“ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል፡ ቃለ-መጠይቕ

2024-12-01 17:41:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 572 times

ኢሳያስ ብጳውሎስ ነታባይን ሱሌማን ዑስማን ዓበን ተሰንዩ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024  በተን ኣብ ኤርትራ ብሒተን ዘለዋ መዲያትታ ህግደፍ ዝተመሓላለፈ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብዚ ባዕሉ ብዘዳለዎ ሕቶታት እናተሓተተ ዘካየዶ    ቃለ መጠይቕ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግልቡጥ  ኣካይዳኡ ብናይ ወጻኢ ዛዕባታት እዩ ጀሚሩ።

ኣብቲ መጀመርያ ምስ ቁጠባዊ ዕቤት ብዝተተሓሓዘ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣሜሪካ እናበለ ብዙሓት ሃገራት ጠቒሱ። ንመጻኢ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ንምሕጓስ ድማ ነታ “ኣሜሪካ እንደጋና ዓብይ ክንገብራ ኢና” ንእትብል ጭረሖ ትራምፕ ደጋጊሙ ኣኳማሲዕዋ። ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ኩነታተን ክጠቅስ እንከሎ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ንዘሎ መንግስት ኣሜሪካ ከምቲ ልማዱ ብትሪ ኸሲስዎ። ነዚ ኮለል ዝበሎ ብኸመይ ምስ ኩነታት ኤርትራ የተኣሳስሮ ግና ዝጭበጥ ሓሳብ ኣየቕረበን። ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ ዞናዊ ውዳበታት እውን ካብቲ ጸርፉ ኣይደሓናን ክሳብ “ኣበይ ዘሎ ሕብረተሰብ ዓለም እዩ” ዝኣመሰሉ ስምዒታውን  ዘይሓላፍነታውን ሓረጋት እውን ኣዘውቲሩ።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ኣእትዩ ይሕንክር ከም ዝጸንሐ ርኡይ እናሃለወ፡ ሱዳናውያን ኣብ ጉዳዮም ናይ ካልእ ኢድ ክኣትው ከየፍቀዱ ባዕላቶም ንክፈትሕዎ ክመክር ከም ዝጸንሐ ኮይኑ ክቐርብ ፈቲኑ። ካብዚ ሓሊፉ ናብቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ናይ ዓመታት ውረድ ደይብ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ተመሊሱ  ብዙሕ ለፍሊፉ።

እቲ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ፡ ኣብዚ እውን ካብቲ ልሙድ ካብ ኣብ ድሮ ውግእ ባድመ ዝነበረ ኩነታት ጀሚሩ፡ መዓት ክሕደትን ጥምዙዝ ፍጻመታትን ብምቕራብን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ኮለል ኢሉ። ነቲ ብይን ዶብ ኣብ መሬት ዘይምምልካት ጠቕሊሉ ንኢትዮጵያ ጥራይ ከሰክማ ተሰሚዑ። “ንስኻኸ ኣብቲ ዕድል ዝረኸብካሉ ንምምልካት ኣብ ባይታ ብዝምልከት እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ተባሂሉ ከም ዝሕተት ዘስተውዓለ ኣይመስልን። ካብዚ ሓሊፉ ብሓፈሻ ኣብቲ ህልውን ንኤርትራ ዝምልከትን ምዕባለታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ናቱ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድና  ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ዝምልከት፡ ሕቶ ስለ ዘየዳለወ፡ ብቐጥታ ዝበሎ የለን።  ሕሉፍ ሓሊፉ  ትማሊ “ንኤርትራን ኢትዮጵያ መንዩ ዝፈልየን” ዝብል ዝነበረ ፈኸራኡ ተሪፉ “ኣበይ ዘላ ኢትዮጵያ እያ?” ኢሉ ክሓትት ተሰሚዑ።

