“ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ትሓክኽ”

2024-02-15 09:28:41 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 493 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ናይ ኩሎም ደቃ እያ። ልኡላዊት ሃገር ክትከውን ዘብቅዓ ከኣ እቲ ዘይሕለል ቃልሶም  እዩ። እቶም ኩሉ ጸጋታታ ተጠቒሞም ናብ ቀጻሊ ዕቤትን ብራኸን ከሰጋግርዋን ክሕልዉዋን ዝኽእሉ ከኣ ንሳቶም እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ እቲ  ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን ናይዞም ደቃ ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምስጢር ድማ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ስሱዑን ጨቋንን ፖሊሲ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዓድን ወጻእን ዝነብር ህዝባ፡ ሃገሩ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምህናጻን ንምኽሓሳን ብዝለዕለ ደረጃ ተሃንጥዩ። እንተኾነ እቲ “ደጊም ብውድባት ሓሸውየ የለን”  ብዝብል ተስፋ ዘቑርጽ ኣግላልን በሓትን ጭረሖ ዝጀመረ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝዝወር ጉጅለ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ካልእ መዳያት’ውን ኣጠማምታኡ ጥዑይ ከምዘይነበረ ምልክታት ከርኢ ጀመረ። ካብቲ ዝነበሮ ትዕቤት ነቒሉ ድማ ኤርትራ ናይቶም ዝተቓለሱላን ከሕውይዋ ዝተሃንጠዩን ደቃ ዘይኮነት፡ ናይ’ቶም ሎሚ ተጐሊሎም ዘለዉ ውሑዳት መጋበርያታቱ ክገብራ ከም ዝደሊ ወስታታት ጀመረ። እቲ ሓደገኛ ወስታኡ ኣብ ልዕሊ እቶም “ተቓሊሶም ዓዲ ዘእተዉዎ ተጋደልቲተይ” ዝበሎም እውን ዘናሕሲ ኣይነበረን።

እንተኾነ እዚ ጉዳይ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ “ብሕገመንግስታዊ ውሕስነት ክዕረ ይኽእል እዩ” ብዝብል ተስፋ ከይቆረጹ ክዕገሱ ዝፈተኑ፡ እንተኾነ ንክሕደት ህግደፍ ክቕበልዎ ዝተጸገሙ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ጉጅለ ብውሽጡ ዘይኣምነሉ ክነሱ፡ ናይቶም ዘይትግበር ተስፋ ዘሕደሩ ግሩሃት ወገናት ሃንቀውታ ንክምዝምዝ፡ መስርሕ ምጽዳቕ ሕገመንግስቲ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ቀጺልዎ። ኣብቲ መስርሕ ሕጉሰ ከም ዘይነበረን ሓሓሊፉ ዕንቅፋት ይፈጥር ከም ዝነበረን ከኣ በቶም ናይቲ መስርሕ ቀለስቲ ዝነበሩ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ነቲ ቅድሚኡ ምኽንያታት እናፈጠርካ ዘጋጥም ዝነበረ ዕንይንይ ገዲፍካ፡ ክሳብቲ ዓው ኢሉ “እዚ ሕገመንግስቲ ከይተተግበረ ሞይቱ እዩ” ዝበለሉ ግዜ ክትግበርዩ ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ወገናት ነይሮም እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ነቲ “ሓድሽ ሕገመንግስቲ ንነድፍ ኣለና” ዝብል ሕጫጨኡ እዝኒ ዝሃብዎ “ደቂ ገርሃ ልባ”  እውን ኣይተሳእኑን።

ህግደፍ ቅድም ነቲ ባዕሉ ኣብ 1994 ብደረጃ ጉባአ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቻርተር፡ ደሓር ድማ ነቲ ብዙሕ ናይ ተሳትፎ ሕቶታት ብዘኸተለ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ቀዳዲዱ ምስ ደርበዮ፡ በቲ ካብ ቅድም ዘንቀደሉ ኣግላልን ኢደ-ወነናውን መንገዱ ቀጺሉ። ኣብቲ ኩነታት “ስለምንታይ ሕገመግስታይ ይስረዝ?” ዝብል ድምጺ ብጋህዲ ዘይምግንፋሉ ድማ ንህግደፍ ኣሻህሪትዎ እዩ። ከም ኣብነት ናይዚ፡ ምርጫን ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታትን ምልዓልን ብዛዕባኡ ምሕታትን ዘቕጽዕን ዘእስርን ከም ዝኾነ ብጋህዲ ኣዊጁ ተግቢርዎ። “ደጊም ካብ ወረ ውግእ ወጺእና ሕቶ ህዝብና ንመልስ” ዝበሉ ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዘጋጠሞም ከኣ  ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ እዩ።

ኣብ መዳይ ቁጠባ፡  ኩሉ ሰክተራት ብናይቲ ጉጅለ ትካላትን ውሑዳት መጋበርያታቱ ውልቀ ሰባትን ተገቢቶም። ወዮ ንገዛእ ርእሱ ተጠቒሙ ሃገሩ ከልምዕ ክወፍር ዝህንጠ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝተፈላለዩ መጻወድያታት ስለ ዘጋጠምዎ፡ ዝተለሞም መደባት ልምዓት መኸኑ። ኤርትራዊ ኣውፋሪ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይኮነንዶ ሃብቲ ከጥሪ ድራር ዕለቱ እውን ክረከብ ከም ዘይክእል ምስ ተገንዘበ፡ ካብ ምውራስ ዝተረፈ ንብረቱ ሸይጡ ህይወቱ ንምድሓን ካብ ምስዳድ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።

