ኣቶ ታየ ደንደኣ ብዋሕስ ንክፍታሕ ተወሲንሉ
2024-12-02 19:55:29 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 15 timesምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ዝነበረ ኣቶ ታየ ደንደኣ
ላዕለዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ታየ ደንደኣ ዝተባህለ ፖለቲከኛ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ንክፍታሕ ብ2 ታሕሳስ 2024 ከም ዝወሰነ፡ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።
ምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዝተኣስረ ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ ብሰለስተ ክስታት እዩ ተኣሲሩ። እቲ ሓደ ዝተኸሰሉ ነጥቢ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ክነሱ፡ ጸረ ሰላም ሓይልታት ዝድግፍ ፖሮፖጋንዳ ነዚሑ ዝበል ኮይኑ፡ ምስዚ ድማ ነቶም ጸረ ሰላም ዝተባህሉ ሓይልታት ግንባር ሓርነት ከም ዝድግፍ ኣብ ናይ ብፌስ ቡክ ገጺ ኣውጺኡ ዝብል ይብል። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ገዝኡ ብፖሊስ ምስተጐርጐረ፡ ፈቓድ ዘየብሉ ዕጥቂ ተረኺብዎ ዝብል እዩ።
.ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ፡ በቲ ክልተ ክስታት ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ ሕገመንግስታዊ መሰሉ እዩ ተጠቒሙ፡ ብዝብል ናጻ ክብሎ እንከሎ፡ በታ ሳልሰይቲ ምስ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ እትተሓሓዝ ክሲ ግና ነብሱ ንምክልኻ መሰኻኽር ንከቕርብ እዩ በይኑ ነይሩ።
በዚ መሰረት ኣቶ ታየ ናብቲ እግባይ ዝበለሉ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ገዝኡ ዝተረኽበ ዕጥቂ ሕጋዊ ምዃኑ ንክምስክርሉ፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎምን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ዝርከቦም መሰኻኽር ጸዊዑ ኣብ መስርሕ እንከሎ እዩ ብላዕላዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ናይ ምፍታሕ ዕድል ከም ዝረኸበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።