ከምቲ ልማዱ ኣብ ጉዳይ ትሕዝቶ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ “ዓብይ ሓጽቢ ሕዳሰ  ኢትዮጵያ እውን ንመለስ ዜናዊ ይትረፍካ ኢለ ኣማኺረዮ ነይረ ግና ኣይሰመዓንን” ዝበሎ ድማ ካብቲ ኣገረምቲ ኣበሃህላኡ እዩ። ነዚ ክብል እንከሎ ስለምንታይ ግብጺ ኣብቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ኪዳን ኣስመራ ከም ዝተሰለፈት ምኽኑይ ንምግባር ዝዓለመ ይመስል።

እቲ ዘገርም፡ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ውግእ ክካየድ ድሌት ከም ዝነበሮ፡ ግና ድማ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ውግእ ከምዘይተርፍ ከም ዝሓበሮ ይጠቅስ። እዚ ዝብል ዘሎ እቲ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድ ነጋሪት ውግእ ንምውቃዕ፡ “ወያነ ጸወታ ተወዲኡ” ዝበሎ ተረሲዑ እዩ ካብ ዝብል ይመስል። ብናይ ኣብይ ድፍኢት ንደበረጼን ውግእ ንከየካይዱ ኣብ ኦሞሓጀር ከም ዝመኸሮ እንተኾነ ደብረጼን ከም ዝኣበዮ እውን ጠቒሱ። ከምዚ ኢሉ ክመጻደቕ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን።  እቲ ዝያዳ ዘገርም ኣብቲ ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ውግእ ትግራይ ኢዱ ከም ዝሓወሰ ግና ኣይጠቐሰን። ትማሊ ደጋጊሙ “ተኾሊፍና” ከምዘይበለ፡ ናይ ሰላም ሓላይ ብምምሳል ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበር ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምኽሳስ ድማ ናይቲ ውዕል ዋናታት ካለኦት እዮም ይብል። ብሓፈሻ ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ ከጉልሖ ዝፈተነ ጉዳይ ዘይምጥኖ ክነሱ፡  ናይ ፖለቲካ ፈላጥ፡ ናይ ሰላምን ዕቤትን ሓላይን ናይ ጽቡቕ መጻኢ መኻሪ ኮይኑ ንምቕራብ እዩ።

ኣብቲ ቅድሚት ክመጽእ ዝነበሮ ጉዳይ ኤርትራ “እኹል ማይን ጸዓት የብልናን” ኢሉ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ነዚኦም ከይሓዝካ ምልማዕ ኣይከኣልን ይብል። ዘመናውን ምቹኣትን ኣውተቡሳት ከነቕርብ ይግበና ኢሉ። ግና መንን መዓስን እየ ክቐርባ መልሲ ኣይነበሮን። ቅድሚ 20 ዓመታት ዘውጻናዮ ናይ ልምዓት መደባት ኣሎ ኢሉ፡ ነቲ መደባት በብግዜኡ ነሕድሶ ኣለና ድማ ወሲኽሉ። መዓስን ብመንን እዩ እቲ መደባት ክትግበር እሞ ናይ ህዝቢ ራህዋ ከምጽእ ዝምልከት ግና ዝበሎ የለን። ወፍሪ፡ ኢድናስትሪ፡ ወደባት፡ ኣየርፖርት…ወዘተ ዝብሉ እውን ዘርዚሩ። ዘይሩዘይሩ ግና ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ነታ ናይ ቀደሙ ጸገማት ምጽብጻብ እዩ ደጊምዋ እምበር፡ መጻኢ ተስፋን መፍትሕን ኣይኣመተን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኣብ ፖለቲካ ናይ እንዳማቱ ክዘባርቕ ኣምስዩስ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዝዕባ ዘይምጥቃሱ እዩ። እዚ ተደሚሩ እዩ ከኣ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዘብል። እቶም “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ኢሎም ነቲ ቃለ-መጠይቑ ክሰምዑ ግዜኦም ዘየባኸኑ  ድማ ቅኑዓት ነይሮም።

Last modified on Sunday, 01 December 2024 18:46