ህዝቢ ኤርትራ ማለት፡ ህግደፍ ማለት ኣይኮነን
2024-09-25 19:22:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 186 timesኣብ ኤርትራውያን ጉዳይ ፖለቲካ ክለዓል እንከሎ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ መንጎ ሰልፊ/ውድብን ህዝብን ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና እዩ። እዚ ዛዕባ ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኸውን ነቲ ዝምድና ብሕግን ስርዓትን ዘይኮነ፡ ብሸፈጥን ዓመጽን ዝብለጽሉ ዘይሓላፍነታዊ ውዳበታት ኣብ ዝዋስእሉ መስርሕ እዩ። ብኣውርኡ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ናይዚ ሸፋጢ ኣገላልጻ ዝምድና ህዝብን ግንባርን ኣብነት ኮይኑ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ስልትታት ሓደ እዩ።
ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተግህ፡ ከዕውቶ ዝቃለሰሉ ሸቶ ዘለዎ፡ ናይ ኣባላቱ ድሌትን እምነትን ጥራይ ዝውክል ትካል እዩ። እቲ ዝሕዞ መልክዕ ውዳበ ከኣ ከከም ምርጫ ናይቶም ወደብቱ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ዜጋታት ፖለቲካዊ ዕድል ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዝውስን ቃልሲ ንምስታፍ ኣብ ዙርያ ንኣተሓሳስባኦም ዝውክል ትካል ናይ ምውዳብ መሰል ኣለዎም። መሰረታዊ ዕላማ ናይ ምውዳቦም ኩለ-መዳያዊ ዕቤት ሃገሮምን ህዝቦምን ምብራኽን ተነፊጉና ዝብልዎ መሰላት ንምውሓስን እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ስለ ዝሕዙ፡ ከከም ምርጫኦም ናይ ዝተፈላለያ ውዳበታት ኣባላት ይኾኑ። እቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዝወልዶ ውዳበታት ክበዝሕን ክውሕድን ይኽእል። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝህልው ብዝሒ ውድባት “ክንድዚ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ገደብ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ጥራይ ምህላው ናይ ሓሳብ ምርጫ ስለ ዘስእን ኣይምረጽን። ንስለ ምብዛሕ ኢልካ ውዳቤታት ምምስራት’ውን ኣይተባባዕን። ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ንምህላውን ዓቕምታት ንዘይምብታንን ክልተ፡ ተወዳዳሪ ሰልፍታት ምህላው እኹል እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ናይ “መን ርኢቶኡ ብዝያዳ ናብ ህዝቢ ኣስረጸ” ውድድር ክህልው ናይ ግድን እዩ። እቲ ውድድር ነቲ እትመርጾ ኣታሓሳስባ ንከተዕውት “መን ይምራሕ” እውን ዘጠቓልል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ብዝምልስ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ውዳበ፡ ናይ ምዕባይን ምስፋሑን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ናይ ሓደ ውድብ ምዕባይን ዘይምዕባይን ካብ ዘርእዩ ረቛሕቲ ሓደ ካብቲ ትቃለሰሉ ክሳብ ክንደይ ብኣባልነት ከተሰልፍ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሓደ ውዳበ፡ እቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ኣይውሕዱን ማለት ኣይኮነን። ጠንቂ ዕላምኡ ህዝባዊ ክነሱ፡ ናይ ሰዓብቱ ምውሓድ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ፡ ሓሳብካ ብግቡእ ኣብቲ ተጠቃሚ ህዝቢ ክተስርጽ ዘይምብቃዕ እዩ። ስለዚ ምስ ቅኑዕ ዕላማ ንዓኡ ዝምጥን ምንቅስቓስን ጐስጓስን’ውን ወሳኒ እዩ።
ብሰንኪ ዘይህዝባዊ ዕላማኦም፡ ተቐባልነት ብምስኣኖም ዘይዓበዩ፡ ግና ድማ ዓበይቲ ናይ ምዃን ህርፋን ዘለዎም፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ውዳበታት ዝጥቀምዎ ስልቲ፡ ሰላማዊ፡ ሕጋውን ውሑስን መወዳደሪ ሜዳ ምዕጻው እዩ። ድሕሪኡ ከምቲ “በይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ የብሉን” ዝበሃል፡ ተወዳዳሪ ኣብ ዘየብሉ ብሑት ፖለቲካዊ ሜዳ፡ “ፈተኹም ጸላእኩም ኣነ እየ ናትኩም” ብምባል ሰባት ብዜግነቶም ክረኽብዎ ዝግበኦም መሰላት ምስ ናይ ውድብ ኣባልነት ኣተኣሳሲርካ ምፍርራሕ እዩ። ኣብ ርእሲዚ “ኣነ ህዝቢ እየ፡ ህዝቢ ከኣ ኣነ እዩ” ክሳብ ምባል እውን ይብጻሕ እሞ፡ እቲ ምልኪ ይስዕርር። እዚ ከምዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ክሓብእ፡ መብጸዓታት እናቐያየረ፡ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝዝምሮ ማለት እዩ። እዚ ኣካይዳ ካብ ድሌት ህዝቢ ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ተግበርቱ ወትሩ ኣብ ስግኣት፡ ሻቕሎትን ምሽቑራርን እዮም ዝነብሩ። ከይወዳደሮም ንዝሰግእዎ ከኣ ብምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን ስቕ ከብልዎ ይፍትኑ። ሃጽ ኢሉ ኣርሒቑ ክጠፍኣሎም ከኣ ድሌቶም እዩ።
