይስ “ሎምስ በዚሑ ጉልባብና ቀሊዕና  ደኣ ንቃለሶ”  ዝብል  ክኸውን እንጽበዮ እዩ።

Last modified on Wednesday, 02 October 2024 22:56