ህግደፍ ምስዚ ኩሉ ርኡይ ኣግላሊ ተግባራቱ፡ “ንኤርትራ ከነልምዓ ኢና” ዝብል መብጸዓታት ካብ ምእታው ዓዲ ኣይወዐለን። “መዓስ እዩ እሞ እቲ ልምዓት?” ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ንሓንሳብ ነዋርሕ ንሓንሳብ ድማ ንዓመታት ዘይትግበር ቆጸራን ተስፋን ይህብ። እንተኾነ ግደፍዶ ሓድሽ ልምዓት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደኮና ትካላት ኣባይትን እውን ከምዘይተሓደሰ ሓለቓ ህግደፍ ደጋጊሙ ዝተኣመነሉ እዩ።“መን ደፊሩ ከይሓተንን ከይቆጻጸረንን” ብዝብል ትዕቢት ከኣ ብዛዕባቲ ቅድም ተመጻቢዑ ዝጠለሞ ከይተሰከፈ፡ በቲ ናይ ሓሶት ቃል ምእታዉ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣፍ ኣውጺኡ ኣይዛረብ እምበር፡ ብውሽጡ “ሃገር ከልምዑ ዝግበኦም ደቂ ሃገር እናግለልካ ደኣ ሃገር ብኸመይ እያ ክትለምዕ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ናይቲ ጉጅለ ዝነብር ኤርትራዊ የለን ማለት ኣይኮነን። ምስዚ ግና በቲ ዝረአ ዘይኣምኑ ኣብ ዘይትግበር ተስፋ ዝነብሩ፡ እቲ መላኺ ዝብሎ ቃል ኣምላኽ ዝመስሎም ብ”ንኺድ ጥራይ” ዝሰኸሩ ውሑዳት ግሩሃት ክሳብ ሎሚ’ውን ኣለዉ።  

እቲ ብተደጋጋሚ በቲ ጉጅለ ብግብሪ ዝተራእየ እምበኣር፡ ሃገር ምልማዕን ቁጠባ ምስሳንን ዘይኮነ፡ ዝርካቡ ጸጋ ሃገርን ሓይሊ ሰባን ኣብ ዘባኽኑ ዝተፈላለየ ውግኣት ምእታው እዩ። እቲ ውግኣት ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝተኣጐደ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣትዩ ዘካየዶ፡ ሓድሽ ስለ ዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝለዕለ መርድኡ ዘይተነግረ፡ ኤርትራዊ ህይወት ዝጠፍኣሉን ንብረት ዝዓነወሉን ስለ ዝኾነ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ናይ ህግደፍ ምትላልን ጥልመትን ፍሉይ ዝገብሮ፡ ህዝቢ በቲ ዝረአን ዝድህሰስን ተግባሩ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን እሞ፡ ክቕጽሎ ኣለኒ” ዝብል ድርቅናኡ እዩ። ካብዚ ብደዐ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ፡ ነቲ ዘካይዶ ውግኣት ንዕቤትን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ዝኾነ ኣምሲሉ ክሕበኣሉ ዝፍትን።

ኢሳያስ ካብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ወጺኡስ፡ ውዲታት ንምእላምን ምስሉ ንምጽብባቕን ቅድም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመላሊሱ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣቕጣጫ ቀይሩ፡ ናብ ቻይና፡ ሩሲያን ካለኦት ሃገራትን ክገይሽ እንከሎ፡  ነቲ ዝገሸሉ ቀንዲ ውዲት ብምሽፋን፡ ኣብቲ መገሻኡ ብጉዳይ ልምዓት ኤርትራ ምስ ኣውፈርቲ ናይተን ሃገራት ከም ዝተማኽረ መሲሉ ክቐርብ ተዓዚብናዮ።  ኣብዚ ቀረባ ድማ ናብታ ብሰንኩ ከምቲ ንቡር ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ ልዕሊ 350 ሬሳታት ኤርትራውያን ተኸዚኑላ ዘሎ ሃገር ኢጣልያ ገይሹ ንልዕሊ 10 መዓልታት ሸናዕ ክብል ቀንዩ። ምስ ተመለሰ ድማ፡ ኤርትራ እትለምዓሉ ተስፋታት ሒዙ ከም ዝተመልሰ ዝእምት ወረ ክቃላሕ ንሰምዕ ኣለና። መንግስቲ ጥልያን  ቅድሚ ሕጂ ብ60 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኤርትራ መንገዲ ባቡር ክሃንጽ ሓቲቱ “እቲ ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢድና ሃቡና” ብዝብል ብህግደፍ ከም ዝተዓንቀፈ  ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ስለዚ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ትሓክኽ”  ዝበሃል፡ ክሃንጽዋ ዝነበሮም ደቃ ደፊኡ ዘግለለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወጻእተኛታት ዓዲሙ ንኤርትራ ከልመዓ እዩ ማለት ዘበት ምዃኑ  ክንርዳእ ይግበኣና።

Last modified on Thursday, 15 February 2024 10:31