ህዝቢ ብባሕሪ እዩ ዝምሰል። እታ ሃገርን ጸጋታታን ከኣ ናቱ እዮም። ኣባላት ውድብ ይኹኑ ሰልፊ ካብዚ ባሕሪ እዮም ዝቕድሑ። ህዝቢ ኣብ ዘየለወሉ ውድባትን ኣባላተንን ኣይህልዉን እዮም። ህዝቢ ግና እዘን ውድባት ኣብ ዘይሃለዋሉ’ውን ህያውን ነባርን እዩ። ዜጋታት ናይ ሓደ ውዳበ ኣባላት ክኾኑ ኣብ ዝመረጹሉ፡ ኣብ ክሊ ናቱ ምንቅስቓስ በቲ ዝተቐበልዎ ሕጊ ክቕየዱን ክሕተቱን ግድን እዩ። ናይ ሰልፊ ይኹን ውድብ ኣባላት ዘይኮኑ ዜጋታት ግና፡ ብናይተን ውዳበታት ውሽጣዊ ሕጊ ኣይቅየዱን እዮም። ናይቲ ውዳበታት መራሕቲ እውን ነቲ ኣብ ክሊ ውዳበኦም ዘሎ ኣባል እምበር፡ ንዝኾነ ዜጋ ናይ ምግዳድ መሰል የብሎም። ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚርካ ኩሉ ሕግታት ዝበኾረሉን ህግደፍ ዝበሃል ኢደ-ወነናዊ ግንባር በይኑ ኣብ ዝዕንድረሉን፡ ኣባሉ ይኹን ኣይኹን ብኣልማማ በቲ ዘይምልከቶ ናይ ግንባር ሕጊ ምቕጻዕ፡ ምምሕዳርን ጸጋታቱ ምርሳይን ዝተለመደ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ ድማ በዚ ህይወት’ዚ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ።
ከምቲ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ዘርእዮ፡ ኣብተን ውዳበታት ዝስለፉ ዜጋታት ካብቲ ጠቕላላ ህዝቢ ውሑዳት እዮም። ንኣብነት ስልፊ ባራትያ ህንዲ 12.7%፡ ኮምኒስት ሰልፊ ቻይና 7%፡ ሃገራዊ ሰልፊ ህንዲ 6.7%፡ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ፓኪስታን 12.24%፡ ሰውራ ጋና 25%፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ድማ 11% ካብ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ብኣባልነት ከም ዘሰለፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝሰፈሩ ሰነዳት ምርዳእ ይከኣል።
እቶም ውሑዳት ኣባላት ውድባትን እቲ መላእ ህዝብን ብሓባር ዝራኸቡ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዝውኪሉ፡ ሽግራቶም ዝፈትሕን ዘመሓድሮምን መንግስቲ እዩ። ሰልፍታት ኣብቲ መንግስቲ ከከም ስፍሓቶም እጃም ኣለዎም። ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ መንግስቲ ንኹሎም ዜጋታት ብሓደ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሓደ ግንባር ጥራይ ዝተባሕታ ሃገራት፡ ዋላ ንይምሰል ምርጫ ዘይተኻየደሉ ኩነታት ግና ኣብ መንጎ’ቶም ነናቶም ሓላፍነትን መሰልን ዘለዎም ህዝቢ፡ መንግስትን ውድብን ክህሉ ዝግበኦ ፍልልይ ኣይረኣይን። ስለዚ እዩ ድማ ንሓደ ውዳበን ንሱ ዘቑሞ መንግስትን ምቅዋም ማለት ክድዓት ሃገርን ህዝብን ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ።
ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትአን ሃገራት ፍልልይ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉ፡ ብሰልፋዊ ብዙሕነት እየን ዝመሓደራ። ሳላ’ቲ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ምህላዉ ከኣ ዝሓሸ ምኽባር ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣለወን። ኣብተን ብሓደ ሰልፊ ጥራይ ዝምረሓ ከም ኤርትራ፡ ቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቬትናምን ኩባን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ህዝበን ብብኩራት ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ይሳቐ። ስለዚ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝተነጸረሉን ርክብ ህዝቢ፡ መንግስትን ሰልፍታትን ሕጋዊ መልክዕ ዝሓዘሉን ስርዓት ንምትካል ቃልስና ብሓባር ንቐጽል።