እቲ እንብሎ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ  እዩ

2025-02-05 12:46:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 829 times

ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብዛዕባ ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ እትሓልፎ ዘላን ዝብልዎ፡ ንዝረአ ዝኽሕድ፡ ኣብ ኣሉታ ጥራይ ዘተኩር፡ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዘነብር ብግብሪ ሓቂ ዘየብሉ እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ኣበሃህላኦም ኣብ ኤርትራሲ ዝረአ ኣውንታ እናሃለወ እዩ ዝከሓድ ዘሎ ካብ ዝብል ዘይቅኑዕ እምንቶ  ዝነቅል እዩ ዝመስል።

እንተኾነ፡ ንኩነታት ኤርትራ እንገልጸሉ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ዘተኩር፡ ብዙሕ መዳያትን መልከዓትን ዘለዎ እዩ። ናይ ኩሎም ዛዕባታት ውጽኢት ድማ ብመንጽር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትጽቢትን “ኣሉታዊ እዩ” እንብሎ፡ እቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝምስክሮ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ዘየለ ምሂዝካ ኣብ ጽልእን ቅርሓትን ንምንባር  ዝመሃዝ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይሕሰብን። ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ውዳበን ነጻ መድያታትን ኣይረአን። ነንሕድሕዶም ዝናበቡ ኣካላት ዘለዉዎ፡  ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝንጸባረቐሉ መንግስታዊ ፡ ምምሕዳር የለን። ምርጫ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ልዕልና ፍትሒ እውን በዂርሉ ዘሎ እዩ፡…..ወዘተ ክንብል እንከለና፡ እቲ ኣብቲ ባይታ ዝድህሰስ ሓቂ ከምኡ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ኣውንታ ጓዕጺጽካ ንምሕላፍ ዝተሓሰብ ኣይኮነን። እዚ ካብቲ ኢሳይስ፡ “ሕገመንግስቲ ሞይቱ እዩ፡ ምርጫ ንምክያድ ሰላሳ ኣርበዓ ዓመታት ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ የድልየና ይኸውን”  ዝበሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባይታ ክሳብ ክንደይ ኣውንታ ሓሪምዎ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሃገርና ዜጋታት ሃብቶም ኣዋፊሮም፡ ንነብሶም ኮይኖም፡ ሃገሮም ዝሃንጽሉን ህዝቦም ዘርብሕሉን ዕድል የለን። ኣብ ክንድኡ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ጐረባብቲ ሃገራት የልምዑ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ  ኣስታት 3 ቢሊዮን ዶላር ኣውፊሮም ከም ዘለዉ ምግላጹ ንኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ። ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ነዚ ዝተዓዘቡ ናብታ ንደቃ ዘይኮነት ኤርትራን  ቀናእን ገባትን ምምሕዳር ህግደፍን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ  ክመጹ ምጽዋዕ ከኣ ግብራዊ ኣይኮነን።

 ምምሕዳር ህግደፍ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት የብሉን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያታት ዘይግሉጽነቱ እዩ።  ናይ ወጻኢ ሽርፊ መንቀሳቐሲ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰቦም ካብ ዝልእክዎ ብሕጊ ናይ ዕዳጋ ዘይግዛእ፡ ናይ ዓመጽ ሸርፊ ዝተዋህለለ እዩ። ኣብቲ ዝርካቡ ሃብቲ ሃገር ማዕረ ተጠቃምነት ስለ ዘየለ፡ ኣብ መንጎቲ ሓፋሽን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብምጥፍፋእን ናብቲ ጉጅለ ብዘለዎም ቅርበትን ዝሃብተሙን ዘሎ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ሰማይን ምድርን እዩ። እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ናብ ዕዳጋ ዘየቕርብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዝርካቡ ባኒ ከይተረፈ፡ ኣብ “ድንኳን ሕድሪ” ብመቑነን እናዓደለ፡ መቆጻጸሪ ፖለቲካን ጸጥታን ዝጥቀመሉ እዩ። እዚ ኩሉ ኣብቲ ኤርትራዊ ባይታ ዝድህሰስ እምበር ምሂዝካ ዝበሃል ኣይኮነን። ኤርትራ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ኣብ ሓደ ግዜ  ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ዘየውጽእሉ ስርዓተ-ባንክ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ካብ ሓደ ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ “ክውረስ እዩ”  ብዝብል ተኣዊጅዋ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እኹል ቀረብ ዝስተ ማይን ጸዓትን የብሉን። ከም ኢንተርኔት ዝኣመሰሉ ዘመናዊ መሳለጥታት፡ ንካልእስ ይትረፍ ምስ ቤተሰብ ተደዋዊልካ ደሃይ እትፈልጠሉኳ የለን። ትምህርትን ሕክምናን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ እዩ።  መንእሰያት ክሳብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝፍጹሙ’ኳ ምስ ወለዶም ኮይኖም ናይ ምምሃር ዕድል የብሎምን። ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ሳዋ እትርከብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ምህርቲ ጥራይ እያ ዘላ። ዝነበረታ ሓንቲ  ዩኒቨርስቲ ዓጽያ ጥራያ ዝተረፈት ምዃና ከኣ መስደመም እዩ።  

ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ዘለዋ ንኤርትራውያን ኣገልግሎት ዝህባ ሆስፒታላት ውድቀት ሕክምና ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ መሰኻኽር እየን። ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት ዘሎ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት፡ ተጽዕኖን ምቁጽጻርን ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንሕብረተሰብ ዓለም እውን መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ኣወዳዲርካ ምስ ዝለዓለ ብዝሒ ካብ ዜጋታተን  ዝተሰዱወን  ቀዳሞት ሃገራት  ካብ ትስራዕ ነዊሕ  ኮይኑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ፡ ውግእን ህውከትን እምበር ቋንቋ ሰላምን ምክእኣልን ዘይርዳእ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎን ዝነበረን ባዕሉ ዝዛረብ መርተዖ እምበር፡ ምህዞ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እያ ከኣ ኤርትራ ንሓንሳብ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ንሓንሳብ ድማ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ብውሕዱ ሓደ ዙር ውግእ ዘካየደት ናግራም ሃገር” እትበሃል። እዚ ኩሉ ሓቢእካዮ ዘይሕባእ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እምበር፡ ንጉጅለ ህግድፍ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ እተልግበሉ ጸለመ ኣይኮነን።

እቲ ኤርትራዊ ኩነት ዝምስክሮ ከምዚ እናሃለወ፡ “ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ኣብ ባይታ ዘሎ ኣውንታ ክሒዱ ናብ ኣሉታን ጽልእን ዘተኩር እዩ”  ንዝብሉ ወገናት፡ “ሃየ በሉስከ እቲ ኮነ ኢልካ ዝተሰግረ ናይ ህግደፍ ኣውንታ ኣርእዩና?” እንተዝበሃሉ፡ ኣብ ባይታ ፍረአን ዘይሕፈስ “ዘመናዊ ማሽናት ኣለዋና”  ካብ  ምባል ሓሊፎም፡ እንታይ ከምዝብሉ እንድዒ። ኢሳያስ ተጠሊዑ “ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ፋብሪካታት ኣበይ ኣለዋ? ባጽዕ  ሉል ባሕሪ ትበሃል ነይራ ሎሚኸ ኣበይ ኣላ?” ክብል እንከሎ፡ ሕሉፋት ህግደፍ ብምዃን ተኣመንቲ ንምዃን “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ”  ብዝብል ሃንደፍደፍ  ዝብልዎ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ኢሳያስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ “ኣብ ምዝርዛር ጸገማትን  ዘይትግበር መብጸዓታትን”  ሃተፍ ዝብሎ፡ ኣብ ባይታ ግና ሕቶ ህዝቢ  ዘይምልስ፡ ከም ሓቂ ዝወስድዎ እንተልዮም፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ኣውንታ ዘይኮኑ ምስ ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ እዩ ዘመልክት።

ስለዚ እቶም ተግብራት ጉጅለ ህግደፍ ተቓዊሞም፡ ኤርትራን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ህይወት ንከሰጋግሩ ይቃለሱ ንዘለዉ ሓይልታት፡ ብጽልእን ቂምን ዝኸሱ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዘይጭበጥን ኣብ ባይታ ዘየለን ሕልሚ ይነብሩ ከም ዘለዉ ተረዲኦም ምስ ሓይልታት ለውጢ ክስለፉ ሎሚ’ውን መጸዋዕታ ህያው’ዩ።  

Last modified on Wednesday, 05 February 2025 13:52